Wednesday 6 February 2013

†††ናይ ፍቅሪ ጻዋዒት†††

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔ ኣዳም ኣብ ዝበደለሉ ግዜ ባዕሉ ንንስሓን  ንጣዕሳን ኣዳልዩ ይቅሬታ ንክጥይቅ ከምዚ እንዳበለ ቀረቦ።
 ‘’ዎ ኣዳም እንታይ ኢኻ ኬንካኒ? ኣብ ጽቡቅ ቦታ ኣቀሚጠኻ ኔይረ፡ ሕጂ ግን ቦታካ ተቀይሩኒ። ብርሃን ተጓናጺፍካ ኔርኻ፡ ሕጂ ግን ኣብ ጸልማት ውሽጢ ሪአኻ። 
ወደይ ናበይ ኢኻ? 
እዚ ኩሉ ከመይ ገይሩ በጺሑካ? 
ኣብ ውሽጥካ ዝነበረ መልክዐይ መን ኣባላሽዩኒ? 
በዚ ቅልጣፈ እዚ ናይ ጸጋ ክዳንካ  ገፊፉ ናይ ጽልመት ልብስ ዘልበሰካስ መን እዩ?
ፍቱወይ! በዓል ጸጋ ገይረይ  ፈጢረካ  ኣይነበርኹን ድየ? እንታይ ደኣ፡ መን እዩ ኣብ ውሽጢ ድኽነት ዝከተተካ? 
እቲ ግርማካ ቀንጢጡ ዕራቅካ  ክትከውን ዝገበረካስ  መን’ዩ? 
እቲ ናይ ጸጋ ልብስካ  ክትስእን ዝገበረካስ መን እዩ? 
ከምዚ ዝኣምሰለ ቅጽበታዊ ምልውዋጥ ካብ መዓስ መጺኡኻ?
ዝከበረ ዕንቒ'ኻ ንክትድርቢ ዝገበረካ እንታይ ስለ ዝረከብኻ ኢኻ?


ኣብ ክቡር ዝኮነ ቦታ ተቀሚጥካ፡ ኩሉ ግዜ  ዝዛራረበካ ካብ ዝነብረ ኣምላኽካ ተሓቢእካ ክትኽወል ዝገበረካስ እንታይ እዩ? 
ምንም ዝወቅሰካ ዘይብልካ፡ ከምዚ ከምዚ ጌርካ በዲልካ ኢሉ ዝከሰካ ዝይነበረ። እዚ ዝኣኽል  ፍርሓት ካብ መዓስ ረከበካ?

‘’ ኣዳም ከምዚ ክብል መለሰ ፦’’ ይዋአይ! ይዋአይ! ድምጽካ  ኣብ ገነት  ክማላለስ  ሰማዕኩ፡ ዕራቀይ  ሰለ  ዝኮንኩ ብጣዕሚ ፈሪሐ ተሓባእኹ።’’
  
እግዚኣብሄር እንተኮነ ውን ኣቀዲሙ ካብ ኣዳም ከምዚ ዝበለ ናይ ጣዕሳ ልቢ እዩ ዝደሊ  ዝነበረ። 

እግዚአሔር ድማ ከምዚ በሎ፦’’ ወደይ! ብጃካ ንገረኒ! ዕራቅካ  ምኳንካ መን ነገረኻ? 
እንታይ ሓዱሽ ነገር ተረኺቡ እዩ? 
ብሓቂ ንስካ ንርእስካ እንተዘይትብድል ኔርካ፡ ክነግረካ ዝክእአል ኔይሩ እዩ። /ቅ፣ዮውሃንስ ኣፈወቅ/

 ናይ ኣዳም ኣምላኽ ሕጂ እውን ብሓጢኣት  ብርኽሰት  ብትዕቢት  ጸጋናን ልብስናን ንዝደርበና  ብናይ ፍቅሪ ጻዊዒቱ፡ ደቀየ  ኣበይ ኣለኩም? ካብ ኢዮርሳሌም ኣይትውጽኡ ኢለኩም ነይረይ ሕጂ ነፍሲ ወከፍኩም ኣበይ ኣለኩም? እቲ ብሕጻንነትኹም ዝሃብኹኩም ጸጋይ  ኣበይ ኣሎ? ይብለና ኣሎ። መልሲ  ናባና፡  ''ሕዙነ ወትኩ ዘልብ'' ብሓቂ  ከም ኣዳም እንተደኣ  ተጣዒስና እግዚአሔር ክተዓረቀና እዩ። ቃሉ እሙን እዩ፡'' ቅረቡ ሃቤሁ ወያበርህ ልክሙ፡ ወይትሓፈር ገጽኽሙ'' መዝ 33፡5/ 34፡5/ 

ት.ዘካ 1፡3 ''ናባይ  ተመልሱ፡ ኣነ ድማ  ናባኩም ክምለስ እየ፡ ካብ እኹይ መንገድኹምን ካብ እኹይ ግብሩኹምን ተመለሱ። 

ት.ኢሳ 1፡16 ''ተነስሑ! ካብ ሓጢኣትኹም ውን ተሓጸቡ፡ ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሁ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ምግባር ሕደጉ፡ ሰናይ ምግባር ተማሃሩ።  

ጐይታውን ኣብ ወንጀል ማቴዎስ ''ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ከዕርፈኹም እየ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ፁሩ፡ ካባይውን ተማሃሩ፣ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ፆረይ ከኣ ፈኵሽ እዩ።''ማቴ11፡28-ፍጻ 

ስለዚ እግዚአሔር ካባና ዝደልዮ ካብ ክፉእ  ግብርናን ኣካይዳናን  ክንምለስ፡ ብመንገዱ ክንከይድን እዩ ዝደሊ፡ እሞ, ጻዋዒት እግዚአሔር  ስሚዕና ብቅድስና ንክንማላለስ እግዚአሔር ኣምላክ ይደግፈና።

ኣሜን!!!!!!!


No comments:

Post a Comment