ቅዱሳን ሰባት እንተመይቶም ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም። ዝደቀሰ ሰብ ሓንቲ ስለዘይፈልጥ ንሳቶም ድማ ስጋኦም ስለ ዝሞተ ስሌና ሓንቲ ክፈልጡ ኣይክእሉን እዮም ።
እዚ ቃል እዚ ዝብልዎ ናይ እዚ ግዜ እዚ መናፍቃን ኢዮም። ቅዱሳን ሰባት ምስ ሞቱ ኣይሪኡ ኣይሰምዑ ኣይዛረቡ ይብሉ ። እቶም ብእግዚኣብሄር ኣሚኖም ኣክሊል ዓወት ለቢሶም ዝሞቱ፣ እቶም ብእግዚኣብሄር ዝተኣመነሎም ፣ እቶም ብቅድስና ንሓጢኣት ዝቀተሉ፡ ብገቢረ ጽድቅ ሞተ ስጋ ዝዓረፉ ቅዱሳን ኣቦታት። በራኣእያ መናፍቃን ክዛረቡን ክሰምዑን ኣይኽእሉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ግን ብኣንጻሩ ብዝያዳ ከምዚሪኡን ከምዝሰምዑን ከምዝዛረቡን ኢና እንመሓር።
ንኣብነት እዘን ቀጺለን ዝስዕባ ቃላት ንከተል፦
- “ንስኻትኩምሲ ናብ እምባ ጽዮንን ናብታ ከተማ ሕያው ኣምላኽን ዝኾነት ሰማያዊት ኢዮርሳሌምን ናብቶም ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፍ ዝኾኑ መላእኽትን። ናብታ በቶም ኣብ ሰማይት ስሞም ዝተጻሕፈ ብዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስትያንን ናብቲ ዅሉ ዝፈርድ ኣምላኽን፡ ናብ ነፍሳት እቶም ፍጹማን ዝኾኑ ጻድቃንን፡ ናብቲ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መንጎኛ ዝኾነ ኢየሱስን፡ ናብቲ ካብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዝዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም በጺሕኩም ዘለኹም” /ዕብ.12፡22-24/፡፡ ስለዚ እዞም ጻድቃን እዚኦም ነፍሶም ምዉት ኣይኮነን እንታይ ደኣ //ሕያውን// ኣብ ሑቅፊ ኣምላኽ ዝነብርን ኢዩ፡፡ እዚኦም ኩሎም ኣባላት ናይታ ቕድስት ቤተ ክርስትያን እዮም፤ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሩጻት ኣቅሓ እዮም። ሕጂ እውን ብዝበለጽ ምስ ኣምላኽ ኮይኖም መንፈሳውነቶም እዮም ዝቕጹሉ፡ ንኣምላኮም እግዚኣብሄር ድማ ዘውትር የመስግንዎ፣ በአጸደ ሥጋ ንዘለና ድማ ይጽሉይልና ።
- ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈሳዊ ራእይ እንታይነት ናይ ቅዱሳን ክምስኽር፡ ኣብቲ ዝመጽእ ተስፋውን ከመይ ከም ዝኮኑ እግዚኣብሄር ብዝገለጸሉ ቀሪጹ ክጽሕፈልና እንከሎ። ነብይ ሄኖክ ድማ ነቲ ኩውንነት እግዚኣብሄር ብዝገልጸሉ ክጽሕፍ እንከሎ ከምዚ ይብል።/መጽ፡ሄኖክ 9፡18-22/ ''በቲ እዋን እቲ ደመናን ኣውሎ ንፋስን፡ ካብ ገጽ ምድሪ መንዚዑ ወሰደኒ፣ ኣብ ወሰን ሰማያት ድማ ኣንበረኒ። ኣብኡ ድማ ኻልእ ራእይ ማኅደር ጻድቃንን ምዕራፍ ቅዱሳንን ረኣኹ። ኣብኡ ኣዕንተይ፡ መሕደሪኦም ምስ መላእኽቲ፡ መዕረፊኦም ምስ ቅዱሳን ከም ዝኮነ ረአያ። ምእንቲ ደቂ ሰብ ከኣ ይልምኑን፣ ይማልዱን፣ ይጽልዩን ነብሩ። ጽድቂ ድማ ኣብ ቅድሚኦም ከም ማይ ይውሕዝ ነበረ፣ ምሕረት ከኣ ኸምቲ ናብ ምድሪ ዝወርድ ጠሊ ይወርድ ነበረ። ንዘለዓለም ኣለም ድማ ኣብ ማእከሎም ከምኡ ነብረ''ይብልና።ብሓቂ ካብዚ ዝበለ መረዳእታ እንታይ የድሊ ኾን ይኮን፡መጽሓፈ ሄኖክ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ውጹእ እዩ ከይንብሎ፡ ሓዋርያት ኣንዳዕዲዖም ምሒሮምሉን፡ ገሲጾምሉን እዮም ከም ኣብነት ዝኣኽል'' ይሁዳ 1፡14-15/ እሞ እንታይ ደኣ፣ እዚ እንከሎ እቲ ሓቂ፡ ቅዱሳን ኣይሰምዑን ኣይርእዩን፣ ኣይጽልዩን፣ ሞይቶም እንዳበልካ ኣፍካ መሊእካ ክትዛረብ ዘገደደካ? ሓንቲ እኳ ኣይፈልቱን ማለት እንታይ ማለት እዩ ? ንስካ ዲካ ዘይትፈልት ወላ ንሶም?
- ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ስለ እቶም ንዕኡ ዘስመሩ ቅዱሳን ሰባት ንማርታ ዘስተምሃራ እዚ እዩ ኔይሩ ''ኢየሱስ ከኣ ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ፥ እቲ ብኣይ ዘኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ። እቲ ብኣይ ዘኣምን ሕያው ዘበለ ኩሉ ንዘላለም ኣይክመውትን እዩ። እዚ ዶ ተኣምኒ ኢኪ ? በላ'' //ዮው 11፡25-27//። ስለዚ ጐይታ ዝብል ዘሎ፡ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝኣምን ብስጋ እኳ እንትሞተ ብመንፈሱ ግን ከምዘይመውት ብሕይወት ከምዝነብር ዘለዓለም ምስ ኣምላክ ከምዝነብር እዩ። ዘስተምህረና ዘሎ። ሞይቱ እዩ ሓንቲ ኣይፈልጥን ማለት ደኣ እንታይ ማለት እዩ ? ኣምላክ እኮ ብሕይወት ኽነብር ኢዩ፡ ሕያው ኢዩ ዝብለና ዘሎ ! ሕያዋን ምኳኖም ኣምላክ ካብ ኣስተምሃረና ሕያዋን ኢዮም።
- ካልእ ብተወሳኪ እውን ጐይታ ኣብ ዘበነ ስጋዌኡ ዘስተምሃሮ ስለ ሃብታም ሰብኣይን፣ ድካ ሰብኣይን፡ ከምዚ ክብል እዩ ዘስተምሃረ ''ሉቃ 16፡19-ፍጻሜ/''ቀይሕ ቀሚስን ቅጭን በፍታን ዝኽደን፣ ኵሉ መዓልቲ ከኣ እንዳ ኣግየጸ ዝሕጎስ፣ ሃብታም ሰብኣይን ነበረ።ሓደ ብቝስሊ ዝተወርሰ፣ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ዘንብርዎ፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ውን ነበረ። ካብቲ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቅ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ፣ ኣኽላባት እንናመጹ ኸኣ ቝስሉ ይልሕሱ ነበሩ። እቲ ድኻ ሞተ፣/ መላእኽት ናብ ሕቍፊ ኣብርሃም ወሰድዎ።/እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ፣ ተቀብረእውን። ኣብ ሲኦል፣ ኣብ ስቓይ ኮይኑ፣ ዓይኑ ቋሕ እንተ ኣበለ፣ ካብ ርሑቕ ንኣብርሃም፣ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረኣዮ። ጸዊዑ ኸኣ 'ኦ ኣቦይ ኣብርሃም ! በዚ ሃልሃልታ እዚ እሳቐ ኣሎኹ እሞ ራኅርኃለይ፡ ብጫፍ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ከዝሕለለይ፣ ኣልኣዛር ስደደለይ' በሎ። ኣብርሃም ድማ መሊሱ ከምዚ በሎ ''ወደይ ንስኻስ ብሕይወት ተድላኻ ኸም ዝተቐበልካ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ከም ዝጸገበ ዘኽር። ሕጂ ግና ኣብዚ ይጻናናዕ ኣሎ፡ ንስካ ድማ ትሳቀ ኣሎኻ''። እዚ ቃል እዚ ድሕሪ ምማቶም ዝተዛረብዎ ዘረባ እዩ። ከሙ ድማ እቲ ኣብ ስቓይ ዝነብረ ሰብ፡ ኣብርሃም ንሕናን ንስኩምን ክንራከብ ኣይንኽእልን፣ ኣብ ወንጎናን መንጎኩምን ዓብይ ጋግ ኣሎ፡ ስለዚ ክንተሓላለፍ ኣይንኽእልን ምስ በሎ፡ እቲ ኣብ ስቓይ ዝነብረ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ከምቲ ዕጭ ናቱ ከይበጽሖም ንኣብርሃም ከምዚ ከብል እዩ፡ መልእከቱ ዘመሓለለፈ '' 'ኦ ኣቦይ ኣብርሃም ! እምበኣር ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለውኒ እሞ ንሳቶውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነኻ ኣለኹ' በሎ። ይብልነና 'ኣብርሃም ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ ንኣኣቶምስ ሕጊ ሙሴን መጻሕፍቲ ነብያትን ኣለዉዎም ንዕኡ ይስምዑ' በሎ እምበኣር ኣብዚ ኣስተውዕሉ የሕዋት፣ ኣብርሃም ደኣ ከምይ ገይሩ ምስ ፈለጠ እዩ ንዓቶም ሕጊ ሙሴን መጻሕፍቲ ነብያት ኣለውዎም ዝበለ? ሓይሊ ናይ ቅዱሳን እምበኣር ክሳብ ክንዲ'ዚ እዩ። መናፍቃን ሆይ ቅዱሳን ኣይርእዩን ኣይሰዑን ብማለትኹም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዶ ኣይወጻእኩምን? መገዲ ቅዱሳን ዘዘንጋዕኹም ዘይ መስተውዓልቲ ኣይመሰልኹምን?
- ሓዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ይብል“ብኽልቲኡ ወገን እጭነቕ ኣሎኹ። ዚሕሸኒ ስለ ዝኮነ ግና ካብዚ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ” /ፊል.1፡23/፡፡ ንምንታይ ? ምኽንያቱ ሓጢኣት ዘከትል ሰብነት ስለ ዝጸረ ፈትና ስቕያት ኩሉ ናይ ዓለም ብስጋካ ስለ እትፍተን ኢዩ። ምስ ኣምላኽ ግና ቕሳነት ራህዋ ሰላም ሓጐስ ስለዝኮነ እዩ። 2ይቆር5፡8
- ከምኡ ድማ ስለ ኣብ ሲኦል ዘለዉ ብስራት ኣብ ዘስተምሃረሉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ብመንፈስ እዚ እውን ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድሕነት ሰበከሎም ” /1ጴጥ.3፡19/፡፡ ዝሞተ ሰብ ወላሓንቲ ኣይፈልጥ ምእንታን ከይበሃል ክርስቶስ ብኣካለ ነፍስ ናይ ሲኦም ከይዱ ፡ማዕጾ ሲኦል ፈንጢሱ፡ ሰይሩ፡ ናብ ሲኦል ኣትዩ፡ ብስራት ወንጀል ሰበከሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ጐይታ ዘስተምሃሮም ትምህርቲ ሰምዕዎ። ኣይሰምዑን ከይብሃል ከኣ ሰባኪ ዶ ብዘይ ተሰበክቲ ይሰብክ እዩ ? ስለዚ ሓደ ሰብ ወይውን ኣገልጋሊ ሰቢኩ ክብሃል እንተኮይኑ ተሰበኽቲ ክሕልዉ ግድነትን እዩ። እንታይ ደኣ እቶም ዘይሰምዑ ደኣ መን እዮም ? እቶም ዝሞቱ እሞ ዘይሰምዑስ መን እዮም ? ዶስ ጐይታ ኣብ ሲኦል ከይዱ ኣይሰበከን እዩ መልስኩም ? ኣንቱ ደቂ እዛ ግዝያዊት ዓለም ብዛዕባ ሞትን ሂወትን በረከትን መርገምን መንስተ ሰማያትን ገሃንም ኣሳትን ገነትን ሲኦልን ዝፈልጥ ኣምላክ ድዩ ወይስ ንስኩም ? እስከ ንገሩና ካን ዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኩም ?
- ጎይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 3 ንሰለስተ ደቀ መዛሙርቱ ሒዙ ናብ ደብረ ታቦር ኣብ ዝደየበሉ ደቂ መዛሙርቱ ብተግባር ዝተማሃርዎ ቅዱሳን ክም ዝዛረቡ እዮም ተማሂሮም /ማቴ.17፡3/፡፡ “እንሆ ከኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ክዛራረቡ ተራእይዎም” ሙሴ ደኣ ከመይ ኢሉ ተዛሪቡ ? ሙሴ ብእግዚኣብሄር ኣሚኑ ዝሞተ ሕያው ስለዝኮነ!
- ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቅረበ ። ኣምላኽ ንሞባኡ ብጽቡቕ ምስ ተቐበሎ ኸኣ ፡ ጻድቕ ሰብ ከም ዝኾነ ብእምነት መስከረሉ ። ሞይቱ ከሎ ኸኣ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ።ዕብ 11፡4-5/ስለዚ ቅዱሳን ብቅድስናኦም ይዛረቡ እዮም ንእግዚኣብሄር ድማ ዘወትር ከም ቅዱሳን መላእክት የመስግንዎ።
ናይ ቅዱሳን “ሞት “ ማለት ናብ ዝለዓለ ክብሪ ምብጻሕ ማለት ኢዩ
፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል /1ይ ቆሮ 13 ፡12 /ሕጂስ ከም ብመስትያት ዋግዋጎ ንሪኢ ኣሎና ፡
ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንሪኢ ኢና ፡ ሕጂ ፍልጠተይ ጎደሎ እዩ። ሽዑ ግና ከምቲ ኣምላኽ ንኣይ ዝፈልጠኒ ፍልጠተይ
ምሉእ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ ናይ ቅዱሳን ሙማት ናብ ዝለዓለ ፍልጠትን ደረጃን ምስግጋር ማለት እዩ። እረ እንታይ
እዩ እቲ ራኢኹም ? ኣብ ምድራዊ ሕይወት ከለኩም pastor ከማልደለይ ክጽልየለይ ኢዩ እትብሉ ? ኣብ ሰማያት
ግን ከማልድ ክልምን ኣይክእልን ኢዩ ትብሉ ። እቲ እታምንሉ pastor ኣብ መንግስቲ ኣምላክ ቦታ
የብሉን ድዩ ? እወ፣ ጌና ብመስትያት ዋ ግ ዋ ጎ ኣይረኣኩምን ዘልኩም፡ ብከመይ ? በየናይ ትምህርቲ ?
በየናይ ስርዓት ? በየናይ ግብሪ ? እስከ ንገሩኒ ! ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ግን ብስጋዊ ሂወት ኣብ
ዘለናሉ ግዜ ብዋ ግ ዋ ጎ ጥራይ ከም ንሪኦ እዩ ዝነግረና ዘሎ፡ ብግብርን ብእምነትን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር
እንዳ ፈጸምና ምስ እንሞት ግን ገጽ ንገጽ ክንሪኦ ኢና ይብለና ። ሕጂ ፍልጠተይ ጎደሎ እዩ። ሽዑ ግና
ከምቲ ኣምላኽ ንዓ ዝፈልጠኒ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን ኢዩ።
እዚ እንዳ ሃለዉ እታ ሓቂ ግና በተሓሳስባኦም ምብትርጓም፡ ኣፎም መሊኦም ብድፍረይ ቅዱሳን ኣይሰምዑን ኣይርእዩን ክብሉ ንስምዖም ኣሎና። እንታይ ኢዩ ዝብሃል። ክልተ
ኣዕሩክ ብሓደ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ጸሊም ነገር ተካትዑ እሞ፡' እቲ ሓደ ኳኽ ኢዩ ይብል ፡ እቲ
ሓደ ድማ ጤል ኢያ ይብል ። በዓል ኳኽ ድማ ኣይኮነትን ይብል ፡እቲ ሓደ ድማ ኳኽ ኢዩ ኣይኮንን ኢዩ ኣይኮነን፡
እንዳተበሃሃሉ ፡ሓንደበት እቲ እንስሳ ይነፍር። ኢለካ ሙሽ ኳኽ ኢዩ ምስ በሎ ''ወላ ትንፈር ደኣ እምበር
ጤል ኢያ '' ኢሉ ይብሃል። ሎሚ ድማ ወላ ሕያው ይኩን እምበር ኣይዛረብን ዝዓይነቱ ዘረባ ይስማዕ
ኣሎ ።
እሞ;;ሕያዋንን;ምዉታንን;ነለሊ!
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር፡
ወለወላዲቱ ድንግል ፣
ወለመስቀሉ ክቡር ፡
ኣሜን !
No comments:
Post a Comment