Saturday, 30 August 2014

''ኣቡነ ተክለሃይማኖት''

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!!!
በእንተ ክቡር ኣቡነ ተክለሃይማኖት እምኢትዪጵያ ሰደዴ ጽልመት እግዚአ መናፍስት ህብአነ እምገጸ ሞት በእንተ ጸጋ ዘአብ አቡከ ወእግዚእ ኃረያ እምከ ተማህጸነ ውሉድከ ምህላነ ስማዕ በዕዝንከ ኢታርምም ኣባ ወኢትጸመም ተክለሃይማኖት ብእሴ ሰላም
ጻድቕ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ካብ ኣቡኦም ካህን ጸጋ ዘአብን ኣዲኦም እግዚእ ሃረያን ብታኅሳስ 24 1197 ተወሊዶም።



ኣቦና ካብ ዝተወልድሉ ኣብ 3ይ መዓልቲ ብዕለተ ሰንበት ካብ ሕቑፎ ኣዲኦም ወሪዶም “ሓደ ኣብ ቅዱስ እዩ ሓደ ወልድ ቅዱስ እዩ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ውን ሓደ እዩ” ኢሎም ብተኣምር ኣመስገኑ። “ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳለኻ” ከም ዝብል ቅዱስ ዳዊት። ኣብ 40 መዓልቲ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም “ፍስሐ ጽዮን” ብዝብል ስም ኣጠመቕዎም። ወዲ ዓመትን 3 ወርሕን ምስ ኮነ ኣብ ከባቢ ሽዋ ደርቂ ኮይኑ ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጥሜት ነበረ። ኣቡኡ ካህን ጸጋ ዘአብ ድማ ነቲ ዘኽብርዎ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኸውን እኽለ ማይ ስኢኖም ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ከልቅሱ እንከለዉ ሰበይቶም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ኮይና ትሓዝን ነበረት። ነዚ ዝረኣየ ህጻን ግና ነዲኡ ነቲ ዝነበራ ቊሩብ ሓርጭ ከተምጽኦ ነገራ ምስ ኣምጸኣትሉ ኢዱ ምስ ኣንበረሉ እቲ ሓርጭ በርከተ። ነቲ መትሓዚ ዘይቲ ውን ብተኣምራቱ መልኦ በዚ ድማ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል የሕለፍዎ። ክሳብ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ዝኸውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናመሃሩ የዕበይዎ፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮኑ ኣቡኦም ናብቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጳጳስ ዝነበሩ ግብጻዊ ቅዱስ ቄርሎስ ወሰድዎም። ቅዱስ ቄርሎስ ኣቐዲሙ መልኣኽ እግዚአብሔር ጽባሕ ሓደ ህጻን ክመጸካ እዩ ተቐቢልካ ዲቁና ሽሞ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ርእይ ምስ ኣበልዎ ተቐቢሎም ሸምዎም። ከምቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ታዕሊም ናይ ፈረስን ሃድን አራዊትን ተማህሩ። ሓደ ካብ መዓልታት ምስ ብጾቶም ኣብ ሃድን እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ ካብ ድሕር ሕጂ ኣራዊት ዘይኮነ ሰባት ክትሃድን ኢኻ ድዉይ ናይ ምፍዋስ ኣጋንንቲ ናይ ምውጻእን ምዉት ናይ ምትንሳእን ሥልጣን ካብ እግዚአብሔር ተዋሂብካ ኣሎ፤ ስምካ ድማ ፍስሐ ጽዮን ዘይኮነ ተክለ ሃይማኖት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ፡ ተክለ ሃይማኖት ማለት ድማ ተክለ አብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ።
 ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ተገሊጹ ሐዋርያት ናብ ዘይበጽሕዎ ምድሪ ንኽልእኸካ ብቅዱስ ሚካኤል ጌረ ሓድሽ ስም ብምሃብ ሓድሽ ሐዋርያ ጌረካ ኣለኹ። 22 ዓመት ምስ መልኦም ናብ ኣባ ቄርሎስ ብምኻድ ቅስና ተቐቢሎም ኣቡኦም ብዘገልገሉሉ መዓርግ ኣቡኦም ኣብ ዘገልግልሉ ደብሪ ከገልግሉ ጀመሩ። ብመጀመርያ ኣዲኦም ቀጺሎም ድማ ኣቡኦም ምስ ዓረፉ ዘለዎም ኩሉ ሸይጦም ንድኻታት ብመሃበ ገዝኦም ብኽፍቱ ገዲፎሞ ወጽኡ። ብዙሓት ህዝቢ ድማ ነቲ ብስም እግዚአብሔር ዝገብርዎ ብዙሕ ተኣምራት ርእዮም ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም እናተጠመቑ ተኸተልዎም። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ከባቢ ቡልጋ ኣብ ዕንጨት ዝኣምኑ ኣብ ባሕሪ ዘምልኹ መድኃኒት ዝቓምሙ ጠንቆልትን መምለኽቲ ጣኦትን መሊኦም ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦና ነዚ ምስ ሰምዑ ሩባ ተሳጊሮም ብምኻድ ነቲ ህዝቢ ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ እንስሳዊ ባህሪን ዘምልኾ ዝነበረ ገረብን ገዲፉ ናብ ኣምልኾ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክምለሱ እንዳ ገሰጹ ወንጌል ክምህርዎም ጀመሩ። እቲ ህዝቢ ግን ክሰምዖም ኣይከኣለን ብኣንጻሩ ትምህርቲ ወንጌል ከቋርጽዎ ኣዘዝዎም። ኣቦና ግን ብፍጹም እምነት ናብቲ እቶም ህዝቢ ዘምልኽዎ ገረብ ከዱ፡ ኣብቲ ገረብ ዝሓደረ ሰይጣን ኣነ ፈጣሪኹም እየ ዝብል ድምጺ የውጽእ ነበረ። ኩሎም ህዝቢ ድማ ነቲ ገረብ ይሰግድሉን ዝደለዮ ይስውእሉን ነበሩ። ኣቦና ምስቶም ህዝቢ ናብቲ ገረብ ምስ ቀረቡ ኣብቲ ገረብ ሓዲሩ ዝምለኽ ዝነበረ ሰይጣን “ነዚ ሰብ’ዚ ኣይተቕርቡለይ” እናበለ ከጉርዕ ጀመረ። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ነቦና ገዲፎም ናብቲ ገረብ ከዱ፡ ኣቦና ግን ገጾም ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ኢዶም ዘርጊሖም ናብ ፈጣሪኦም ምእንቲ ወገናቶም “ ኦ ጐይታ ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትካ ዝሰልጠነ ሰይጣን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣርግጸልና፡ ነዚ ሰይጣን እዚ ኣዋርዶ፡ ዘውትር ክረድኣካ እዩ ዝበልካኒ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ልኣኸለይ፡ ናይ’ዚ ሰይጣን ሓፍረቱ ግለጽ፡ ጐይታ እግዚአብሔር ምግባር ካባኻ እዩ፡ኣብዞም ዝተኣከቡ ሰባት ስምካ ይገለጽ፡ ስራሕካ ይፈለጥ ንስኻ ዓቢ ምዃንካ ይፍለጡ” እናበሉ ክጽልዩ ጀመሩ። ናብቲ ህዝቢ ዘምልኾ ገረብ ተመሊሶም “ ኣንቲ ሰይጣን ኣባኺ እናሓደረ ህዝቢ ዘስሕተልኪ ገረብ፡ እዚ ህዝቢ ኃይሊ እግዚአብሔር ምእንቲ ክርኢ በቲ ኣነ ዝኣምኖን ዝሰግደሉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ዘለኽዮ ተላዒልኪ ናባይ ክትመጽኢ እእዝዘኪ ኣለኹ” ኢሎም ኣዘዝዋ። ህዝቢ ናብታ ገረብ እናሰገደ እታ ገረብ ግን እግሪ ከም ዘለዋ እና ተጓዕዘት ኣቦና ጻድቅ ተክለሃይማኖት ናብ ዘለውዎ ቦታ ከይዳ ቆመት። እቲ ኣብታ ገረብ ዝሓደረ ሰይጣን ድማ “ኣታ ክፉእ ሰብ እቲ ዝገደፍኩልካ መላእ ኣውራጃ ከይ ኣኽለካስ ነዞም ኣብዚ ዘለዉ ባሮተይ ክትምንጥለኒ መጺእካ” እናበለ ጨርሐ። ብድኅሪ እዚ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ከም መብረቕ ብምውራድ ንሰይጣን ሓኒቑ ሓዞ። በዚ ጊዜ ሰይጣን “ሚካኤል ጊዜይ ከይበጽሐ ኣይተጥፍኣኒ ድኅሪ ሕጂ እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኣይቀርብን እየ” እናበለ ጨደረ። ብድኅሪ እዚ እቶም ደቂ ዓዲ ናብ ኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ቀሪቦም “ኦ ናይ ህይወት ብርሃን ኣቦና ናብቲ ዝፍቶ ናይ ወንጌል ጎደና ምርሓና” እን በሉ ኣብ እግሩ ወደቑ። ቦታ ክሳዕ ዝጸቦም ንኣሽቱን ዓበይትን ኣወዳትን ኣዋልድን ተኣኪቦም “ንሕና ውን በቲ ትኣምኖ ኣምላኽ ኣሚንና ኣለና” በልዎም። ኣቦና ድማ “መጽኣት” ናብ ዝተባህለት ሩባ ወሪዶም ነቲ ማይ ብምብራኽ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጠመቕዎም። በዚ ከምዚ ብዙሕ ተኣምራት እናፈጸሙ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እናተዛዋወሩ ህዝቢ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ እምነት ክርስትና መለስዎ። ቲላት ዝተባህለ ናይ ውራጌ ቦታ በጽሑ። እቲ ከባቢ ብጠንቋሊ ንጉስ እዩ ዝመሐደር ኔሩ። ኣቦና ኣትዮም ኣምልኾተ ጣኦት ክገድፉ ወንጌል ክመሃሩን ኣጽኒዖም ስለ ዝገሰጽዎም ብኣፎምን ብኣፍንጭኦምን ደም ክሳብ ዝወጽኡ ቀጥቀጥዎም። ዝሞቱ መሲልዎም ኣብ እግሪ ጎቦ ደርብዮሞም ከዱ፤ ቅዱስ ሚካኤል ግን እንደገና ጽንዓት ሂቡ ኣተንስኦም። ደጊሞም ብኃይሊ ብምትንሳእ ድማ ነቲ ጠንቋሊ ንጉስን ህዝብን ወንጌል ክምህርዎም ጀመሩ።እንደገና ውን ብርቱዕ ተቓውሞ ስለ ዘርኣዩ ግን “ኣንቲ ምድሪ ተኸፊትኪ ክትውሕጥዮም ብስመይ ዘይ ኮነ ብስም እግዚአብሔር እእዝዘኪ ኣለኹ” ምስ በሉ ከምቲ ንዳታንን ኣቤሮንን መሬት ተኸፊታ ዝወሓጠቶም ነቲ ንጉስን ጠንቆልትን ወሓጠቶም። ናይ ዳሞት ንጉስ ሞተሎኒ ውን ተቐቢሉ ክልተ ጊዜ ብጸድፊ ደርበይዎም እዩ ቅዱስ ሚካኤል ብክንፉ ስለ ዝተቐበሎም ግን ተንሲኦም እንደገና ኣብ ቅድሚ ህዝብን ንጉስን ብትብዓት ወንጌል መሃሩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ተኣምራትን ስለ ዝገበሩ ድማ ህዝቢ ብእግዚአብሔር ኣመኑ፡ ንጉስ ሞተሎኒ ውን ኣሚኑ ተጠምቀ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ብዙሕ ርስቲን ገንዘብን ሃበ። ኣቦና ድማ ክርስትና እናመሃሩ ን 12 ዓመት ኣብቲ ቦታ ጸንሑ። ንኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ዲቁናን ቅስናን ዝሃብዎም ኣቡነ ቄርሎስ ድኅሪ ምዕራፎም ንብዙሕ ዓመታት ጳጳስ ካብ ግብጺ ኣይመጹን ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣቦና ምሂሮም ንዝመስረትወን ኣብያተ ክርስቲያናት ታቦት ዝባርኸሎም ጳጳስ ስኢኖም ይሽገሩ ነበሩ። በዚ ጊዜ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ጸለዩ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ከምቲ ብሊቃነ ጳጳሳት ዝወሃብ ናይ ጳጳሳት ሽመት ዘይኮነ ብሰማያዊ ሽመት ሸይመካ ኣለዅ” በሎም። በዚ ሰማያዊ ሽመት ድማ ኣቦና ሜሮን ኣፍሊሖም ታቦት ብምብራኽ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት መስረቱ። ኣቦና ኣብ ገዳም ብምእታው ውን ብጸሎት ይነቕሑ ኔሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 1 መዝሙረ ዳዊተ 10 ስግደት እናሰገዱ፡ ንመዓልቲ 3650 ስግደት ይሰግዱ ነበሩ። ን 10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ደብረ ጎል ምስ ገበሩ፡ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ “ኣብ ደብረ ሃይቅ ኢየሱስ ሙኣ ዝበሃል ሕያዋይ ሰብ ክትረክብ ኢኻ ንሱ ድማ ኣርዑት ምንኩስና ከሰክመካ እዩ’ሞ ክመርሓካ እየ ተኸተለኒ” በሎም። ቅዱስ ሚካኤል ብግልጺ እናተራእየ ነቲ ባሕሪ እናረገጸ መርሖም ኣቦና ውን ኣብቲ ባሕሪ ከም ኣብ መሬት እናተጓዕዙ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን በጽሑ። ኣባ ኢየሱስ ሙኣ ብደስታ ተቐቢሎም ናይ ቅድስናን ናይ መላእኽትን ምሳሌ ዝኾነ ናይ ምንኩስና ልብሲ ኣልበስዎም። ኣብኡ ድማ ብብዙሕ ገድልን ጸሎትን ነበሩ፡ ብዘይካ ቀዳምን ሰንበትን መግቢ ከይበልዑ ኣብ ሃይቅ እስቲፋኖስ ጸንሑ። ኣብ ከምዚ ትግሃት እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ መንዚዑ ብምውሳድ ናብ ሳልሳይ ሰማይ ኣብጽሖም። ኣብኡ ድማ ቅዱሳን መላእክት ንእግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ውዳሴን መዝሙርን ተመልከቱ። ካብቲ ዙፋን ድማ “ክፍልኻ ምስ’ዞም 24 ካህናተ ሰማይ ይኹን” ዝብል ድምጺ መጾ። ናይ ወርቂ ጽንሃህ ሒዞም ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ክዓጥኑ ጀመሩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ከምዚ ብምባል ቃል ኪዳን ኣተወሎም “ከምቲ ዝፈተኻኒ ፈትየካ ኣለዅ ስምካ ልዑል ክቡር ጌረዮ ኣለኹ፡ ኩሉ ብጸሎትካ ዝእመን ስሌኻ ክድኅን እዩ፡ ዝኽርኻ ዝገበረ ኣነ ኣብ ሰማይን ምድርን ከኽብሮ እየ” ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ኣቦና ነዚ ሰማያዊ ናብራ ምስ ተመልከቱ ልቦም ብፍቕሪ ናይ’ዚ ሰማያዊ ኣምላኾም ተቓጸሉ። ለይትን መዓልትን ዳዊትን ካልኦት ጸሎታትን ኣብ ምድጋም ድማ ተግሁ። በዚ ከምዚ ኣብ ሃይቅ 10 ዓመታት ምስ ጸንሑ ናብ ምድሪ ትግራይ ብምምጻእ ኣብ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ደብሪ ደብረ ዳሞ ምስ ኣባ ዮሓኒ ተራኸቡ። ኣብኡ ድማ ን 12 ዓመታት ተቐመጡ። ድኅሪ 12 ዓመታት ናብ ካልኦት ናይ ትግራይ ቦታታት ክኸዱ ድማ ነቲ ብገመድ ዝውረድ ናይ ደብረ ዳሞ ጎቦ ብገመድ ክወርድዎ ምስ ጀመሩ፡ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ነቲ ገመድ ቆረጸሎም። እግዚአብሔር ድማ 6 ናይ ጸጋ ክንፊ ሃቦም፡ እቶም ምስኦም ዝነበሩ መነኮሳት እናረኣይዎም በዚ ኣምላኾም ዝሃቦም ክንፊ እናበረሩ ናብ ዝደለይዎ ቦታ በጽሑ። ኣብ ሓውዜንን ካልኦትን ገዳማት ምድሪ ትግራይን ከባቢኡን እናተዘዋወሩ ባረኽዎም። ናይ ብርሃን ዓንዲ እናመርሖም ናብ ኢዮርሳሌም ብምኻ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝተወለደሉ ካብ ገሊላ ጀሚሮም ክሳብ ዝዓረገሉ ደብረ ዘይቲ በጽሑ። ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተሓጺቦም ድማ ኣባ ዮሐንስ ናይ ግብጺ ፓትርያርክ ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ናብ ገዳመ ኣስቄጥስ ብምኻድ ካብ መነኮሳት በረኸት ተቐቢሎም ንሳቶም ውን ባሪኾሞም። ኣብ ደብረ ሲሃት ዘርከቡ መነኮሳት ውን ሰላም በልዎም። ግብጻዊ ጳጳስ ኣባ ዮሐንስ 5ይ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኾም ብምምጻእ፡ “ነዚ በይንኹም እተገልግልዎ ህዝቢ ተማቒልና ንምርሓዮ” ምስ በልዎም ኣቦና ግን ብትሕትና“ሕጂስ እንቋዕ ንስኹም መጻእኩም እምበር ኣነ ናብ በዓተይ ክኸይድ” ብምባል ናብ ደብረ ሊባኖስ ገዳም ኣተዉ። ኣቡነ ሊባኖስ ዝመስረትዎ ገዳም ሓራስ ዝተባህለ ጠንቋሊ ተቖጻጺርዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣቦና ንዕኡ ኣባሪሮም ብ 1267 ንደብረ ሊባኖስ በዓቶም ገበርዋ። ኣቦና ጻድቅ ተክለ ሃይማኖት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕሪ ስለ ዝነበሮም ነቲ ዝነበርዎ ጫካ ከፊሎም ታቦተ ማርያም የእተውሉ። ብጸሎቶም ድማ ኣብቲ ጫካ ማይ ኣፈልፈሉ ክሳብ ሕጂ ድማ ማየ ተክለሃይማኖት እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ። ኣቦና ኣብዚ ገዳም ን 29 ዓመታት ድኅሪ ምጽናሕ ሰብነቶም ደኸመ እርጋን ውን ኣርከበቶም፡ብኸምዚ እናተዘዋወሩ ወንጌል ክምህሩ እኳ እንተ ዘይከኣሉ ንብዙሕ ዘመን ኣብ በዓቶም ኮይኖም ብዘይ ገለ ምርኩስ ከም ዓንዲ ቆይሞም ብምጽላዮም ሓንቲ እግሮም ተቖርጸት፡ ናቶም ረድኢ (ኣገልጋሊ) ዝነበረ ብጨርቂ ጠቕሊሉ ድማ ቀበራ። ኣቦና ግን ብሓንቲ እግሮም ን 7 ዓመታት ቆይሞም ጸለዩ። ብድኅሪ እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቦና ተገሊጹ “ጉያኻ ወዲእካ ኣለኻ ስለ ስመይ መከራ ተቐቢልካ ኢኻ’ሞ ዝኽርኻ ዝገበረ ብጸሎትካ ንዝእመን ቃል ኪዳን ሂበካ ኣለኹ” በሎም። ኣብ መወዳእታ ኣቦና ክዓርፉ ኣብ ዝቐረብሉ ደቀ መዛሙርቶም ኣኪቦም ከምዚ እናበሉ ክምዕድዎም ጀመሩ “እዞም ደቀይ ኩሉ መነኵሴ መንግስተ ሰማያት ይኣቱ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ንዓለም ዝነዓቓ እዩ ዝኣቱ፡ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚአብሔር ድለዩ፡ ጾምን ጸሎትን ኣዘውትሩ፡ ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ፡ ትእዛዙ ሓልዉ” ብምባል ኣባ ኤልሳዕ ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ከም ዝኾኑ ነገርዎም። ነሐሰ 24 1296 ዓም ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርሕን 10 መዓልቶምን ብሰላም ዓረፉ። እቶም መነኮሳት ድማ ኣብ’ቲ ዝነብርዎ በዓቶም ቀበርዎም። 57 ዓመት ድሕሪ ዕረፍቶም ብ 1354 ዓ.ም ኣከባቢ ኣቦና ነቶም ሽዑ ኣበምኔት ዝነበሩ ኣቡነ ሕዝቂያስ ብራእይ ተገሊጾም ዓጽሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ከእትውዎ ተማሕጸንዎም። ብግንቦት 12 ኣብቲ በዓቲ ምስ ደቀ መዛሙርቶም ኣትዮም ዓጽሞም ብምርካብ ናብ ደብረ ሊባኖስ ቤተ ክርስቲያን ኣእተውዎ። ኣቦና ብ ሕዳር 24 ምስ 24 ካህናተ ሰማይ መበል 25 ኮይኖም ዘገልገልዎ ይዝከር።
 ታሕሳስ 24 ልደቶም፡ ጥሪ 24 ስባር ዓጽሞም፡ መጋቢት 24 ጽንሰቶም፡ ግንቦት 12 ፍልሰተ ዓጽሞም፡ ነሐሴ 24 ድማ ዕረፍቶም ብቤተ ክርሰቲያን ይኽበር። በረኸቶምን ጸሎቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘለ ዓለም ይኹን ኣሜን።
ምስጋና ንኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን
ምስጋና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን
ንኽቡር መስቀሉን ይኹን ኣሜን!!!

1 comment:

  1. ቃለ ሂወት የስማልና ብጣእሚ ደስ ዝብል አገላልጻ

    ReplyDelete