Tuesday 9 October 2012

'' ወእፈቅድ ታእምሩ ኣሓውየ ኢትተክዙ ብእንተ እለ ኖሙ''

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

ኽልን ሓመድን እሞ ብሓደ ይቕበሩ
እኽሊ ንላዕሊ ሓመድ ግና ይተርፍ ኣብ ዘለዎ ንወትሩ 
ሰብ ድማ ደው እንተ በለ የርኢ ሰማያዊ ግብሩ
ኮፍ እንተበለ የርኢ ምድራዊ ነገሩ 
ደቂ ግዜ ረኣዩ እሞ መጻሕፍቲ መርምሩ 
ናይ ሰብ ነገር ብዙሕ እዩ ክብሩ 
318 ርቱዓን ሃይማኖት ወንሴፎ ትንሳኤ ሙታን ኢሎም የዘኽሩ 
ኣብ ስጋ ዘይትመውት ነፍስ  ከምዘላ ይምህሩ
ኣብ የውሃንስ ወንጌል 5ምዕ ፣24ቍጸሩ
ብስጋ ከይጸዓርካ ኣይትርከብንያ እታ ኽብርቲ ሃገሩ
መጻሕፍቲ ተመልኪትኩም ርቅነት ተማሃሩ
ኣምላኽ ኣይገድፍን እዩ ምጽዋዕ ገባሩ
ጸሎትኩም ኣብጽሑ ዳዊትኩም (ድገሙ)ዘምሩ
ሕደግዎ ፍቕሪ ዓለም ስርሑ ተግባሩ 
ንዑ ደኣ ጣዕሚ መንግስተ ሰማያት ዘክሩ



ቁሩብ ደሞ ከዘንቱ 4 ኣፍላግ ከመይ ከምዝገበሩ
ግዮን ኤፌሶን ጤግሮስ ኤፍራጥስ ንገነት ዝዞሩ
ጠሊ ሂቦም ብሰላም ዘንብሩ
ኣብኡ ቀሪብዎ ኣሎ ጸባኡ መዓሩ
መግቢ ናይ ኣቦና ኣዳም  ዝነበሩ
ኣዕይንቲ ይበርሁ ኣዕጽምቲ ይጠሉ ንዕኡ ክዝኽሩ
ኣየ ተዓዊቶም ኣብኡ ዝነብሩ
እንታይ ክንበልዕ ኢሎም ዘይሽገሩ
ምስጋና ኣምላኽ እምበር ሓሜት ሓው ዘይዝኽሩ
ኣብዚ ዓለም እዚ ደኣ ኣሎ ካብ ራህዋኡ ዝበዝሕ ሽግሩ
ኣብ ዘይትክእሎ ሓሳብ የእትወካ ጠሚሩ 
ኣቶ ሞት  ኣለዉ ካይተዳሎኻ ከም ጋሻ  ዝጽምበሩ 
ንወዲ ሰብ ጐሮሮኡ ዓጽዮም ዝጠምሩ መሓውሩ
ድኻ ኢሎም ዘይፍንፍኑ ጐይታ ኢሎም ዘይሓፍሩ 
ኣብ ንዮው እዩ ዝፍደ ከከም ግብሩ
በብታ ዝሃብዋ መስፈር ክስፈሩ
ጫው ጫው ኣይንበል ከም ኣዕዋፍ  ደዓሩ
ቍም ነገር ንስራሕ  ፈጣሪና ከይንድሩ

ምስጢረ ስላሴ ተመሃሩ
ናይ  ወንጌል ቃል ስምዕዎ ቍም ነገሩ 
መማህራን ይብሉና ኣለዉ ተዳሊኹም ንበሩ
ዘንጊዕኩም ኣይትጽንሑ ገሃንም  ከይትሳፈሩ 
ጐይታ ዝመጸሉ ኣይፍለጥን'ዩ ካብ ለይቲ ካብ ቀትሩ 
ጥራይ ኢድና ከይንጸንሕ ካብቲ ግሩም ግምባሩ

ወስብሐት ለእግዚኣብሄር 
ወለወላዲቱ ድንግል  
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!



 

No comments:

Post a Comment