†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ኣሜን †† †
ወደየ! ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣጽንዓዮ፡ ንሕግታቱ እውን ኵሉ ጊዜ ኣሰላስሎ። ነኣእምሮ ርድኢት ዝህቦ ንሱ እዩ፣ እቲ ዘሎካ ሃረርታ ጥበብ ከኣ ምልኣት ክረክብ እዩ።ሲራ 6፡37
ወደየ! ንትምህርተይ
ኣይትረስዓዮ፡ ንትእዛዛተይ እውን ዘኽሮ፡ እዚ ነዊሕ ዕድመ ክህበካ እዩ፡ ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ
ኣይፈለያ፡ ኣብ ኽሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብካ ጸሓፈን፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምልኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ
ስምን ክትረክብ ኢኻ።
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ
ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ ተግባርኻ ንእግዚኣብሄር ሕሰብ፡ ንሱ ኻኣ ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ኼርእየካ
እዩ። ''እፈልጥ እየ'' ኢልካ ኣይትጀሃር፡ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፡ ካብ ኽፉእ ከኣ ረሓቕ። እዚ
ንስጋካ ፈውሲ፡ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪኾነካ እዩ።
ካብ ጥሪትካን ካብ ኵሉ በዅሪ ፍርያትካን ንእግዚኣብሄር ሞባእ ኣቕሪብካ ኣኽብሮ። ሽዑ ቆፎታትኻ እክሊ ኽመልእ መጽሞቍኻ ኸኣ ብኼልዒ ወይኒ ቕጽጽ ኪብል እዩ። ምሳ 3፡1-10
ወደየ! ንቓላተይ ዘክሮ፡ ንትእዛዘይውን ከቶ ኣይትረስዓዮ። ንትእዛዛይ ሓልዎ እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢካ። ንሕገይ ውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ። ኵሉ ሳዕ ምሳኻ ሓዞ፣ ኣብ ሳሌዳ ልብኻ ጸሓፎ። ንጥበብ ''ሓብተይ ኢኪ በላ'' ንምስትውዓል ''እምንቲ ፈታዊተይ ኢኪ'' በላ ንሳተን ከኣ ኻብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ መስሓቲ ቓላት እትዛረብ ጓል ሰበይቲ ኺባልሃኻ እየን። ምሳ 7፡1-5
ወደየ!
ስማዕ፡ ቃላተይ ድማ ተቀበል። ዓመታት ዕድሜኻ ውን ኪበዝሕ እዩ። ጥበብ መሃርኹካ፡ ብመንገዲ ቅንዕና
ክትከይድ መራሕኩካ። ብጥበብ ክትምራሕ ከሎኻ፡ ንስጕምታኻ ከዕግቶ ዝክእል የልቦን፡ ክትጎዪ እንኸሎካ ውን
ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ። ትግሳጽ ሕይወትካ እያ እሞ ሓዛ፡ ኣይትሕደጋ ከምኡ ውን ሓልዋ። ኣብነት ሓጥኣን
ኣይትከተል። ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብ ኣ ረሓቅ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ኣልግሰላ ኽንየዋ
ኺድ። ምሳ 4፡10-15
ወደየ! ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውልድ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቅሮም ይቐጽዖም እዩ እሞ፡ እንተ ቐጽዓካ ኣይተምር፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይትንዓቕ።
ምሳሌ 3፡1-12
ወደየ! ናብቲ ኣነ ዝብለካ ኣቕልብ፡ ጽን ኢልካ ከኣ ስምዓኒ። ንቓላተይ ኻባኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ
ልብኻ ድማ ዕቖረን።ንሳተን ንዝተቐበለን ሕይወትን ጥዕናን ይህባኦ። ሕይወት ካብ ኣእምሮ እያ እትፍልፍል እሞ
ልዕሊ ኹሉ ንኣእምሮኻ ሓልዎ። ሓቂ ንዘይኮነ ነገር ኩሉ ኻባኻ ደርብዮ ንሕሶትን ምትላልን ካባኻ ኣርሕቆ።
ኣዕይንትኻ ቐኒዐን ይርኣያ ቄላሕታካ'ውን ንቅድሚት ይጠምት። ንዕዮኻ መደብ ግበረሉ፡ እትገብሮ ዘበለ ኵሉ
ኸኣ ኺቀንዓካ እዩ። ንየማን ንጸጋም ኣይተልግስ፣ ካብ ኽፍኣት ረሓቕ፣ ብመንገዲ ቕንዕና ተማላለስ። ምሳ 4፡20-27
ወደየ! ካብ ዝሙት ረሓቕ፡ ወደየ ንትእዛዝ ኣቦካ ሓልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ከኣ ኣይትሕደጎ። ኵሉ ግዜ ኣብ
ልብካ ዕቖሮ፡ ካባኻ ኣይትፍለዮ። ንሱ ኽትከይድ ከሎኻ ይመርሓካ; ክትድቅስ ከሎካ ይሕልወካ፡ ምስ
ነቃሕኻ ከኣ ይመርሓኻ።
ትእዛዝ ወለዲ መብራሕቲ እዩ፡ ተግሳጾም ከኣ ብርሃን እዩ፣ እቲ ዝህብዎ መኣረምታ ድማ መንገዲ ሕይወት እዩ።
ምሳ 6፡20-24
ወድየ!ካብ
ንእስነትካ ኣትሒዝካ ስነ ስርዓት ፍቶ፡ ምስ ሸየብካ ጌና ጥበብ ኽትረክብ ኢካ።ከምቲ ዚሓርስን
ዚዘርእን ጻዕራም ሓረስታይ ዀንካ ''ንጥበብ'' ድለያ፣ ጽቡቕ ትምህርቲ ከተፍርየልካ ከኣ ተጸበያ፡
ንቝሩብ ጊዜ ጻዕሪ ከድልየካ እዩ፡ ደሓር ግን ቀልጢፍካ ካብ ፍሬኣ ኽትበልዕ ኢካ። ንዘይተማህረ ሰብ ጥበብ
ኣዝያ ጨካን እያ እትመስል፣ ድኹም ምስኣ ኣይነብርን እዩ። ንሳ ንኽትፍትኖ፡ ከም ሓደ ከቢድ እምኒ ሓይሊ፡
ክትጽዕኖ እያ።ንሱ ከኣ ከይደንጎ ኪድርብያ እዩ ።
ከመይ ጥበብ ከም ስማ እያ። ንብዙሓት ድማ ግልጺ ኣይኮነትን።
ኣታ
ወደይ! ስምዓኒ፣ ተግሳጸይ ተቐበል; ንማዕዳይ ከኣ ኣይትንጸጎ። ንእግርኻ ብመቕሕ ጥበብ እሰሮ፣
ነርዑታ ኸኣ ኣብ ኽሳድኻ ጸዓኖ።ሓንጊርካያ ኪድ ምቝሕ በርቲዑ ኢልካ ኣይተዕገርግር። ብዅልንታኻ ንጥበብ
ሰዓባ፣ ብዘሎካ ሓይሊ ድማ ንትእዛዛታ ሓልዎ። ሃሰስ በላ ከምኡ እውን ድለያ፡ ባዕላ ክትግለጸልኻ እያ፣
ምስ ሓዝካያ ከኣ ኣይትፈንዋ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ጥበብ እትህቦ ዕረፍቲ ኽትረኽቦ ኢኻ፡ ኣብ ሓጎስ ከኣ
ክትልወጠልካ እያ። ሽዑ እቲ ማቃውሓ ጽኑዕ ዕርዲ ኪኾነካ እዩ። ኣርዑታ ድማ ኽዳን ኽብሪ ኪኾነካ እዩ።
እወ ኣርዑታ ወርቃዊ ጌጽ፣ መቓውሓ ኸኣ ዕጣቕ ክብሪ ኪኾነካ እዩ።ንስኻ ኸኣ ከም ኪዳን ክብሪ ክትክደና ኣብ ርእስካ ከኣ ከም ኣኽሊል ሓጐስ ክትደፍኣ ኢካ።
ሲራ 6፡ 18- 32
ወደየ!
ንጥበብን ፍልጠትን ተጠንቂቕካ ሓዘን፡ ነዚኣን ካባኻ ኣይትፍለየን። ንሳተን ሕይወት ኪህባኻ እየን።
ንኽሳድካ ከኣ ስልማት ኪኾናኻ እየን። ሽዑ ሃዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ;;
ኣብ ድቓስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ ድቃስካውን ጥዑም ኪኸውን እዩ። በቲ ሃንደበት ዝመጽእ መዓት ኣይትሰንብድ፣
በቲ ንሓጥኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር። እግዚኣብሄር ኪሕልወካ እዩ፣ ብመፈንጠራ ኽትተሓዝ ከኣ
ኣይሓድገካን እዩ። ዝከኣለካ እንተ ኾይኑስ ነቲ ዝግበኦ ሰብ ሰናይ ግበረሉ።
ዝወሃብ ከሎካስ፣ ንብጻይካ ''ኪድ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ'' ኣይትበሎ። ብጻይካ ኣሚኑ ምስካ
ኽነብር እንከሎ ኣይትተናኾሎ። ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ። ምሳ 3፡21-30
ወደየ! ድላይ እንተ ደኣ ኣልዩካ፣ ክትምሃር ኢኻ፡ እንተ ደኣ ጺዒርካ ኸኣ ፣ በሊሕ ኽትከውን ኢኻ።
ምስማዕ እንተ ዳኣ ትፈቱ ኼንዃ፡ ፍልጠት ኽትድልብ ኢኻ፣ ንኽትሰምዕ ጽን እንተዳኣ ኢላካውን ጥበበኛ ክትከውን ኢኻ። ናብቲ ዓበይቲ ዝእከብሉ ቦታ ኪድ፣ ነቲ ፈላጥ ኣለልዮ፣ ምሱ ከኣ ልገብ።
መንፈሳውያን ሰባት ኪዛረቢ ኸለዉ ጽን ኢልኻ ንምስማዕ ድልዊ ኹን፡ እተን ጥበብ ዝሓዘላ ምስላታት ከኣ ኣይምለቓኻ።
በሊሕ ኣእሮ ዘለዎ ሰብ እንተ ርኢካ፡ ኣንጊሕካ ብጽሓዮ። ኣእጋርካ ድማ ንገዝኡ መንገዲ ጻጻ የውጽኣሉ።
ሲራ 6፡32-36
ሲራ 6፡32-36
+ወደየ+
ሓጢኣት ንድሕሪት ደርቢኻ ናብ እግዚኣብሄር ተመለስ። ኣብ ቅድሚኡ ጸሊ፣ ካብ ምብዳሉ ኸኣ ተቖጠብ።
ካብ ሓጢኣት ረሓቕ፡ ናብ ኣዝዩ ልዕል ዝኾነ ኣምላኽ ድማ ተመለስ። ንሱ ካብ ጸልማት ኣውጺኡ፣ ናብ ናይ ሕይወት ብርሃን ኪመርሓካ እዩ። ንስኻ ከኣ ንርኽሰት ኣዚኻ ተጸየፎ።
እዞም
ብሕይወት ዘለዉ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ኺዝምሩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣብ ዓዲ ምውታት ዘለዉ
ግና፣ ኬመስግንዎ ኣይኽእሉን እዮም። ሓደ ብሕይወት ዘሎ ጥዑይ ዝኾነ ሰብ፡ መዝሙር ምስጋና ንእግዚኣብሄር
ኪዝምር ይኽእል እዩ። እቲ ብሕይወት ዘየሎ ዝሞተ ግና ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ኣቝሪጹ እዩ።
እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ኡ ዝምለሱ ይቕረ ይብለሎም፣ ኣረ ምሕረቱ ኽሳብ ክንደይ ዓቢ እዩ!!
ኣታ ወደይ ! ዝገበርካዮ ሓጢኣት ዶ ኣሎካ?
ኣይትድገሞ!
በቲ ቕድም ዝገበርካዮ ሓጢኣት ድማ ምሕረት ከትረክብ ጸሊ፣ ካብ ተመን ከም እትሃድም ካብ ሓጢኣት ድማ ህደም::
ከመይ ንሓጢኣት እንተ ደኣ ቐሪብካያ ኽትነኽሰካ እያ፣ ኣስናና ድማ ብዙሓት ሰባት ዘጥፍአ: ኸም ኣስናን ኣንበሳ እየን፣ሕጊ ምፍራስ ዘበለ ኩሉ ዘይሓዊ ቝስሊ እዩ::
ከምቲ ብኽልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝተወቕዐ ፈውሲ ዘይብሉ ቝስሊ እዩ::
ሲራ 21:1-4
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር !
No comments:
Post a Comment