በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን!
“መሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን” መዝ 87፡1-7 መሠረታ ካብቶም ቅዱሳን ኣኽራን ኢዩ። ብምባል ናይ እመቤትና ሥርወ ልደታ ካብ ቤተ ምንግሥትን ካብ ቤተ ክህነትን ካብ ዝኾኑ ካብ ቅዱስ ኢያቄምን ቅድስት ሃናን ተወልደት። ነቢይ ኢሳይያስ ውን “ትወፅእ በትር እምሥርወ ዕሴይ ወየዐርግ ፅጌ እምኔሃ” ኢሳ 11፡1 ብምባል ካብ እንዳ ንጉሥ ወገን ካብ ዕሴይ ካብ ዳዊት ከም እትውለድ ነጊሩ ኔሩ ኢዩ። ነዚ ሒዞም ድማ ኢትዮጵያውያን ሊቃውንቲ “ናይ እመቤትና ማርያም ትውልዳ ብወገን ኣቡኣ ካብ ንጉሥ ዳዊት ብኣዲኣ ድማ ካብ ካህን ኣሮን ወገን ምዃና፡ ናይ ኣቦኣ ስም ኢያቄም ናይ ኣዲኣ ስም ድማ ሐና ምዃኑ ብሰፊሑ የስተምህሩ።
ኢያቄምን ሐናን እግዚአብሔር ዘፍቅሩ ብሕጉ ዝመላለሱን ኣምላኽ ዝመረጾም ሕያዎት ሰባት እኳ እንተ ነበሩ ሐና መኻን ብምዃና ምኽንያት፡ ክልቲኦም ናብ ቤተ እግዚአብሔር ንግሆ ንግሆ ብምኻድ ንዓይኖም መዕረፊ ንልቦም ድማ ተስፋ ዝኾኖም ውላድ ንኽህቦም ንእግዚአብሔር ይልምኑ ከም ዝነበሩ (Protoevangelium of James’
protoevangelium Jacobi) “ፕሮቶቫንጊሊዩም ኦፍ ጀምስ”
ወይ (መጽሓፈ ያዕቆብ) ዝበሃል ጥንታዊ ናይ ሐዋርያ ያዕቆብ መጽሐፍ የረድእ።
ሓደ ካብ መዓልታት ሐናን ኢያቄምን ክጽልዩን ክሓዝኑን ውዒሎም ክምለሱ እንከለዉ፡ ረጋቢት ክጻወቱ ርእያ ሓና ኣምሪራ ምስ በኸየት ኢያቄም ናብ በረኻ ከይዱ ንሳ ድማ ኣብ አታኽልቲ ናይ ገዝኣ ኮይኖም ሱባኤ ሓዙ፡ ብድሕሪ እዚ ሓምለ 30 ኢያቄም ጻዕዳ ዑፍ ሸውዓተ ሰማያት ሰንጢቑ ኣብ’ኡ ክዓልብ ሕልሚ
ርኣየ፡ “እዚ ካብ ላዕሊ ዝወረደ ዑፍ ዝተመሰለ ክርስቶስ ክኸውን እንከሎ፡ ጻዕዳ ምዃኑ ንጽሕናኡ፡ ካብ ላዕሊ ወሪዱ ኣብ ልዕለይ ክቕመጥ ርኣኹዎ ማለቱ ድማ ናይ ኢያቄም ባህሪ ማለት ባህሪ ወዲ ሰብ ባህሪኡ ክገብር ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። ሸውዓተ ሰማያት ዝተባህሉ ድማ ናይ ጐይታ ምልኣቱ፡ ስፍሓቱ፡ ርቀቱ፡ ዕብየቱ፡ ልዕልናኡን ኢዮም። ሐና ድማ ጻዕዳ ርግቢት መጺኣ ኣብ ርእሳ ክትዓልብ ብእዝና ኣቢላ ድማ ኣብ ማሕጸና ክትቅመጥ ራዕይ ረኣየት። (ጻዕዳ ርግቢት ዝተባህለት እታ ናይ ኖህ ርግቢት ዝተመሰለት ድንግል ማርያም ክትከውን እንከላ ጻዕዳ ንጽሕናኣ ቅድስናኣ ዘላለማዊ ድንግልናኣ ኢዩ። ኣብ ርእሰይ ዓሊባ ብእዝነይ ጌራ ኣብ ማህጸነይ ክትድቅስ ረኣኽዋ ማለታ ድማ ፡ብሥራት ቅዱስ ገብረኤል ብእዝና ሰሚዓ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ፀኒሳ፡ ኣምላኽ እትወልድ ንጽህት ድንግል ማርያም ከም እትወልድ ዘመልክት ኢዩ። ንሸውዓተ መዓልቲ ዝኣክል በበይኖም ድሕሪ ምድቃሶም ድማ ብቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ “ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ውን ዝኸበረት” ንድንግል ማርያም ክወልዱ ምዃኖም ምስ ኣበሠሮም። ቅድስት ድንግል ማርያም (ብ 7 ነሐሴ) ብዕለተ ሰንበት ተፀንሰት።
ወንጌላውያን ቅዱስ ማቴዎስን ቅዱስ ሉቃስን ብናይ ኣቡኣ ወገን ዘሎ ዘርኢ ሓረግ ክጽሕፉ እንከለዉ፡ ካብ ኣዲአ ካብ ቅድስቲ ሃና ጀሚሩ እመቤትና ክሳብ እትውለድ ዝነበረ ቅዱስ ታሪኽ ድማ (Protoevangelium of James’
protoevangelium Jacobi) “ፕሮቶቫንጊሊዩም ኦፍ ጀምስ”
ወይ (መጽሓፈ ያዕቆብ) ብዝብል አርእስቲ ንእሽተይ ያዕቆብ ክጽሕፍ እንከሎ፡ ናይ መጀመርያ መጸውዒ ናይቲ መጽሓፍ “መጽሓፈ ልደታ ናይ ማርያም” (the book of
the nativity of mary) ብምባል
ይፍለጥ። እዚ ዓብን ጥንታውን መጽሓፍ ብኹሎም ምብራቓውያን ይኹን ብምዕራባውያን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ተፈላጢ ኢዩ። ያዕቆብ ኣብዚ መጽሓፉ ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ኣቡኣ ስም ኢያቄም ናይ ኣዲኣ ስም ድማ ሐና ከም ዝበሃል ጽሓፈ። ሐና ብዕበራይስጥ ቋንቋ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ “ምልክዕቲ ተፈታዊት” ማለት ኢዩ። ኢያቄም ድማ ብዕብራይስጥ “እግዚአብሔር ዝሰርሖ” ማለት ኢዩ። ምንጪ (Jestice,
Phyllis G.holy people of the world: across-cultural encyclopedia,volume 3. 2004
pag 54,)
ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት ዝዛረብ መጽሓፍ “መጽሓፈ ልደታ ናይ ማርያም” ዝበሃል መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሊቃውንቲ ከም ዝጥቁምዎ ኣዝዩ ጥንታዊ መጽሓፍ ኮይኑ ጸሓፊኡ ድማ ሓዋርያ ያዕቆብ ንእሽተይ ከም ዝኾነ እቲ መጽሓፍ ክጅምር እንከሎ ድማ “ኣነ ያዕቆብ ኣብ ኢየሩሳሌም እንከለኹ ነዚ መጽሓፍ እዚ ጽሓፍኩዎ” ብምባል ይጅምር።እቲ መጽሓፍ ኣዝዩ ጥንታዊ ከም ዝኾነ ካብ ዝቐርቡ መርትዖታት ኣብ 150-210 ዓ.ም ዝነበረ
እስክንድርያዊ ቅዱስ ቀለሜንጦስን 185-254 ዝነበረ እስክንድርያዊ ሊቅ ኦሪገንን ካብዚ መጽሓፍ ጠቒሶም ምጽሓፎም ኢዩ። ነዚ ጥንታዊ መጽሓፍ ናይ ምብራቕን ምዕራብን ኣብያተ ክርስቲያናት ብምልኦም ብሰፊሕ ክጥቀምሉ እንከለዉ መጽናዕቲ ከም ዘረድኦ ድማ ብቋንቋ ሶርያ ብግእዝ ብናይ ጥንቲ ስላቮኒክ ብኣርመን ብኣይሪሽ ብላቲንን ዓረብን ተተርጒሙ ኣሎ። ብግእዝ “መጽሐፈ ልደታ ለማርያም” ብምባል ይፍለጥ።እዚ ቅደሚ 1800 ዓመት ኣቢሉ ብፓቲረስ ዝተባህለ ብሳልሳይ ክፍለ ዘመን ናብ ግእዝ ዝተተርጎመ መጽሓፍ፡ በ1958 ዓም ብተመራመርቲ ተረኺቡ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ቦድሜር ዝተባህለ ቤተ መጻሕፍቲ ይርከብ ኣሎ። ምንጪ (Miichel
Testuz, Papyrus Bodmer V:Nativite de marie (Cologne-Geneva: Bibliotheca
Bodmeriana,
ኣብዚ መጽሓፍ
1. ኣብ መጀመርያ ክፍሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሃናን ኢያቄምን ከመይ ኢላ ከም ዝተወልደትን ናብ ቤት መቕደስ ከም ዝተዋህበትን የረድእ።
2. ኣብ ቤት መቕደስ 12 ዓመት ድሕሪ ምጽናሓ ንዮሴፍ ከም ዝተሓጸየት ይነግር።
3. ኣብ ጊዜ ናይ ጐይታና ልደት ሰሎሜ ናብ ቤተ ልሔም ከም ዝመጽአት፡ ሄሮደስ ኣንቲፓስ ሕጻናት ክቐትል ምስ ጀመረ እመቤትና ንጐይታ ሒዛ ከመይ ኢላ ናብ ግብጺ ከም ዝተሰደደት ብተመሳሳሊ መልክዑ ኤልሳቤጥ ንዮሐንስ ሒዛ ከም ዝሃደመት ብሰፊሑ ይነግር። እዚ ብግዕዝ ዝተተርጎመ መጽሓፍ ፈረንሳዊ ተመራማሪ ኤም ቻይኔ (ብ1909) ኣሕቲምዎ። ምንጪ “M.chaine, ‘apocrypha de B.maria
Virgine,’ Corpus Scriptorum christianorum oriontalium, scriptores Athiopici,
Vol 1, V11
Romae; Execudebat Karolus de
luigi, 1909) pp 3-19
ብድጋሜ ውን ቀዳሞት ናይ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ወንጌላዊ ውዱስ ማቴዎስ ካብ ቅድስቲ ሐና ጀሚሩ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ህጻንነት ታሪኻ ወሲኹ ክሳብ ጐይታና ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ዝሰርሖም ታአምራት ብቋንቃ እብራይስጥ ዝጸሓፎ ካልእ መጽሓፍ ውን ከም ዝነበረ ክገልጹ እንከለዉ ካብ ጥንታውያን ናይ ቤተ ክርስቲያን መምህራን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ኣቦ ብምባል ዝፍለጥ (ብ263-339)ዓ.ም ዝነበረ
ኣውሳብዮስ፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ (296-373ዓ.ም) ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ (347-407) ካብዚ ጥንታዊ መጽሓፍ ጠቒሶም ክምህሩ እንከለዉ እዚ ጥንታዊ መጽሓፍ (347-420) ዝነበረ ቅዱስ ጂሮም ካብ ዕብራይስጥ ናብ ላቲን ቀጺሉ ድማ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ኮይኑ በዚ ምኽንያት እዚ ዝተቐደሰ ታሪኽ ኣብ ዓለም ምሉእ ክፍለጥ ክኢሉ ኢዩ። ምንጪ (James, The
Apocrryphal new Testament,pp 73-99)
ብዛዕባ ጽንሰታ ኣባ ጽጌ ድንግልን ኣባ ገብረማርያም ዘደብረ ሐንታ ኣብ ማሕሌተ ጽጌ መጽሓፎም.
`ሚ ቡርክት ወቅድስት
ይእቲ
ሰዓተ ትፍስሕት ሐና ዘጸገየተኪ ባቲ
ወፈረየኪ ለሕይወት ኢያቄም መዋቲ
እሴብሕ ተኣምረኪ ርግብየ ኣሐቲ
መድህኒት ኩሉ ዓለም እስመ ኮንኪ ኣንቲ`
“ሐና ንዓኺ ዝጸነሰትላ ናይ ደሰታ መዓልቲ ማዕረ ክንደይ ዝተባረኸት ዘተቐደሰት ኢያ መዋቲ ኢያቄም ንዓኺ ዘፍረየላ መዓልቲ ከመይ ዝበለት ዝተባረኸት ዝተቐደሰት ኢያ፡ ሓንቲ ርግቢት ማርያም ናይ ኵሉ ዓለም መድኀኒት ስለ ዝኾንኪ ተኣምርኪ የመስግን” (አባ ጽጌ ድንግል ማሕሌተ ጽጌ ቊ 44) ብምባል ነቲ ንዅሉ ዓለም ብምፍሳስ ደሙ ዘድኀነ ጐይታናን ንጉሥናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘደንቕ ተኣምር ማህተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ዝወለደትልና ምክንያተ ድኂን ርግበ ሰሎሞን ዝተባህለት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ምፅናሳ ነገር ብኣድናቖት ገሊጽዎ አሎ።
እቲ ዓቢ ሊቅ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ውን ኣብ ኦርጋኖን መጽሓፉ ብዛዕባ ዜና ፅንሰታ ክገልጽ እንከሎ “ሕጂ ውን ኦ ናይ እግዚአብሔር
ናይ ጸጋ ደቁን ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበርን ነዛ ዝተባረኸትን ዝተቐደሰትን መርዓት ዝወለዱልና ኢያቄምን ሃናን ነመስግኖም፡ ነቐፌታ ዘይብላ ናይ እስራኤል ድንግል፡ ዝተባረኸት ፍረ ዘፍረየት ንጽሕቲ ዝኾነት ናይ ሩካቤኦም ዕለት ከመይ ዝበለት ዝተመረጸት መዓልቲ ኢያ? ንናይ ንጉሥ ኣዳራሽ መሠረት ዝተገብረላ ናይ ደስታ መዓልቲ ከመይ ዝበለት መዓልቲ ኢያ? (ኣር ዘሐሙስ) ብምባል ነገረ ፅንሰታ ከድንቕ እንከሎ፡ ኣባ ሕርያቆስ ድማ ኣብ ቅዳሴ መጽሓፉ ቊ 38 “ኦ ድንግል ሕጋዊ ብዝኾነ ሩካቤ ካብ ሐናን ኢያቄምን ድኣ ተወለድኪ እምበር ብኃጢኣትን ብፍትወትን ዝተወልድኪ ኣይኮንክን” ብምባል ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ’ቲ ብጥንቲ ዝተገብረ ኃጢአት ዝመጽእ መርገም ኣብ ጊዜ ፅንሰታ ንኸይትተሓዝ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተሓለወት ምዃና ተዛሪቡ ኢዩ።
ድኅሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ሐና ፅንሲ እናተፈለጠ ምስ መጽአ ጎረባብታ ጥንሳ ንኽርድኡ ብኣድናቖት ማሕጸና ይድህስሱ ነበሩ። ብፍላይ ድማ ዓይነ ስውርቲ ዝነበረት ዘመድ ሃና ናይ ዝኾነ ጓል ኣርሳባን፡ ማህጸን ሐና ዳህሲሳ ዓይና ስለ ዝበርሃላ ብዓቢ ደስታ ኮይና “ኦ ሐና ብጽዕና
ይግበኣኪ፡ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ከማኺ ብማሕጸና ዓይኒ ዕውራን ዘብርሀት የላን” ብምባል ኣመስገነት። ብድሕሪ እዚ ዝናኣ ኣብ ኵሉ እቲ ሃገር ተሰሚዑ ብዙሓት ህሙማን ማህጸና እና ዳህሰሱ ይፍወሱ ነበሩ።
ኣባ ጽጌ ድንግልን ኣብ ገብረ ማርያም ዘደብረ ሐንታ ኣብ ማሕሌተ ጽጌ መጽሓፎም ነዚ ክገልጹ እንከለዉ
“ጸግይየ ሣዕረ ዘኪሩቤል ልሳነ
ተአምረኪ በነጊር እመ ኢፈጸምኩ አነ
ባሕቱ አአኲት ማርያም ዘጾረተኪ ማሕፀነ
እንዘ ሀለወት ፀኒሳ ኪያኪ ርጢነ
ለለገሠሥዋ ባቲ ትፌውስ ዱያነ”
“ኣነ ሳዕሪ ዝኾንኩ ናይ ኪሩቤል ልሳን እንተ ዝወሃበኒ እኳ ተኣምርኪ ምሂረ እንተዘይወዳእኩ፡ እንተኾነ ግን ማርያም ዝተሰከመትኪ ማሕጸን አመስግን ኣለኹ፡ መድኀኒት ንዝኾንኪ ንዓኺ ጠኒሳ እንከላ ኵሎም ንዓኣ ዝዳህሰሱ ድውያን ይፍወሱ ነበሩ” (ማሕሌተ ጽጌ ገጽ 43) ብምባል ነታ ኣደ ናይ’ቲ መድኅን ዓለም
ዝኾነ ክርስቶስ ገና ከይተወለደት ንዝገበረቶ ድንቂ ተኣምር ኣመስጊኑ ኢዩ” እዚ ናይ ድንግል ማርያም ናይ ፅንሰታ በዓል ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ጥንታዊትን ሐዋርያዊትን ዝኾነት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ኣደ ኣምላኽ ዝተጠንሰትሉ ዓቢ በዓል (7 ነሓሴ) ብዓቢ ድምቀት ብማሕሌት ብቕዳሴን ብትምህርትን እትዝክሮ ክኸውን እንከሎ፡ (ፅንሰታ ለማርያም) ብምባል ይፍለጥ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ቤተ ክርስቲያናት ደድማ ነዚ በዓል (the conception
of the theotokos)“ምፅናስ
ናይ ኣደ ኣምላኽ” ብምባል ኣብቲ ንበዓለ ልደት ንምኽባር ዝዳለውሉ ወርሒ ታሕሣሥ ጌሮም ኣብ (9 ታሕሳስ) የብዕልዎ። (Fr. Thomas
Hopko, Conception of mary, the winter Pascha chap.9)
ካልእ ኣዝዩ ዘደንቕ ድማ ሳሚናስ ወዲ ጦሊቅ ዝተባህለ ናብ እንዳ ሓወብኡ ኤዶቅ ከይዱ ብድንገት ሞተ፡ ሓና ድማ ከም ልማድ እቲ ሃገር ናይቲ ዓራት እግሪ ሒዛ እናዞረት ተልቅስ ነበረት፡ ጽላሎታ ምስ ዓረፎ ድማ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ቀልጢፉ ብምትንሥእ “ሰላም ለኪ ሐና እምሔውቱ ለዘገብረ ሰማየ ወምድረ” (ሰማይን ምድርን ንዝገበረ ዓባዩ ዝኾንኪ ሐና ሰላም ንኣኺ ይኹን) በላ፡ ኣብኡ ዝነበሩ አይሁድ ግና ሳሚናስ እንታይ ርኢኻ? እንታይ ከ ትብል ኣለኻ?
በልዎ። ንሱ ድማ “እዛ ካብ ሐና እትውለድ ሕጻን ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ክትወልድ ኢያ እናበሉ ኵሎም መላእኽቲ ከመስግንዋ ሰማዕክዎም፡ ንዓይ ዘተንሥኣትኒ ውን ንሳ ኢያ በሎም” ንሳቶም ድማ ነዚ ምስ ሰምዑ ንእግዚኣብሔር ኣብ ክንዲ ዘመስግኑ ብክፍኣትን ብቕንኣትን ተመሊኦም፡ ሐና ኣብ ማሕጸን ብዘሎ ፅንሳ ካብ ኣድሓነት ኣብ ልዕሌና ክትሥልጥን ኢያ እሞ ከይወለደት እንከላ ኣቐዲምና ንሃናን ኢያቄምን ብዳርባ እምኒ ንቕተሎም ተበሃሃሉ። በዚ ጊዜ ቅዱስ ገብርኤለ መልአኽ ንኢያቄም ተገሊጹ ንሐና ናብ ሊባኖስ ዝበሃል እምባ ንኽወስዳ ነገሮ። ጠቢበ ሰለሞን ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዩ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እምባ ሊባኖስ ም እትውለድ እግዚአብሄር ገሊጽሉ “ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ኣቲ መርዓተይ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ካብ ርእሲ አማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሔርሞንን ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ” (መኃ 4፡8) ብምባል ዝተዛረቦ ትንቢት ንኽፍጸም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብ 5585 ዓ.ዓ ኣብ እምባ ሊባኖስ ተወልደት።
ምስጋና ንእግዚአብሔር ንወላዲቱ ድንግልን ንመስቀልን ክቡርን ኣሜን!!!
ነገረ ማርያም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብመጋቤ ሓዲስ ሮዳስ ታደሰ
ካብ ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደ
ቃለ ሂወት የስመዓልና
ReplyDelete