Sunday, 18 May 2014

ሕቶ ለተሃድሳውያ ብዛዕባ ''ዓቃቤ መንበር''

ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ምሕደራ፡ ስልጣን ሲኖዶስ ካብ እትውንን ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚኡ ውን እንተኾነ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ደርጊ ኮነ ሃይለስላሤ ቅድሚኡ'ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ጳጳሳት ብሲኖዶስ ናይ ኢትዮጲያ (መንበር ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት) እንዳ ተኣዘዙ መሪሖም እዮም።

ሕጂ ግን ተሓዶስ ዝበሃሉ ከሓድያን ኣብ ቤተ ክርስትያን ሰሊኾም ብምእታው ብዙሕ ዘየድሊ ስርዓትን ተፋልሶ ትምህርቲን ኣብ ልዕሊ ምእመናን እንዳ ዘርኡ ይርከቡ ኣለው። ከሙ ድማ ንዘይ ተማህሩ ጸሎት ዘዘውትር እኳ ዘይ ተማህሩ ዲቁና፡ ክህነት እንዳ ሸሙ እዮም። ካብ'ኡ ሓሊፎም ውን ሎሚ ሎሚ ናይ ገዛእ ርእሶም <<ሲኖዶስ>> ዘልዎም እዮም ዝመስሉ ኣቃቤ መንበር ብምባል ነቶም ሓደ ጳጳሶም ክጽውዕዎም ጀሚሮም ኣለዎ። ግን ንሕና ገሪሙና ዘሎ እቲ ኣሻይማ ናይ ዓቃቤ መንበር እዩ። 

ዓላውያነ ሃይማኖት እስከ ሕቶ ክንሓተኩም ሕቶና መልሱልና!! መን ኢዩ ዓቃቤ መንበር ዝገበሮም እስከ ንገሩና?  ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተቐሚጥኩምሲ እምበኣር ዓቃቤ መንበር ሸይምኹም? ሲነዶስ'ውን ኣለኩም ማለት ድዩ? እንተ ደኣ ኣልይኩም ድማ ኣቃቤ መንበር ሰሜን ኣመሪካ ምበልኩሞ እምበር ከመይ ጌርኩም ኣቃቤ መንበር ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እትብልዎ? ኣቃቤ መንበር ናይ ኤርትራ ክትብሉ እትክእሉ እኮ ኣብ ኤርትራ ምስ እትኾኑ እዩ። እንተዘይ ኮይኑ ግን እዚ ስርዓት ቤተ ክርስትያን ከም ዘይኮነ ትውፊትና፣ ሥርዓተ ቤተ ክርስትያና ህያው ምስክር እዩ፣ ከሙ ውን ነቶም ስርዓት ቤተ ክርስትያን ንፈልጥ ኢና እትብሉ'ውን ሕልናኹም ዓቢይ ምስክርነት እዩ።    


ዓላውያነ ሃይማኖት ተሃድሶ እስከ ሕቶ ክንሓተኩም ሕቶና መልሱልና!!
ስልጣን ዓቃቤ መንበር ካብ መን ድዩ ዝወሃብ? 
ዶስ እዚ ጻዕዳ ነጸላ ምስ መጠምጠያኡ ግዲፍኩም ጸሊም ልብስ ምግባርኩም ንምእመናን ምትላል' ዩ ዕላማኡ። ከምይሲ ንሱ እንድሕሪ ደኣ ለቢስኩም ኩሉኩም ጳጳሳት ንምምሳል ኢዩ? ጳጳስኩምስ ግን መቃርስ ጥራይ እዮም መን ደኣ ዩ  ዓቃቤ መንበር ዝሾሞም? ዓቃቤ መንበር ዝሽየም እኾ ጳጳሳት ወይ ሲኖዶስ ሓንቲ ሃገር ተሳማሚዖም ዘጽድቅዖ እዩ? ብዘይ ሲኖዶስ ግን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን።  ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ግን በኣኹም ክፍጸም ንሪኢ ኣሎና። እዚ ድማ ፍጻሜ ትንቢት ምኳኑ ኣይተርፍን።

ንምኳኑ እዞም ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ናይ ግብጺ ሲኖዶስ ኢዮም ኢልኩም ኢኩም ትዛረቡ፡ ጽቡቕ፣ ከምኡ እንተኾይኑ ድኣ ግብጺ እንታይ ምስ ኮነት ዓቃቤ መንበር ኣድልያ?
ሐራይ ናብ ኤርትራ'ውን ንኺድ፡ እዞም ሰብኣይ ናይ ግብጺ እንተድኣ ኮይኖም ዓቃቤ መንበር ኣብ ናይ መን ቦታ ኢዮም ክኾኑ ዘለዎም? መልሲ ንዓኹም? ናተይ ግና ክነግረኩም ኣብ ትሕቲ ሲነዶስ ግብጺ እንተድኣ ኮይኖም ዓቃቤ መንበር ናይ ምዃንን ዘይምዃንን ኣብ ግብጺ ጥራሕ ኢዩ። መን ኮይኖም ድኣ ኣብ ናይ ኤርትራ ኣትዮም ዓቃቤ መንበር ዝኾኑ? ኣስተውዕሉ!!! ዓላውያነ ሃይማኖት ተሃድሶ! ሕጂ'ውን ኣስተውዕሉ! ብምሕደራን ብስልጣነ ክህነትን ኣባ መቃርዮስ ምስ ኤርትራ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎም? ወዮ ኣብ ትሕቲ ሲነዶስ ግብጺ ኢዮም ትብልዎከ ድኣ ናበይ ናበይ ክትቅይርዎ ደሊኹም ኢኹም? ካልእ ድማ ሲነዶስ ናይ ኤርትራ ዘይውክሎ ናይ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን እንዳ በለት እትጽዋዕ ናይ ተሃድሶ ማሕበር ክኣልዩ? 
ኣብ መድረኽ ስለ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክምድሩ በየናይ ስርዓትን ሕግን ኢዩ? ኣረ በጃኹም መልሱልና?
 ንሕና ድኣ ኣብ ጉዳይ ግብጻውያን(ሲነዶስ ግብጺ) መግለጺ ዘይንህብ? 
ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያስ፡ ኣብተን ካልኦት'ውን? 

ስለዚ ማሕበረ ተሃድሶ ሓሳባትኩም ኣብ ጸጽባሕ ባዕሉ ንባዕሉ ይጋጮ ኣሎ እሞ ምልስ ድኣ በሉ። ልቢ ይሃብኩም!!!

 ክቡራት ተካታተልቲ ቤተ ሳይዳ ከም ፍቃድ ኣምላክ ኣብ ቀጻሊ ኣስፍሕ ኣቢልና ከነእትዎ ክንፍትና አና። 

No comments:

Post a Comment