በስመ
አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣
ተሐድሶ
ተሐድሶ ማለት ምሕዳስ፣ ምልዋጥ፣ ሓድሽ ምግባር፣ ምብርታዕ፣ ምጽናዕ፣ ምሥራሕ፣ ምጽጋን ማለት እዩ። ኣብ ዓለም ብምኽያት ምንዋኅ ጊዜን ብዝኂ ኣገልግሎትን ግቡእ ኣገልግሎቱ ኪህብ ንዘይከኣለ ወይ ንዝተበላሸወ ኣሐዲስካ ናብ ንቡር ኣገልግሎቱን ሥራሑን ምምላስ ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ድማ ምስ ሃይማኖት፣ ሥርዓትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ዘይዛመድ መንፈሳዊ ተሐድሶ ኪግበር ይከኣል እዩ። ብቀንዱ ድማ ተሓድሶ ዝብል ቃል፣ ነቲ ብሓጢኣት ዝበለየን ዝተበላሸውን ሕይወት፣ ብንስሓ ምሕዳስ፣ ምልዋጥ ዝምልከት እዩ። “ብምሕዳስ ልብኹም ደኣ ተለወጡ እምበር፣ ነዚ ዓለም እዚ ኣይትምሰልዎ” (ሮሜ ፲፪፥፪/12፥2)) ከምዝብል ማለት እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ምኅደራ፣ መገድታት ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ንእኡ ዝመስልን ሃይማኖትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብዝተኸተለን ብዝሳነን መገዲ ነቲ ህልዊ ዘመን ብምዕዳግ ምምሕያሽ፣ ምሕዳስ ዝከኣል ነገራት ክህሉን ኣገዳሲን ኮይኑውን ዝርከበሉ እዋን ኣሎ።
ኮይኑ ግና እዚ ክበሃል ከሎ፣ ተሓድሶ ዝብል ቃል ብመሠረቱ ከም ኣገባቡ ዝተፈላለየ ትርጉም ይሃልዎን፣ ንዝዓበየን ንዝጸፈፈን ኣገባብን መደባትን ኣብ ኣሠራርሓን ሜላን ምሕደራን ቤተ ክርስቲያን፣ ብቀንዱ ድማ ንመንፈሳዊ ሕይወት ዝምልከት ይኹን እምበር ካብ ሓራጥቃውያን ምቕዳሕ ዝፍትዉ መከልአን ዘይትርጉሙ ብምሃብ ነታ ዘይተበልይን ወትሩ ሕያው ንዝኾነትን ቅድስት ዝኾነት መንፈሳዊት ቤተ እግዚአብሔር ኣብ ትምህርተ ሃይማኖታ፣ ሥርዓታ፣ ወቦ ዘተርፈ ከምዝምልከት ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግና ዓቢይ ጌጋ እዩ። ብዓንዲ ነገሩ ነዚ ቃል’ዚ ኣብ ምንታይ ንጥቐመሉ ኣብ ምንታይ ከኣ ንጥንቀቐሉ ብዝግባእ ምርዳእ የድሊ። ሓደ ሰብ ነታ ወትሩ ተሓድሶ ዝግብኣ ሕይወቱ ገዲፉ፣ ነታ ብደም ክርስቶስ ንዝተመሥረተት እሞ መሠረተ ሕይወት ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ‘ተሓድሶ’ ክገብረላ የድልያ ኣሎ ኢሉ ክብገስ ከሎ፣ ረቂቕን ዓሚቕን ንዝኾነ ምሥጢርን ትርጉምን ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይፈልጥ ባዕሉ ኣብ ርእሱ ይምስክር ከም ዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ብዛዕባ ተሓድሶ ዝብል ቃል ኣፍልጦና ብመጠኑ ከነስፍሕ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ከነቕልበሉ ሰናይ እዩ።
እዚ ድማ፦
በዚ ልዕል ኢልና ኣብ መእተዊ ጽሑፍና ክንርእዮ ከሎና ተሐድሶ ክልተ ዓይነት እዩ።
፩. ኣድላዪ ተሐድሶ
ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣድላዪ እዩ ዝበሃል ተሐድሶ በዞም ዚስዕቡ ከፋፊልና ክንርእዮ ንኽእል ኢና።
፩.፩ ምምሕያሽ መንፈሳዊ ሕይወት
ወዲ ሰብ ንዝተጋገዮ ብምእራም፣ ንዘይተማህሮ ተማሂሩ፣ ንዘይፈለጦ ፈሊጡ፣ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ዝያዳ ተጋዲሉ ዓወት ንምጕንጻፍ፣ ብንስሓ እናተሓደሰ ዝተቐደሰ ሕይወት ኪመርሕ ይኽእል። እዚ ድማ ምሕዳስ መንፈሳዊ ሕይወት ይበሃል።
፩.፪ ምምኅዳራዊ ለውጢ
ኣመኃደርቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓቶም ከመኃይሹ፣ ዘመናዊ ምኅደራ ከተኣታትዉ ምስ ዝኽእሉ፣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሐዋርያዊ ተልእኾኣ ብዝግባእ መገዲ ክትፍጽም ትኽእል፣ ንሳቶምውን ጽባሕ ንግሆ ካብ ተሓታትነት ክድኅኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ በብጊዜኡ ምስ ዘመን ዝኸይድ ምስ ሕግን ሥርዓትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝቃዶ ምምኅዳራዊ ተሓድሶ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። “ሃይማኖት ከም ኣቦታትና ኣሠራርሓ ከም ዘመንና” ዝብሃል ነዚ እዩ። እዚ ኪበሃል ከሎ’ውን ነቲ ጥንታዊን ሓዋርያዊን ኣሠራርሓ መሠረት ዝገበረ እምበር፣ ሓድሽ ኣሠራርሓ ብምፍልሳፍ ዝትግበር ክኸውን የብሉን። ካብዚ ብዘመናዊ ምዕባለ ዝተዓበለለ ኣካይዳ እንመሃሮን ክንከስቦ ዝግባእና ብዙኅ ነገር ከምዘሎ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ከም መሠረትን ቀያዲን ካብ ዝኾነ ዝቐደመ መንፈሳዊ ኣካይዳ ብምርሓቕ ዝመጽእ ምምሕደራዊ ለውጢ፣ ፍጻሜኡ ናብ ሥጋዊ ነገር ከይጥቕለል ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ። ስለዚ ኣበየናይ ዓውዲ ናይቲ ኣገባብ ምሕደራ ምሕዳስ ወይውን ለውጢ የድልዮ ኢልካ ምፍታሽ፣ በየናይ መገዲ’ኸ ክትግበር ይግባእ ኢልካ ምሕሳብ ኣዳላዪ እዩ።
፪. ዘየድልን ሓደገኛን ተሐድሶ፪.፩ ትምህርተ ሃይማኖት ዝጠዋዊ
እዚ “መሐደሲ” ጕጅለ እዚ ንትምህርተ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን እናጠዋወየ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ጌጋ ከምዘሎ እናኣምሰለ ብምቕራብ፣ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን መድረኽ ምንፍቕና ኪገብራ ወትሩ ዚጽዕር እዩ። ኣብ ነገረ እግዚአብሔር፣ ነገረ ማርያም፣ ነገረ ቅዱሳን፣ ነገረ መስቀል፣ በዓላት፣ ሥነ ፍጥረትን ካልእን ጥርጥር ብምዝራእ ድማ ንሕንጻ ሃይማኖት ደቂ ሰባት ከዳኽም ላዕልን ታሕትን ይብል። ብዘይካ’ዚ ዝያዳ ኣትኵሮኡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ብምግባር ድማ ንቅዱሳት መጻሕፍት ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕምን መግለጽን እናሃበ፣ ቅዱሳት መጻሕፍት ንሓድሕዶም ከም “ዝጋጨዉን” ብዙኅ “ጌጋታት” ከምዘለዎምን ኣምሲሉ ብምቕራብ፣ ካብ ልቢ ምእመናን ሓቀኛ ግንዛበ ቅዱሳት መጻሕፍት ከጥፍእ ይፍትን። ምእመናን ኣብ ልዕሊ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ጥርጣረ ከምዘሕድሩ ብምግባር፣ ንዘለዎም “አሜን” ዝብል ጽኑዕ እምነት ከሕጽጽ ይፍትን።
፪.፪ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝነቅፍ
መስፋሕፋሕቲ ናብ ምንፍቕና ዝቐንዐ ተሐድሶ ቅድሚ ናይ ክሕደት ትምህርታቶም ምዝራኦም፣ ምእመናን ኣቐዲሞም ዝኃዝዎን ዝምርሕሉን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ንኺገድፉ ካብ ዝጥቀሙሉ ሜላታት ሓደ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ምንቃፍ እዩ። ኣብ ትምህርታቶም ኮነ ጽሑፋቶም ሥርዓት ምሕላው ኦሪታውን ኣሳርን ምዃኑ፣ ሥርዓት ምሕላውን ዘይምሕላውን ጉዳይ ጽድቅን ኩነኔን ከምዘይኮነ፣ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ከምዝደለኻዮ ከተመሓይሾ ከምእትኽእልን ካልእን እናበሉ መውፅኢ ኣፎም ገይሮምዎ ኣለዉ።
፪.፫ ቀኖና ዝጥሕስ
ኣንቀሳቐስቲ ‘ተሐድሶ’ ነቲ ናይ መወዳእታ ሰይጣናዊ ዕላማኦም ንምውቃዕ ካብ ዝጥቀሙሎም መገድታት ሓደ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓስ ምእመናን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣረኣእያኦም ከምዝቕይሩ ምግባር እዩ። ባዕሎም እናጠሓሱ ድማ “እንታይ ኣለዎ” “እንታይ ከ ሳዕቤን ክህልዎ” እናበሉ ካልኦት ንኸቃልልዎ መገዲ ይኸፍቱ።
፪.፬ ቅዱስ ትውፊት ዘይምቕባል
ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሠለስተ ነገራት (ዶግማ፣ ቀኖናን ትውፊትን) ዝተመሥረተ እዩ። ትውፊት ቃል ብቓል ወይ ብምስማዕን ብምርኣይን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመኃላለፍ ትምህርትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽሓፉውን ዝነበረን ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ መሠረት ዝኾነን እዩ። ተሐድሶኣውያን ግና “ትውፊት ብመጽሓፍ ቅዱስ ክረጋገጽ ኣለዎ፣ ትውፊት ከም መመሳኸሪ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” እናበሉ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ጐስጓስ የካይዱ ኣለዉ።
ነዚ ኵሉ ክፍኣት ክፍጽሙ ድማ ከምቲ ጐይታና፣ “ካብ ነቢያት ሓሶት ተጠንቀቑ፣ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ክንሶምሲ፣ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዝመጽኡኹም። ብፍሬኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” (ማቴ. 7፥15-16) ዝበለና፣ ናብ ኣብያተ ክርስቲያንን ቅዱሳት ገዳማትን ከይተረፈ ተመሳሲሎም ብምእታው፣ ንምእመናን እናኣደናገሩ ክርዳድ ምንፍቕና ብምዝራእን ብዝተፈላለየ ሥጋዊ ነገራትን ገንዘባዊ ምትህርራፋትን ፖለቲካዊ ሥነ ሓሳባትን ኣዀብሊሎም ናብ ኣዳራሻት መናፍቓን ንምውኃዝን ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መናፍቓን ንምፍራይን ለይትን መዓልትን ይጽዕሩ ኣለዉ። ፍሬኦም ግና ምፍልላይ፣ መናፍቕነትን ጥፍኣትን ምዃኑ ብግስ ከይበሉ ንርእዮም ኣሎና።
ለ. ዕላማን ሓደገኛነትን “ተሐድሶ”
ሕፅር ብዝበለ ኣገላልጻ ዕላማ “ተሐድሶ” ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተስ መቓቒልካ እንተስ ጠቕሊልካ ፕሮተስታንታዊት ምግባር እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ “ተሐድሶ” ምዃኑ እኳ ዘይፈልጥ ወለዶ ንምፍራይን ብዘይፍላጥ ዝድግፍ “ቲፎዞ” ንምፍራይን ዘይግልብጥዎ እምኒ የልቦን። “ተሐድሶ” ቅድሚ ናጽነት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ ዝቖጻጸርዎም መድረኻት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ማኅበራትን፣ “ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅንዕቲ ኣይኮነትን” ይብሉ እኳ እንተነበሩ፣ በዚ መገዲ እዚ ግና ጕዕዞኦም ክቃንዓሎም ስለዘይከኣለ፣ ሎሚ ሎሚ፣ “እታ ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅንዕቲ እያ ነይራ፣ ድኂራ ግና ስለዝተበላሸወት ምሕዳስ የድልያ ኣሎ” እናበሉ ሜላኦም ቀይሮም ስትራተጂካዊ ዝብልዎ ናይ ጥፍኣት ውግእ ብዝረቀቐ ምውድዳብ የካይዱ ኣለዉ።
በዚ ኣካይዳኦም እዚ ድማ ንብዙኃን ውሉደ ቤተ ክርስቲያን የደናግሩ ኣለዉ። ዝያዳ ድማ ተመሳሲሎም እናኣተዉ፣ ኃይሊ ገንዘብ ተጠቒሞም ሰባት እናኣስድዑ፣ ኣብ ሰበ-ሥልጣንን ሃብታማትን እናተጸግዑ፣ ኣብ ውሽጢ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ሥርዓተ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያን ብምጽያቕን ኣብ መንጎ መራሕትን ተመራሕትን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምፍልላይ ብምፍጣርን ባይታ “ምንባሮም” የጣጥሑ ኣለዉ።
“ተሐድሶ” ንሃይማኖትን ሃገርን ሓደገኛ እዩ። እዚ ከኣ ጽልዋኡ ኣብ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ባህልን ክብርታትን ኅብረተ-ሰብ (ስለዘይግደስን ዘይዕቅብን ጥራይ ዘይኮነ ባህሊ ምዕራባውያን ከተኣታቱ ብዙኅ ስለዝጽዕርውን)፣ ኣብ ታሪኽ (ታሪኽ ስለዘፋልስን ዝብርዝን)፣ ቍጠባን ሞራልን (ተጸባዪን ተመጽዋትን ስለዝገብር) ዓቢይ ሃጓፍ ዝፈጥር ሥዉርን ኣዕናውን ምንቅስቓስ እዩ። ስለዚ ሓደገኛነቱ ተረዲእና ክንነቅሕ፣ ሜላታቱን ኣካይዳኡን ኣጽኒዕና ድማ ክንቃለስ ይግብኣና።
ሐ. ታሪኽን ኣመጻጽኣን “ተሐድሶ”ሐ.፩ ፕሮተስታንታዊ ተሐድሶ ኣብ ኤውሮጳ
ምንቅስቓስ ተሐድሶ ኣብ መበል ዓሠርተው ኃሙሽተ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ እዩ ተጀሚሩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ብሓሳብ ጠኒሱ፣ ብነቢብ (ብዘረባ) ወሊዱ፣ ብተግባር ዘዕበዮ ኣቐዲሙ ናይ ካቶሊክ “መነኮስ” ዝነበረ እሞ ‘ቆቢዑ’ ዝደርበየ ጀርመናዊ ማርቲን ሉተር እዩ። ሉተር ንናይ ዘርእን ፖለቲካን ጸገሙ ብምሕዋስ፣ “ፖፕ ሮም ኣይጋገን እዩ፣ ካርድ ገዚእካ ስርየት ኃጢኣት ትረክብ፣ ነፍስ ካብ ኃጢኣታ ክሳዕ እትነጽሕ ኣብ መካነ ንስሓ እያ ትጸንሕ” ዝብሉን ካልኦትን ትምህርቲ ካቶሊክ ተቛዊሙ እዩ ናይ ምሕዳስ ሓሳብ ዘንቀለ። ንሱ ብዝኸፈቶ ግና ሎሚ ኣሽሓት ሉተራውያን ንዓለም ኣዕለቕሊቖምዋ ኣለዉ።
ሉተራውያን ንካቶሊክ ከሕድሱ እዮም ተላዒሎም ነይሮም። ንሳቶምውን ብተራኦም ስለዝተባላሸዉ ግና ንኣኣቶም ንምሕዳስ ድማ ብዙኃን ሰባትን ማኅበራትን ኣብ መበል ዓሠርተው ሸሞንተን ዓሠርተው ትሽዓተን ክፍለ ዘመን ተላዒሎም እዮም። ዕላማ እዞም ውልቀ ሰባትን ማኅበራትን እዚኣቶም ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ፦
ሀ. ኣብ መንፈሳዊ ድኽመት ንዝተሸመሙ ኤውሮጳውያን ተኸተልቲ ፕሮተስታንት ንምሕዳስ፣ለ. ንዅለን ምሥራቓውያን አብያተ ክርስቲያን ምሕዳስ፣ሐ. ብስም ምስፍሕፋሕ ክርስትና ንኣፍሪቃ ብተዘዋዋሪ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምእታው። ወዘይመስሎ
ኮይኑ ድማ እቲ ካብ መሠረቱ ዘይቀደወ “ተሓድሶ” ንኣሽሓት ብስም ‘ቤተ ክርስቲያን’ ንዝጽውዓ “ማኅበራት ተሓድሶ” ፈልፊሉን ይፈልፍልን ኣሎ። እዚ ሽግር’ዚ ኣብ ምዕራባዊ ደምበ እምነት ከይተሓጽረ፣ ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ምብራቕ’ውን ከምዝልሕም ከቢድ ጻዕሪ እዩ ብወገኖም ተገይሩሉ። ነናቶም ዕላማን ኣጀንዳታትን ዘለዎም ኢድ ካልኦት ዓለማውያንን ፓለቲካውያንን እናተሓወሶ ድማ ብቀሊሉ ዘይጠፍእ ሓዊ ኣብ ውሽጢ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ንምስዋሩ ድማ እዩ ተፈቲኑ። ከምቲ ኣብ ካቶሊካዊት እምነት ዝተወለዐ ምፍንጫል ድማ ናብ ካልኦት ብምስጋር ንምድኻመን ብዙኅ ጸዓት ፈሲሱ እዩ።
ያኢ ጽቡቕ ሞያን ተሞክሮን ተረኺቢሉየስ፣ ነዚ እኩይ ፈተነ’ውን ብፍላይ ኣብተን ጥንታዊያን ዝኾና ኦሪየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ንምትእትታዉን፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንምድኻመንን፣ ንምኽፍፋለንን፣ ጥንታዊ ትምህርተንን ሥርዓተንን ብዝብርዝ ኣገባብ ብዝተወደበ መልክዕ ብምዕራባውያን ጐስጐስቲ “ተሓድሶ” ዝተገብረ ፈተነ ታሪኽ እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሰነዶን፣ ገሊአን’ውን ክሳዕ ሕጂ ዝቐንዛወሉ ሕማም ኮይኑ ኣሎ።
ሓደ ኣብነት ሓደገኛነት ተሐድሶ ናይ ህንዲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክንርኢ ንኽእል ኢና።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕንድ ክሳዕ ዓሠርተው ኃሙሽተ ክፍለ ዘመን ብሓድነት ጸኒዓ ትነብር ነይራ። ናይ ፖርቱጓል ሚስዮናውያን ነታ ቤተ ክርስቲያን ላቲናዊት ንምግባር ኣብዝጸዓሩሉ ጊዜ ግና ኵሉ ሰባን ንብረታን ናብ ክልተ ክሳዕ ዝምቀል በጽሐት። ሓደ ጕጅለ ኣብ ትሕቲ ምምኅዳር ፓትርያርክ ኣብ ኣንጾኪያ ዘላ ያዕቆባዊት ተባሂላ እትጽዋዕ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ክመኃደር ከሎ፣ እቲ ሓደ ጕጅለ ድማ ተፈልዩ ኣብ ትሕቲ ናይ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንበር ይመኃደር ነይሩ።
ነዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ዝመቓቐላ ናይ “ተሐድሶ” ምንቅስቓስ ብዙኃን ነገራት ኪልወጡ ሥራሐይ ኢሎም ተታኃኂዞምዎ እዮም። ንኣብነት፦
- ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝገልጹ ቃላት ምልዋጥ፣
- ንክርስቶስ ኣማላዲ ኣምሲልካ ምቕራብ፣
- ብጥንታዊ ቋንቋ ንዝዝየም ዝነበረ ምልዋጥን ጥንታዊ ትውፊት ምርሳዕን፣
- ኣብ’ቶም ስም ቅድስት ድንግል ማርያምን ስም ቅዱሳንን ጸዊዕካ ዝበጽሑ ጸሎታት ናይ ትኅዝቶ ለውጢ ምግባር፣
- ምትራፍ ጸሎተ ፍትሐት፣
- መሥዋዕተ ዕጣን ትርጕም ከምዘይብሉ ምምሃር፣
- ቅዱስ ቍርባን ምሥጢር ምዃኑ ዝገልጹ ቃላት ካብ ቅዳሴ ምሕካኽ፣
- ኣብ ቅዳሴን ካልኦት ጸሎታትን ካህን ብሥልጣኑ ጸሎት ከዕርግ ከምዝኽእል ዘረድኡ፣ “አነ፣ ኣባይ” ዝብሉ ቃላት፣ ‘ኵሉ ሕዝቢ ካህን እዩ’ ናብ ዝብል ፕሮተስታንታዊ ትምህርቲ ንምርዓም፣ “ንሕና፣ ኣባና” ብዝብሉ ቃላት ምትካእ፣
- ኣማላድነት ቅዱሳን ዘርእዩን ዝምህሩን ጥቕስታት ቅዳሴ ምውጋድን ካልኦትን ኪጥቀሱ ይኽእሉ።
እዚ ብኣዝዩ ሓጺር ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ ዝተፈተነ ሜላ “ተሓድሶ” ከም ኣብነት ኣምጻእናዮ እምበር፣ ብተመሳሳሊ ግና መምስቲ ዘለዉዎ ከባቢ ብዝዛመድ ኣገባብ ዳርጋ ኣብ ኵለን ኣብያት ክርስቲያናት ተዋሕዶ ይውሓድ ይብዛኅ ተፈቲኑ እዩ። እስከ ነዚ ሎሚ ምስ ኣብ ሃገርናን ኣብ መላእ ዓለምን ዘንጸላሉ ዘሎ ምንቅስቓስ ተሐድሶ ነገናዝቦ!!!
መ. ተሐድሶ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ምስቲ ሃገርና እትርከበሉ ኣገዳሲ ስትራቴጂካዊ ኣቐማምጣ፣ ዘይከምቲ ዝቐደመ ዘመነ ሓዋርያት፣ ዝተፈላለየ ድርብ ዕላማታት ዝተሓንገጡ ‘ሃይማኖታውያን ሰበኽቲ” ካብ ዓሠርተው ሽዱሽተ ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ብዝተፈላለየ መገድን ሜላን ናብ ኤርትራ ኣትዮም እዮም። በብእዋኑ ዝኣተዉ እዞም ሚስዮናውያን ኤውሮጳውያን ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሮሙላን፣ ብዙኅ ዕንወት ድማ ኣኸቲሎም እዮም። እዚ ዕንወት እዚ ከኣ ሃይማኖታዊ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሃገራዊ ዕንወትውን እዩ። ንኣብነት ንሃገርና ንመግዛእቲ ጥልያን ዘቃለዓ ተግባር ሓደ ንሱ እዩ። ‘አባ’ ጀሴፔ ሳፔቶ ኣብ ዓሰብ ብዝገዝኣ ንእሽቶይ መሬት ክሳዕ ንሃገርና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ምእታው ዓብያ። እዚ ሓደ ካብ’ቲ ብዙኅ “ካብ ባሕሪ ብጭልፋ” ከምዝብሃል ኢና ጠቒስናዮ።
ብድኅሪኡውን ብቅንኣት ሃይማኖት ዝተደረኹ ኣቦታትን ዓበይቲ ዓድን ምእመናን ብዝፈጠርዎ ባይታ፣ ኣብ ኣርብዓታት መንእሰያት ተኣኪቦም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደረጃ ትምህርቲ ሰንበትን ማኅበራትን ክመሃሩ ምስ ጀመሩ፣ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝጓዝም ዝነበረ መንፈስ ተሐድሶ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሰሊዅ ብምእታው ነተን ዝነበራ ማኅበራት ኦተቤ ብኸመይ ክሳዕ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸረንን፣ ንማኅበራትን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ሃገርና ናብ ካልኦት እምነታት ከም “መሰጋገሪ” መድረኽ ገይሩ ከምዝሓነጾን ከምዝተጠቕመሉን ምርኣዩ ብዛዕባ ዕላማን ሜላን ተሓድሶ ጽቡቕ ሥዕሊ ዝህብ እዩ። ዝኾነ ግዱስ ኣካል ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሃገርና ዝነበረ መስርሕ ተሓድሶን ዕብየቱን ክምርምር ምስ ዝጅምር ዝገሃደሉ ሓቂ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግዳይ ዓውለማዊ ምንቅስቓስ “ተሓድሶ” ኮይና ከምዝነበረት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሎሚ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ዝርከቡ ብኤርትራውያን ዝቖሙ ሓደሽቲ እምነታት፣ ፍረ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ምንቅስቓስ ‘ተሓድሶ’ ምዃኖም ብጭቡጥ ክንርዳእ ንኽእል። ሕጂ’ውን ኦርቶዶክሳውያን ኢና እናበሉ መሳሰዪን መጋበሪን ድርብ ዕላማታት ዝኾኑ ዘለዉ ተረፍ መረፍ ናይ ዝቐደሙ ማኅበራት’ውን፣ ነቲ ቅድሚ ዓሠርተ ዓመታት ዝነበረ ታሪኽ ሃገርና ዘዘካኽሩ መርኣያ ኣሰራት እዮም።
ሕጂውን እንተኾነ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን “ብትምህርታት” ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ብአቡነ እንጦንዮስን እናኣሳበብካ ንሰብ ጥንታዊትን ሐዋርያዊትን ሃይማኖቱን ሥርዓቱን ትውፊቱን ገዲፉ ሰዓብን ኣሳሳይን ተሐድሶ ኪኸውን ዝግበር ዘሎ ፈንጠርጠር ንርእዮ ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳ፣ ርኁቕ ምብራቕን ብሥዉር ኣካይዳ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ኣሐዲስካ ፕሮተስታንታዊት ንምግባር” ዝግበር ዘሎ ምጉያያትን ምወላታትን መስክሩለይ ዘየድልዮ ነገር እዩ።
እምበኣርከስ፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ “ዘይቅላዕ ክዱን፣ ዘይፍለጥ ድማ ሥዉር የልቦን” (ማቴ. ፲፥፳፮/10፥26) ከምዝበሎ፣ ጽባሕ ንግሆ ኵሉ ከም ፀሓይ ቀትሪ ግልጽልጽ ኢሉ ክረአ እዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ግና ብምኅደራ ወይ ድማ ሓደ ሓደ ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ኣመኽኒኻ ካብ ሃይማኖትካ ምዝንባል ክህሉ የብሉን። ሎሚ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘይሃስስ በሰላ ንምግዳፍ ብተሐድሶኣውያን ዝግበር ዘሎ ሃነፍነፍ መወዳእታኡ ዕርበትን ጥፍኣትን ደኣ እምበር፣ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፣ “ዲያብሎስ ንቤተ ክርስቲያን ኪወግኣ ዝናሩ ወድአ፣ ንቤተ ክርስቲያን ግና ኪጐድኣ ኣይከኣለን” ከምዝበሎ፣ ንቤተ ክርስቲያን ኪመቓቕልዋ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደም ክርስቶስ ብከውሒ ኣብ ዝተመሰለ ጸኑዕ እምነት ዝተመሥረተት፣ ብትንቢት ነቢያትን ስብከተ ሐዋርያትን ጸኒዓ እትነብር፣ “ኣፍ ደጌታት ሲኦል ኣይኪኅይልዋን እዮም” ዝብል ቃል ኪዳን ዝኣተወላን እያ። (ማቴ. ፲፮፥፲፮\-፲፰/16፥16-18፣ ግብ. ሐዋ. ፳፥፳፰/20፥28)።
እምበኣርከስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጥንታዊት፣ ሐዋርያዊት ኮይና ሓንሳብን ንሓዋሩን ንቅዱሳን ዝተዋህበት፣ ኣብ ዶግማኣ፣ ሥርዓታ፣ ትውፊታ፣ ባህላን ታሪኻን ምምሕያሽ፣ ምኽላስ፣ ምሕዳስ ዘየድልያ እንኮ መገዲ እግዚአብሔር ምዃና ብምእማን፣ ካብ’ዚ ክፉእ ናይ ምፍልላይን ሓሰውቲ ነቢያት ዝበዝኁሉ ዘመንን ወፂእና፣ ብቅድስት ሃይማኖትና ጸኒዕና ብቅዱስ ሥነ ምግባር ኣጕላዕሊዕና፣ ተኻፈልቲ ሰማያዊ ርስቲ እግዚአብሔር ኣምላኽና ክንከውን ምሕረት እግዚአብሔር፣ ጸሎትን ኣማላድነትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ተራዳእነት ኵሎም ቅዱሳን መላእክትን፣ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔርን ምስ ኵላትና ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።
«ተሓድሶ»
ReplyDeleteቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ልቢ ቈልዓ ከምዝነበረኒ፡ ህንጻ ናይታ ዝዓበኹላ ቤተክርስቲያን ፈሪሱ ኣብ ዝተሓደሰሉ ህሞት ዝተሰምዓኒ ስምዒት ነበረ። ምሕዳስ፡ ተሓድሶ፡ ለውጢ ወዘተ ዝብሉ ቃላት ከም ቁሪ እናፈራሕናዮም ስለዝዓበና፡ እታ ናይ ሽዑ ከባብ ዝቕርጻ ቤተክርስቲያን ሰምበል፡ ንዝሰፍሐን ዝሓሸን ኣገልግሎት ፈሪሳ ብቕርጺ ርቡዕ ኩርናዕ ክትሕደስ እንተነበራ’ውን፡ እቲ ናይ ሽዑ ልቢ ቁልዕነተይ ግን “ስለምንታይ እታ ቕድስቲ ስፍራ ትፈርስ?!” ኣብ ዝብል ውሱን ሓሳብ ጥራይ ነቒጹ ነበረ። እቲ ለውጢ ንኸይቅበል ዝሓንገደ ልቢ፡ ብኸመይ ተቓንዩ ከምዝዓበየ ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡ ነቲ ኣብ ዘመን ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝበሃል ነገር እዩ ዘዘክረኒ። ብመሰረቱ ቤተክህነት ለውጢ ንምቕባል፡ ምናልባት እቶም ዝደሓርና ከይኮንና ኣይንተርፍን ኢና ዝብል ብዙሓት ዝግምትዎ፡ ኣነውን ዝሰምሮ ሓሳብ ከኣ ሓቂ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እቲ ዘንበብክዎ ዛንታ የረጋግጸለይ ኣሎ። ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘተኣታትውዎ ዝነበሩ ለውጢ፡ ንመጀመርያ ግዜ ተለፎን ኣብታ ሃገር ከምዝኣቱ ክገብሩ ከለዉ’ውን፡ ብወገን ቤተክህነት ተሪር ተቓውሞ እዩ ኣጋጢምዎም ዝነበረ። ካብ ቤተክህነት ዝተላእኩ ሸሞንተ ወኪል ድማ ናብ ህጸይ ቀሪቦም፡ “ተለፎን ናይ ኣጋንንቲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክኣቱ የብሉን፡ ካብ ሃገርና ድማ ጠቕሊሉ ክጠፍእ’ዩ ዝግብኦ” ኢሎም ጥርዓኖም ከምዘቕረቡ ታሪኽ መዝጊብዎ ኣሎ። (መጽሓፍ የለውጥ ያለህ፡ ገጽ 10 ተመልከት)
እታ ክትፈርስ ዘይደለኽዋ ቤተክርስቲያን ሰምበል ፈሪሳ፡ ሰፊሓ ስለዝተሃንጸት ድማ ምእመናን ካብ ቁሪ ተገላጊሎም ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ቦታ ረኸቡ። ብመሰረቱ’ውን፡ ቅዱስ ስፍራ እንታይ ማለት’ዩ? ቤተክርስቲያን ማለት ከ ብሓቂ እቲ ህንጻ ማለት ድዩ ዝብል ሓታቲ መስቀላዊ-ሕቶ እንተዝረክብ እኳ ኸኣ፡ ክብልዎ ሰሚዐ ኢለ ዝደግሞ እንተዘይኮይኑ እኳ፡ ክምልሶ ዝኽእል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ዘለዎ ኣዕጋቢ መልሲ’ውን ኣይነበረንን። ልቢ ቘልዓ ኮይኑ ግን ንጽቡቕ ምዃኑ ብዘይምስትብሃል ንምሕዳስ እታ ቤተክርስቲያን ብምቅዋም ከም ቈልዓ ሓሰብኩ። ናይ ኤለክትሪክን ጋዝን ኣማራጺታት እናሃለወ፡ ንዕዑ ተሓሲምና ኣብ ቤተ-ልሄም ብትኪ ዒግ ዝበልናዮ ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ፡ በቲ ናይ ቁልዕነት ልበይ እግረም።
መጕልሒ ድምጺ ክንጥቀም እናኸኣልና ብትምክሕቲ ዝገዓርናዮ፡ ጓለንስተይቲ ከበሮ ቤተክርስቲያን ኣይትሃርምንያ ኢልና ዝተማጐትናዮ፡ መጽሓፍ ቅዳሴ ብቛንቋ ግእዝ ዝተደርሰ ክሳዕ ዝመስል ብትግርኛ ኣይከውንን እዩ እናበልና ዝተኸራኸርናዮ ክዝክሮ ከለኹ፡ ሕንከት እናተሰምዓኒ ብልቢ ቁልዕነተይ እግረም ኣለኹ። እቲ ምንታይሲ ንፍተዎ ንጽልኣዮ፡ እቲ ለውጢ መጺኡስ እንሆ’ኳ ካብቲ ክዕረ ዝግብኦ ብዙሕ ተሓዲሱ… ቅዳሴ ብትግርኛ ንሰምዕ ኣለና፡ ለካስ
ቤተክርስቲያን ትሕደስ እያ! ትማሊ ብጀካ እቲ ምስ ጸናጽልን ጣቕዒትን ጥራይ ዝህረም ዝነበረ ከበሮ፡ ሕጂ ግን ዋጣን ክራርን ኣሰንዮሞ ኣብ መዛሙር ክንሰምዖ ምኽኣልና ውጽኢት ተሓድሶ እዩ። እንሆ እእዛንና እቲ ብደባትር ጥራይ ዝዝየም፡ ምእመን ግን ተረዲኡ ከስተማቕሮስ ይትረፍ ከምዘለዎ ክደግሞ እኳ ዘይክእል ጥራይ ዝሰምዕ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ልቢ ምእመናን ዝደረሶ፡ ቀሊል ዜማ ዝሰረቱ መዛሙር ንሰምዕ ኣለና። እዚ’ውን ውጽኢት ተሓድሶ እዩ። ለካስ ቤተክርስቲያን ትሕደስ እያ?! ለካስ ደቀንስትዮ’ውን ይዝምራን ይሽብሽባን’የን።
ለካስ ዋጣን ክራርን’ውን ነቲ ጽዩፍ ተግባረተን ሓዲገን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ክቃነያ ይኽእላ እየን… ኮታ… ለካስ ከምቲ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበረ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘይሰርቕ፡ ጽሩይ ስርዓተ ኣምልኾን ሕዋስ ዘይብሉ ትምህርትን ከምዝህልዋ ንምግባር ቤተክርስቲያን’ውን ትሕደስ’ያ! ወይ ልቢ ቁልዕነት ኢሎሞስ…!! ተሓድሶ ማለት ግን እንታይ ማለት እዩ? ተሓድሶ ዝብል ቃል ዳዮርቶሲስ ካብ ዝብል ናይ ጽርኢ ቃል ዝተረኽበ ኣበሃህላ ኮይኑ፡ ንዝቐነነ ወይ ኣሪጉ ንዝተጨማደደ፡ ወይ’ውን ካብ መስርዑ ንዝወጸ፡ ኣስተኻኺልካን ኣሐዲስካን ናብቲ መበቈላዊ ባህርዩ ምምላስ ማለት እዩ። ቤተክርስቲያን፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ጥራይ ክትሕደስ ከምእትኽእል ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ “መሠረት ሕግን፡ እምነትን፡ ትምህርትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ” ብምባል ብንጹር ኣስፊርዎ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ኩሉ ሕጊ ይኹን እምነት ወይስ ትምህርቲ ናብቲ መሠረቱ ማለት ናብ መጽሓፍ ቅዱስ መሊስና ክንሕድሶ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕዮ እዩ። ቤተክርስቲያን ተሓድሶ ኣየድልያን እዩ ዝብል እንተሎ ግን ሓደው ፍቕሪ ቤተክርስቲያን የብሉን፡ ወይውን ብሱሩ ወዲ ቤተክርስቲያን ኣይኮነን ጥራይ እዩ ክበሃል ዝከኣል።
ስለዚ ተሓድሶ ንቤተ ክርስትያን ኣድላይን ወሳንን እዩ።
ምስትውዓልና ንዝኸፈተ እግዚኣብሄር ግን ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ!!
Yeakl°°° ziarege mendek bhadish mendek mihdasn, zenebere mesarhi eton kab btki nab bgazn electricn, ms teamre maryam ytrefn adamawi hatyat alewa emo ytearemn kotas dogma zeykyern zeyhdesn mukuanu nfelt ena emo, neger gn merahtna hansab bgega zemlekuwo kal alo emo melhasom kab miexaf hgi betekrstyan nefris mbalkas kindeyke tdefr. Eti zikefe difretka kea ziarege mendekn bahlawi etonn nmhdas ms teamre maryamn ms adamawi hatyatn kalien nzbl netbi awedadirka keteheds mftankas eshnet dyu welas dfret? Bel egziabher ykre ybelelka nay zhalefe halifu eyu bnsha temeliska znebere srat abotatka teketila semeyawi wursha temit amlak ayne,lbonaka ykfetelka.
DeleteIn the name of the Father the Son No the Holy spirit one God Amen
ReplyDeleteDear commentator if you don't mind you totally missed the point. From my point of view what you wrote about reformation is totally wrong b/c our orthodox tewahdo church doesn't need to be reformed. I will advice you just sit and try to think why you are talking and intending to reform the holy church. Do you think you are more knowledgeable that the holy Fathers who passed faithfully to The almighty God. Why they said the holy church reformes or change the congregation but the holy church doesn't need to reform. I you are away and your thoughts are baseless and who doesn't have any correlation. Building widening, or using some useful instruments like printers copiers laptops or computers also as you said microphones and amplifiers it doesn't mean, the church that uses or installed such instrument is reformed, so dear commentator don't mislead yourself and others. My brotherly advice to you is ask for better clarification rather than putting your self in a swamp of sine
Thanks and God bless you
ሰለ ተሃድስ አቲ ትክክልን መብርሂን ስልዝሃብካና ብሊብ ከመስግነካ ይፈቱ ኣምላክ ድማ ናይ ኣገልግሎት ዘመንካ ይባርክ።
ReplyDeletecomminte1 ሂብክ ዘለካ ግን ነቲ ትጽፍ ብጉብ መሊስ ዚሂብ ኣይኮነን። ክራርን ዋትን ነቲ ህማኪ፡ስርሂን ገድፋን አሊካ አሞ ።መዝ'150። ተመልከት
ንሳኪ ትዛርብ ብዘኢባ ተክነሎጂ ዪዝመስል ብህጽር ዚ
ብለ ግን ግዚይ ጽቡቅ ትምህርቲ ሂብና መን ነይሩ መን ከ ከይዱ ናይ ከይዱ አንታይ ይብል፡ኣሎ መን ከ ተርፉ ንሱ ዊን አንታይ ይብል ነይሩ ህጂ አንታይ ይብል ኣሎ ኩሉ ብችብቲ ኣሎ፥ ህጂ ግን ንሬቶ ወሃቢ 1 ብተሃደሶ ከምዚጋባአ ነግርካና ኣለካ.አስኪ በል ኣይናይ አዩ ኪየር ኣየናይ አዩ ኪህደስ ጽሃፍልና፡
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን
ReplyDeleteAnonymous ዝገርም ግጉይ ጽሑፍ ብስም ኦርቶዶስ ተዋህዶ።
“ መጕልሒ ድምጺ ክንጥቀም እናኸኣልና ብትምክሕቲ ዝገዓርናዮ”
መጕልሒ ድምጺ ነቲ ኣምላኽካ ዝሃበካ ድምጺ ናይ ምቅአር ተኽእሎ የብሉን። ከምስሙ መጕልሒ ትራሕ እዩ። ስለዝኾ፡ እዚ ንመርትዖ ዘቕረብካዮ ነጥቢ “ክበልዕዋ ዝደለ…..” ግጉይ መመኽኔታ እዩ።
“ ጓለንስተይቲ ከበሮ ቤተክርስቲያን ኣይትሃርምንያ ኢልና ዝተማጐትናዮ”
አበይናይ ታሪኽ ትውፊትን ስርዓትን ቅድስቲ ቤተ/ክ “ ጓለንስተይቲ ከበሮ ክትሃርም ተራእያ” “ሚርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ወቒዓ …” ዝብሃልመደናገሪ ዘረባትት ቅዱሳን መጻሕፍቲ አንቢቦም ክርድኡ ናይ ዘይክእሉ ዝከፍኤ ማናፍቕነት አብ ዘናዊ ታሪኽ ቤተ/ክ ምዃኔ ክፍለት ኣለዎ።
ኣቦታትና ዝገብርዎ ዝፈልጡን ሓቀኛ ሃይማኖት ምስ ኣምልኾ ኣስሚሮም ዝከዱ ፡ ስለዝኮነ ድማ ንልዕሊ ሐደሽሕ ዘመን ጽፉፍ ኣምልኾ ሃይማኖት ዐቂቦም ጸኒሖም። ሕጂ-ሕጂ ግና ቤት/ክ ብጉድለት ስርዓት ኣምልኾ (መናፍቅነት) ትሕመስ አላ። ደቂ ኣንስትዮ ብሰም ማዕርነት፡መንእሰያት ብስም ትምህርቲ ሰንበት “መዘምራም” ቅድስቲ ቤት/ክ ትረክስ ኣላ። ኣመንቲ ሓቀኛ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ነዚ ተኣታትዩ ዘሎ ኣርዮሳዊ መናፍቅነት ክጎርሓሉን ክምክቶን ኣለዎ።
“ መጽሓፍ ቅዳሴ ብቛንቋ ግእዝ ዝተደርሰ ክሳዕ ዝመስል ብትግርኛ ኣይከውንን እዩ እናበልና ዝተኸራኸርናዮ”
ብዛዕባ ቓንቓን ትርጓሜን ኣፍልጦ ዘለካ ኣይትመስልን፡ በል ክትርዳእ ኣምላኽ እምነት ተዋህዶና በቲ ህዝብና ዝዛረቦ ቓንቓ እዩ ኣግሂዱልናን ተገሊጹልናን፡ ነቶኢ ካልኦት ኣሓት ቤተ ክርስትያናት ድማ ከምኡ በቲ አብቲ እዋኑ ዝነበረን ቃንቃ። ምስጢር ድማ ኣለዎ። ግእዝ ናብ ካልእ ቃንቃ ክትቅይሮ ከለኻ ዘስዕቦ ፍኹሰትን ለውጢ መንፈሳዊ ሃይለ ቃልን ብብዙሓት ናይ ቃንቀ ተመራመርቲ ተገሊጹ እዩ። ኣቦታትና ድማ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሞም ዝፈልትዎ እዩ። በቲ ካልእ ጎድኒ ድማ እዚ ብትግርኛ እንተዘይኮነ ዝብሃል ዐጀውጀው መሰረቱ ፐሮፓጋንዳ ናይ ከንሻን ቴንጠን እዩ። ዐው ኢሎም ዝዛረብሉ ስለዝኾነ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ዕላማ እንተኾይኑ ግን ዝበርዓነን ንዓአቶም ዘየርብሐ ስነ-መጎተ እዩ። ከንሻ / ፐሮተስታንት ንዝክተልዎ ናይ ዝተሰንዐ “መጽሓፍ ቅዱስ” ካብላቲን ናብ ቓንቓ እንግሊዝኛ ይኹን ቓንቓ ዳች ሰናኒዖም ጽሒፎም ኣበይ አብጺሕዎም ? ነንሕድሕዶም እና ተመቓቐሉ ለ3ዕሊ 3000 መናፍቃን ድርጅታት በጺሖም ኣለዉ። ካብዚ እንታይ ንምሃር ?
ኣብ ቤት/ክ ስርዓት ኣምልኾ ዝወደቐት ቃል ክንርድኣ ኣሎና ዝብል መጎተ ምልክት እምነት ናይ ዘይብሎም ጥፉኣት እዩ። << እቶም ከይርኣዩ ዝምኑ ብጹኣት እዮም >>
ብዝተረፈ ስብከት/ትምህርቲ ሃይማኖት እቲ ምእመን ብዝሰምዖ ክኸውን ከምዘለዎ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ምስማዕ ዘይኮነ ምትግባር እዩ። 10 ትእዛዛት ዘይፈልጥ የለን ብጉድለት እምነት ግን ካብ ኣነ ጀሚርካየለናሉን ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝዓደሎም ውሑዳት ገዲፍካ። እወ እምነት/ ሃይማኖት ኣብ ስርዓትን ኣምልኾን ቅድስቲ ቤተ/ክ።
“ ሕንከት እናተሰምዓኒ” እዋእ ቐዳም ጽቡቅ እንተ ኔርካ ሎሚ ተጋጊኻ፡
“ዋጣን ክራርን ኣሰንዮሞ ኣብ መዛሙር ክንሰምዖ ምኽኣልና” በል ሎሚ ኢኻ ክትሓንኽ ዘለካ። እዚሞ ዘፍለጠ መናፍቕነት እንድዩ። ፔንጠ ድኣ ካብዚ ሓሊፎም ዶ እንታይ ገይሮም እዮም። ካብ አጸሓሕፋኻ ኦርቶዶክሳዊ ከምዘይኮንካ ክትእምት ዘጸግም ኣይኮነን። ገለ ሓበሬታ እንተረኸብካ ድማ እየ ዝጽሕፍ ዘለዅ።
ቅድስቲ ቤተ/ክ ብደቅንስትዮን ጠላዓት አጓብዝ ብጣቅዒትን ዓውዓውታን ዳንኬራ ዝተጨማለቐት መጋባእይ ክትቅይራ ምድላይካ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ሓቂ ይግለጸልካ።
ሃይማኖት ኣበው ዘይቅበል ሓቀኛ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ሃይማኖት ተኸታሊ ኣይኮነን። ኣበው ኢማንፈስ ቅድስ ተማሪሆም ንዝሃቡና ትውፊት ስርዓት ምስጋናን ኣምልኾን ክንቅይሮ ኣሎና ማለት ትዕቢት (ካብ ኣበው ንህና ንፈልጥ ) ካብ ምባል ምኻኑ ሓሊፉ ኑፋቄ እዩ። እማ አብቶም ንዓኻ ዝመስሉ እምነታት ተሓድሶ ማናፍቓን ዝሓሸ ይመስለኒ።
ኣብ ዝቐጽል ብሰፊሑ ክሳዕ ንራኸብ
ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ይኹን
2ይ ጢሞቴዎስ 4፡3
ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም
2 Timothy 4:3 ESV / 91 helpful votes HelpfulNot Helpful
For the time is coming when people will not endure sound teaching, but having itching ears they will accumulate for themselves teachers to suit their own passions,
2 Peter 2:1-3
But false prophets also arose among the people, just as there will be false teachers among you, who will secretly bring in destructive heresies, even denying the Master who bought them, bringing upon themselves swift destruction. And many will follow their sensuality, and because of them the way of truth will be blasphemed. And in their greed they will exploit you with false words. Their condemnation from long ago is not idle, and their destruction is not asleep.
Matthew 7:15-20
“Beware of false prophets, who come to you in sheep's clothing but inwardly are ravenous wolves. You will recognize them by their fruits. Are grapes gathered from thornbushes, or figs from thistles? So, every healthy tree bears good fruit, but the diseased tree bears bad fruit. A healthy tree cannot bear bad fruit, nor can a diseased tree bear good fruit. Every tree that does not bear good fruit is cut down and thrown into the fire. ...
kale hwet yesmalna kbur haw gebre eyesus !
Deleteኣብዚ ልዕል ዝበለ መልሲ ጽሑፈይ ንዝርኤ ጎደሎታት ቃላት ብሰንኪ ትግሪኛ ፎንትስ እቕሬታ እሓትት
ReplyDelete