Friday, 13 June 2014

እግሪ ዶ ይምራሕ ወይስ ርእሲ? 2ይ ክፋል

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!
ከመይ ቀኒኹም ስድራ እግዚአብሔር ጾም ከመይ ይገብር ኣሎ? ጾመ ሐዋርያት ናይ በረኸት ናይ ሰላም ናይ ዕርቂ ናይ ፍቕርን ሓድነትን መንፈሳዊ ዕብየትን ክዀነልና እናተመነኹ ናብቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጠቒሰ ከይገለጽኩ ዝሓለፍኩዎ ማለት “ብሰበይቲ ዝምራሕ ሓዳር፡ ብህጻናት ደቆም ዝምርሑ ወለዲ (ኣእምሮኦም ዘይበሰሉ ህጻናት ዝኣዘዝዎም ኵሉ ዝገብሩ ወለዲ)፡ ብህዝቢ ዝምራሕ መንግሥትን ኢዮም”
በቲ ቀዳማይ ክንጅምር ሰበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ኢያ። እታ ቀዳመይቲ ሔዋን ብዕለተ ዓርቢ ካብ ጎኒ ናይ ኣዳም ዝተረኽበት ኣካሉ ኢያ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዕለተ ዓርቢ ካብ ጐኒ ናይ ጐይታና ብዝፈሰሰ ደምን ማይን ዝተመሥረተት ኣካል ክርስቶስ ኢያ። በዚ መሠረት እምበኣር ሰብኣይ ብክርስቶስ ክምሰል እንከሎ ሰበይቲ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ኢያ። ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ…. ሰብኣይ ድማ ርእሲ ሰበይቲ ኢዩ እሞ ኣትን ኣንስቲ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዝኦም” ኢሉና ኣሎ። (ኤፌ 5፡21)
ስለ’ዚ ርእሲ ማለት ንእግሪ ዝቆጻጸር ንኣእዳው ዝእዝዝ ብሓፈሻ ናይ ኵሉ ክፍሊ ኣካላትና ሓላፍነት ዝስምዖ ንሱ ኢዩ። ስለ’ዚ ሰብኣይ ድኣ ንሰበይቲ ይእዝዛ እምበር ሰበይቲ ንሰብኣይ ትግዝኣዮ ዝብል የለን። ከምኡ ድማ ክርስቶስ ድኣ ንቤተ ክርስቲያን ይእዝዛ እምበር ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ኣይትእዝዞን ኢያ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ዝሓተቶ ዝገብረላ (ማቴ 7፡8) ሰብኣይ ድማ ንሰበይቲ ከምኡ ዝሓተቶ ክገብረላ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ኣካል ኢዮም (ማቴ 19፡6) እዚ ድማ ሰበይቲ ንሰበኣይ ኣካሉ ስለ ዝዀነት ንኣካሉ ዝከናኸን እምበር ኣካሉ ዝጸልእ ስለ ዘየለ ሰብኣይ ንሰበይቱ ክከናኸን ይግብኦ።፡ነዚ ውን ደጊሙ ቅዱስ ጳውሎስ “ሰብ ንሥጋኡ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዝጸልኦ የልቦን። ኣካላት ሥጋኡ ካብ ኮንና ከምኡ ድማ ክርስቶስ ነታ ማሕበር ይከናኸና ኣሎ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤፌ 5፡30) እምበኣረከስ ናይ ርእሲ ትርጉም ሓላፍነት ምሽካም ማለት ኢዩ። ርእሲ ድማ ናይ እግሪ ሕማም ናይ ኢድ ሕማም ናይ ዓይኒን ናይቶም ዝተረፉ ክፍሊ ኣካላትና ሕማም ቃንዛ ዝስምዖ ንሱ ኢዩ። ንኹሉ ዝቆጻጸርን ዝመርሕን ንሱ ስለ ዝኾነ እቲ ብርእሲ ዝተመሰለ ሰብኣይ ድማ ከምኡ ናይታ ኣካሉ ዝዀነት ሰበይቲ ድኻማ እንዳተሸከመ ክመርሓ ድኣ እምበር ብኣንጻሩ ነዚ ተሰኪማ ንሳ ርእሲ ኮይና ክትመርሖ ኣይግብኣን። ነዚ ኣይቅበልን ኢላ ብገዛእ ፍቓዳ ርእሲ ክኸውን ኢየ ብምባል ንሰብኣያ ዘይትእዘዝ ሰበይቲ ግና ከምታ ብክርስቶስ ኣይእዘዝን ዝበለት ቤተ ክርስቲያን ኢያ ትምሰል። ስለ’ዚ ክብርቲ ሓፍተይ ከምቲ ርእሲ ናብ ርሑቕ መንገዲ ክኸይድ ምስ ዝደሊ እግሪ ኣይእዘዝን ኢየ ኢሉ ዘይኣቢ ከምኡ ድማ ንስኺ ናይ ሰብይኣኪ እግሪ ስለ ዝኾንኪ ነቲ ርእሲ ኮይኑ ዝመርሓኪ ሰብኣይኪ ክትእዘዝዮ ይግበኣኪ። ኣብ መወዳእታ “ኣትን ኣንስቲ ከምቲ ንጎይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዝኦም። ኣቱም ሰብኡት ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይተምርርወን” ብዝብል ቃል ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ይፋነወክን።(ቆለ 3፤18)
ናብቲ ራብዓይ ምስ እንሰግር ድማ በቶም ኣእምሮ ዘይብሎም ብህጻናት ደቆም ዝምርሑን ዝእዘዙን ወለዲ ብዝምልከት ኢዩ። ህጻናት ብባህሪኦም ክፉእን ጽቡቕን ፈሊኻ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ የብሎምን። በዚ ባህሪኦም ተገዲዶም ድማ ብዙሕ ጊዜ ካብ ወለዶም ዝጠልብዎም ጠለባት ጠቐምቶም ዘይኮኑስ ተመሊሱ ንዕኦም ዝጎድእ ነገራት ኢዮም ዝሓቱ። ወለዲ ግና ብኣእምሮ በተሓሳስባ ዝበሰሉ ስለ ዝኾኑ ነቲ ጽቡቕ ካብ ክፉእ ነቲ ዝጠቅም ድማ ካብቲ ዘይጠቅም ፈልዮም ንደቆም ክህቡ ድኣ ይግብኦም እምበር፡ ኵሉ ደቆም ዝጠለብዎ ነገራት ክእዘዙ ኣይግብኦምን ኢዩ። ምኽንያቱ ህጻናት ከምቲ ምንም ኣእምሮ ዘይብሉ እግሪ ክምሰሉ እንከለዉ፡ ወለዲ ድማ ከምቲ ብፍልጠት ዝመልአ ርእሲ እዮም ዝምሰሉ።
ህጻናት ደቅና ደስ ዝብሎም ዘሐጉሶምን ነገራት ዘይኮነ፡ ዝጠቕሞም ኢና ከነምጽኣሎምን ከነልምዶምን ዝግበኣና። ሓደ ሓደ ወለዲ ግና ንደቅና ዝጎድእን ዘይጠቅምን ነገራት ብምሽማት ግዜናን ገንዘብናን ዘበኸንና ብዙሓት ኢና። ህጻናት ደቅና ሽጉጥ መጻወቲ ግዝኡለይ ኢሎም ምስ ዝሓቱና፡ ንሶም ስለ ዝደለይዎ ትም ኢልና ክንገዝኣሎም ኣይግበኣናን። ምኽንያቱ ከምቲ ጐይታ ንማርያም ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ “ንስኻትኩም’ሲ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ዝበላ። (ማቴ 20፡20-21) ደቅና ውን ዝልምንዎ ስለ ዘይፈልጡ ንሶም ዝደለይዎ ዘይኮነስ ንዕኦም ዘድልዮም ጥራይ ክንህቦም ይግበኣና። “ሽጉጥ” መጻወቲ ቆልዑ እንበልና ንገዝኣሎም እንተኾይንና፡ ኣብ ቴለቪዥን ናይ ካራተን ቅትለትን ዝበዝሖ ፊልምታት ክርእዩ ንፈቕደሎም እንተ ኾይንና ጽባሕ ንግሆ ምስ ዓበዩ እዞም ቈልዑ እዚኦም ንቕትለት ድሕር ዘይብሉ ጨካናትን ዘይርጉእ ጠባይን ሒዞም ዝዓብዩን ከም ዝኾኑ ክንጠራጠር የብልናን።
ስለ’ዚ ደቅና ቴለቪዥን ክርእዩ ምስ ዝደልዩ ውን ይኹን ንዕኦም ዝተቅም ቻነል ፈሊና ፊልም ከም ዝርእዩ ድኣ ንግበሮም እምበር፡ ኣብዛ ዝሙትን ቅትለትን ግብረ ሰዶማውነትን ዝስበኸላ ዓለም እናሀለና ደስ ዝበሎም ክርእዩ እንተ ፈቒድናሎም፡ እዚ እግሪ ንርእሲ ክመርሖ ጀሚሩ ኣሎ ማለት ኢዩ።
ሓደ ሓደ ወለዲ ንውሉዶም ዘይጠቅምን ዝጎድእን ዘየድሊ ህያባትን ስለምንታይ ክኽልክልዎም ከም ዘይከኣሉ ሓቲትካዮም ክምልሱ እንከለዉ፡ “ንደቅና ኣዚና ስለ ነፍቅሮም ዝኣዘዙና ኢና ንገብረሎም” ብምባል ክምልሱ ይስምዑ ኢዮም። ብሓቂ ግን ዝደልይዎ ምሃብሲ መግለጺ ፍቕሪ ድዩስ ዋላ መግለጺ ጽልኢ? ኣብ ሓቂ እንተ መጺና መግለጺ ጽልኢ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ብባህሪኡ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚአብሔር እኳ ነቶም ዘፍቅረና ደቁ ዘድልየና እምበር ዝደለናዮ ኣይህበናን ኢዩ። እሞ’ኸ ድኣ እግዚአብሔር ዝሓተትናዮ ኵሉ ስለ ዘይሃበና ስለ ዘየፍቅረና ድዩ? ኣይፋሉን እኳ ድኣ ዝያዳ ኣዕዚዙ ስለ ዘፍቅረና፡ እቲ እንልምኖ ንዓና ደቁ ዘይተቕመናን ዝጎድኣናን ምዃኑ ፈሊጡ ኣይህበናንን። እስኪ ሕስብ ኣብልዎ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ እኮ “ጐይታይ እዞም ደቀይ ኣብ ንግሥነትካ ሓደ ብየማንካ ሓደ ድማ ብጸጋምካ ክትገብሮም እልምነካ ኣለኹ” ብምባል ንደቃ ሞት ኢያ ለሚናትሎም ኔራ። (ማቴ 20፡20-21) ንሱ ግና ንስኻትኩም’ሲ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም ብምባል ንልማኖኣ ከይተቐበለ፡ ንደቃ ናብ ክብርን ቅድስናን ዝለዓለ መዓርግን ከም ዝበጽሑ ገበረ። በሉ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪስ እዚ ኢዩ። በዚ ኢዩ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚአብሔር ሓቀኛ ኣፍቃሪ ኢዩ ካብ ምባል ሓሊፉ እግዚአብሔር ፍቕሪ ኢዩ ብምባል ዝደምደሞ። (1ይ ዮሐ 4፡8)
እግዚአብሄር ንዓና ደቁ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ እዩ ኣፍቂርና። ንሱ ንዓና ክብል እዩ ዓለም ምልእቲ ድንቂ ጌሩ ዝፈጠራ ንዓለም ንዓና ክብል ከምዚ ጌሩ ኣቐዲሙ ኣዳለዋ።
ብድሕሪ እዚ ሰብ ክፈጥር ስለ ዝፈተወ ብኣርኣያኡን ብምሳሌኡን ጌሩ ፈጠሮ “እግዚአብሔር ሰብ ብመልክዑ ፈጠረ ብመልክዕ እግዚአብሔር ፈጠሮ ሰብኣይን ሰበይት ጌሩ ፈጠሮም።” ዘፍ1፤27
ብምቕጻል ውን ባረኾም ኣብ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረት ድማ ሥልጣን ሃቦም “እግዚአብሔር ውን ባረዀም ከምዚ ውን በሎም፡ ብዝሑ ተባዝሑ ምድሪ ውን ምልእዋ ግዝእዋ ውን ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን ኵሎም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝንቀሳቐሱን ግዝእዎም።” ዘፍ 1፡28
እግዚአብሔር ንዓና ዝሃበና ፍቕሪ ገደብ ዘይብሉ ፍቕሪ እዩ። ካልእ’ሲ ይትረፍ ኃጢአት ኣብ ዝሰራሕናሉ ጊዜ እግዚአብሔር ኣፍቂርና እዩ። ክሳብ መወዳእታ ውን ይፈትወና እዩ። ኣዳም ጸጋኡ ተገፊፉ ኣብ ዝወደቐሉ ጊዜ ብእግዚአብሔር ዝነበሮ ቅጽዓትን ፍቕርን ኣንቢብና ኢና። “እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ሰበይቱን ናይ ቆርበት ልብሲ ከደኖም።” ብምባል በዲሎም ከለዉ ውን ናይ ክብሪ ልብሲ ኢዩ ኣልቢስዎም። (ዘፍ 3፤21)
ቃኤል ኃጢኣት ኣብ ዝሰርሓሉ ጊዜ እግዚአብሔር ምስኡ ብዝገበሮ ዝርርብ ዝነበሮ ርህራሄ እዩ ዘርእየና። ዘፍ 4፡14-15። ልዕሊ ማንም ድማ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብዘደንቕ ፍቕሩ “ኣቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ሕደገሎም” ብምባል ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃ 23፡34)
ንሱ ብዘይ ምንም ኣድልዎ እዩ ንዅሉ ሰብ ዘፍቅር። “ብእኡ ንዝእምን ኵሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቀራ” (ዮሐ 3፡16)። ከምዚ ዝብል ውን ተጻሒፉ እዩ “ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንኃጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ” ማቴ 5፡45
ንሱ ንሰብ ስለ ዝፈትዎ ይቐጽዖ። እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል እዩ ተገሊጹ “ወደየ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉዱ ዝቐጽዖ ከምኡ ድማ እግዚአብሔር ንዘፍቅሮ ይቐጽዖ ኢዩ’ሞ ተግሳጽ እግዚአብሔር ኣይትንዓቕ እንተቐጽዓካ ድማ ኣይትመረር” ምሳ 3፡12። እግዚአብሔር ነቲ ምስኡ ዝሰማማዕ እዩ ዝቐጽዖ። ንኣብነት ነቢይ ዳዊት ከምዚ ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ “እግዚአብሔር ኣዝዩ ቐጽዓኒ ንሞት ግና ኣይወፈየንን” መዝ 119፡18
ኣሕዋተይ እዞም ንፍቕሪ ገልቢጦም ዝተኸደንዋ ማለት ትርጉም ሓቀኛ ፍቕሪ ዝጠፍኦም ሰባት ግና፡ ህጻናት ክቕጽዑ የብሎምን ዝብል ናይ ህጻናት ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘለዎም። ህጻናት ክቕጽዑን ክህረሙን ከም ዘይፈትዉ መቸም ርጉጽ ነገር ኢዩ። ስለ’ዚ ንሳቶም ክንቅጻዕ ኣይንደልን ኢና ስለ ዝበሉ፡ ንሕና ድማ ደቅና ስለ ነፍቅሮም ደስ ዝበሎም ኢና ንገብረሎም፡ ስለ’ዚ ክቕጽኡ ኣይግብኦምን ኢዩ ምስ እንብል እዚ ውን፡ ንሕና ብርእስና ገዲፍና ብእግርና ክንሓስብ ከም ዝጀመርና ዘነጽር ሕማቕ ኣካይዳ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግበኣና። ምኽንያቱ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ቅጽዓት ኢያ ዘላ። ነዚ መረጋገጺና ድማ እቲ ሓቀኛ ኣፍቃሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ደጊሙ ብቃል ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ወደየ እግዚአብሔር ነቲ ዘፍቅሮ ይቐጽዖ ኢዩ,” ብምባል ኣረጋጊጽልና ኣሎ።(ዕብ 12፡6-7)
ስለ’ዚ ዘይምቕጻዕ መግለጺ ጽልኢ ደቅኻ ምቕጻዕ ግና መግለጺ ፍቕሪ ኢዩ። ሰለሞን ውን “ብሻቦጥ ዘይገርፍ ንውልዱ ይጸልኦ፡ ዘፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ” ኢዩ ይብል” (ምሳ 13፡24)። በሉ ከምቲ ኣቦታትና ቆልዓ ብንኡሱ ቆርበት ብርሑሱ ዝበልዎ፡ ገና ቆልዑ እንከለዉ እንተዘይቀጺዕናዮም ምስ ዓበዩ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክቐጽዑና ምዃኖም ኣይንዘንግዕ።
ንወለዲ ከምዚ እናበልኩ እመክር ኣለኹ “ወለዲ ደቆም ኣብ ምቕጻዕ ዘርእይዎ ሸለልትነት ብእግዚአብሔር ዝተዋህቦም ሓላፍነት ሸለል ምባል ስለ ዝኾነ በዚ ምኽንያት ደቆም ብምሕንቃቖም ንሳቶም ባዕላቶም መቕጻዕቲ ክቕበሉ እዮም” ነዚ ብግልጺ ጌሩ ዘረጋግጸልና ድማ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ካህን ኤሊ እዩ።
ንሱ ጉባኤ ብዝግባእ መሪሑ እዩ። እግዚአብሔር ውላድ ንኽህባ ውን ንሃና ኣደ ሳሙኤል ናብ ኣምላኽ ጸልይላ እዩ።ይኹን ድኣ እምበር ኤሊ ዋላ እኳ ጻድቕ ሰብ ይምበር እምበር ኣብ መወዳእታ ዝገጠሞ ግን መሪር እዩ ኔሩ። ክልቲኦም ደቁ ኣፍኒንን ፊንሃስን ሞይቶም፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኩናት ተሳዒሩ ታቦት እግዚአብሔር ተማሪኻ ተወስደት ንሱ ውን ካብ ዝነበሮ ወንበር ወዲቑ ክሳዱ ተሴሩ ሞተ። (1 ሳሙ 4 ) ነዚ ኩሉ ምረት መበገሲኡ እንታይ እዩ ኢልና ምስ ንሓትት ካህን ኤል ደቁ ብምሕንቃቑን ካብ ምቕጻዕ ሸለል ስለ ዝበለን እግዚኣብሔር ስለ ዝተቐጠዐ እዩ። ደቁ ኣብ ኣፍ ደገ መራኸቢ ድንኳን ምስ ደቂ ኣንስትዮ እናተራኸቡ ኣቦኦም ግና በዚ ጽዩፍ ስራሖም ኣይገሰጾምን።
እዚ ብምዃኑ ድማ እግዚኣብሔር ከምዚ ብምባል ገሲጽዎ እዩ። “ኣብ መሕደርየይ ንኸቕርብዎ ዝኣዘዝክዎ ቊርባነይን ንምንታይ ረጊጽኩሞ? ንክትገዝፉ ናይ እስራኤል ህዝበይ ቊርባን መጀመርይ ምብላዕኩም ንምንታይ ካባይ ንላዕሊ ደቅኻ ኣፍቂርካ?. (1ሳሙ 2፡29-34)
ስለ ዝኾነ ድማ ንደቅና እንህቦም ፍቕሪ ብዘይ ምሕንቃቕ ክኸውን ኣለዎ። ክንህቦም ዝግበኣና ድማ ኩሉ ንሳቶም ዝደልይዎን ዝሓተቱናን ዘይኮነ፡ እቲ ዘድልዮምን ዝጠቕሞምን ጥራይ ክንህቦም ይግብእ። በዚ ድማ ሓላፍነት ዝስምዖም ኮይኖም ይዓብዩ። ሓደ ሕንቁቕ ቆልዓ ግን ኵሉ ግዚ ቀብጠርጠር ክብል እዩ ዝደሊ፡ ኵሉ ጊዜ ንዕኡ ኣተኩሮ ክግበረሉ ይደሊ፡ ኵሉ ጊዜ ተጸባዪ ሓገዝ ናይ ሰባት ይኸውን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ንዕኡ ዝያዳ ኣተኩሮን ተገዳስነትን ንኽገብርሉ ክብል ክሳብ መግቢ ምብላዕ ይኣቢ።
ብኸምዚ ቀበጥበጥ ዝዓበየ ቆልዓ ቀናእ ይኸውን፡ ኣብቲ ገዛ ካልእ ህጻን ኣብ ዝውለደሉ ጊዜ ንሱ ቀበጥበጥ ዝብለሉ ጊዜ ክቕንስ እዩ ኢሉ ስለ ዝሓስብ ናይ ሥነ ልቦና ሕሙም እዩ ዝኸውን። ብኸምዚ ዝዓበየ ህጻን ምስ ዓበየ ሰበይቲ እኳ እንተ ኣእተወ ፈጺሙ ሓላፍነት ክስምዖ ኣይክእልን እዩ።
ናብቲ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል ምስ እንኸይድ ድማ ንህዝቢ ክመርሑን ከመሓድሩን ኢሎም ዝተመዘዙ ነገሥታት ብህዝቢ ተፈታውነት ክረኽቡ ብምባል ህዝቢ ዝሓተቶምን ዝጠለቦምን ጠለባት ብምምላእ ስሞም ከጸውዑን ናይ ንግሥነት መንበሮም ከነውሑን ከጣጥሑን ክትርኢ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ሓደ መራሒ ሃገር ንህዝቡ ክጠቅምን ከማዕብልን ዝኽእል ነገራት ንምስራሕ ድኣ እምበር ህዝቢ ዝደለዩ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ነገራት ከቕርበሉ ኣይግባእን።
ህዝቢ ደስ ዝበሎ ጥራይ ይኹን እምበር ኵሉ ነገር ዝፍጽመሎም እንተ ኾይኑ እሞ፡ መንግሥቲ ኢልካ ውን ክትጽውዖ ኣይግብኦን ኢዩ። ኣብ ርእሲ መን ስለ ዝነገሥ ኢዩ እሞ ንጉሥ ክበሃል? መንግሥቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ነጊሡ ንህዝቢ ክእዝዝን ብዝበለጸ ጐደና ድማ ክመርሖም እንከሎ ኢዩ ንጉሥ ዝበሃል። ብህዝቢ ዝእዘዝ እንተኾይኑ ግና እቲ ህዝቢ ንጉሥ ተቐይሩ ኣሎ ማለት ኢዩ።
ከም ኣብነት ኣብ’ዚ ዘለናዮ ምዕራባዊ ዓለም ምስ እንርኢ፡ ትርጉም ነጻነት ብዝግባእ ሰኣን ምርዳእ፡ ነጻነት እናተባህለ ሰብ ደስ ዝበሎ ሃይማኖት ክምሥርት ኣለዎ ዝብል ጠለብ ብህዝቢ ስለ ዝቐረበ፡ እዚ ስለ ዝተፈቐደሉ ኵሉ ሰብ ካብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ብምውጻእ ብቐትታ ሥጋ ዝለበሰ ሰይጣን ተቐይሩ ሰይጣን ኢዩ ፈጣሪ ብምባል ኣምልኾተ ሰይጣን ካብ ዝጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ። ናይ መብዛሕትአን ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ናይ ጥንቲ ሃይማኖት ባህልን ወግዕን ፈሪሱ ኣምላኽ የለን ናብ ምባል ከብጽሖም ዝኸኣለ ድማ እዚ ነጻነት ዝመስል ግን ከኣ ባርነት ዝኾነ ጠለባት ናይ ህዝቢ ምምላእ ዘምጽኦ ሰበብ ኢዩ። ግብረ ሰዶም ይፈቐደልና ኢሎም ሰለማዊ ሰልፊ ስለ ዝገበሩ መንግሥቲ ድማ በቶም ናይ ግብረሰዶማዊ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ተፈታውነትን ተቐባልነት መታን ክረክብ ጠለባቶም የማልኣሎም። እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝኸፍአ ናይ ባህልን እምነትን ዕንወት ብምኽታል፡ ንመጻኢ ትውልዲን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ቀጻልነት ህላዋ እታ ሃገር ድማ ኣብ ዘይምችእ ኵነታት ዘእቱን ኣዕናዊ ተግባር ኢዩ። ስለ’ዚ መንግሥቲ ርእሲ ኮይኑ ድኣ ንእግሪ ይምርሓዮ እምበር ብእግሪ ምስ ዝምራሕ፡ ንዕኡ ኮነ ነቲ ነጊሥሉ ዘሎ እግሪ ናብ ዘይጠቅምን ናብ ዝጐድእን ነገር ኢዩ ዝኣቱ እሞ ኣይንገለባብጦ።
እሞ መን ይምራሕ እግሪ ዋላ ርእሲ? መቸም እዚ ዘለናዩ ዘመን ኣደይ ህልኩ ዝነገሠትሉ ዘመን ምዃኑ ብዓይንና ንርእዮ ብእዝንና ድማ ንሰምዖ ዘለና ሓቂ ኢዩ። ኣደይ ህልኩ ጨው ተባሂላ ሽኮር ሽኮር ተባሂላ ድማ ጨው እያ ተምጽእ ኔራ፡ እወ ኣደይ ህልኩ ንዒ እንተበልካያ ትኸይድ ኪዲ እንተበልካያ ድማ ትመጽእ ከም ሽማ ህልኸኛ እያ ኔራ፡ ኵሉ ስራሓ ኣንጻር ስለ ዝኾነ ድማ እዮም ኣደይ ህልኩ ብምባል ቅጽል ስም ዘውጽኡላ። ሓደ ካብ መዓልታት ኣደይ ህልኩ ውሕጅ ወሲድዋ ደቂ ዓዲ ክደልይዋ ሩባ ሩባ ክኸዱ ምስ ደኸሙ በዓል ቤታ ዝነበረ ኣብ መንጎ “ኣቱም ኣሕዋተይ እዛ ሰበይተይ ከመይ ዓይነት ህልኸኛ ከም ዝነበረት ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፡ ስለ’ዚ ኣንጻር ናይዚ ውሕጅ ንላዕሊ ገጽና ንድለያ” ብምባል ተዛረበ ይበሃል።
እወ ሕጂ ኸኣ ልክዕ ከምኡ ኵሉ ኣንጻር ኢዩ ኰይኑ ዘሎ፡ ንመርዓ ጥንሲ ስለ ዝቐደማ ከምቲ ኣበባኹም የርእየና ፍሬኹም ዝነበረ፡ ከምቲ ፍሬኹም የርእየና ኣበባኹም ኮይኑ፡ ንቶርታ ውን ጋዓት ቀዲማታ እንታይ ዘይተገልበጠ ወደይ ሎሚ፡ ቀደም ኢደይ ኣይትሓዘኒ ሸነኽካ ብላዕ ሎሚ ድማ ቊርስን ምሳሕን ብስላዕ ኮይኑ፡ ኣህዋተይ ካብዚ ኵሉ ዝኸፍአ ግን ርእሲ ብእግሪ ክእዘዝ እንከሎ ኢዩ። ርእሲ እንድሕር ተስተኻኺሉ ዓለም ብምልእታ ክትስተኻኸል ትኽእል ኢያ እሞ ናይ መልሲ ካብ ብእግሪ ብርእሲ ንመራሕ ኢዩ ዝብል። 
ነዚ ንምግባር ናይ እግዚአብሔር ምሕረት 
ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት 
ናይ ቅዱሳን መላእክት ፈጣን ተራዳእነት 
ናይ ጻድቃን ናይ ሰማዕታት ጸሎት ኣይፈለየና ኣሜን።
 ብሓውና Weldeab Gebremeskel ዝተጻሕፈ  ጽሑፍ።

No comments:

Post a Comment