Monday 21 January 2013

'መዝሙርን ጓይላን ምፍልላይ ዝተሰእኖም፡ መናፍቃን'

              ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

እግዚኣብሔር  ''ኢትኩኑ ዘፋንያን ኣላ ዘማርያ'' ድርፍቲ ኣይትኩንኑ እንታይ ደኣ  ዘመርቲ ኩኑ እዩ ዝብለና። መናፍቃን ግና መዝሙርን  ጓይላን ምፍልላይ ተሳኢኑዎም።

''ብጓይላን ስኽራንን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን፡ባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፡ከም ብመዓልቲ ብቅንዕና ንንበር''ሮሜ 1313/

''ደጊም እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፣ ብስክራን ጓይላ፣ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፡ ብዘጸይፍ  ኣምልኮተ ጣኦት ክትገብሩ እንከሎኩም፡ ከምቲ ኣሕዛብ ዝደልይዎ እና ገበርኩም ዝሕለፍክምዎ ዘመን የኣክል''1ጴጥ43


ኣምላክና እግዚኣብሄር ጓይላን ዕብዳን ዘሓለፍክምዎ ዘመን የኣክል፡ እንዳ በለ መናፍቃን ግን /ዘመን መጺኡ ንስዕስዐሉ ክትብሉ ኣብ መዝሙርኩም ንሰማኩም  ኣሎና።

መናፍቃን:! ክንሓተኩም እንዶ ግዳ መልስኩም መልሱልና  ሽብሸባኹም ካብ  ሳዕሳዒት፡ መዝሙርኩም ካብ ጓይላን እንታይ እዩ ፍልልዩ? እዚ ዘማሪ እትብልዎ   ካብቶም ድረፍቲ ናይ ዓለም ብከምይ እዩ  ዝፍለ?

መናፍቃን! ደረፍቲ ስለ ሃገር ስለ ፖለቲካ እዮም ዝደርፉ ድዩ መልስኩም? 
 እዚ እንተ ደኣ  ኮይኑ እሞ ዘማራይ ዳዊት ውን ስለ እታ ዘፍቅራ ኢዮሩሳሌም ከምዚ ኢሉ ዘሚሩ ኣሎ '' ኢዮሩሳሌም እንተ ረሲዐክስ እታ መስንቆ ዝሃርመላ የማነይቲ ኢደይ ትንቀጽ፡ ኢዮሩሳሌም እንተ ዘይዘኪረኪ ሓለፉ ኩሉ ሓጎሰይ እንተ ዘይገይረክስ ምዝማር ካሳብ ዝስእን መልሓሰይ   ኣብ ትንሓገይ ትጣበቅ''/መዝ 1375-7/ ኢሉ፡ ንመልስኩም ዓጺ ኣሎ። 

መናፍቃን! እንታይ ደኣ እዩ መልስኩም? በሉ እስከ መሉስልና ደረፍቲ ስለ ስጋዊ ፍቅሪ እዮም ዝደርፉ ድዩ መልስኩም? ሕራይ እቶም ስለ ፍቅሪ ዝደርፉስ፣ እቶም ስለ መጻኢ ግዜያትን፣ ስለ ምንዮትን ዝደርፉ ደኣ እንታይ ክትብልዎም ኢኩም? ንሶም ከማና ዘመርቲ እዮም ዲኩም ክትብልዎም? እሞ እንታይ ደኣ እዩ ንደርፍን፡ ንመዝሙርኩምን ዝፈላልዮ ብቃልን ስምን ጥራይ ድ?

ኣብ መጽሔትኩም ድማ ስለ ፍቅሪ ክትዛረቡ እንከሎኩም እትዛረብዎ ቃል ኣሎ። ንሱ ድማ ካብ መዝሙራት ዝበለጸ መዝሙር መኅልየ መኅልይ ''ኣንቲ ፍትውተይ ንስኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ንስኺ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዕንትኺ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ብፍቕሪ የንጸባርቓ''።/መኅ 41/ ዝብል ሓይለ ቃል  ናብ ክልተ ፍቑራትርጚምኩምዎ ኣለኩም። እንታይ ደኣ እሞ እቶም ስለ ፍቕሪ ዝደርፉ ደራፎ ኣብ ሕብረትኩም ኣየእተኩሞምን ? በዚ መንገዲ እዚ እውን ክሳብ መንፈሳዊ ትርጉም ዘይረከብኹምሉ መልስኩም ተዓጽዩ ኣሎ። 

መናፍቃን!
  እንታይ ደኣ እዩ መልስኩም?  
''ብመዝሙርን ብቅንየን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዘራረቡ፡ ንጐይታ ብልብኽም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን ከኣ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኵሉሳዕ ኣመስግንዎ''።/ኤፌ 5፡19-20/ ሕሩየ ንዋይ ሓዋርያ ጳውሎስ ብመዝሙርን መንፈሳዊ ዜማ ተዛራረቡ ክብል ጺሒፉልና ዘሎስ እንታይ ኢልኩም ትትርጉምዎ ትኮኑ? 
በሉ መናፍቃን  መልሲ መልሱልና  መንፈሳዊ ዜማ ዝብሃል  ከመይ ዝበለ ኢዩ?
 ኣረ ንመዝሙርኩም ካብ ደርፊ ወይ ጓይላ ዝፈልዮ እንታይ እዩ ኣብርሁልና?

ደረፍቲ  ስለ ክርስቶስ  ኣይደርፉን ድዩ መልስኩም? እዚ እሞ ስለ ክርስቶስ ስም እሞ ተንቆልቲን ርኩሳት መናፍስትን ከይተረፉ ስም ክርስቶስ ይጽውዑ እዮም።/ግረ19፡13/ ግረ16፡16/ ወቦ ዘተርፈ፦ እሞከ ደኣ እዚኦም ከ? ስም ኣምላክ ስለ ዝጸውዑስ መንፈሳውያን እዮም ማለትኩም ዲኩም? 

በሉ መናፍቃን መቸም ኣብታ ብህጻንነትኩም ትፈልጥዋ ቅድስት ቤተክርስቲያን፣ ወረብ ተገይሩ ምስ 'ዓመረ' ኣቦታት ብጸናጽሎም ጌሮም ሻሕ ሻሕ ኣቢሎም ጠጠው ዘብልዎስ፣ ስለ ዝደኸሙ ዶ ይመስለኩም? ኣይፋሉን ኣበው እሞ ንጾምን፣ ጸሎትን፣ ምስጋናን ክብሉ ናበይ ከም ዝጉዓዙ፡ ሰዓት ክንደይ ከም ዝትስኡን፡ ቤተክርስቲያናትን፡ ገዳማትን፡ በዓትታቶምን፡ ኣዕይንትኹምን መሰኻኽር እየን። 
እሞ እንታይ ድኣ እንተ በልኩም ከምቲ ንስካትኩም  ዘሊልኩም  ዘሊልኩም  ስጋዊ ስምዒትኩም  ምስ ኣርወኩም ''ጎይታ ሎሚ ተባሪኹ''፣ከም ትብልዎ። ኢሎም  ክኸዱ  ዘይኮነስ ፍልጠት፣ ርድኢት፣ ብዘለዎ ንኣምላኮም መታን ከመስግኑ እሊም እዮም።

 እሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀሪብኩም ከይትሓቱ ድኣ ጠንጢንኩማ ኬድኩም እምበር፣  ተትሓቱላስ   ስለ ኣብ ማእከል ጸናጽል፡ ዘለዋ 5 ሓጻዊን ምሳሌ ናይ ኣብ ደብረ ታቦር ዝኾናን፣ ብዛዕባ እታ ጸባብን ገፋሕን ዝኾነት መገዲ ዘዘክር ኮቦሮን፡ እረ ሓደ ብሓደ ኣቦታት ክነግርዎ ከለውስ ክንደይ ምተገረምኩም ኔርኩም።

በሉ መናፍቃን ኣብ መወዳእታ ሓዋርያ ቅ.ጳውሎስ ኣብ //1ቆሮ 14፣40// ''ግናኸ ኩሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ደኣ ይኹን'' ዝበሎ ሎሚ ውን ካብ ምዝላልን ኣውያትን ዝሓለፈ ስለ አታ ስርዓትን ኣገባብን ዘለዋ ቤተክርስቲያን ክትሓስቡ ናብኣ ክትምለሱን  ልብኹም ከተናቃቅሑን ንምሕጸን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር 
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር !!!


2 comments:

  1. yewardkum pente goylan mezmurn mflay sinkum???...
    seriously lets pray for the protestant (Pentecost) world.

    ReplyDelete
  2. ewe menfkan ezi entezmluslna tsbuk neyru!

    ReplyDelete