Monday 12 November 2012

ኣየ ሰብ

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
ኣየ ሰብ
ወትሩ ጉያ ጉያ ናብ ናይ ሞት ዓዘቅቲ
ኣብ ሓጢኣት ምሕንባስ ልክዕ ከም ዓለቅቲ
ኣየ ሥጋውነት እንታይ ኮንዩ እቲ ትርፊ
ጽባሕ እኮ ኣሎ ናይ ድያብሎስ መግረፍቲ
እወ ከቢድ ሥቃይ እንኮላይ መጽረፍቲ


ኣየ ወዲ ሰብ ጥዕና እንተ ረኸብካ
ትብል ትዕቢት ግትር
ወትሩ ሓጎስ እምበር ሓዘን ዘይትዝክር
ሕማም ግን ብዕስለ ምስ ተወሃሃደካ
ዘሎ ፍወሳ ዘመናዊ ውን ምስ ተሓለለካ
ኣቲኻ ምቁጻር ትጅምር ክንደይ ከም ዘዋህለልካ
ኣምላኸይ ውን ትብል ምሕረት ክህበካ

እስከ ኣሕዋት ዕድመና እሞ ንቁጸሮ
ዘሕለፍናዮ ዓመታት ኩሉ ንዘክሮ
ህይወት ናብ ወሃቢኣ ተመሊሳ ኔራ እንተ ትኸውን
እንታይ ኮን ምኾንና ዓስብናኸ በየናይ ሚዛን
እወ ኣበይ ምቆምና ኔርና ኣብ ጸጋም ዶ የማን

በሉ ዕድመ ንፍስሃ ግዜ ኽኣ ንስሓ ከም ዝበልዎ ኣቦታት
ግዜ ኣውሂቡና ኣሎ ናይ ምንዛዝ ሰዓት
ንስሓ ንእቶ ደኣ ምስ ኣምላኽ ንተዓረቕ
ፍሕሶ ሰይጣን ንቃወም ሕቆና ብምዕጣቕ
መታን ውሉድ ክንበሃል  ብኣምላኽ ክንምረቕ


ወስብሐት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!



                                           mn teyzo wede amlak biet guzo !!! 



No comments:

Post a Comment