Wednesday, 26 December 2012

2006 OR 2015?!?!?!

    ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
ዓውደ ዝብል ቃል ካብ ዖደ ; ዞረ፣ ከበበ ካብ ዝብል ግሲ ዝተወሰደ ኮይኑ፣ ዙር ዝብል ትርጉም ይሕዝ፣ ዓውደ ኣመት ማለት እምብኣር ናይ ዓመት ዙር ወይ ዑደት ማለት’ዪ።
ናይ ዕለታት ዑደት (ዓውደ ዕለታት) ካብ ዘፍጥረት ይጅምር፣ መዓልቲ ኮነ ለይቲ ኮነ ሓደ መዓልቲ፣ እናበለ ክሳብ 7 መዓልታት ይቆጽር። ቀጺልና ናብ /ዘፍ 6/ ምስ እንከይድ ድማ፣ ዓውደ ኣዋርሕ ይነግረና፣ ቀጺሉ መጽሓፈ ሄኖክ ድማ ዓውደ ኣመት ወይ ዑደተ ኣመት ይነግረና።


ናታና ሊቃውንት ዝኽተልዎ (እስመ ሌሊት ይስሕቦ ለመዓልት ዝብል እዩ) ምዓልቲ ውዒሉ ልኽዕ 00፣00 ኣብ ዝኾነሉ ካልኣይቲ መዓልቲ ይኸዉን ማለት እዩ፣ መበገሲኡ ድማ ዘፍጥረት እዩ። ጸልማት ነበረ ጸሓይ ይኹን ድማ በለ፥ ጽሓይ ድማ ኮነ፥ ይብል ስለዚ መጀመርታ ዝነበረ ጽልማት ምዃኑ ኻብዚ ክንርዳእ ንኽእል። ስለዚ እዩ መስከረም (1) ኢሉ ክእወጅ ከሎ፥ ጳቁሜን 5/6 ኮይኑ 12 ስዓት ሓሊፉ 00፣00 ወይ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ እዩ፣ ኣብ ቤተክርስቲያና ደወል ዝድወል ኣስርቆት ዝግበር። ስለዚ ናትና ቤተክርስቲያን እትክተሎ መሰረቱ መጽሐፍ ቅዱስ ድኣ እምበር ካብ እገለ ዝብል የብሉን። ከም ንኣብነት ሱሉብ ኢትዮጵያዊ  ብዓለ ሓምሳ መዓስ ከም ዝውዕል ፈሊጡ ክነግድ ዝኸደ በዚ ኣቆጻጸራ'ዚ እዩ። ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን ጾም፣ በዓላት፣ ዝኣትወሉ ክተሓዋወሶም ከሎ ሱባዔ እንዳ ኣተዉ በዓል የኽብሩ ነበሩ። ድሕሪኡ ግን ካብ ዕርገት ጎይታ (180) ዓመት ኣብ እስክንድያ ሊቀ ፓፓስ ኾይኑ ዘገልግል ዝነበረ ቅዱስ ድሜጥሮስ፣ ኣብ መበል 27 ዓመቱ መንፈስ ቅዱስ፣ መጽሓፈ ሃሳብ፣ ባሕረ ሃሳብ ገሊጽሉ፣ መዓልቱ ወርሑ ኣዝዩ ብዘደንቅ ኣገባብ ከምዚ ሎሚ ንጥቀመሉ ዘለና ጌሩ ደረሶ። ካልኦት ውን ከም ብዓል ኣቡ ሻህር፣ ግዮርጊስ ወልደ ኣሚድ ዝበሃሉ ውን ይርከብዎም።

Julian calender  
ናይ ጥንቲ ናይ ሮማ ኣቆጻጽራ ብዓል (10) ወርሒ እዩ ዝነበረ፣ ብዙሕ ዝጎደሎ ድማ ኔይሩ። ኣብታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግዝኣት ሮም ኮይና ናይ ሊቃውንት (ፍላስፋታት) መተኣኻከቢት ዝነበረት እስክንድርያ ብዙሓት መማሕራን ዝእከብሉን መጻሕፍት ዝትርጎመላን ዝነብረት ከተማ እያ።(ንኣብነት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ 200 ዓመት ናይ ብሉይ ኪዳን መጽሓፍት ናብ ጽርኢ ዝተተርጎሙ በዛ ከተማ እዚኣ እዩ ነይሩ)።

ስለዚ እዚ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ 46 ዓመት ጁልየስ ዝተባህለ ሰብ፣ ነቲ ኣዋርሕ ካብ 10 ወር ናብ 12 ወርሒ፡ መዓልታት ድማ 365 ገበሮ ብሽሙ ድማ ኽሳብ ሎሚ ጁልያን ካላንደር (Julian calender)ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ፍልስፍንኡ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ሚጠት ጸሓይ ሚጠተ ወርሕ (Solar Lunar Calander) እንብሎ ዝኽተል ኣይነበረን። ምክንያቱ ናቱ ከም እንፈልጦ ኣዋርሓቱ 28,29,30,31 እዩ ዝውድእ፣ ናይ ጸሓይ እንተ ኮይኑ ግን 30 ጥራሕ እዩ ኪከዉን ነይርዎ፣ ናይ ወርሒ እንተ ኮይኑ ድማ 29,30 እዩ ክኸውን ነይርዎ።
Gregorian calendar  
ጎርጎርዮስ (Gregory) ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኮይኑ። ናቱ ፍልስፍና ድማ ቅድሚኡ ዓመት 365 መዓልታት፣ ምስ 6 ሰዓት ዝብል ዝነበረ፣ እሱ ግን ኣይኮነን 365 መዓልታት 5 ሰዓትን፣ 46 ደቃይቅን፣ 48 ሰከንድን እዩ። ስለዚ እተን ተሪፈን ዘለዋ 15 ደቂቃን፣ 12 ሰከንድን ብግቡእ ኣይተጠቀምናለንን ኢሉ ደሚሩ ፍልልዩ ናይ 10 መዓልቲ ረከበ። ስለዚ እዛ 10 ምዓልቲ ብግቡእ ኣይተጠቀምናላን ኣባኺናያ ኢና ብምባል። ብኦም ኦክተበር (October) 5 ዝነበረ፣ 10 ምዓልታት ወሲኹ ኦክተበር (October) 15 ጌሩ ናይ ዓመት ምልዋጥ ናብ ጃንዋርዪ (January) ኣምጽኦ፣ እምበር መበገሲኡ ጁልያን እዩ።
ናይ 7 ዓመት ፍልልይ ዝመጸ ግን፣ ጎርጎርዮስ (Gregory) ቅድሚ ምትስኡ ቅድሚ 8 ዓመት እዩ። ምክንያቱ መበገሲኡ ድማ ምዕራባውያን ምንም እኳ 365 ምዓልቲ 12 ወርሒ ኢሎም ይቁጸሩ ድኣ እምበር፣ ዝቆጽርሉ ዝነበሩ ካብ ናይ ሮማ ምምስራት ጀሚሮም እዮም። ምዕራባውያን በዚ እንዳ ቆጸሩ ከለዉ ናይ ምብራቅ ዓለም ድማ፣ ካብ ጎይታ ልደት ጀሚሮም ክቆጽሩ ስለ ዝጀመሩ እሳቶም ብናይ ሮም ምምስራት ቆጺሮም 13 ክፍለ ዘመን ክበጽሑ ከለዉ ምብራቃውያን ድማ 6ይ ክፍለ ዘመን ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ንሕናስ ስለምንታይ ካብ ናይ ክርስቶስ ልደት ጀሚርና ዘይንቆጽር ዝብል ሕቶ ተላዕለ፣ እዚ ሕቶ ክምልስ ዝተዋህቦ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተፈልጠ ሊቅ ዝነበረ ድዮናስየስ ኤክሲጀስ እዩ። ድዮናስየስ ኤክሲጀስ (Dionysius Exiguous) ክርስቶስ ዝተወለደሉ ምዓልቲ ኣጻሪኻ ኣምጽእ ተባሂሉ (ናይ ምብራቃውያን ኣይንቅበልን ብምባል ማለት እዩ) እሱ ድማ እንታይ ኢሉ ኣምጽአ፣ ብጥንቲ ናይ ሮማ ኣቆጻጽራ 754(AUC) (ancient Europe calendar)  ኢሉ ኣምጽኣ፣ ስለዚ እታ ድዮናስየስ ኤክሲጀስ ክርስቶስ ተወሊድሉ ዝበሎ ካብቲ ምብራቃውያን ዝበልዎ ናይ (7) ዓመት ፍልልይ ኣምጺኡ ማለት እዩ። ንኣብነት ንሕና ንሓደ ህጻን 3 ዓመት ጌሩ እንተ ኢልና፣ ኣንባቢ ድማ ኣይኮነን 10 ዓመት እዩ ጌሩ እንተ ደኣ ኢልካ፣ ናይ 7 ዓመት ፍልልይ ጌርካ ኣለኻ ማለት እዩ። ከምኡ ድማ ምዕራባውያን ካብቲ ምብራቃውያን ዝበልዎ 7 ዓመት ስለ ዝቀደሙ ናይ (7) ዓመት ፍልልይ ጌይሩ ማለት እዩ።

ቀንዲ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ግን ዘከራክር ዘሎ፣ ናይ ክርስቶስ ልደት ካብ ኮነ፣ እሶም 7 ዓመት ቀዲሙ ካብ በሉ ንሕና ማለት /በቋጻጽራ ግእዝ/ 7 ዓመት ድሒሩ ካብ በልና፣ ናይ መን እዩ ሓቀኛ ዝብል ስለ ዝኮኑ እሱ ክንምልስ። ኣብ ዘመና ዘለዉ ብፍላይ ኣብ ዘመን ኣቋጻጽራ ዝሰርሑ ምዕራብ ዓለም ተመራመርቲ ድዮናስየስ ኤክሲጀስ (Dionysius Exiguous) ካብ 4 ዓመት ክሳብ 7 ዓመት ተጋግዩ (miscalculation ) እዩ ይብሉ። ከም ምሳሌ (Oxford Dictionary) ከምኡ ውን ከም ብዓል (John Barton, Professor of the Interpretation of the Holy Scripture at Oriel College, Oxford University,) ብዓቢኡ ውን Pope Benedict XVI ክንግንዘብ ንክእል።


ነዚ ዝበሉሉ ምክንያት ድማ ድዮናስየስ ክርስቶስ ዝተወለደሉ 754(AUC) እዩ ካብ በለ፣ ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ንቤተልሄም ዝገዝእ ዝነበረ ሄሮድስ ዝሞተ ድማ 750(AUC) እዩ። ስለዚ ንሱ ከም ዝበሎ ክርስቶስ ዝተወልደ 4 ዓመት ድሕሪ ሄሮድስ ሙማቱ እዩ ማለት እዩ። ክርስቶስ ዝተወለደ ድማ ሄሮድስ ኣብ ዝገዝኣሉ ብህይወት ኮሎ እዩ። ስለዚ እንተ ወሓደ ብዝተረጋገጸ መልክዑ ድዮናስየስ ኤክሲጀስ ብዉሑዱ 4 ዓመት ተጋግዩ ማለት እዩ። 
ካልኣይ ሕቶ ድማ ሄሮድስ ዝሞተ ክርስቶስ ምስ ተወለደ እዩ፣ ግን ሄሮድስ ዝሞተ ክርስቶስ ካብ ዝውለድ ኣብ ክንደይ ዓመቱ እዩ ዝብል እዩ መልሲ ዝሰኣንሉ። ስለዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ (Bible tradition)ትውፊት ይቅበሉ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሄሮድስ ዝሞተ ክርስቶስ ምስ ተወለደ ድሕሪ 3 ዓመትን ፈረቃን ሙኻኑ ይነግረና፣ ስለዚ 4 ዓመት፣ 3 ዓመትን ፈረቃን፣ ምስ እትውስከሉ 7 ዓመትን ፈረቃን ይኸዉን ስለዚ ድዮናስየስ ኤክሲጀስ (Dionysius Exiguous) ብ 7 ዓመትን ፈረቃን ተጋግዩ ማለት እዩ። ስለዚ ብተዛዋዋሪ መንገዲ እቲ ቅኑዕን ጥንታውን ሓቀኛን ኣቋጻጽራ ግእዝ እዩ።

ንምሉእ ሓበሬታ ስለ ናይ Pope Benedict XVI ኣብዚ link ብምጥዋቅ ክንምልከቶ ንኽእል።


 (TelegraphRome)


ወስብሐት ለአግዛብሔር  
ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር !!!


1 comment:

  1. amen kale hiwet yesmealna kab bzuhat megageyti wihudat medhanti ay fleyena
    amen

    ReplyDelete