በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን
ወርሓዊ ጽግያት ርኽሰት ድዩ?
መበገሲኡን ምንጩን እኳ ፍሉጥ እንተዘይኮነ ሓደ ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝመጸን ጊዜ መስቀልን ወንጌልን ካልኦት ቅዱሳት መጻሕፍትን ከሳልምወን ምስ መጹ “ርኽስቲ እየ” ኣይተሳልሙኒ ክብላ ይስምዓ እየን። ካልኦት ድማ ደመ ጽጌ ኣብ ዝተረኣየለን ጊዜ ካብ ጸሎት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ብጠቕላላ ንጽድቂ ዝኸውን መንፈሳዊ ስራሕ ከይተረፈ ዝኽልከላ ኣለዋ። ብርግጽ ግን ወርሓዊ ጽግያት ርኽሰት ድዩ? ርኽስቲ ከብል ከ ይኽእል?
ብርግጽ ኣብ ዘመነ ኦሪት ወርሓዊ ጽጊያት ናይ ርኽሰትን መርገምን ምልክት እዩ ኔሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘመነ ኦሪት ኣብ ወርሓዊ ጽጊያት ዘላ ንምጥቃስ “ብጻግኔኣ ረኺሳ እንከላ” እንዳበለ እዩ ዝጽዋዓ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ወርሓዊ ጽጊያት ዝተኸሰተሉ ሔዋን ደመ ዕፀ በለስ ብምፍሳሳ ምኽንያት እግዚአብሔር “ወበከመ አድመውኪያ ለዛቲ ዕፅ ከማሁ ድምዊ ለለወርኁ” ኢሉ ድኅሪ ምርጋሙ ብምኽሳቱ እዩ። ትርጉሙ “ናይዛ በለስ ደም ከም ዘፍሰስኪ ደምኪ ድማ ከምኡ በብወርሑ ይፍሰስ” ማለት እዩ።
ይኹን እምበር ዝረኸሰ ዝተቐደሰሉ ዝተረግመ ኣብ ዝተባረኸሉ ኣብዚ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ወርሓዊ ጽጊያት ርኽሰት እዩ ዝብል ሓሳብ ክሕሰብ የብሉን። ወርሓዊ ጽጊያት ርኽሰት ምዃኑ ተሪፉ እዩ። ርኽስቲ ድማ ኣየብላን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ወርሓዊ ጽጊያት ርኽሰት እዩ ምባል ከቢድ ኃጢኣት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብኡ ሓሊፉ ውን ክሕደት እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝፈጸሞ ቤዛነት ርኽሰቱ ተወጊዱ እዩ።
ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን ወርሓዊ ጽጊያት ርኽሰት እኳ እንተ ዘይኮነ ግን ከኣ ርስሓት እዩ። ርስሓትን ርኽሰትን ድማ ዓቢ ፍልልይ እዩ ዘለዎም። ርኽሰት ውሽጣዊ እዩ ብንስሓ እምበር ብማይ ኣይጸርን እዩ። ርስሓት ግን ብማይ ተሓጺቡ ዝጸሪ ኣፍኣዊ ወይ ድማ ግዳማዊ እዩ። ስለዚ ወርሓዊ ጽጊያት ርስሓት እዩ ክበሃል ከሎ ከምቶም ብማይ ተሓጺቦም ዝጸርዩ ማንም ኣብ ኣካላትና ዘለዉ ርስሓት ማለት እዩ።
ወርሓዊ ጽጊያት ኣብ ውሽጢ ባህሪ ደቂ ኣንስትዮ እንከሎ ርስሓት ኣይቁጸርን።ካብ ሰብነት ክወጽእ ከሎ ግን ይቚጸር። ንኣብነት ንፋጥ ሽንቲ ቀልቀል ርሃጽ እዚኣቶም ኩሎም ኣብ ውሽጢ ባህሪና እንከለዉ ጠቐምትን ኣድለይትን እዮም ኔሮም። ካብ ሰብነትና ክወጽኡ ከለዉ ግን ከም ርስሓት ይቑጸሩ። ወርሓዊ ጽጊያት ድማ ከምኡ እዩ። ሽንቲ ካብ ኣካላትና ምስ ወጸ ርስሓት እዩ ወርሓዊ ጽጊያት ድማ ልክዕ ከምኡ።
በዚ ምኽንያት ወርሓዊ ጽጊያት ርኽሰት ብዘይ ምዃኑ መስቀል ካብ ምስላም ካብ ምጽላይ ቅድሳት መጻሕፍቲ ካብ ምንባብን ምድጋምን ኣይክልክለናን እዩ። ይኽልክል እምበር ዝብል እንተሎ፡ ካብ ኣቡነ ዘበሰማያት ጀሚሩ ሰላመ ለኪን ካልኦት ዓይነት ፀሎታትን ዝደግማ ምእመናን ቊጽረን ውሑድ ኣይኮነን። ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽጊያት ቅድሳት መጻሕፍቲ ምንባብ እንተ ተኸልኪሉ ብቃላተን ዝሓዝኦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል እንታይ ክገብርኦ እየን? ነቲ ወረቐትን ብራናን ዘኽብሮ’ኸ፡እቲ ቅዱስ ቃሉ ዶ ኣይኮነን እዩ? ነቲ ቅዱስ ቃል ብልበን ሒዘን እንከለዋ መጽሓፍ ኣይትሓዛ ኣይተንብባ ምባል’ሲ ግብዝነት ኣይኮነናን ዶ? ኣየናይ ይበልጽ? ወረቐትን ብራናን ድዩ ዋላስ ነቲ ወረቐትን ብራናን ዘኽብረሮ ቅዱስ ቃሉ? ብራናውን ወረቐቱን ከይትንክያን ከየንብባን ዝኽልከላ እንተ ኮይነን ቅዱስ ቃል ብቃለን ንኸይሕዛ ንኸይደግማን ምኽልካል መድለየ ኔሩ። እንተ ተፈቒድለን ግን መጽሓፍ ካብ ምንባብ ካብ ምድጋም ዝኽልክለን ድኣ መን እዩ? ስለዚ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽጊያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ነዞም ነገራት ካብ ምፍጻም ዝኽልክለን የብለንን።
ኣብ ላዕሊ ንዝተጠቕሰ ሓሳብ በዚ ዝቕጽል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣገላልጻ ከጽንዖ ኢና ንርኢ “ኣቱም ብቤተ መቕደስ ዝምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤት መቕደስ ዝምሕል ግና ማሕላ ይኹኖ እትብሉ ዕውራት መራሕቲ ወይልኹም። ኣቱም ዓዋናትን ዕውራትን መራሕቲ ኣየናይ ይዓቢ ወርቂ ዶ ወይስ እቲ ንወርቂ ዝቕድሶ ቤት መቕደስ? ብመሰሠውኢ ዝምሕል ደኃን እዩ እቲ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መሥዋዕቲ ዝምሕል ግና ማሓላ ይዅኖ ትብሉ፡ ኣቱም ዓዋናትን ዕውራትን ኣየናይ ይዓቢ? መሥዋዕቲ ዶ ወይስ እቲ ንመሥዋዕቲ ዝቕድሶ መሠውዒ?፡ ምበኣርከስ እቲ ብመሠውኢ ዝምሕል ብኡኡን ኣብኡ ብዘሎ ብምሉኡን ምሕል።፡ እቲ ብቤት መቕደስ ዝምሕል ድማ ብኡኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል እቲ ብሰማይ ዝምሕል ድማ ብዙፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል” ማቴ 23፡16-22
ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽጊያት ካብ ምንታይ ክንክልከል ይግባእ?
1. ካብ ሥጋዊ ርክብ
ወርሓዊ ጽጊያት ዝረኣየላ ሰበይቲ በዓልቲ ሓዳር እንተኾነት በዚ ጊዜ እዚ ምስ ሰብኣያ ርክብ ክትፍጽም መንፈሳዊ ሕጊ ኣይፈቕደላን እዩ። ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ ውን እንተዀኑ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽጊያት ዝፍጸም ርክብ ኣብ መብዛሕትኡ ኣባለ ዘርእ ንዝተፈላለዩ ተላገብቲ ሕማማትን ንረኽሲ (ኢንፌክሽን) ብቐሊሉ ዘጋልጽ ምቹእ ኩነታት ከም ዝፈጥር ይዛረቡ እዮም።
ብመንፈሳዊ ትምህርቲ ምስ እንምልከቶ ድማ ዘርኢ ወዲ ሰብ ክቡር እዩ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽጊያታ ሥጋዊ ርክብ ምፍጻም ረሳሕ ደም ምስ ንጹሕ ዘርኢ ምውህሃድ ስለ ዝኸውን ከቢድ ኃጢኣት እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ጽግያታ ከይነጽሐት ዝፍጸም ርክብ ክኽልክል እንከሎ ከምዚ ይብል “ሰበይቲ ብጻግኔኣ ረኺሳ እንከላ ብግብረ ሥጋ ኣይትራኸባ” ዘሌ 18፡19። ነዚ ሕጊ እዚ ጥሒሱ ኃጢኣት ዝሰርሕ ሰብ ዝወርዶ ቅጽዓት ክገልጽ ከሎ ድማ “ሰብ ጻግነ ምስ ዝኾነት ሰበይቲ እንተደቀሰ ብግብረ ሥጋ ድማ እንተ ተራኸባ እዚ ነውሪ እዩ እሞ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ይቀተሉ” ዘሌ 20፡18
ወርሓዊ ጽጊያት ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ምንም እኳ ርኽሰት ስለ ዘይኮነ ኣብዚ ጊዜ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባት ከም ናይ ኦሪት ሕጊ ብእምኒ ተቐጥቂጦም ብሓዊ ተቓጺሎም ከም ዝጠፍኡ እንተ ዘይተገብረ፡ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓሶም መንፈሳዊ ቅጽዓት (ብቀኖና) ምቕጻዖም ዘይተርፍ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽጊያት ዝፍጸም ርክብ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን ክልኩል ስለ ዝኾነ። ፍትሓ ነገሥት ውን ነዚ ናይ ሙሴ ቃል ብምጥቃስ ከምዚ እናበለ ይእዝዘና እዩ “ኢታርስሖን ለመዋዕልት ቅዱሳት እንተ ጾም በመዋእለ ትክቶሃ ወሕርሳ ኢትቅረባ ከመ ኢይኩን ተዉስቦትከ ዘእንበለ ሕግ ተዘከር ዘኣዘዘከ እግዚኣብሔር በኣፈ ሙሴ እንዘ ይብል ንግሮሙ ለደቂቀ እስራኤል ወበሎሙ ለእመ ቀርበ ፩ዱ ሃበ ብእሲት ትክተ ይሰረዉ ወይሙቱ ዘእንበለ ወልድ እስመ እሙንቱ ኢያክበሩ ኣመ ወደዩ ዘርአ ንጹሐ ውስተ ደመ ትክቶሃ ወበእንተ ዝንቱ ግብር ኣዘዙ ይሙት ብእሲ ዘእንበለ ወልድ” (ፍት፡ነገ 24፡922)። ትርጉም “ዝተቐደሳ ናይ ጾም ኣዋርሕ ኣይተርስሕወን፡ ኣብ ግዜ ሕርሳን ወርሓዊ ጽግያትን ኣይትራኸብ። መርዓኻ ብዘይ ሕጊ ንኸይከውን እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ዘክር ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተደቀሰ ሕፍረታ ውን እንተቐልዐ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዐ ንሳ’ውን ፈልፋሊ ደማ ቐልዐት ስለዚ ክልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ይመንቆሱ” (ዘሌ 20፡18)።
2. ካብ ጥምቀት
ሐዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ጥምቀት ከኣ እቲ ብትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹህ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ጸሎት እዩ እምበር፡ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓጽብ ኣይኮነን” ከም ዝበለና 1ይ ጴጥ 3፡21። ጥምቀት ሥጋዊ ርስሓት መጽረይ ስለ ዘይኮነ ቅድሚ ምጥማቖም ካብ ሥጋዊ ርስሓት ተሓጺቦም ጸርዮም ድኅሪ ምድላው ክጥመቑ ይግባእ እምበር ምስ ሥጋዊ ርስሓት ምጥማቕ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ሥጋ ንጽሕና ንነፍሲ ንጽሕና ንንስሓ ናይ ምድላው ምልክት (ምሳሌ) ስለ ዝኾነ።
ከምዚ ካብ ኮነ ወርሓዊ ጽጊያት ድማ በቲ ኣቐዲምና ዝገልጽናዮ መሠረት ናይ ሥጋ ርስሓት ስለ ዝዀነ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽጊያት ምጥማቕ ክልኩል እዩ። ፍትሓ ነገሥት መንፈሳዊ ውን “ሓንቲ እትጥመቕ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ እትጥመቐሉ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ምስ ዝመጻ ክሳብ ትነጽሕ ትጽናሕ” ብምባል ይእዝዘና እዩ ፍት.ነገሥት 20፤31
ብርግጽ እዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ቃል ናይ ፍት.ነገ ዘመልክተና ነተን ዓቕሚ ሔዋን በጺሐን ደሓር ክርስትን ንምጥማቕ ዝመጻ ንዑሰ ክርስቲያን ዝተነግረ ቃል እዩ። ብሓፈሻ ግን እዚ ጥቕሲ ንማንም ክርስቲያን ካብ ሕማሙ ንምፍዋስ ኮነ ንበረኸት በብ ጊዜኡ ማየ ጸሎት ንዝሕጸቡ ክርስቲያን ውን ክጥቀስ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ምጥማቕ ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ንዝኾነ ዓይነት ናይ ጥምቀት ውን እንተኾነ ምሥጢሩ ሓደ እዩ።
ሐደ ሓደ ጊዜ ብጽኑዕ ዝሓመማ ሰባት ብጸበል ንምፍዋስ ክከታተላ ክጅምራ እንከለዋ ዝተፈላለየ ፈተናታት የጋጥመን እዩ። ካብ ፈተናታተን ሓደ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ኣብ ወወርሒ ዝነበረ ወርሓዊ ጽግያት ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ወይ ብዘይ ምቁራጽ ምርኣዩ እዩ።
ነዚ ዝመስል ፈተና ክኽሰት እንከሎ ምስ ሰይጣን ምትህልላኽን ትም ኢለ እንተ ተጠመቕኩ እንታይ ኣለዎ? ምባልን ዕሽነት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ክፉእ ብጽቡቕ ሰዓርዎ እምበር፡ ነቲ ክፉእ ብኽፉእ ብኽፉእ ኣይትስዓርዎ” ስለ ዝብለና ሮሜ 12፡21። ስለዚ ሥርዓት እንዳ ኣፍረስካ ንሰይጣን ክትስዕር ዘይምፍታን ጽቡቕ እዩ። ሰይጣን ጸበል ብምጥማቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሥርዓት ብምኽባርን ብምእዛዝን ውን ይሰዓር እዩ። “ዘለኒ ዕድል ምጥማቕ ጥራይ እዩ” ምባል ግን ብዘይ ጸበል ሰይጣን ዝሰዓረሉ መንገዲ የለን ከም ማለት እዩ ዝቑጸር።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ ኩልና ደቂ ሰባት ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎስ ብምንታይ ክንስዕሮ ከም እንኽእል ኣብ ዝመሃረሉ ጊዜ፡ ብመጀመርያ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምሉእ እምነት ከም ዘድልየና እዩ ገሊጹ። ቀጺሉ ድማ “እዚ ዓይነት ጋኔን ብዘይ ጾምን ጸሎትን ኣይ ወጽእን እዩ” ብምባል ምሳና ንዝዓበየ ሰይጣን ኣባሪርርካ ንምጥፋእ ጾምን ጸሎትን ቀንዲ መሳርሒታት ምዃነን እዩ ገሊጽልና። ማቴ 17-21 ስለዚ ማየ ጸሎት ንምጥማቕ ዝነበረና ዕድል በዚ መልክዕ ፈተና እንተ ገጢምዎ ተስፋ ከይቆረጽካ ብጾም ጸሎትን ዝኣመሰሉ መንፈሳዉያን መሳርሒታት ብምድጋፍ ጸላኢና ዲያብሎስ ክሰዓር ይከኣል እዩ።
ብኻልእ መንገዲ እቲ ወሳኒ እምነት ብምዃኑ ማየ ጸሎት ከይተሓጸብኩ ኣይኸውንን እዩ ካብ ምባል ብሕማም ምኽንያት ምጻምን ደው ኢልካ ምጽላይን እንተ ዘይ ተኻኢሉ ጸበል ተለኺኻ ማይ ድጋም ሰቲኻ ምውዓል ምስ ማየ ጸበል ምሕጻብ ሓደ እዩ። ማይ ድጋም ምስታይን ጸበል ምልካይን’ሲ ከምይ ኢሉ ይከኣል? ከይበሃል ርስሓት ምጽራይ ከይከውን ተባሂሉ እዩ ማየ ጸሎት ዝተኸልከለ እምበር ምስታይ’ሲ ኣይክልከልን እዩ።
ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ኣማራጺ መንገድታት ምጥቃም ዘይተኸኣሎም ድኹማትን ሕሙማትን ከም ናይ ልቦናኦም ናይ እምነት ደረጃ ንምጉዓዝ ንኽኽእሉ መምህራነ ቤተ ክርስቲያን ምዝርራብን ብምኽሪ ካህን ብፍቓደ ካህን ክምርሑ ይግባእ።
ካህናተ ቤተ ክርስቲያን በዚ መልክዕ ንዝሽገራ ኣዴታትን ኣሓትን ማየ ጸሎት ንኽሕጸቡ ኮነ ካልኦት ኣማራጺ ብምፍጣር ክረድእወን ይኽእሉ እዮም።
3. ካብ ቊርባን
ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ ንቊርባን ዘድሊ ቅድመ ምድላዋት ዝወድኣ እንተ ኾና ካብ ደመ ጽጌ ከይነጽሓ ሥጋን ደምን ናይ ጐይታ ምቕባል ግን ኣይክእላን እየን። ነዚ ሥርዓት እዚ ጥሒሱ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኣትዋን ቅዱስ ቊርባን ክቕበላን ዝገበረ ካህን ይኹን ዲያቆን ካብ ክህነቱ ይተኣለ ይብል። ፍት.ነገሥት 6 ዘሌ 7፡19-21። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጽግያተን ከይነጽሓ ሥጋኡን ደሙን ክቕበላ የብለንን።
ዋላ እኳ ዝሃረፍናዮ ዓቢ በዓል መርዓ ወይ ካልእ ዓቢ ጉዳይ ውን ይኹን ብምንም ዓይነት ጉዳይ ውን ይኹን (ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ክንቆርብ (ኣይግባእን)። ምኽንያቱ ካብ ዝኾነ ዓይነት ይኹን ናትና ጉዳይ ስለ ሥጋኡን ደሙን ዝተሠርዐ ሥርዓት ስለ ዝበልጽ። ስለዚ ብቊርባን ዝምርዓዉ ሰባት ዕለተ መርዓኦም ቅድሚ ምውሳኖምን ናይ መርዓ ምድላዋት ቅድሚ ምግባሮምን ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዑደት ፈሊኻ ምፍላጥ ኣብ ናይ መርዓ መዓልታ ንኸይ ውዕል ምጥንቃቕን ኣገዳሲ እዩ።
4. ቤተ መቕደስ ካብ ምእታው
ሰበይቲ ኣብ ገዚ ጻግነኣ ናብ ቤተ መቕደስ ንኸይትኣቱ ሥርዓት ተሰሪዑ እዩ። ካብ ጻግነኣ ምስ ነጽሐት ነብሳ ተሓጺባ ትእቶ ፍት.ነገ 6። ሠለስቱ ምእት ብድጋሜ “ሐራስ ወትክት ኢትባእ ውስተ ቤተ ክርስቲያን” መዋዕለ ንጽሕናኣ ዘይወድአት ወላድን ካብ ደመ ጻግነኣ ዘይነጽሐት ጓልን ቤተ መቕደስ ንኸይ ኣትዋ ኣዚዞም እዮም።
ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣይትእቶ ማለት ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣይትኺድ ማለት ኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ናይ መጀመርያ ቅጽሪ ሓሊፋ ብምእታው ኣብ ውሽጢ ኮይና ትመሃር ትጸልይ ዝኾነ መንፈሳዊ ነገር ከተማልእ ትኽእል እያ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምህር ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብምንዝርና ዝተታኅዘት ሰበይቲ ኣምጺኦም “ንዓኣ ኣብ ማእከል ኣቚሞም ኦ መምህር እዛ ሰበይቲ ከተመንዝር ተረኺባ ተታሕዘት” ከም ዝበልዎ ብግልጺ ተጻሒፉ ኣሎ። ዮሐ 8፡1-5 ብፍላይ ኣብ ቊጽሪ 2ን 20ን ዝተጻሕፉ “ናብ ቤተ መቕደስ በጽሐ” “ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንከሎ” ዝብሉ ቃላት እዚ ታሪኽ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ዝተፈጸመ ምዃኑ ብግልጺ ይብርሁልና።
ብዘመነ ኦሪት ዘመንዘረ ሰብ’ሲ ይትረፍ ኣብ ሓዳሩ ውን ይኹን ሥጋዊ ርክብ ዝፈጸመ ሰብ ንዕለቱ ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ ኣይክእልን እዩ። እዛ ሰበይቲ ድኣ ከተመንዝር ተረኺባ ተታሒዛ እንከላ ኣብ ቤተ መቕደስ ወይ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ብኽሲ ንምቛም ዝኸኣለት ከመይ ጌራ እያ?
ኣብ ዮሐንስ 8፡3ን ቁ 20ን ከም ዝተርጎሞ ቤተ መቕደስ 3 ክፍሊ ኔርዋ። ስለዚ ብዝሙት ዝተሰናኸለ ሕልመ ለሊት ዝረኣየ ሰብን ወርሓዊ ጽግያት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ናይ መጀመርያ ክፍሊ ጥራይ ሓሊፎም ብምእታው ይሳለሙ መባኦም ሂቦም ተማሂሮም ካልእ መንፈሳዊ ተግባራት ፈጺሞም ይምለሱ። ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ግን ኣይክእሉን ነበሩ። ስለዚ ኣብ ላዕሊ ክትዝሙ ተረኺባ ዝተታሕዘት ሰበይቲ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ቀጽሪ ጥራይ እያ ኣትያ ኔራ። በዚ ታሪኽ መሠረት ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው ኣይፈቐደለን እምበር ናብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ኣትየን ጸልየን ተማሂረን ኩሉ መንፈሳዊ ስራሓት ፈጺመን ክምለሳ ይኽእላ እየን።
ስለምንታይ ናብ ቤተ መቕደስ ዘይኣትዋ?
ወርሓዊ ጽግያት ርኽሰት ከምዘይኮነ ኣብ ላዕሊ ብዝግባእ ተገሊጹ እዩ። እሞ’ኸ ስለ ምንታይ ድኣ እዩ በዚ ጊዜ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ መቕደስ ንኸይኣትዋ ሥርዓት ዝተሰርዐ? ነዚ ሕቶ መልሲ ክኾኑ ዝኽእሉ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ካብዚ ስዒቦም ተዘርዚሮም ኣለዉ።
1. ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ድኻምን ዝተፈላለዩ ናይ ሕማም ስምዒታትን ይኽሰቱ እዮም። ቤተ ክርስቲያን ድማ ናብዝን ናብትን ከይበልካ ከየ ለበጥካን ጸጥ ኢልካ ከተቐድስን መንፈሳዊ ጸሎት ከተብጽሕን ከም ዘለካ ዘረድእ ሥርዓት ኣለዋ። እንተ ኾነ ግን ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብዝስምዐን ሕማም ምኽንያት ድንን ቅንዕ እናበላ ከዕለብጣ ናይ ካልእ ሰብ ጸሎት ንኸየሰናኽሉ ንርእሲአን ውን እቲ ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ክረኽብኦ ዝግበአን ዕረፍትን ምቾትን ንኸይስእና ብምባል ኣብ ቤተ መቕደስ ንኸይኣትዋ ይኽልከላ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ሕማም ስምዒት ኴንካ ሕልናኻ ጠርኒፍካ ብዝተረጋግአ መንፈስ ምጽላይ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ እዩ። ብርግጽ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም ዘይስምዐን ደቂ ኣንስትዮ እኳ እንተ ሃለዋ፡ ሥርዓት ክስራዕ ከሎ ግን ንዝበዝሐ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት እቲ ዝስምዐን ሕማም ተረጋጊአን ክጽልያ ከቐዽሳ ዘይክእላ እንተኾይነን ንምንታይ ናብ ቤተ መቕደስ ይኣትዋ? ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎትን ንዑኡ ዘመሰለ መንፈሳዊ ተግባራትን መፈጸሚት እምበር ካልእ ዕላማ የብላን።
2. ወርሓዊ ጽግያት ዋላ እኳ ርኽሰት እንተዘይኮነ ርስሓት ምዃኑ ግን ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው ነውርን ኣጸያፍን ነገር ሒዝካ ከም ምእታው እዩ ዝቑጸር። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጡፍ ምባል ነውሪ ከም ዝኾነ ወርሓዊ ጽግያት ውን ከምኡ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሕልመ ሌሊት ሓደ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ክኸይድ እንከሎ ካብ ሥጋዊ ርስሓት ውን ነጺሁ ክኸይድ ኣለዎ።ዘፍ 19፡14።
3.መቕደሰይ ፍርሁ ብምባል እግዚአብሔር ኣምላኽና መቕደሱ ክንፈርሕ ኣዚዝና እዩ። ምኽንያቱ መቕደሱ ምኽባርን ምፍራህን ንዕኡ ምኽባር ስለ ዝኾነ። ዘሌ 26፡2 ቅዱስ ዳዊት ውን “ንዓኻ ብምፍራህ ኣብ ቅዱስ መቕደስካ እሰግድ” ብምባል ኣብ ቤተ መቕደስ ምፍራህ ከም ዘድሊ ገሊጽዎ ኣሎ። መዝ 5፡7 ሕግን ሥርዓትን እንተዘየለ ኣኽብሮትን ፍርሃትን ኣይህሉን እዩ። ሕጊ እንተሎ ግን ፍርሃት ውን ኣሎ ማለት እዩ። ወርሓዊ ጽግያት ዝኣመሰሉ ናብ ቤተ መቕደስ ካብ ምእታው ዝእግዱ ሥርዓታት ውን፡ ቤተ መቕደስ በዓልቲ ሕግን ናይ እግዚኣብሔር መንበርን ምዃኛ ብምርዳእ ፍርሃተ እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ከም ዝሳኣል ይገብሩ።
ቤተ መቕደስ ከም ዝደለይዎ ዝኣትውዋን ዝወጽኡላን ኔራ እንተትኸውን ቀሊላን ተናዒቓን ምተረፈት። ከምዚ ብዘይ ምዃኙ ግን ክሳብ ሕጂ ግርማ ተጎናጺፋ ትርከብ ኣላ። ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያትን ሕልመ ሌሊት ኣብ ዝረኣየኩም እዋንን ቤተ መቕደስ ኣይትእተዉ ጫማኹም ኣውጽኡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካህናትን ቦታ ፈሊጥኩም ቁሙ ኣይትስሓቑ ተራ ዝኾነ ወረ ኣይተውርዩ ዝብሉ ትእዛዝ ፍርሃት ኣየሕድሩልናን ድዮም? ቤተ ክርስቲያን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ትእዛዛትን ሥርዓታትን እንተዘይህልዋ ኔሩ ከምዞም ሕጂ እንርእዮም ናይ መናፍቓን ኣዳራሽ ምኾነት ኔራ።
ኣብ መብዘሕትና ክርሰቲያን መንፈሳዊ ሕይወት ብስምዒትን ብልማድን ይስራሕ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ዝስራሕ ስራሕ ኣእምሮ ብዘይ ፍረ ከም ዝተርፍ ይገብር። ልማድን ስምዒትን ብምስትውዓል ናብ ተግባር ክቕየሩ ኣለዎም እምበር ብልማድነቶም ምስ ዝቕጽሉ ዓቢ ጉድኣት እዩ ዘለዎም። ሓደ ሓደ ጊዜ ካበይ ከም ዝጀመርናን ኣበይ ከም እንፍጽምን ከየስተውዓልና ብልማድ ጥራይ እንጽልየሉ ጊዜ ኣሎ። ካልእ ድማ ካብ ልማድ ዝተላዕለ ናይ ዝኾነ ናይ እምነት ትካላትን ኣብያተ ትምህርትን ዓቢ ኣፍ ደገ ምስ እንርኢ ከም ቤተ ክርስቲያን ቆጺርና ኣማዕቲብና እንሓልፈሉ ጊዜ ኣሎ። እዚ ድማ ካብ ልቢ ዘይኮነ ብልምዲ ምኽንያት ዘጥረና እዩ።
ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያትን ካልኦት ኣጋጣሚታትን ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይንኣቱ ምኽልካልና ካብ ልማድ ወጺና ብኣእምሮ ከም እንመላለስ ዝገብረና ሓጋዚ መንገዲ እዩ። መዓስ ንኣቱ መዓስ ከ ኣይንኣቱን ንምንታ‘ከ ዘይንኣቱ ምሕሳብ ርእስኻ ንምምርማር ዝሕግዝ መንገዲ እዩ።
ብልማድ ቤተ ክርስቲያን ዝመላለሱ ሰባት ቤተ እግዚአብሔር ዘይምኻድ እንተተለማሚዶም ውን ብኡ ጌሮም እዮም ዝጠፍኡ። ምኽንያቱ ልማድ ብልማድ እዩ ዝሰዓር። ንምንታይ ከም ዝመላለሱ ምኽንያቱን ጥቕሙን እንዳስተውዓሉ ካብ ልማድ ወጺኦም ብምስትውዓል ዝመላለሱ ሰባት ግን “ከምታ ኣብ ቤት ኣምላኽ እትዓቢ ልምዕቲ ኣውሊዕ ዘይቲ” እዮም ዝኾኑ። መዝ 52፡8
ናብ ቤት መቕደስ ንኸይንኣቱ ዝተኸልከልናሎም ግዜያትን ኩነታትን፡ ከም ወልፊ ብልማድ ጥራይ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ንኸይንመላለስ ይ ግዙና። ብኣንጻሩ ግን ብምስትውዓል ከም ንመላለስ ይገብሩና። እንተኸድና እንረኽቦ ጥቕሚ እንተዘይከድና ድማ ዝጎድለና ጸጋ ዓይንና ከፊቶም ዘርኡይና እዞም ጸጋታት እዚኣቶም እዮም።
4. ኣዴና ሔዋን ደመ ዕፀ በለስ ብምብላዓ ጥራይ ካብ ገነት ተባረረት። ደማ ወርሒ ወርሒ ከም ዝፈስስ ድማ ተፈሪድዋ። እንተ ኾነ ግን ካብ ዘርኣ ካብ ዝተረኽበት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ ብምፍሳስ መርገሙ ተወገደ። ሎሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው እንተተኸልከላ ዝቐደመ ታሪኸን’ዩ ዝዘከረን። ነብሰን ብምውቃስ ድማ ትሑታት ይዀና። ተመሊሰን ናብ ገነት ንኽኣትዋ ብፈጣሪአን ዝተገብረለን ውዕለታት ብምስተውዓል ፈጣሪአን የመስግና። ስለዚ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ናብ ቤተ መቕደስ ከይኣትዋ ምኽልካል ንዝሓለፈ ዘመንን ብጐይታ ዝተገብረ ውዕለታትን እንዳዘከርካ ብንስሓን ብምስጋናን ንኽትነብር ይሕግዝ ማለት እዩ።
5. ቤተ መቕደስ ናይ ገነት ምሳሌ እያ። ኣዴና ሔዋን ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ገነት ክትነብር እንከላ ደመ ጽጌ ኣይረኣያን እዩ ኔሩ። ስለ’ዚ ቤተ መቕደስ ናይ ገነት ምሳሌ ምዃና ዝተማልአ ንኽኸውን ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ቤተ መቕደስ ክትኣቱ የብላን።
6. ቤተ ክርስቲያን ብናይ ክርስቶስ ደም ዝተመሥረተት እያ። ኣብ ውሽጣ ክፈስስ ዝግብኦ ድማ እቲ ብደሙ ዝሓጸባ ናይ ክርስቶስ ደም እዩ። ስለዚ በብመዓልቱ ብኢድ ኣቦታት ብካህናት ሥጋኡ ይፍተት ደሙ ድማ ይቕዳሕ። ምእመናን ድማ ካብዚ ምሥጢር ብኣግባቡ ብምስታፍ ስርየተ ኃጢኣት ሕይወተ ነፍስ ይረኽቡ። ነዚ ምሥጢር ንምሕላው ተባሂሉ ናይ ፍጡር ደም ክፈስስ የብሉን። ዝዀነ ሰብ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደም ምስ ዝወጽእ ደሙ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ንኸይነጥብ ክጥንቀቕ ካብ ቤተ ክርስቲያን ክወጽእ ይግብኦ። ደቂ ኣንስትዮ ውን ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ቤተ መቕደስ ካብ ምእታው ክጥንቀቓ ይቅብአን።
ካብ ደመ ጽጌ ከይነጽሓ ቤተ መቕደስ ክኣቱ ኣለኒ ምባል ግን ከቢድ ድፍረት እዩ። ብመሠረቱ ናብ ቤተ ክርስቲያን እንኣትዎ ብናይ እግዚአብሔር ምሕረት እዩ እምበር ሰብ ብርእሱ ብቑዕ ስለ ዝዀነ ኣይኮነን። በዚ ድማ እዩ ቅዱስ ዳዊት “ኣነ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ናብ ቤትካ ክኣቱ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ከኣ ብፍርሃት ክሰግድ እየ” ዝበለ። መዝ 5፡7 እሞ’ኸ ድኣ ንጹሃን ምዃንና ኣብ ዝስመዓና ጊዜ እኳ ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ጥራይ እንኣቱ ካብ ኮንና፡ ናብ ቤተ መቕደስ ዘየእቱ ፍሉጥ ምኽንያት እንዳሃለወና ክኣቱ ኣለኒ ምባል ድፍረት ኣይኾነናን’ዶ?
ሰብ ኣብ ቤተ መቕደስ ክነብር ከሎ ብፍርሃት፡ ብቕድስና፡ ብጽኑዕ እምነትን ብምስትውዓልን ክኸውን ኣለዎ። ሐዋርያው ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቲዎስ ኣብ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ “ኣብታ ቤት ኣምላኽ ከመይ ጌርና ክንነብር ከም ዝግበኣና ክትፈልጥ እጽሕፈልካ ኣለኹ” ዝበሎ ቃል ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። 1ይ ጢሞ 3፡15 ስለዚ “ካብ መሥዋዕቲ ምእዛዝ ይበልጽ” ኢልና ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ተደፋፊርካ ቤተ መቕደስ ካብ ምእታው እንተተቖጢብና ““ኣብታ ቤት ኣምላኽ ከመይ ጌርና ክንነብር ከም ዝግበኣና” ተረዲእና ኣለና ማለት እዩ።
ቤተ ክርስቲያን ጐይታና “ሕግን ነብያትን ክስዕር ኣይመጻእኩን” ማቴ 5፡17 ብዝበሎ መሠረት ንመሥዋዕተ ኦሪት ብመሥዋዕተ ወንጌል ተኪኣ ብደመ ክርስቶስ ተሓዲሳ እትነብር ናይ ሓድሽ ኪዳን መርዓት እያ። ፈጣሪኣ ክሓልፉ ንዝኣዘዞም ኣሕሊፋ ነቶም ዘጽንዖም ድማ ኣጽኒዓ እያ ትነብር። እንተ ኾነ ግን መዋዕለ ንጽሕ ዘይፈጸመት ጓል ናብ ቤተ መቕደስ ኣይትእቶ ዝብል ሥርዓት “ኦሪታዊነት” እዩ ብምባል ዝነቕፉ መምህራን ኢና ዝብሉ ፍርሃተ እግዚኣብሔር ካብ ልቦና ናይ ምእመናን ንምርሓቕ ክጽዕሩ ይርከቡ ኣለዉ። ምእመናን ግን ንከምዚኦም ዓይነት “ናይ እንታይ ኣለዎ” መምህራን መናፍቕነት ክጥንቀቚን ብስምዒትን ብኣጉል ፍልስፍናን ተደፊእካ ናብ ናይ ክሕደት ዓዘቕቲ ካብ ምውዳቕ ንብሰና ከነድሕን ይግብኣና።
ብሥርዓትን ብኣግባብን ምንባር ዘይወሐጠሎም ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ደመ ጽጌ ዘላ ጓል ናብ ቤተ መቕደስ ኣይትእቶ ዝብል ሥርዓት ዝተሠርዐ ቀደም ዘመን ንጽሕናኻ ንምሕላው ዘኽእል ምቹእ ኵነታት ስለ ዘይነበረ እዩ። ሕጂ ግን ንጽሕና ነምሕላው ዘኽእሉ ቴክኖሎጂ ዘፍረዮም ዝተፈላለዩ መገልገሊታት ስለ ዘለዉ ንዓኦም እንዳ ተጠቀምና እንተ ኣተና እንታይ ኣለዎ? ክብሉ ይስምዑ እዮም።
ብመሠረቱ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ንጽህና ብዝምልከት ጥራይ ወይ ኣብ ዘመኑ ንጽሕና ነምሕላው ስለ ዘይተኻእለ ጥራይ ኣይኮነን። ነዚ ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት “ኣብ ዘመኑ ንጽሕና ንምሕላው ዘሸግር ኔሩ” ዝብሉ ሕጂ ግን ንጽሕና ንምሕላው ምንም ሽግር ስለ ዘየለ እንተ ኣተናስ እንታይ ኣለዎ? ንምባል ንኽሕግዞም እዮም። ምኽንያት ዘምጽኡ ባዕላቶም ምኽንያት ኣፍረስቲ ውን ባዕላቶም እዮም። ናብ ቤተ መቕደስ ዘይእተወሉ ትኽክል ምኽንያት ግን ካብ ቊ1-7 ዘሎ ብዝርዝር ተጻሒፉ ኣሎ።
ኣብ ቅድም ዘመን ንጽሕና ንምሕላው ምቹእ ኩነታት ስለ ዘይነበረ እዩ እዚ ሥርዓት ተሠሪዑ ማለት፡ እዚ ሥርዓት ዝተሠርዐ ንጊዚኡ ኣማራጺ ክሳብ ዝርከብ እዩ ዝነበረ ከም ምባል እዩ ዝቑጸር። ብተወሳኺ ውን እዚ ሥርዓት ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣይተሰርሐን ወይ ድማ መንፈስ ቅዱስ ውን ክብሪ ይኹኖ መጻኢ ኣይፈልጥን ወይ ናይ ቴክኖሎጂ ዕብየት ኣብ ግምት ኣእትዩ ሥርዓቱ ኣይሠርዖን ከም ማለት እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ዘመን ዘሎ ኩነታት ምስ እንምልከት ውን እዚ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዘፍረዮም ነገራት ብምጥቃም ኣብ ጊዜ ውርሓዊ ጽግያት ካብ ዝኽሰት ናይ ንጽሕና ጉድለት ንምድኃን ናይ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ቁጽሪ ብውሑድ እዩ። ውሑድ እቶት ዘለወን ወይ ኣብ ከባቢ ገጠራት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መነባብሮኦን ካብቲ ናይ ቀደም ዘመን ብዘይሓይሽ ምዃኙ ርዱእ እዩ። እሞ’ኸ ድኣ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መልክዕ ንጽሕናአን ንዝሓለዋ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ መቕደስ ምእታው እንተ ተፈቒዱ፡ ነተን ዘይከኣላ’ኸ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ። ነተን ዘይከኣላ ከም ቀደመን እንተ ተኸልኪለን ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ድኻን ኃብታምን ፍልልይ ፈጢራ እተመሓድር ፍትሓዊነት ዘይብላ ትኸውን ኣላ ማለት እዩ።
ምሳና ምስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኅብረት ዘለወን እኅት ኣብያተ ክርስቲያናት ካባና ዝፍለያሉ ብዙሕ ቀኖና ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ንሳተን ኣብ ጊዜ ውርሓዊ ጽግያት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት መቕደስ ንኸይትኣቱ ሥርዓት ይሥርዑ ኣይሥርዑ ካባና ዝድለ ናትና ኣኽቢርካ ምኃዝ እዩ። በዚ መልክዕ ንዓኣቶም ንምሰል ምባል ግን ሥልጣኔ ኣይኮነን።
ብዝተፈላለየ ምኽንያት ባሕሪ ሰጊርካ ካብ ሃገር ርሒቕካ ምንባር ዘሎ እኳ እንተኾነ ካብ ሥርዓት ምውጻእ ግን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ሰባት ድኽመቶምን ናይ ውሽጢ ስምዒቶምን ድጉል ክሕደቶምን ኣብ ደገ ምስ ወጹ እዩ ዝጋለጽ። ናይ ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ናይ ክሕደቶም ዝኾኑ ወደባት ድማ ሥርዓት ምፍራስ ሥልጣኔን ዘመናውነትን መሲሉ ዝረኣዮም መንነቶም ዝጠፍኦም ሰባት እዮም። ብምንም ዓይነት ኩነታት ኣብ ዝኾነ ቦታ ኴንካ ንሥርዓት ምዄቧርን ምእዛዝን ግን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ለዚ ሰበይቲ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ናብ መቕደስ ኣይትእቶ” ዝብል ትእዛዝ ኣበው ከነኽብር ይግባእ።
ሥርዓተ ቤተ ክርሰቲያን ብካልእ መንፈስ ምምልካት ግን ግቡእ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጊዜ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ዝንየት (ሕልመ ሌሊት) ዝበሃል ምኽንያት ኣለዎም። ስለዚ እዚ ሥርዓት ደቂ ኣንስትዮ ንምጭቋን ወይ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንምንእኣስ ኢሉ ዝተሰርዐ ብዘይ ምዃኑ ምስ መሰላት ጸታን ማዕርነትን ምንጽጻር ድማ ፓለቲከኛ እምበር ሃይማኖተኛ ክገብረና ኣይክእልን እዩ።
ምንጪ ሕይወተ ወራዙት (የወጣቶች ሕይወት) በዲያቆን ኅብረት የሺጥላ 1997 ኣዲስ ኣበባ
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
No comments:
Post a Comment