Friday, 3 October 2014

ጻድቕ ኣቡነ ኣንበስ ዘሓዘሎ

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† 
ጻድቕ ኣቡነ ኣንበስ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ይበሃል ነበረ። ኣቦኡ ዜነብ ኣዲኡ ከኣ ዜነባዊት ዚበሃሉ ኾይኖም ኣብ
ሮም ተወልደ።
ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ምስ ወለዱ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምስ ዓበየ ቃል ወንጌል ብግብሪ ንምፍጻም “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብፁዓን እዮም” ዚብል ማቴ. ፭፣፲/5፣10 ቃል እግዚኣብሔር ተመሪሑ ከም ኵሎም ቅዱሳን ናብ ምድሪ ኤርትራ ተበገሰ።
ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከም ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዚጠቕሶ፣ ኣቦኡን ኣዲኡን ገዲፉ ፣ ምስ ብጾቱ ኣብ ምድረ ኤርትራ ኪረግጽ ከሎ፣ ካብ ኵሎም ብጾቱ ዚነኣሰ ብምንባሩ ብድኻም ተሰኒፉ ተረፈ እሞ ብጾቱውን ገዲፎምዎ ኸዱ። እንተኾነ ግና ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ፣ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፣ የናግፎም ኸኣ” መዝ. ፴፬፣፯/34፣7 ዚበሎ ፣ ንኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣብ ምድረ በዳን ዘይፈልጦ ሃገርን ረዳእን ኃይልን ብምዃን ኣብ ኵሉ ጒዕዞኡ ከም በቕሊ ኮይኑ ዚውጥሖን ዚእዘዞን ኣንበሳ ተዋህቦ።

ድኅር’ዚ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ናብ “በለሳ” ዝተባህለ ከባቢ ጸሮና ኣትዩ ተቐመጠ።
ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዚተገልጸ ቀዳማይ ስሙ ገብረ ክርስቶስ ነበረ።
ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ንብጾቱ ምስ ኣርከቦም ግና እቶም ምስኡ ዚተበገሱ ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ብምንታይ ደኣ መጺእኻ፧ “ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ከም ዝመጽአ ገለጸሎም እሞ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ስሙ “ኣቡነ ኣንበስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ኣቡነ ኣንበስ ኣብ በለሳ ጥራይ ኣይተቐመጠን፣ “ክሳድ እምባ” ኣብ ዚበሃል ዓዲ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዚርከብ ከባቢ 10 ኪሎ ሜትር ንወገን ምብራቕ ኣብዚ ሎሚ ብስሙ ዚጽዋዕ ዘሎ ዓቢይ ደብሪ መጺኡ ተቐመጠ። እዚ ቦታ እዚ ቤት ጸሎቱን ኣምልኾኡን ዚፍጸምሉ ቦታ ነበረ። ብፍላይ ድማ ኣብ ''ዕራግ'' ዝበሃል ቦታ ናይ ኣቡነ ኣንበስ ዝጽልዩሉ ፍሉይ ቦታ ከምዝነበሮም እዮም ኣቦታትና በኣፈ ታሪክ ዝነግሩና ካብ ስሙ ከም እንርደኦ ዕራግ ማለት 'ዓርገ' ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ካብ ዝተሓተ ቦታ ናብ ዝለዓለ ቦታ ሓፍ ምባል'ዩ። ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ዓርገ እግዚኣብሔር ጸዊወከ ጼዋ፡ እግዚኣብሔር ምርኮ ማሪኹ ናብ ሰማይ ዓረገ ክብል ከም ዝገለጾ ''እዚ ዕራግ ዝብል ቦታ ድማ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ጸሎቶም ናብ ኣምላክ ዘዕርጉሉ ፍለይ ቦታ' ስለ ዝነበረ በዚ ዕራግ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ይጻዋዕ ኣሎ። ዝኽረ ጻድቕ ዘለዓለም ይኄሉ።

ኣቡነ ኣንበስ  ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ፣ ድኅር’ዚ ውን ናብ “ሓዘሎ” ዚበሃል ስፍራ ተጓዒዞም እዮም፣ ኣብኡ ምስ ኣቡነ ሳሙኤልን ኣቡነ ብንያምን ዚተባህሉ ቅዱሳን ኣቦታት ተራኸቡ እሞ፣ ሠለስቲኦም ብሓደ ኾይኖም ይጽልዩ ነበሩ። እዞም ሠለስተ ኣቦታት፣ በረኸትን ቅድስናን ንምርካብ ብሓደ ኮይኖም ናብ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከዱ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ከኣ፣ ኣብቲ ቦታ ዚነበሩ ኣናብስ እንስሳታት ኪበልዑ፣ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፣ ነቶም ናይቶም ሠለስተ ቅዱሳን ኣናብስ በልዕዎም። ኣቡነ ኣንበስን ኣቡነ ብንያምን ኣቡነ ሳሙኤልን ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፣ “እዞም ኣናብስትኻ እብር ነዞም ኣናብስትና በሊዖምዎም” በልዎ።
ሽዑ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቶም ኣናብስቲ “ስለምንታይ ንኣኻትኩም ዘይተኣዘዘ ትበልዑ፧ “ ኢሉ ገንሖም እሞ፣ እቶም ኣናብስቱ ድማ፣ ነቶም ዚበልዕዎም ኣናብስቲ ተፍእዎም።
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፣ ነቲ በድኒ ናይቶም ኣናብስቲ ባሪኹ ካብ ሞት ኣተንሢኡ ንዋናታቶም ሃቦም (ገድለ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ)።
ካብዚ ቐጺሉ ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ናብ “ግዔን” ዚተባህለ ቦታ ኸደ። ኣብቲ ጊዜ እቲ እንስሳታት ናይ’ቲ ከባቢ፣ ኣብ ሕርሻን ግርሁን እናኣተዉ ጒድኣት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት የውርዱ ነበሩ። እቶም ሕዝቢ ድማ፣ ከም ግብረ መልሲ ነቶም እኽሎም ዚበልዕሎም እንስሳታት የሃድንዎም ነበሩ። ነዚ ዚተዓዘበ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ነቶም ሕዝብን ነቶም እንስሳታትን ቃል ኪዳን ኣተኣታተዎም፣ እቲ ቃል ኪዳን ከኣ “ናብ ዝሩእን ናብ ዘይተዓፅደን ከይኣትዉ፣ እቶም ሕዝቢ ከኣ ኣብ ዓፂድ ዚነጠበ ከይቅርሙን ሰንበት ኬኽብሩን” ነበረ።
እንተኾነ ነዚ ቃል ኪዳን እዚ ሕዝቢ “ግዔን” ጠሓስዎ።
ድኅር’ዚ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ኣንበሳኡ ሰዲዱ ነቶም ቃል ኪዳን ዚጠሓሹ ሕዝቢ ጥሪቶም ኪበልዓሎም ኣዘዞ። ሕዝቢ ግዔን ድማ “እዚ ሰብኣይ እዚ ጥሪትናን ገንዘብናን ኪውድኣልና እዩ” ኢሎም ንኺቐትልዎ ተሰማምዑ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኣቡነ ኣንበስ ፣ ብኢድ ሕዝቢ ግዔን ብሠለስተ መስከረም ኣብ ግዔን ብሰማዕትነት ዓረፈ። እንሆ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዓመት መጽአ በረኸቱ ንምክፋል መዘከርታ ክብረ በዓሉ ብድምቀት ተብዕሎ ኣላ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።


-          ሰላም ለአንበስ በፍኖተ ፃማ ወሥራሕ፣

-          ዘይጼዓን ዘልፈ ዲበ አንበሳ መፍርህ፣

-          ለዘይጸድቅ ብእሲ እስከ ይገብእ ፍትሕ፣

-          ማይ ኢያጥፍኦ ወርደተ ዝናም ብዙኅ፣

-          ለአሠረ ደሙ ቀይሕ ዘሁሎ በኰኵሕ።    

ስንክሳር፣- ዕለት ፫ መስከረም

11 comments:

  1. selam amlak neakum ykun bete sayda ezi Tarik nay abona azyu des zebl tehaguse amlak ybarku entekone gina mnci(sorce)sinksar 3t meskerem elkum gelixkmwo alekum ane gina ab snksar kirekbo aykealkun kali snkisar alo diyu bjeka ezi ntkemelu zelena

    ReplyDelete
  2. ስምኩምን ስምናን ደሚሩ ኣብታ ሰመያዊት ኢየሩሳሌም ምስቶም ቅዱሳናቱ ይደምረና ጸሎቶምን ሬድኤቶምን ናይ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ኣንበስ (ገብረ ክርስቶስ) ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኩን።ኣብታ ናይ ሰለስተ ቅዱሳን ናይባኣል አባ ሳሙኤል ዘወልድባ ኣባ ብንያም ግብጻዊ ኣባ ኣውንኣበስ ሃዘሎ ናብ ጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከዱ ንሸውዓተ መዓልቲ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ምርካቦም ሓዘኑ እቶም ኣናብስቲ ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ንናይቶም 3 ቅዱሳን ምስ በልዎም እቶም 3 ቅዱሳን ኣዝዮም ሓዘኑ መሪር ብክያት ድማ በከዩ እቲ ናቶም ሓዘን ንጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብመንፈስ ኣምላክ ተገልጸሎም እሞ ብዓብዪ ክብሪ ናብቶም 3 ቅዱሳን መጽኡ እቶም 3 ቅዱሳን ምስ ረኣይዎም ፈርሑን ሰበዱን ኣቱም ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ ዝኮንኩም ሰላም ንዓኩም ይኩን ስለምንታይ ከ ናብዚ መጻእኩም ኣብዚ ቦታ ኢዚ በይነ ክነብር እየ ዝፈቅድ ስለምንታይ ከ ትበክዩን ትሓዝኑን ኣለኩም በልዎም ንእስካ ርእሰ ባሕታውያን ስለ ዝኮንካ ግብሪ እግዚኣብሔር ክትምህረና ናባካ መጻእና እቶም ኣናብቲካ ነቶም ኣናብስትና በልዕዎም ኢሎም መለስሎም ኢዚ ምስ ሰምዑ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ (ሕጂ ነስተውዕል) ነቶም ኣናብስቶም ኣናብስቲ ክበልዑ እንተ ዝእዝዝዎም ነቶም ኣናብስቲ ምስ በልዕዎም ስለምንታይ ከምዚ ገበርኩም ኢሎም ኣይንገሰጽዎምን ነሮም ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ንእግዚኣብሔር እዞም 60 ኣናብስትን 60 ኣናብርትን ትህበኒ ኣለካ ግን እንታይ ይመገቡ ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ ግዜ እግዚኣብሔር ኣምላክ (ንስካ ዝረገጽካዮ ጸበለ እግርካ እንዳ ላሓሱ ይንበሩ ንሱ ከም መግቢ ኪኮኖም ኢዩ ክብል መለሰሎም) እቶም ኣናብስቲ ነቶም ኣናብስቲ ምስ በልዕዎም ስለምንታይ ዘይተኣዝክምዎ ገበረኩም ብቅልጡፍ ትፍእዎም ኢሎም ገሰጽዎም ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ከኣ ገበሩ ብድሕሪዚ ናብ ምብራቅ ብምጥማት ከምቲ ንኣልኣዛር ካብ ከርሲ መቃብር ዘተንሳእካዮ ነዞም ካብ ድካሞም ንከዕርፍዎም ንዝሃብካዮም ኣተንሳኣዮም ኢሎም ጸለዩ ከምቲ ቅዱስ ልበ ኣመላክ ዳዊት 34:15 ኣዕይቲ እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃናት ይርእያ ኣእዛኑ ድማ ናብ ጸሎቶም ጽን ይብላ ዝበሎ ኣቡን ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብትእምርተ መስቀል ብስም ስላሴ ባረክዎም ከም ቅጽበት ዓይኒ ተንሲኢም ናብ እግሪ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሰገዱ ።ገድሊ ኣቡኑ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ይነግር።ይቅጽል ኢዩ ግን ንበረከት አሰብዚ ይኣክለና

    ReplyDelete
  3. ቃለ ሂወት የ ስመዓልና

    ReplyDelete
  4. ቃለ ሂወት የስመዓልና፡በረከቶም የካፍለና

    ReplyDelete
  5. ቃለ ሂወት የስመዓልና፡በረከቶም የካፍለና

    ReplyDelete
  6. ቃለ ሂወት የስመዓልና፡በረከቶም የካፍለና

    ReplyDelete
  7. ቃል ሂወት የስምዓልና

    ReplyDelete
  8. ቃል ሂወት የስምዓልና

    ReplyDelete