ሓደ ዓመት ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኽፈል።
ንሳቶም ድማ፦
መፀው ዝብሃል ካብ 26 መስከረም ክሳብ ታሕሣሥ 25 እዩ። እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብ ን ኡሳን ክፍላተ ዘመናት ይኽፈል።
ሓጋይ ዝብሃል ካብ ታኅሣሥ 26 ክሳብ 25 መጋቢት እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጋይ ዝርከቡ ንኡሳን ክፍላተ ዘመናት ድማ፣
ጸደይ ካብ መጋቢት 26 ክሳብ ሰነ 25 እዩ። ኣብ ጸደይ ዝርከቡ ንኡሳን ክፍላተ ዘመናት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ክረምት ካብ ሰኔ26 ክሳብ መስከረም 25 እዩ፡ ኣብ ክረምቲ ዝርከቡ ንኡሳን ክፍላተ ዘመን ድማ፦
ንሳቶም ድማ፦
- መፀው
- ሓጋይ
- ጸደይ
- ክረምት/ቲ
መፀው ዝብሃል ካብ 26 መስከረም ክሳብ ታሕሣሥ 25 እዩ። እዚ ኽፍሊ እዚ ኣብ ን ኡሳን ክፍላተ ዘመናት ይኽፈል።
ሀ. ካብ ፀኣተ ክረምት (መስከረም 25) ክሳብ ኣባ ዮሓኒ (ሓዳር 5) ዘሎ ዘመነ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ለ. ካብ 6 ኅዳር ክሳብ 12 ኣስተምህሮ።
ሐ. ካብ 7 ታኅሣሥ ክሳብ 13 ታኅሣሥ ስብከት ይብሃል።
መ. ካብ ብርሃን ክሳብ ኖላዊ ብርሃን ይብሃል።
ሠ. ካብ ኖላዊ ክሳብ ታኅሣሥ 25 ኖላዊ ይብሃል።ሓጋይ
ሓጋይ ዝብሃል ካብ ታኅሣሥ 26 ክሳብ 25 መጋቢት እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓጋይ ዝርከቡ ንኡሳን ክፍላተ ዘመናት ድማ፣
ሀ. ታኅሣሥ 26ን 27ን መርዓዊ ይብሃል።
ለ. ታኅሣሥ 28 ጌና ይብሃል።
ሐ. ካብ ታኅሣሥ 29 ክሳብ ጥሪ 4 ልደት ይብሃል።
መ. ካብ ጥሪ 5 ክሳብ ጥሪ 9 ናዝሬት ይብሃል።
ሠ. ጥሪ 10 ገሃድ።
ረ. ካብ ጥሪ 11 ኣስተርእዮ፣ ተወልደ፣ ኣንሶሰወ፣ ኣስተርኣየ ተባሂሉ ይፍለጥ።ጸደይ
ጸደይ ካብ መጋቢት 26 ክሳብ ሰነ 25 እዩ። ኣብ ጸደይ ዝርከቡ ንኡሳን ክፍላተ ዘመናት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ሀ. ካብ ወረደ ክሳብ ሆሳዕና ጾም(ዓቢ ጾም) ተባሂሉ ይፍለጥ። <<ዘወረደ፡ ቅድስት፣ ምኵራብ፡መጻጕዕ፣ ደብረ-ዘይት፣ ገብር-ኅር፣ ኒቆዲሞስ፣ ሆሳዕና>>
ለ. ካብ ሆሳዕና ክሳብ ትንሣኤ ሕማማት ይብሃል።
ሐ. ካብ ትንሣኤ ክሳብ ዕርገት (40 መዓልቲ) ፋሲካ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ ሰሙነ ፋሲካ ዘለዋ መዓልታት ውን ነናተን ስያሜ ኣለወን።
- ሰኑይ፦ ፅኣተ ሲኦም ወይ ማዕዶት ተባሂላ ይፍለጥ።
- ሠሉስ፦ መላእክት፣ ባሕሪ፣ እንስሳ፣ ኣዕዋፍ ወይ ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ።
- ረቡዕ፦ ኣልኣዛር ተባሂላ ትጽዋዕ።
- ኃሙስ፦ ኣዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።
- ዓርቢ፦ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ።
- ቀዳም፦ <ቀዳሚት ሰንበት> ቅዱሳን አንስት ተባሂላ ትጽዋዕ።
- ሰንበት፦ ዳግማይ ትንሣኤ ተባሂላ ትጽዋዕ።
መ. ካብ ዕርገት ክሳዕ ጰራቅሊጦስ (40-50 ድኅሪ ትንሣኤ) ዕርገት ይብሃል።
ሠ. መበል 50 መዓልቲ (ካብ ትንሣኤ ) ጳራቅሊጦስ ተባሂላ ትፍለጥ።
ረ. ሰኔ 17 - ኣባ ገሪማ ይብሃል።
ሸ. ካብ ሰኔ 18 ክሳብ 25 ኣስተምህሮ ይብሃል።ክረምት
ክረምት ካብ ሰኔ26 ክሳብ መስከረም 25 እዩ፡ ኣብ ክረምቲ ዝርከቡ ንኡሳን ክፍላተ ዘመን ድማ፦
ሀ. ካብ በኣተ ክረምት (ሰኔ 26) ክሳዕ ቂርቆስ (ሓምሌ19) ደመና፣ ምሳሌ ዘርዕ፣ ጊሜ፡ ክረምት ይብሃል።
ለ. ቂርቆስ (ሓምሌ 19) ማኅበር ይበሃል።
ሐ. ካብ ማኅበር (ሓምሌ 19) ክሳብ ኣብርሃም (ነሓሴ 30) መብረቅ፣ ባህር፣ ኣፍላግ፣ ጠል፣ ነጐድጓድ ይብሃል።
መ. ካብ ኣብርሃም ክስዕ ዮሓንስ (መስከረም 1) ምጻት፣ ጽባሕ ፣ መዓልት ፣ ነግህ፣ ብርሃን ይበሃል።
ሠ. ካብ መስከረም (ዮሓንስ) ክሳዕ ዘካርያስ (መስከረም 8) ዮሓንስ ይበሃል።
ረ. ካብ መስከረም 9 ክሳዕ መስከረም 16 ፍሬ ይብሃል።
ሸ. ካብ መስከረም 17 ክሳዕ መስከረም 25 መስቀል ተባሂሉ ይጽዋዕ።
No comments:
Post a Comment