Friday 11 April 2014

ሆሳዕና

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻሙነይቲ ሰንበት ሆሳዕና ተባሂላ ትፍለጥ።ሆሳዕና ማለት ሕጂ ኣድሕን ማለት አዩ። ጐይታናን መድሓናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤተ ፋጌ ናብ ኢየሩሳሌም ብኣድጊ/ብዒሉ ተወጢሑ ዝኣተወሉ እዩ።


እዛ ሻሙናይ  ሰንበት እዚኣ ሆሳዕና ብዝብል ስም ክትስመ ዝኸኣላት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብ ዋዜምኡ ጀሚሩ “ሆሳዕና በአርያም” ብምባል ስም ሆሳዕና ደጋጊሙ እናጠቐሰ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብህጻናትን ኣዕሩግን እንኮላይ ብኣእማን ከይተረፈ እናተመስገነን እናተወደሰን ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ እያ። ዝርዝር ናይቲ ታሪኽ ድማ ኣብ ኵሎም ወንጌላውያን ተመዝጊቡ ይርከብ። 
 ማቴ 21፡1/  ማር 11፥1-10/ሉቃ 19፥29-38 ተወከስ/ሲ
ህጻናት ድማ ኣብ ቤት መቕደስ ዓው ኢሎም  ''ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት''ኪብሉ ምስ ረኣዩ ሓረቑ።
 '' ሆሳዕና'' ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩክ እዩ'።

እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፣ ክብሪ ኣብ ኣርያም''ኣውንንይብሉ ነበሩ።

ኣብዚ ዕለት ኣብ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዝፍጸም መንፈሳዊ ሥርዓት ምስቲ መዝሙር ኣብታ “ሥርዓት ዑደተ ሆሣዕና” እትብል ካልኣይቲ ኣርእስቲ ብዝርዝር ቐሪቡ ኣሎ እሞ ኣጸቢቕና ነጽንዓዮ። 


ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝነበብ ድማ 

መልእኽቲ ጳውሎስ፦ “ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ መጸ በቲ ብሉስን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ? በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ። ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ኪኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡ ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዜስልጥ የብሉን። ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን። ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ፡እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጒርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኲሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ። ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኲሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ። እምብኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኺጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሔሸ መስዋእቲ ኺጸሪ ናይ ግዲ ነበረ። ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ንሱስ ብዙኅ ሳዕ ርእሱ ኺስውእ ኣይኣተወን። ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ኪስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ጊዜ እተገልጸ። ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።” (ዕብ ፱፥፲፩-መፈጸምታ) 

መልእኽቲ ሓዋርያት፦ “ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ ብሥጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ እቲ ብሥጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ሥጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ መስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣሕዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ። ንሳቶም ነቲ ንሕያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። ከምቲ ናይ ሰብ ብሥጋ ዀይኖም ኪፍረዱ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኰይኖም ብሕይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ። ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝኂ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ፍቁራተይ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። (ቀዳማይ ጴጥ ፬፥፩-፲፪) 

ግብሪ ሓዋርያት፦ “ድሕሪ ሠለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስክንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና። ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ ኣብኣ ሠለስተ መዓልቲ ጸናሕና። ካብኣ ሐሊፍና ኸኣ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና። እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ኪቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሀድኤ። ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሠራዊት ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ። ኰነ ድማ፡ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣኸቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ በሎም ኣቱም ኣሕዋተይ ኣነ ምስ ሕዝብና ወይስ ምስ ሥርዓት ኣቦታት ዚብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ። ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ ኪፈትሑኒ ደለዩ። ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና ንሕዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዜብለይ ክነሰይሲ ጨኒቑኒ ናብ ቄሳር ይግባይ በልኩ። እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቚሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም። ንሳቶም ከኣ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን። ብዛዕባ እዛ ወራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ ንፈልጥ ኢና እሞ እቲ ንስኻ እትሐስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና በልዎ።” (ግብ ሓዋ ፳፰፥፲፩-፳፪) 

   ምስባክ፦ እምአፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሐተ 
                 በእንተ ጸላኢ 
                 ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ
             ካብ ኣፈ ቈልዑን ዝጠብዉን ምስጋና ኣዳሎኻ 
                                   ምእንቲ ጸላእትኻ 
                                   ጸላእትን ሕነ ፈዳይን ከተጥፍኦም 

ወንጌል፦ “ንሱ ግና እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ? ኢሎም ሐተትዎ። እቲ ዝሐወየ ግና ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙኅ ሕዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ ኢየሱስ ድኅር ኢሉ ስለ ዝነበረ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ መሊስካ ኣይትበድል በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይሰጒዎ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ ግና ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር ኣነውን እገብር ኣሎኹ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንሥኦም ሕያዋንውን ከም ዚገብሮም ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ሕያዋን ይገብሮም እዩ። ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ሕይወት ተሳገረ እምበር ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ሕያዋን ኪዀኑ እዮም ኢለ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትዐልዎ ሕይወት ሀቦ። ወዲ ሰብ እዩ እሞ ኪፈርድ ሥልጣን ሀቦ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ሕይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሣኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ በዚ ኣይትደነቑ። ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ።(ዮሓ ፭፥፲፩-፴፩)






1 comment:

  1. ቃል ሂወት የስማዕልና ናይ ኣጎሉጉሎት ዘመንኩም ይባሪከለኩም ኣሜን

    ReplyDelete