†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† †
ቶማስ
ዘመራስ ሓደ ካብቶም ብ 305 ዓ፣ም ዝነብሩ ዓበይቲ ቅዱሳን ሊቃውንት እዩ። እዞም ሊቃውንት እዚኣቶም
ብዝሖም 318 ኮይኑ ነዚ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን እንኣምኖ ሓቀኛን ቅንዑን ዝኾነ መጽሓፍና ሰመንያ ወ
ኣሓዱ /81/ ዝጸሓፉን ዝተርጎሙን ኢዮም ። ይኹን ደኣ እምበር እዚ መጽሓፍ ቅድሚ ምጽሓፉ ብዘመነ
ነገስታት ዲያቅላጢያኖስን መክሲሚያኖስን ዝበሃሉ ንክርስትያን ይቀትልዎምን የሳድድዎምን ቅዱሳን መጻሕፍት
የቃጽልዎ ነበሩ ። ኣብ ዓለም እውን ስም ክርስትያን ዝብሃል ንኽጠፍእ ተለዓሉ ነዛ መራሒኣ ጐይታና መድሓኒና
ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑት ቅንዕቲ ሃይማኖትና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ግን ከጥፍእዋ ኣይከኣሉን ። ካብ
ሕይወቶም ንላዕሊ ኣብሊጾም ዝርእይዎ ቅዱሳን ኣቦታት ካብ ዝኾነ ግፍዕን ማሕረድን ከይፈርሑ ኣብ
ኣረማውያን ሃገራት እንዳ ኸዱ ወንጌል ብምስባክ ንዓለም ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ቀየርዎ ።ገሊኦም
ብሴፍ ተሰይፎምላ ገሊኦም ብዳርባ እምኒ ተጨፍሊቆምላ ። ንዓና ነዞም ደቂ ግዜ ዘለና ከኣ ኣረኪቦምና።
ኣቦና ቶማስ ዘመርኣስ ከኣ ኣብ ግዜ እዞም ክልተ ጨካናት ነገስታት ዲያቅሊጢያንስን መክስምያኖስን ዝነበረ ብትብዓት ውንጌል ኣብ ዝስብክሉ ዝነበሩ ግዜ እዞም ኣርመናውያን ነገስታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናጋፍዑ ኣእተውዎ ን22 ዓመት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሰብነቱ ነንእሽቶ ስጋ እናቆረጹ ኣሳቀይዎ ኣእጋሩ በብቑሩብ ኩሉ ቆረጽዎ ግን ኣቦና ቶማስ ነዚ ኩሉ መከራ ብትብዓት ተጻወርዎ ።
ደሓር እዞም ዓላውያን ጨካናት ነገስታት ሓሊፎም መይቶም። ብድሕሪኦም ቆስጦንጢኖስ ዝብሃል ንጉስ ነገሰ ። ነቲ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ቅዱስ ዝኾነ መጽሓፍቲ ድማ ካብየ ቦትኡ ተሓቲሙ ከምዝዳሎ ተገብረ ።
ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ኣቦና ቶማስ ዘማር ኣስ ዋላውን ክልተ ኣእጋሩ ይቆረጽ እምበር ሕጂ’ውን ዓላውያን ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ኣድጊ ተጻዒኑ ንክሰብክ ከደ ።
ብትብዓት ቃል- ወንጌል ኣብ ዝሰብከሉ ዝነበረ እዋን እቶም ኣረመናውያን ሕጂ’ውን ክፍኣት ሃሰብሉ ከምዚ ድማ ተባሃሃሉ።
እወ ብሓቂ ብሓቂ ነዛ ጉንዲ ወይኒ ዝኾነት ቅንዕቲን ጥንታዊትን ቅድስትን ሃይማኖትና ክንደይ ቅዱሳን ተሰይፎምላን ተሓሪዶምላን እዮም ኣቦና ቶማስውን ኣብ መጨረሻ ብምስያፍ ሰማዕትነት ተቀበሉ ።
ንሕናኸ
ካብዚ ታሪኽ እንታይ ንምሃር ? ብእውነት ኣብ ግዜና ሃይማኖትና ከመይ ኣሎ ? እዞም ቅዱሳን
ኣቦታት ዘረከቡና ጥንታዊትና ቅድስትን ሃይማኖትና ብትብዓትን ብቅንዕናን ክንሕዛ ይግበዓና ።
ነዚ
ንክንገብር ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸተ ረድኤት ናይ ቅዱሳን መላእኽት ተራዳእነት ፡
ናይ ጻድቃን ሰማዕታት ምልጃን ጸሎትን ኣይፈለየና ። ከሙ ድማ በረከትን ረድ ኤትን ናይ ኣቦና
ቶማስ ዘመርኣስ ምስ ኩልና ይኹን።
No comments:
Post a Comment