Thursday 4 October 2012

ጼዴንያ

ኣብ ጼዴንያ ሓንቲ ሕርይትን ሃብታምን ማርታ  ትብሃል  ሰበይቲ ነበረት።ካብ ዕለተት  ሓደ መዓልቲ  ከም ኵሉ ዓለም ገንዘባ  ከንቱን ጠፋእን ምዃኑ  ሓሰበት’ሞ ንነብሰይ ከ  እንታይ ይጠቕመኒ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስና ዝብሎ’’ ሰብ  ብኵሉ  ዓለም  ረቡሑ ነፍሱ እንተ  ኣጥፈኣ እንታይ  ይጥቅሞ [ማ 8፡36]’’ ዝብል  ኽርስትያናዊ ሓሳብ ሓሰበተ፡ነዚ  ሰናይ  ሓሳብ እዚ ፡ ብገንዘባ  ሰናይ  ግብሪ ክትገብር   ፍጹም  ብክርስትያናዊ ዝኾነ  መንገድ  ተሰለፈት።
  

በታ  ሰዓት እቲኣ  ድማ ኣብርሃም  ዓርኪ እግዚኣብሄር  ጋሻን ምቅባል  ድሉው  ከም  ዝነበር  ፡ ንሱሉስ  ቅዱሳስ  (ስላሴ)ኽቅበል  ከም  ዝበቅዐ ፡ ብእግዚኣብሄር  ኣምላኹ  ድማ  ቅዱስ  ውላድ ከም ዝረኸበ ፡ ቤቱ ድማ  ብእግዚኣብሄር / ብስላሴ  ኣግእዝተ ዓለም / ከም ዝተበርኸ፡ ተስፋ  ከም ዝረከበን፡ (ኦ፣ዘፍ18፡15) ሎጥ እውን ክልተ  ሊቃነ  መልእክቲ ኣብ ኣብ  ገዝኡ ከም ዝሓደሩን ፡( ኦ፡ዘፍ 19-1)ዘከረት። ሓብቲ ኣል ኣዛር ማርታ  ነዳያን ከም ዝተተቀበል፡ ጐይታና  መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ  ድማ  ብነገረ  ስጋዌኡ  ኣብ  ቤታ  ከም  ዝተቀበለት  እሞ ሰናይ ዕድል  ሓሪኪ  ዝብል  ብኣምላኽ ዝምስገን ስናይ  ዝኾነ  ቃል  ጐይታ ክትሰምዕ  ስለ  ዝበቅዐት ዘከረት። (ሉቃ 10፡38-42) ‘’ኣጋይሽ ምቕባል ኣይትረስዑ’’ ዝብል ቃል ሓዋርያት ብምዝካር ፡ ኣብ ጼዴንያ ሰፊሕ  ቦታ  /መሕደሪ/ ኣጋይሽ  ኣሕነጸት። ካብታ ዕለት  እቲኣ  ከምቲ ንጉስ  መርዓ  ወዱ ጌይሩ መኣዲ ምስርዕ  ተተሓሓዘቶ፡ንሳ ድማ  ንርእሳ  ሰማያዊ  ሓሳብ ገበረት። ዕለት ዕለት ምቕባል ኣጋይሽ ኣብዝሐት ነቶም  ኣጋይሽ  ምስ  በልዑን ምስ  ሰተዩን ነገረ  መለኾትን  ናይ  ዝቀደሙ  ኣቦታት ዜና  ትሓቶም  ነበረት፡ ሓደ ዕለት  ኣጋይሽ ከም ልማዶም ኣብ ቤታ ኽሓድሩ ተኣከቡ፡ ንሳ  ኸኣ ከም ኵሉ ዕለት ይቕሚ ዘለዎ ሓተተቶም፡ ሽዑ  ንሳቶም  ኣብ ኢየሩሳሌም ናይታ /ብኽልተ/ ወገን  ዝኾነት ኣደ  ኣምላኽ  ድንግል  ማርያም ስእሊ ዝስእሉ ከም ዘለዉ በዛ  ስእሊ እዚኣ’ውን ኵሉ  ዝለመንዎ  ከም  ዝፍጸመሎም ካብ ከሓልን ሓያልን  ዝኾነ  ወዳ ለሚና  ዝሰኣና  ከም ዘየለ ነገርዋ ፡ ማርታ  ነዚ  ሰሚዓ ብፍቕሪ  ቅድስተ  ቅዱሳን  ድንግል  ማርያም  ልባ  ተናደደት፡፡

ካብቶም ዝስእሉ  ሰኣልቲ  ናይ  ድንግል  ማርያም  ስእሊ  ገዚኡ ከምጽኣለይ ዝኽእል  ገንዘብ ክህቦ  እንዶ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸይድ  እንተሎ በጃኹም ድለዩለይ  እናበለት ብንብዓት ለመነቶም። ሓደ ‘’ ኣባ ቴድሮስ  ዝተባህለ መነኮስ ነዚ  ናይ  ኣደ  ኣምላኽ  ቅድስተ  ቅዱሳን ድንግል  ማርያም ዘለዋ  ፍቅሪ ርእዩ ኣነ  ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እየ’ሞ ብገንዘበይ ገዚኣ  ከምጻኣልኪ ደሓር  ናባኺ ምስ  ተመለስኩ ናይ ዝገዛእኩዎ ዋጋ ካባኺ ክቕበል  በላ።’’ሽዑ  እግሩ እናሰዓመት። ኣትቢቓ ኣማሕጸነቶ፡ ንጽባሒቱ ኣንግጊሁ ተንሲኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ፡ኣብቲ  ዝደለዮ ቦታ ምስ  በጽሐ ከኣ  ካብተን ቅዱሳን ቦታታት ተባሪኹ ነቲ እታ  ሰበትዪ ዝበለቶ ረሲዕዎ  እንዳ ኸደ  ከሎ ንምንታይ  እታ  ሰበይቲ ዝበለትኻ ረሲዕካ ? ዝብል  ሕልናዊ  ቃል  ሰሚዑ፡ ሰምቢዱ ድማ ናብቲ ቤት መሸጣ ከይዱ ንምርኣያ ጽብቕቲ ስእሊ ናይ  ኣዴና  ቅድስቲ  ድንግል ማርያም ረኺቡ  ዓደጋ። ብንጹሕ  ኣልባስ  ጌይሩ ድማ ጥቕለላ፡ እታ’ ስእሊ ‘ቲኣ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ከም ዝሰኣላ ይንገር። እቲ መነኾስ (’ ኣባ ቴድሮስ) ነታ  ስእሊ ኣብ እንግድዓኡ ጌሩ መንገዱ ናብ ሃገር ጼዴንያ ኣምርሐ፡ ኣብ መንገዲ እንናኸደ  ከሎ ኣንበሳ  ኽቐትሎ ደለዩ እናጓዘመ መጸ።እቲ መነኮስ ነቲ ኣንበሳ  ግርማኡ ርእዩ ኣዝዩ ፈርሐ።ኣብ ፍርሓት ከሎ ድማ እታ ስእሊ ካብቲ ድምጺ ናይቲ ኣንበሳ  ሸውዓተ ዕጽፊ ብዝኾነ ድምጺ  ኣስምዓቶ። ብኡ ብኡ ኸኣ እቲ ኣንበሳ  ከም ሓደ ፈርሰኛ ዝሃድኖ ዘሎ ብቕጽበት ሃደመ።
ጸኒሖም’ውን ቅተለትን ምዝማትና  ዝልማዶም ( ሸፋቱ ) ምስ ረኸብዎ  ድማ  ከምቲ ናይ  ቀዳማይ  ተኣምር ከም ነጎድጓድ  ድምጺ ተዳህየት። ካብ ፍርሓት  ዝተላዕለ  ከኣ  እዚ  ድምጺ  ካበይ ከም ዝኮነ  ከይ ፈለተ    ሓደሙ። እዚ  መነኮስን  ነዞም  ዝገርሙ ተኣምራት  ርእዩ ብልቡ  ከምዚ ኢሉ ሓሰበ ‘’ ናብ ዓደይ ምድሪ  ኣግኣዚ ረዳኢት ክትኾነኒ ክወስዳ  እየ። ከምዚ ሕጂ ዝረኣኽዎ ክልተ  ዓበይቲ  ተኣምራት ‘’ በለ። ንሱ ግና እታ ስእሊ ብፍቃድ  ከምዝመጸትን  ከብ መዓሙቕ  ልቢ እታ  ሰበይቲ (ማርታ) ዝተላዕለ ምስኣ ክትነብር ክም ዝኾነትን ኣይፈለጠን። ከም ካልኦት  ኣቕሓ  ካብ ነገዶ ከም ዝሽየጥ  ብዘይ ፍቃድ  ብገንዘቡ ከም ዘምጽኣ መሲልዎ  ነበረ። ከምዚ  እና  መኸረን እንዳ ሓሰበን ከሎ ኣብ ገምገም  ባሕሪ በጽሐ። ብዝሓት መራኽብ ረኺቡ  ድማ  ነቶም ሰብ መራኽብ  ናበይ  ዓዲ  ኢኹም እትኸዱ ? ኢሉ ሓተቶም። ሓደ  ካብቶ ም ሰብ መራኽብ ንጼዴንያ ዝብሎ ሓዲጉ  ናብ ካልእ መንገዲ  ናብ ምድረ-ኣግኣዚ  እየ  ዝኸይድ  ዝበሎ በዓል  መርከብ ደየበ። ኣብታ መርከብ ተሰቒሉ ኣብ ማእከል (ፍርቂ) ባሕሪ  ምስ  በጽሐ ድማ  ኣውሎ  ንፋስ  ተላዕለ። ብዘይ ፍቃዱ ከኣ  ናብ ናይ ጼዴንያ ዝበጽሕ  ወደብ ወሰዶ፡ ብዛ  መገዲ እዚኣ ገይሩ ድማ ናብ ናብ ቤት  ማርታ  ብልቡ ከምዚ ከምዚ እናበለ ‘’ እታ ስእሊ ክገዝኣላ  ዝተማሕጸነትኒ ሰበይቲ ኣነ  ምዃነይ  ኣበይ ከይትፈልጠኒ ‘’ በለ። ምስቶም ነጋዶ  ኮይኑ ድማ ናብ ቤታ  ኣተወ። ብሕቡእ  ናብ ዓዱ ኽኸይድ ብግዜ  ሰርክ ክወጽእ እንተበለ ከኣ ምውጻእ  ሰኣነ፡ በዚ ከምዚ ከኣ  ንሰለስተ  መዓልትን ለይትን  ፈቲኑ ምኳን ኣበዮ። ምኽንያቱ ማዕጾ  ተኣምር ኣደ  ኣምላክ  ቅድስት  ድንግል  ማርያም ኣብ ቅድሚኡ  ስለ  ዝተዓጽወ እዩ። ኣፍደገ  ማዕጾ ነቶም  ኣብ ቅድሚኡ ዝኣተዉን ዝወጹን ርሑው  ነበረ። ኣንፈቱ’ውን ኣይተለወጠን ። ማርታ ኵሉ ግዜ  ነቶም ዝሓድሩ ኣጋይሽ  ክሳብ ኣፍደገ  ማዕጾ ምፍናው  ነቶም  ስንቂ  ዘይብሎም ድማ  ኣስኒቃ ምፍናው  ልማዳ  ነበረ፡ ነዚ  መነኮስ እዚ  ክወጽእ እናደለየ ምውጻእ ግን ዘይኽእል ኮይኑ ረኣየቶ ።
‘’ ኦ  ኣባ እንሆ  ከም  ዝሓመመ  ሰብ ኮይንካ  እርእየካ  ኣለኹ ሎሚ ሕደር እሞ ጽባሕ ትኸይድ፡ ቤተይ ኣጋይሽ  ንምቕባል  ስሩዕ  እዩ ‘’ በለቶ። ንሱ  ድማ ‘’ ሐራይ’’ በላ። ንጽባሒቱ  ክኸይድ እንተበለ ከም ናይ  ቀደሙ ምኻድ  ሰኣነ  መሊሳ ከኣ  ኣሕደረቶ።
‘’ኦ  እንታይ እዩ ኣብ ልዕሌኻ  ዘሎ  ነገር።? በለቶ። ኣባ ቴድሮስ  ኣፉ ከፊቱ  ብሕፍረት ከምዚ  በላ ‘’ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ከለኹ ስእሊ  ቅድስቲ  ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ  ከምጽኣልኪ ዘማሕጸንኽኒ  ኣነ  ምዃነይ ኣይዘከርኽንን ዲኺ’’? በላ። ንሳ ድማ ‘’ ናዚ  ቤት   ዝኣቱን ዝወጽእን ብዙሓት እዮም ከመይ ጌይረ  ከለልየካ፡’በለቶ። ድሕሪ’ዚ  ነታ  ስእሊ ካብ ዝገዝኣ ኣትሒዙ ክሳብ እታ  ሰዓት እቲኣ ኵሉ  ኣብ መንገዲ ዝረኣዮ  ተኣምራት ነገራ። እዚ ምስ ነገራ ነታ  ስእሊ ካብ ሕቝፉኡ ኣውጺኡ እንሆ እዛ  ኣደናቂት ዝኾነት  ስእሊ እንኺ ኢሉ ንማርታ ሃባ። እቲ ዘደንቕ ነገር፡ እታ ስእሊ ስጋ  ዝለበሰት ትመስል  ነበረት፡ ማለት ከምዝቶም ሰብ ጥበብ ምስ  ፍቁር  ወዳ  ዝረኸብዋ  እያ ትመስል፡ ማርታ  እዚ ነገር እዚ ሰሚዓ ካብ ፍቕሪ  ቅድስተ  ቅዱሳን ድንግል  ማርያም ወላዲተ  ኣምላክ ዝተላዕለ  ኣብ ትሕቲ ኣባ  ቴድሮስ ብሓጐስ  ሰገደት፡ ካብ ኣእዳዉ ነታ  ስእሊ ተቐቢላ ከም ንግስቲ እሌኒ በቲ ናታ ዕልልታ ካብ ርሑቕን ቐረባን ኵሎም ክሳብ ዝእከቡ ብሓጐስ ዕልል በለት፡ ቤት  ሰሪሓ ድማ ብዓብዪ ኽብሪ ኣቐመጠታ። ኵሉ ግዜ ብየማንን ብጸጋምን መዓልትን ለይትን ዘይጠፍእ መብራህቲ ተብርሀላ  ነበረት። ኣብ ቅድሚኣ ኮይና ትሰግድን ‘’ ሰላም ለኪ’’ እናበለት  ክትድቅስ  እኳ ካብኣኣይትፍልይን ዝነበረት ። ሰብ ከይትንክፋ  ኢላ ከኣ  መጋረዲ  ሓጺን ገበረትላ። ምእንቲ  እቲ ቅብኢ (ርሓጽ) ካብታ ስእሊ  ዝነጥብ  ዝነበረ ‘ውን ኣብ ሓደ ምእንቲ ኽእከብ ኣብ ትሕቲ እታ ስእሊ ገበረት።
እቲ መነኮስ ውን ክሳብ ዕለት ሞቱ ነታ  ስእሊ  ምስ ማርታ ኮይኑ ይሕልዋ  ነበረ። ኣብ ኵሉ ዓለም ድማ እዛ ስእለ  ኣዴና  ቅድስት  ድንግል  ማርያም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ጼዴንያ  ዓዲ ማርታ  ኣብ 10 መከረም  ከም ዝበጽሐት ተሰምዐ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት  ዜና  ምስ  ሰምዐ ኤጲስ ቆጶሳትን  ካህናትና ኵሉ  ሕዝብን ኣኸቲሉ ናብኣ መጸ፡ ነታ  ስእሊ ምስ  ረኣይዋ  ስጋ  ዝለበሰት ኾይና  ረኸብዋ። በዚ  ኣምላኻዊ  ስራሕ  ድማ  ኣዝዮም ተገረሙ። ሽዑ ካብቲ ንብዓት ረሓጽን  እናቀድሑ ብዙሃት  ብሕማም ተተሒዞም ዝነበሩ ሕሙማት ሓወዩ፡ ካልኦት’ውን ንበርኸት ወሰዱ፡ እቲ  ቅብኢ ድማ  ይመልእ  እምበር ቀልጢ  ኣይጐድልን  ነበር። ነዛ ስእሊ እዚኣ ናብ ካልእ  ቦታ  ከግዕዝዋ  ምስ  ደለዩ ድማ ዓብይ ጼዴንያ ዕልቕልቕ ኮነ። ብዙሓት  ሰባት’ውን ሞቱ እዛ  ስእሊ እዚኣ ክሳዕ ሕጂ’ውን ኣላ፡ ሊቃነ  ጳጳሳት ነዛ  ዕለት እዚኣ ክነኽብራ ግዘት  ሰሪዖምልና እዮም። ጸሎታን በረኸታን ፡ ምሕረት ፍቑር  ወዳን ምስ ዅላትና ሕዝበ  ክርስትያን ይኹን ኣሜን።

ሰላም ለስእልኪ እንተ ሰኣላ  በእዱ፣
ሉቃስ  ጠቢብ እም ወንጌላውያን ኣሓዱ፣
ኣመተቀብዑ  ማርያም  እምኣፈ  ስእልኪ ቅብኣ ናርዱ፣
በሕማም እኩይ እለ ደወዩ ወውሕዱ፣
ጽዑራነ ምድር ጥዕዩ ወጥቀ፡ ፈድፈዱ፣

እዛ ዕለት  እዚኣ  ማለት 10  መስከረም ካብተን 33  ዓበይቲ በዓላት  ሓንቲ  እያ።
 >ምንጪ ተኣምረ  ማርያም ፦ ኣንድ ደብረ ኤፍራታ

No comments:

Post a Comment