Friday, 3 May 2013

፯ቱ ቃላተ መስቀልን /ንሕናን/

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን††
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ዓርቢ ኣብ መስቀል ንና ንሙሕቃፍ ዘርለንመስቀል

1.''ኣቦይ ይቕረ በለሎም'' ኢሉ ስለ ጸላእቱ ለሚኑ።/ሉቃ 23፡34/። እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ነዓና ኣርኣያ ንምኳን እዩ። ብሓቒ ንሕናስ ሎሚ ንግብሮ ንፈልጥ ዲና? እቲ ዘይምፍላጥ ክሳብ ዘይተኣልየ እንደልዮ ሰላምን፣ ሓጉስን ክንረክቦ ኣይንክእልን ኢና። ሽንኳይዶ በዲልናስ እንተበዲልና’ውን ይቅሬታ ክንሓትት ይግባእ። ቂምን በቀልን ገዲፍና ክርስቶስ ከም ዘስተምሃረና ይቅሬታ ንበሃሃል እንድሪ ኮይና።  ዘመና ናይ ሰላምን ሓጎስን ኢዩ ዝኮነልና። እንተዘይ ኮይኑ ግን ቂም፣  ቂምታ ወሊዱ ትርፉ ሰላም ቅሳነት  ምስኣን እዩ።

2.''ጸማእኩ''ኢሉ።/ዮሃ፡26-29/ማይ ኣብ ዝጸማሉ ግዜ ጸማእኩ በለ ኣይሁድ ድማ መሪር 'ሓሞት' ሃብዎ። ሎም’ውን  ክርስቶስ ካብ ሰባት ናይ ጽድቂ ማይ፡ ናይ ንስሓ ንብዓት ጸሚኡ ኣሎ። ዘቅረብናሉ ኩሉ ከም ‘’ሓሞት’’ መሪር ኮይኑዎ። ብሓጢኣት ዝመረረ ሕይወትና ንክርስቶስ  ኣየዕገቦን።
 ስለዚ ብቃሉ ጨውነት ዝጠዓመ ሕይወት ይሃልወና።


3.''ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትህሉ ኢኻ'' ኢልዎ ብየማኑ ንዝተሰቅለ ሽፍታ።/ሉቃ 23፡43/። ብጸጋም  ዝተሰቅለ ሽፍታ ብመከራ ተታሒዙ እንከሎ፡ ኣብተን ዝተዋህበኦ ደቃይቅ ንስሓ ምእታው ኣይከኣለን። ብየማን ዝተሰቅለ ግን  ‘’ኦ ታይታይ ኣብ መንግስትካ ዘክረኒ  ኣብ ዝበለሉ ግዜ፣’’ ኣዳም ኣብ ዝተሰጎጎሉ ገነት።፡ ሎሚ ኣብ ገነት ክቱ ኢካ፡ ብሓቂ ንስካ  ምሳይ ክትነብር ኢኻ ተባሂሉ። ንሕናከ  ምስ መኒኦም ወገን ኢና? ብየማን ዲና ወይስ ብጸገም? ሎሚ መብዛሕቲና  ብጸጋም  ዝተሰቅለ ሽፍታ ንመስል። ብንስሓ ዝተዳለወ ልቢ የብልናን።  ክሳብ ዕለተ ሞትና ዝተዋሃበና ግዜ ከይተጠቐምናሉ፡ ብሞት ተታሒዝና፡ ብዓለባ ተጠቅሊልና ናብ መቃብር ንወርድ። ብነፍስና’ውን ብኣጋንንቲ ተታሒዝና  ብጸልማት ተጠቕሊልና  ናብ ሲኦል ንወርድ። ስለዚ ብየማን ዝተሰቅለ  ሽፍታ ንስሓ ዝኣቱ ልቢ፡ ኣብ መንግስትካ ዘክሪኑ ዝብል ልሳን ይሃልወና። ሎሚ ናብታ ምድራዊት ገነት ናብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን  ንእቶ፡ ኣብ መስቀል ዝተቆረሰ ስጋኡ ንብላዕ፡ ድሙ’ውን ንስተ ነፍስናውን ዕረፍቲ ክትረክብ ኢያ።

4.''ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ  ሰበቅታኒ'' (ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሐደግካኒ)ማቴ27፡46። ይታናን መድሓኒናን ኢየሱስስ ክርስቶስ/ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሐደግካኒ/ ምባሉ ናይ ፍጡራን  ስጋ  ምልባሱ  ንመልክት እዩ። ከም’ኡ ውን  ብመከራናን፡ ጸበባናን፡ ሽግርናን  ግዜ  ኣምላኸይ ኣምላከይ ንምንታይ ሓደግካኒ ኢልና ክንልምን ከም ዘሎና ኣርኣያ ኽኮነና ስለ ዝደለየ እዩ። ስለዚ  ካብዚ ትምህርቲ እዚ ወሲድና  ኣብ መከራ  ነፍስ፡ መከራ ስጋ ኣብ እንወድቀሉ  ግዜ  ኣምላኸይ ኣምላከይ ኣይትፈለየኒ ኣይትሕደገኒ  መሓረኒ ተስሓለኒ ክንብል ይግባኣና።

5.''እንሆ ወድኪ እንሃ ኣዴኻ'' /ዮሃ 19፡26-27/ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶ ኣብ ኣብ መልዕልተ መስቀል  እንከሎ፡ ካብ ፍጥራታት ኵሉ ኣብሊጹ ዝፍቅራ  ንቅድስት ድንግል  ማርያም፡ነቲ ካብ  ደቂ  መዛሙርቱ  ኣብሊጹ ዝፈትዎ የውሃንስ እንዳ ረኣየ <<እንሆ ወድኪ>> በላ። ነዲኡ  እንዳ ረኣየ ከኣ <<እንሃ ኣዴ>> በሎ። 
ኣብ ማቴ20፡20 ከም ዝተቅሰ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ናይ ስጋ  ኣዴኡ ልመና  ኣይትፈልጥን፡ እዚ ስለ  ዝኮነት ድማ እያ  ንደቃ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ  ከንብሮም’የ ብምባል  ሞት ክትልምነሎም ዝተራእየት፡ ነዚ ድማ እዩ ጐይታ ኢየሱስ  ነታ ናይ ምስጢር  ኣደ ርኅርኅተ ሕና ድንግል ማርያም ብዮውሃን ስም ምክንያት ንኩላትና መንፈሳዊት  ኣደ ንክትኮነና  ዝተዋህበትና። ሎሚ’ውን እንተኮነ ናይ ድንግል ማርያም ‘’ወዳ’’ ዝከንው ከም ዮውሃንስ  ጏይታ  ተዎን ዝመረጾን ጥራይ እዩ። ድንግል ማርያም  ኣዴና ኣይኮነትን ታራ ሰብ ከማና እያ  ንብል  እንድህሪ ደኣ ኮይና  ዝጎድለና ነዓና እንበር ንዓኣ ከመ ኢምንት/ከም ወለሓንቲ  ኢዩ። ንዓኣ እሞ ሰማይን ምድርን ዘፈጠረ ኣደ ክርስቶስ ምኳና እኩል ኣዩ።

6,"ኦ ኣቦይ ነፍሰይ ናባኻ የማዕቁብ ኣለኹ''ሉቃ27፡46 ቅድሚኡ ዝነበረ ዘመናት ነፍሲ  ኣብ ኢድ ኣጋንንት ኢያ እትርከብ ዝነበረ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር ግን ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር  ምኳና ንክረድአና እዩ። ነዚ እዩ ሓዋርያ  ቅዱስ ጳውሎስ ነፍስኩም ኣብቲ ዝተኣመነ ጐይታ የዕርፉ ክብል  ዝጸሓፈልና፡ ሎሚ ግን ካብ ሕጊ እግዚኣብሔ እንዳ  መጻእና ነፍስና ኣብ ኢድ ዲያብሎስ እንዳ ኣረከብና እንርከብ ብዙሓት ኢና፡ ስለዚ ውዕለት ናይ ቀራንዮ  እንዳ ዘከርና ነፍስና ናብ እግዚኣብሔር ነማዕቁባ።

7. "ተፈጸመ" ዮው19፡30። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ  እቲ ድሕነት ኣብ መስቀል ተፈጸመ፡ እቲ ንድሕነትና ዝተነግረ ተስፋ ትንቢት ተፈጸመ፡ እቲ ክርስቶስ ክከፍለልና ዘለዎ ዋጋ ተፈጸመ፡ እቲ ናይ ሲኦል ሓይልን ናይ መናፍስት ስልጣንን ተፈጸመ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት፡ መከራ የለን ማለቱ እዩ።1ቆሮ 15:54,
 


ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር !

No comments:

Post a Comment