†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን†††
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጽፍዒትን፡ ጥፍጣፍን ኣብ ገጽካ ዝተቐበልካ፡ ካብቲ ካብ ኣፍ ርኹሳን ጥፍጣፍ ዝተቐበለ ገጽካ ዝወጽእ ጽባቐ ምስጋናኻ፡ ኣብ ልዕለይ ኣብርህ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ገጽካ ነቶም ጡፍ ዝበሉልካን፡ ዝጸፍዑካን ዝቕረብካ፡ ነቲ መኣዛ ዝጨኑን ዘሕውን መንገዲ ሕይወት ዝኾነ ብርሃንኻ ኣብ ልዕሊ ባርያኻ ከተብርሃ እልምነካ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መዝገብ ሰናያትን ወሃቢ ሕይወትን ዝኾንካ፡ ኣብ ሕልናይ ኣምላኻዊ ብርሃንካ ኣብርህ። እቲ ዝገበርኩዎ ሓጢኣተይ ኣበሳይን ይቕረ በለለይ፡ ካብቲ ንጥፍኣት ነፍሰይ ዝህቅን እኩይ ኣራዊት/ዲያብሎስ ኣድሕነኒ፡ ብስምካ ክቕደስ ብኣኻ ክሓዊ ድማ ለውጠኒ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኣዳም፡ መግረፍትን መቕዘፍትን ዝተቐበልካ፡ ካብ መቅዘፍቲ እቲ እኩይ ጸላእን ካብ መፈንጠሪኡን ኣድሕነኒ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንዓለም ፆራን ክበዳን ፄርካ ካብ ጥፍኣት ናብ ናይ ሕይወት ርስቲ ዝመለስካ፡ ነዓይ ድማ ናባካ ምለሰንን ሓግዘንን።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንምልጋጽ ክቡር ልብሲ ዘልበሱኻ፡ ካብ ላግጺን ስሕተትን ሓጢኣትን ኣድሒንካ፡ ስልማት ሕይወት ኣልብሰኒ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ልዕሌኻ ፍትሒ ሞት ዝፈረዱ፡ ንስኻ ንኣዳም ካብቲ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ዝተፈርዶ ፍትሒ ሞት ከተድሕኖ ዝመጻእካ ኢኻ'ሞ ንባርያኻ ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ፍትሓኒ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መስቀል ኣጺሮም ካብ ኢየሩሳሌም ክሳብ ጎልጎታ መስዋእቲ ዓለም ክትከውን ዝወሰዱኻ፣ ንነፍሰይ ንዓካ መስዋዕቲ ክትከውን ለውጣ። ነዚ ዓለም ጸሊአ ንቅዱስ ስምካ ከፍቅር ለውጠኒ። ብዅሉ ልበይ ክስዕቦ፣ ብኣሰርካ ምእንቲ ክስዕብ ኣጸቢቕካ ድሉው ግበረኒ።
ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መስቀል ዝጾርካ፡ መስዋዕት ምእንቲ ክትከውንን፡ ንኹሉ ዓለም ከተድኅንን ናብ ጎልጎታ ዝኸድካ፡ ኣርዑትካን ዅሉ ትእዛዝካን ክጸውር፡ ብኣሰረ ቅዱሳን ክኸይድን፡ ብእኦም ክቕደስን ክፍወስን ሃበኒ።
ኣሜን!!!
No comments:
Post a Comment