†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† †
ኣብዛ ኖትጊ እሳት ዝትፈአላ፣
ቂምን በቐልን ሓጹርን እሾኽን ተኾርባን እተብቍል፡ ንገለ መዓር ወለላ፣ ንገለ እሳተ ጐሞራ፣ ንገለ ከርተትን ስደትን፣ ንገለ ድማ
ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ዝረኣየላ፣ ዓንኬላዊት መድረክ ፈተና ዝኾነት ዓለም፡ ካብቲ ምዉቕ ዉሑስ ሰላም ዝነበሮማሕፀን ኣደይ ወጺአ
ሕይወት እዛ ዝነብረላ ዓለም ከስተማቕር ካብ ዝጅምር እንሆ ልዕሊ ሰለስተ በዓሰርተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።
ገና ኣብ ንኡስ ዕድመይ
ኣደይ ብድኽነት ስለዘዕበየትኒ፣ ዝቀምሶን ዝልሕሶን ቍራስ ተዓንጊለ
ከይዓገብኩ፡ ኣብ እግሪ ኣቦይ ቀሺ ኣፈይ ዝከፍተሉ ፊደል ኣብ ምቍጻር
ገለ ዓመታት ኣሕሊፈ እየ። እወ! ኣቦይ ወላድየይ ኣነ ጌና ኣብ ማሕፀን
ከሎኹ ከይዓዀኽኩ እዩ ተፈልዩና።
ናብራ ገዛና ገና ካብ ንኡሰይ ንኃዘንን ንዴትን ፀይራ ንኽትገጥም ዝነቀለት መንከረኛ ኣደ እያ፡ ንሳ እታ ኣደይ። ድኂሩ ውን ዋላ
ኣደይ ንዓይ ንምዕባይ ነቲ ከም እሾኽ ጨዓ ዝባላዕ ገጽ ወዲ ሰብ ከየስተብሃለት ሥና ነኺሳ፣ ርእሳ ኣድኒና ተድፊኣ ምድር ቤት ወልዊላ ቍጻር መግቢ ኣብ ሳንጣ
ቋጺራ ንዓይ ከተዕቢ ዘኅለፈቶ ናይ ስቃይ ዘመን እዩ ኔይሩ። በዚ ድማ ካብተን ካብ ገለ ገበርቲ ሰናይ ትረኽበን ቍጻሮ ኂዛ ትመፅእ።
ሓደ መዓልቲ ንጸግብ፣ ዝበዝኃ መዓልቲ ግን ንጥሜት ብፍሽኽታ ኣረሲዕና ኢና ንኃልፎ ነይርና።
ኣነ ዋላ ከብደይ ዓንጊለ ነቲ ካብ ኣቦይ ቀሺ ዝወሃበኒ ትምህርቲ ክቀስም እንተኸድኩ፡ ሓንሳብ ብጥሜት፡ ሓንሳእ ድማ
ብድኻምን ሕማምን ከምቲ ዝድለ ነቲ ምህሮ ኣይቀሰምኩዎን። ኣቦይ ቀሺ ግን ኵነታተይ ብምርዳእ ብዝተኻእለኒ ክመሃር የተባብዑንን ካብታ
ትወሃቦም ቍራስ መክልቲ የካፍሉንን ነበሩ። ‘’ርኢካ ለኻ ዝወደይ! . . . . ‘’ ኢሎም ዓይኒ ዓይነይ እናጠመቱ ክምዕዱኒ፡
‘’እዚ ወድይ ርኤኻ ቀደም ንሕና ክንመሃር ከሎና ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ
እንጌራ እናለመንና ኢና ተማሂርና፡ ሎሚ ደኣ ዕድለኛታት ኢኹም ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኹም ትምህርቲ ረኪብኹም ጥራይ ብልብኻ ተቀበሎ፡
እምበር እቲ ኵሉ ዝኽእል ከኽእለኻ እዩ ዝወደይ’’ይብሉኒ። ኣነ ድማ እግሮም ስዒመ፡ ተባሪኸ ይኸይድ።
ብወገን ኣደይ ይኹን ኣቦይ፡ ብዙኃን ሰብ ግርማን ማዕርግን ኣዝማድ እኳ እንተለዉና ዋላ ንተስፋ ሃፋ ሓደ ሞራላዊ ድጋፍ
ነደይ ክህባ ኣብ ኣፈፌት ገዛና ዝመጸ ኣይነበረን። ኣነ ኸኣ ከም ካልእ ሰብ ብትብዓት ኣዝማድ ኣለዉኒ ክብል ኣይደፍርን እየ። ኮይኑ
ውን ዳርጋ ንርእሰይ ከም ሓንቲ ጽይንቲ ብኵሉ ዝተፈንፈነት ገይረ ወሰድክዋ፡ ኣደይ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ድፍእ ቅንዕ ክትብል ምውዓላ
ከይኣኽላ፡ ገለ ማይ ዝበዝሖ ፈለቅለቅ ኣቢላ፡ መቅተሊ ሓሳኹ ጸብሒ ክትሰርሕ ዕረፍቲ የብላን።
ትብዓት ወዲቑ፡ ተስፋይ ተጸንቂቑ ብሕርቃን ተቓጺለ ኣብ ዝነበርክሉ ምሸት!
ኣደይ፦ ‘’ትኽስ ዶ ኢልካ ? ደንጒየካ ሕጂ ፈሊሓ እያ ተሓፀብ ክንድረር ዝወደይ’’
‘’ተሓፂበ እየ፡’’በልክዋ ብሓጺር፡ ደረቕ መልሲ፡
መኣዲ ሠሪዓ፡ ‘’ባርኸለይ እሞ ንብላዕ ዝወደይ’’ ኢደይን መኣድን እናጠመተት ትብለኒ፡
እንታይ ኢለን ከመይ ገይረን ባሪኸዮ ኣይተረዳንን፡ እቲ መዓዲ ከም ብርቱዕ ማዕበልን ህቦብላ ንፋስን ኮይኑኒ ኣብ ባሕሪ
ሓሳብ ጠሓልኩ፡
‘’ብላዕ እባ ዝወደይ’’ በለት፡
ሰንቢደ ፡ ‘’እ . እ እበልዕ ኣ . ኣ ኣንቲ ኣደይ ምብላዕ ኣብዩኒ ተዓጽየ’’ በልክዋ።
መዓዲ ረጊጸ ኣብ እግራ ተደፋእኩ፡ ‘’ኣንቲ ኣደ፡ ደፊሩኒ ኣይትበሊ ከሓተኪ እየ፡ እንታይ ሕሉፍ መርገም ነይሩና እዩ
ክሳብ ክንድ’ዚ ብሰባት ጽሉኣት ኮይና፣ እንታይ ኢዩ እቲ ሽግር ? ንገርኒ እባ’’ በልክዋ፡
ኣደይ ኣብ እግራ ገይራ ርእሰይ እናደረዘት፡ ‘’እቲ ዝለከመካ ኣበሳይ ዶ ናባካ በጺሑስ ኣተሓሳሲቡካ፡ ዋይ ኣነ ወደይ
እንታይ ክትገብር ካብ ሕሱማት ተወሊድካ . . . ‘’ ንብዓታ ብኽልተ መዓጉርታ ጸረር ኣበለት፣
‘’ባዕሉ ልዑል ፈጣሪ ይርድኣና እምበር እንተስ መርገመይ ድዩ መርገም ኣቦኻ ለኪሙካ ነዚ ተዓዲልካ። ወገን ከሎና ፉንፉናት፡
ጸግዒ ከሎና ድማ ሕሱራት ኮይንና። ድሓን ግን ዝወደይ . . . ናብ
ሰብ ገጽካ ኣይትጠምት፡ ካብ ሰብ ዝመጽእ ረድኤት ዘይ ፆር ዘሰክም እዩ፡ ንዓይ ሰብ ስለዘይኮነለይ ኣብ ኣምላኽይ ጥራይ እየ ዝውከል፡
ኣታ ጐይታ ሰብ ኵነኒ፡ ሰብ የብለይን፡ ጸግዒ ኩነኒ፡ ጸግዒ ከውለይ ንስኻ ኢኻ... ‘’ኢላ ተማህለለት፡ እዚ ድማ ናይ ወትሩ ልማዳ፡
ጠባያ ነበረ።
እንሆ ብኸምዚ 38 ዓመታት ኣኅለፍክወን። ኣነ ወላ’ኳ ዕድመ ተወሰኽኩ፡ ሠሪሐ ዘእትወን ዶሞወዝ ዋጋ የብለንን ንሰሙን
እኳ ኣየቐንያን። ኣደይ! ንዓይ ክትሕብሕብን ክትኻናከንን ኣብ ርእሲ ፆራ ካልዕ ዓብይ ፆር ተሰከመት። ከም ልበይ ሰሪሐ፡ ገንዘብ
ኣኪበ ጁባይ ጥራይ ዘይኮነስ ሣንጣ መሊአ ነደይ ክኅግዛን ከብርያን ብዘይምኽኣለይ ንሕልናይ ማዕከን ጭንቀት ገበርክዎ። እቲ ኵሉ
ጊዜ ካብ ቅርኒብ ኣዒንተይ ዘይክወል ሃልኪ ኣደይን ብሰባት ዝግበረለይ ኣረኣእያን ተደሪብዎ ጸገመይ ዛየደ። ኣቦይ ቀሺ ብወገኖም
ዘድሊ መንፈሳዊ ስንቒ ብምስናቖም ሞራለይ ክሕሉ ኣታባቡዑኒ፡ ግና ሰብ ኮይነ ካብ ሰብ ደልየ፡ ጭካነ ዓለም ክንድ’ዚ’ዩ ለካ ሰብ
ብመንጽር ትኅዝቶካ እዩ ዋጋ ዝህበካ። ብዙሕ ነገር ኽገብር ወጠንኩ፡ ግና ምሒር ዓቅሊ ጽበት ዘንቀዶ ሓሳብ እምበር ንኵነታተይ በርቢሩ
ሽግረይ ዝፈትሕ ዓሚቍ ውጥን ኣይነበረን። ብሓሳባት ግን ደጋጊመ ኣዕለበጥኩ፡ ከባብየይ ጠሚተ ኣጆካ ኢሉ ሽግረይ ንምፍታሕ ዝቀረበኒ
ይኹን፡ ንስሚዒተይ ተረዲኡ ዘዝኅለኒ ብዘይ ምርካበይ ሕይወተይ ከጥፍእ ተደነደንኩ ግና እታ ለዋኅ ወላዲተይን ድኻማን ይረኣየኒ እሞ
ሓንሳብ ከየዕረፍክዋ ብምባል ሓሳበይ ይውሕጦ።
ኣብ መወዳእታ ጊዜያት ውሳነ ሞትን ሕይወትን ወዲቐ፡ ናብ የማነ ጸጋም ዘዕለበጥክዎ ግዲ ኣድኪሙኒ እግረይ ደንዚዙ፡ ዓይነይ
ፈዚዙ፡ ሕልናይ ቀዚዙ ርኹምሽ ኢለ ኮፍ በልኩ፣ ጥራሕ ኣዕሚቈ የተንፍስ ‘’ኡ . . .ፍ . . . ፍ’’
ሃንደበት፡ ጸገመይ ፈሊጡ ካብ ሰማይ ዝተላእከ መልኣኽ ዝመስል ናባይ ገጹ ኣንፈተ፡ ሰማያዊ መልኣኽ ዘይኮነ ግና ሰማያዊ
ስልጣን ዝሓዙ ምድራዊ መልኣኽ እዮም፡ ንሶም እቶም መምህረይ ኣቦይ ቀሺ፡ ጐየ ኢፍቲ ኢለ ተሳለምኩዎም።
ኣቦይ ቀሺ ንሣሌዳ ገጸይ ኣንቢቦም በቲ ልዙብ ደሃዮም፡ ንሕልና ክፍውሱ ከቢድ ዕዮ ኮኖም። ከምቲ ቀደም ‘ሀ’ ግእዝ
ዝምህሩኒ ዝነበሩ ዅነታት ብዘዘኻኽር፡ ኣብ ትሕቲኦም ገይሮም ታሪኽን ምሳሌን እናገበሩ መዓዱኒ፡ ካብቲ ንኵሉ ሕልናይ ዝወግእ ትምህርቲ
ግና ሓንቲ ታሪኽ እያ፦
ኣቦይ ቀሺ፦ ‘’ሓደ ግዜ’’ በሉኒ፡
ሓደ ግዜ እወ! ሓደ ብኸቢድ ሕማም ን38 ዓመት ዝተሳቐየ ካብ ዓራት ዘይትንስእ ሰብ ነበረ። እዚ ሰብኣይ ኣብቲ ብምውራድ መልኣክ እግዚኣብሄር ምስ ተናወጸ
ቀዲሙ ዝኣተወ ሰብ ጥራይ ዘሕዊ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ቀላይ ቤተ ሳይዳ ክሕጸብ እሞ ካብ ሕማሙ ክሓዊ ብምባል እዩ ብዓራት ተጸይሩ
መጺኡ።እምቶም ምስኡን ብድሕሪኡን ቅድሚኡን ዝመጹ ሕሙማት መልኣከ እግዚኣብሄር ወሪዱ ነቲ ማይ ምስ ኣናወጾ ፦ ገሊኦም ባዕላቶም
ገሊኦም ድማ ፈተውቶምን ቤተሰቦምን እናውረድዎም ካብ ሕማሞም ተፈዊሶም ክኸዱ ከለዉ፣ እቲ ድዉይ ግና ናብቲ ቀላይ ዘውርዶ ዓቕሚ
ዘለዎ ፈታዊ ይኹን ቤተ ሰብ ስለዘይረኸበ ንነዊሕ እዋን ነቶም ዝሓውዩ እናረኣየ ብኅዘን ኣብቲ ገምገም ቀላይ ተቐመጠ፦ ‘’ሰብ ስለዘይብለይ
እምበር ቀደም ሓወየ ቤተይ ምሃለኹ’’ እናበለ ድማ ኣዝዩ የማርር ነበረ።
ሓደ መዓልቲ ግና በዓል ኣይሁድ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ እቲ ምሕረት ልማዱ ዝኾነ ፈዋሴ ድውያን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ነዚ ሰብኣይ ድማ ደቒሱ ረኣዮ፣ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ ‘’ክትሓዊ ዶ ትደሊ ኢኻ’’? ብምባል
ሓተቶ፦ ‘’እወ ጐይታ! እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቀላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን/2/ ኣነ ክሳብ ዝከይድ ከኣ ካልእ
ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ንዓይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን’’ ኢሉ መለሰሉ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ገጹ ኣብሪሁ፣ ኢዱ ዘርጊሑ’ ‘’ተንስእ
እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ’’ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡ ንብኡ ሓወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ ድማ ከደ።(የው 5፡6-9)’’እናበሉ ነዚ ታሪኽ
ተሪኾምን ጥቕሲ ጠቂሶምን፣ ‘’ስለዚ ወደይ ኣስተውዕል . . .’’ ኢሎም ማዕዳኦም ቀጸሉ፦
ስለዚ እዚ ወደይ ሎሚ ኵላትና ደቂ ኣዳም ብብዙሕ ሓማም ማለት ሕማም ሓጢኣት፣ ሓማም ሕልና፣ ሕማም ጸገም፡ ሕይወት ጭንቀትን
ብስጭትን ተታሒዝና ለሚስና ኢና ዘሎና። እቲ ፈውሲ ዅሉ ሕማም ዘልዎ መድኃኔዓለም ሓማምና ፈሊጡ፣ ከይለመንናዮ እኳ ‘’ክትሓውዩ
ዶ ትደልዩ’’ ኢኹም ብምባል ይሓተና ኣሎ እሞ፡ ‘’እወ ኦ ጐይታ’’ ንበሎ። ንሱ ብሓዋርያኡ ቅዱስ ጳውሎስ ‘’ድሌትኩም ዘበለስ
ብጸሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ኣባይ ይፈለጥ እምበር ብዝኾነ እኳ ኣይትጨነቁ’’(ፊል 4፡6) ስለ ዝበለና ንዕኡ ደኣ ንንገሮ እምበር
‘’ሰብ የብለይን’’ ኢልና ሕይወትና ኣይነሕስም፡ ነቲ ሰብ ዘይብሊ እግዚኣብሄር ኣለዎ፡ እወ ነቲ በይኑ ዝመስሎ ሰብ ዘይብሉ ምስ ኡ ኣምላኽ ኣሎ!’’
ከምዚ ምስ በሉኒ ‘’እሞ ኣነ እየ ኣብ ሰብ ተወኪለ ነፍሰይ ከጥፍእ ዝሓሰብኩ ደጊም ልበይን ቀልበይን ኣብቲ ስቁል ክርስቶስ
ገይረ ሳንጣ ሓጢኣተይ ክድርቢ ኣሎኒ’’በልኩ። ምስ ኣቦይ ቀሺ ተፋንየ፣ በይነይ ብብርኪ እግሪ ልበይን ስጋይን ተምበርከኽኹ፦ ኦ
ጐይታ እቲ ን38 ዓመታት ዝኸደሉ ዝነበርኩ ሓጢኣተይ ኣሊኻ፡ በዚ ሓዱሽ ጎደና ክምራሕ ዝገበርካ ተመስገን፡ ደጊም በኣረጊት ልቢ
ዘይኮነ ብዝተለወጠ ልቢ በዚ ናይ በይነይ ሓድሽ ዓመት፡ ሓድሽ ሕይወት ኂዘ ክትንስእ ሓግዘኒ፡’’ በልኩ።
እዛ ዕለት እዚኣ ነቲ ዝ ኣረገ ልቢ ደርብየ ብሓዱሽ ልቢ ዝተበገስኩላ ዕለት እያ፡ እንጌራ ጻዕሪ በሊዐ ካብ ዘይምዕጋብ፡
እንጌራ ሕይወት በሊዐ ንወትሩ ዝዓገብኹላ ዕለት!
‘’ካብ ሎሚ ሰበይ ኣምላኸይ ኮነ/2/’’ ዝብል ሓይለ ቃል፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘስተንፍሶ፡ ዝስጉሞ፡ ኣብ ምእታወይን
ምውጻአይን መሪሕ ሕይወተይ ገይረ መንገዲ ጊዜ ኸድኩ። በቲ ዝፈቐዶን ዝተመዶቦን ድማ ብሓቂ ልዑል ኣምላኸይ ሰብ ኮነኒ፡ ፆረት ደርብዩ
ብሕይወትን ሰላምን ዘንብር እንጌራ ዘለዓለም ሃበኒ። ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን!
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።
ምንጪ፦ መጺሐት ሰኣሊ ለነ ቅድስት
ምንጪ፦ መጺሐት ሰኣሊ ለነ ቅድስት
No comments:
Post a Comment