Friday, 3 May 2013

<< ውእቱ ጾረ ሕማምነ / ንሱ ንሕማምና ጾሮ >>


በስመ  ኣብ ወወልድ  ወመንፈስ  ቅዱስ  ኣሓዱ  ኣምላክ  ኣሜን!!

እቲ  ብባህርዩ ፍቅሪ  ርኅሩሕኅ፡ ብተግባሩ  ድማ ፈቃር፡ ዝኮነ  ኣምላክናን  መድሓኒናን  ኢየሱስ  ክርስቶስ፡ በዚ ግዜ'ዚ  ስሌና ስለ ጸላእቱ ዝነበርና ደቂ ሰባት ዝፈጸሞ ብሰብ ክብጻሕን ክሕለንን ዘይክእል ፍጹም ፍቅሪ እዩ ኔይሩ፡ከመይ  ጐይታ  ናዓና ኢሉ ዝወዓሎ  ውዕለት  ብዙሕ  ኢዩ። ንሱ ንዓና  ሓሲሩ ኣክበረና፡ ተገሪፉ  ግርፋትና  ቀንጠጠልና፡ ቆሲሉ ንቁስልና ፈወሶ፡ እናዳ ጸላእናዮ  ዘፍቀረና፡ ፍቅርና  ዝሰሓቦ  ኣምላክ ,, ፍቅርሰ  ሰሓቦ  ለወልድ  ወኣብጽሖ  እስከ  ኣውድ ሰቀልዎ  ኣይሁድ ወቀበርዎ ውስተ  ኣጸድ,,,  ኢሉ  ከምዝደረሶ  ኣቦና  ቅዱስ  ጊዎርጊስ  ዘጋሽጫ ኣብ   ሰዓታት ኩሎሙ  ዝተብህለ  መጽሕፉ፣ እዚ ማለት  ፍቅርና ንወልድ  ካብ  ሰማያት  ሰሓቦ፡ ክሳብ  እቲ ናይ  ቀራንዮ  ኣደባባይ ኣብጽሖ፡ ኣይሁድ ሰቀልዎ፡  ኣብ  ኣጸድ ድማ ቀበርዎ  ማለት እዩ። 1ይዮው 4፡10/ ዮው 3፡16


እወ  ነቲ ኹሉ ዚሕዝ ሓዝዎ። ማቴ 26፡47-57 / ማር 14፡43-45 / ሉቃ22፡47-53/
ነቲ  ገዛኢ ኹሉ ኣሰርዎ፡ ነቲ ህያው  ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ።  [ነቲ እሱር  በርባን ፈቲሖም ንጎይታ  ኣሰርዎ ሉቃ23፡20-25]

ንሳቶ  ብቍጥዓ ጐተትዎ፡ ንሱ ግና  ብፍቕሪ ሰዓቦም፡
ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቐዝቱ ዘይዛረብ ሕያዋይ በጊዕ ደድሕሪኦም  እናሰዓበ ከሎ ወሰድዎ። [ት፣ኢሳ 53፡7]

ነቲ ሊቃነ መላእኽቲ ብፍርሃትን ብርዓድን ዚቖምሉን ዘመስግንዎን  ኣብ መጋባእያ ደው ኣበልዎ።[ ት.ኢሳ 6፡1-3 ራእ 4፡8 ]
ነቲ ሓዳግ ሓጢኣት ሓጥእ  በልዎ። [መዝ 103፡3 / ማር 2፡7/ ት ኢሳ 43፡25 ]
ነቲ ኣብ  ልዕሊ መኳንንት ዚፈርድ ፈረድዎ። [ማቴ 26፡57 -68]
ነቲ ንሱራፌል ዘውዲ ዝደፍኣሎም ኣኽሊል  እሾዅ ደፍእሉ። [ማቴ 27፡29]
ነቲ ንኪሩቤል ግርማ ዜልብሶም ንላግጺ ቐይሕ ግምጃ ኣልበስዎ።[ማቴ 27፡28]
ነቲ ኪሩቤል በኽናፍ ሓዊ ተሸፊኖም ዚኽወሉሉ ንእኡ እኩይ  ባርያ ኢዱ ኣትሪሩ ገጹ ጸፍዖ።
ነቲ ሰራዊተ መላእኽቲ ብዓብይ  ስምባደ ዚሰግድሉ፡ እና ኣሽካዕለሉ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኹ።

ኣየ ! ኸምዚ ዝበለ ትሕትና  ከመይ  ዝበለ ትሕትና እዩ።
ከምዚ  ዝበለ ትዕግስቲኸ ኸመይ ዝበለ ትዕግስቲ እዩ።
ከምዚ  ዝበለ  ዓቕሊኸ  ከመይ ዝበለ ዓቕሊ እዩ።

ኣየ! ከምዚ ዝበለ ሕያውነትከ  ከመይ  ዝበለ ሕያውነት እዩ።
ኣየ ፍቕሪ ! ክሳብ ክንድዚ ዚኣክል ንሰብ ምፍቃር !
ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ፡ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ።
ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ።
ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ምስ ገበነኛታት ቆጸርዎ።

ኣየ! እተን  ን ኣዳም ዝፈጥራ ኣእዳው ብሽንካር ኣብ መስቀል ተሸንከራ።
ኣየ! እተን ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ብመስማር ኣብ መስቀል ተሰመራ።
ኣየ! እቲ  ን ኣዳም መንፈስን ሂይወትን ኡፍ ዝበለሉ ኣፍ፡ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ ሰተየ። ዘፍ 2፡7/ ዮው 19፡28-30
ኣየ! ናይ  ወልድ መከራኡ ኪዛረብ ዚኽእል፡ ኣየናይ ልሳን፡ ኣየናይ ከናፍር፡ ኣየናይ ኣፍ እዩ!!!!

ናይ ፍቁር ወልዲ መከራ ኪንገር ከሎ፡
ልቢ ይኸፍል፡
ሕልና ይዓርብ፡
ነፍሲ ትርዕድ፡
ስጋ  ይደክም፡
ዘይመውት ሞተ፡
ንሞት ክስዕሮ ሞተ፡
ንምውታት ኬሕውዮም ሞተ።

 ብክይዎ  ወላሕውዎ እለ ታፈቅርዎ።
ኣንቱም እተፍቅርዎ ብኸይሉን ሕዘንሉን።

No comments:

Post a Comment