በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
ማዕተብ፥ ዐተበ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝመጸ ኮይኑ፡ ናብ ትግርኛ ክትርጎም ኮሎ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ ዝብል ቃል
ይርከቦ። ማዕተብ ብዘመነ ኦሪት ዝነበረ ብዘመነ ሓድሽ ድማ ዘሎ ኣርማ ናይ ተዋሕዶ እዩ።
ማዕተብ ብኣርባዕተ ሕብሪ ናይ ፈትሊ ኣብ ሓደ ዝተጠቅለለ ወይ ውን በበይኖም ኣብ ሓደ ናይ ኣማኒ ክሳድ ዝእሰር መንንነት ክርስትና ዝገልጽ እዩ። ሕብሮም ድማ ጸሊም፡ ቀይሕ፡ ብጫ፡ ጻዕዳ እዮም፡፡ ናይ ማዕተብ ሕብሪ ብባህሊ ወይ ብልምዲ ዝመጸ ኣይኮነን። ብርቅቅ ዝበለ ምሥጢር ዝተታሕዙ እዮም። ነግር ግን ኣብ እዚ ዘለናዮ ዘመን ብእምነት ዝድሓሩ ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ግና ዝሰልጠኑ ዝመስሎም ኣዝዮም ብዙሓት ጸረ ናይ ማዕተብ ዝበዝሑሉ ግዜ እንዳኾነ ይመጽ ኣሎ። እምብኣር ናይ'ዞም ኣርባዕተ ሕብርታት ማዕተብ ቤተ ክርስቲያና ንዝረጎደ ኣርቂቃ፡ ንዝዓሞቐ ድማ ኣቅሪባ ምሥጢራ ንደቃ ከም ትምህረና ደቃ ምስክራ ኢና። ቤተ ክርስቲያን ንምንታይ ዝተፈላለዩ ሕብርታት መሪጻ ዝብል ሕቶ ኣብ ርእስና ክመጻና ናይ ግድን እዩ። ምሥጢሩ ግና እዚ ዝስዕብ ይመስል። ጸሊም፥ ሓደ ኣማኒ ክርስቲያን ስለ ሃይማኖቱ ንዝመጾ መከራ ዝቅበሎ መሪር መከራ ወላ ከም ጸልማት እንተ በርትዐ ኣይክሕድን እየ። ዝብል ምሥጢር ዝሓዘ እዩ።

ቀይሕ፥ ውን ከም'ቲ ጎይታናን
መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ ክብል ደሙ ኣፍሲሱ ዝዓደገኒ፡ ኣነ ድማ ስለ ሃይማኖተይ ክሳዕ ሰማዕትነት ደመይ
ከፍስስ እየ። ዝብል ምሥጢር ዘለዎ እዩ። ብጫ፥ ድማ ሓደ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ጉዑዝኡ ብዘይ ተስፋ ክነብር ስለ
ዘይክእል ተስፋይ ኣባኻ እዩ። ዝብል ምሥጢር ዝሓዘ እዩ። ጻዕዳ፥ ውን ሓደ ክርስቲያን ብኣርብዓ ወይ ብሰማንያ
መዓልቲ ውልድነት ካብ ኣምላኽ ክንቅበል ኮለና ንጹሓት ጌይሩ ምስኡ ሓደ ዝገበረነ ንዘልዓለም ውን ካብ ፍቅሪ
ክርስቶስ ዝፈልየኒ የብለይን። ዝብል ምሥጢር ዝሓዘ እዩ።
ናይ ማዕተብ ምሥጢር እዚ ጥራይ ውን ኣይኮነን። ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ከድኅን ኣብ ዝመጻሉ ግዜ፡ ብዕለተ ዓርብ ንድኅነት ዋጋ ዘይቆጾሩ ኣይሁዳውያን፡ ካብ ኢዮሩሳሌም ናብ ቀራንዮ ገመድ ኣብ ክሳዱ ኣሲሮም ዝጎቶትዎ ናይ ድኅነተ ዋጋ ዝኸፈሎ ንዝክረሉ፡ ንዓለም ንሰብከሉ ትምክሕትና እዩ። ማዕተብ፥ ከም'ቲ ሓንቲ ሃገር ካብ ባርንርት መግዛእቲ ምስ ወጸት እቲ ቀንዲ ምልክታ ትገብሮ ባንዴራ እዩ። ንሕና ክርስቲያን ድማ ካብ መግዛእቲ ናይ ድያብሎስ ዝወጻናሉ ዕለት ብኸመይ ዓይነት ዋጋ ናጻ ከም ዝወጻና ነስተንትነሉ ስልማት እዩ።
እግዚአብሔር ኣምልኽና ኣቐዲሙ ብርቕቕ ዝበለ ምሥጢር ኣብ ቡሉይ ኪዳን ገሊጹልና ይርከብ። "ግዜ ሕርሳ ምስ በጸሐ........ክትወልድ ከላ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽኣ፡ እታ መሕረሲት ቅድም ዝመጸ እዚ እዩ ኢላ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ"።/ዘፍ 38፥27-30/ እዚ ቃል ጽሑፍ እዚ፡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያና ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምርሒት ክትርጉምዎ ከለዉ፡ እታ ትሓርስ ዝነበረት "ትዕማር" ናይ ቤተ ክርስቲያና ምሳሌ እያ። እታ መሕረሲት ድማ ናይ ሎሚ ካህናት ትምሰል። እቲ ኣቀዲሙ ኢዱ ዘውጸ ናይ'ዞም በዛ ቅድስት ተዋሕዶ እምነት ማዕተቦም ከይበተኹ ጸኒዖም ዝነብሩ ይምሰል። እቲ ቐይሕ ፈትሊ ድማ ናይ ሎሚ ማዕተብ እዩ። እቲ ብድሕሪት ዝመጸ ቀዲሙ ግና ዝተወልደ "ፋሬስ" ድማ ኣቀዲሞም ካብ ቅድስት ተዋሕዶ ዝተወልዱ ድሓር ግና ማዕተቦም በቲኾም ገዲፎማ ዝወጹ ናይ ትሓድሶ፡ መናፍቃን ይምሰል። እምብኣር ማዕተብ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ ዝሓዘ ድኣ እምበር ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተጀመረ ኣይኮነን። ልዑል እግዚአብሔር ጹኑዓት ክገብረና መንፈስ ቅዱስ ሰዲዱ ይርድኣና።
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ብሓውና ዲያቆን ጸጋይ ሶበሊ

No comments:
Post a Comment