†በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †
ሰብኣዊ (ስጋዊ) ኣካል ጸቢብ፡ ግዙፍ፡ ውሱን እዩ። ብመሰረት ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን፣ ናይ’ዞም ክልተ ኣካላት /መልኮታዊ ኣካል ስጋዊ ኣካልን/ ‘’ተዋሕደ’’ ናይ ኣካል ተዋሕዶ ይብሃል። እዚ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቱ ብምልኣትን ብስፍሓትና ብርቀትን ይምስክሩሉ እዮም።ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ኣብ ዝተገልጸሉ ግዜ ምስ ኣይሁድ ኣብ ዝተዛረበሉ ምዕራፍ፡ ‘’ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘለኹ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣልኹ’’ በሎም። ኣብዚ መልእክቲ እዚ ጐይታና ኢየሱክ ክርስቶስ ኣብርሃም ከይተወልደ ሕሉው ከም ዝኾነ እኳ እንተ ገለጸ፡ብስጋዊ ኣካል ካብ ዝግለጽ ግና ኃምሳ/50/ ዓመት ከምዘይ ኣቍጸረ ኣይሁድ መሊሶምዎ እዮም። እዚ ግና ስጋዊ ኣካል <<ምስ>> መለኮታዊ ኣካል ብምውሕሐዱ ፡ ሃብተ መልኮት ሃብቱ ገበረ ስጋዊ ኣካል፣ ‘’ኣብርሃም ከይተወልደ ኣነ ኣለኹ’’ በለ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንሰብኣ ቆሮንቶስ፡ ‘’እንተዝፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም’’ /1ይ ቆሮ 2፡8/ ኢልዎም ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ቀራንዮ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰ ጐይታ ክብሪ ዝኾነ እግዚኣብሄር ምስ ስጋ ፍጹም ከም ዝተወሐሐደ የረድኣና። ሊቀ ሓዋርያት ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ፣ ንኣይሁድ ኣብ ቤት መቅደስ ኣብ ዝገሰጸሉ ግዜ፡ ‘’ነቲ ወሃብ ሕይወት ቀተልክምዎ’’/ግረ 3፡14-15/ኢሉዎም ኣሎ። እዚ ከኣ ኣይሁድ ብኽፍኣት ዝቐተልዎ ወሃብ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ስጋ ዝተወሓሓደ መለኮት /ስግው ቃል/ ምዃኑ ይገልጸልና። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ ጐይታ ምስ ተገልጸሉ፣ ‘’ኣነ እቲ ቀዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ። መርኆ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ።’’ ብምባል መለኮቱ ክገልጽ ከሎ ‘’ሞይተውን ነበርከ፡’’ ኢሉ ድማ ምስ ስጋ ፍጹም ምውሕሓዱ ይምህራና። ‘ራእ,ዮው1፡18/
ናይ ባህርይ ተዋህዶ፦ ባህርይ ምንጪ ኣካል፡ ኣካል ግብሩ ዝፍጽመሉ መሣርሒ እዩ።ኣካል ብዘይ ባህርይ ኣይቀውምን፣ ባህርይ ከኣ ብዘይ ኣካል ኣይፍጸምን እዩ።ስለዚ ኣካልን ባህርይ ከም ሱርን ጕንድን ዘይፋላለዩ ግና ኸኣ ዘይተኻኽኡ እዮም። በዚ ምክንያት ኣዚ ድማ ኣካልን ባህርያዊ፡ ሕያወ ባህርይ ይብሃል እምበር፡ ባህርይ ኣይብሃልን።ባህርይውን ኣካላዊ፡ ፍጹም ኣካል ይብሃል እምበር ካልእ ኣይብሃልን እዩ።ነዚ ሓደ ኣብነት ወሲድና ከነናጻጽርን ንኽእል ኢና፣ሓዊ ኣካል ኣለዎ፡ ባህርውን ኣለዎ። ኣካሉ ኣብ ዕንጸይቲ ባል ባል ክብል ይረኣ፣ ባህሪኡ ከኣ ዋዒ፡ ደረቕነት፡ ብርሁነት እዩ።እዞም ባህርያት እዚኣቶም ህላዌኦም ክንፈልጥ እንኽእል፡እቲ ሓዊ ብምውዓዩ፡ ብምንዳዱ ፡ ብርሃን ብምርኣዩ፡ ኢና እምበር ባህርያት ከም ተገሊጾም ወይ ድማ ካብ ኣካል ተፈልዮም ርኢናዮም ማለት ኣይኮነን። መለኮታዊ ባህርይ ኣሎ፡ ስጋዊ /ሰብኣዊ/ ባህርይውን ኣሎ። መለኮታዊ ባሕርይ ፈጣርነት፡ ኵሉ ከኣልነት፡ ዘለዓለማውነት ፡ ዘይምልዋጥ፡ ዘይምስዓር፡ ዘይምጥማይ፡ ዘይምጽማእ፡ ዘይምሕማም፡ ዘይምማት እዩ።
ሀ, ምስክርነት ቅዱሳን መላእክት፦ መልኣከ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚኣብሄር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዝተላእከሉ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ እትጸንሶን እትወልዶን ወዲ፣ ‘’ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘላለም ክነግሥ፣ ንመንግሥቱ ከኣ መወዳእታ የብሉን ‘’ኢሉዋ።/ሉቃ,1፡33/ክትጸንስን ክትወልድን ምኽኣል ናይ ሰብ ባህርይ ኪኸውን ከሎ፡ ወናኒ መወዳእታ ዘይብሉ መንግስት ምኳን ድማ ናይ ኣምላኽነት (መለኮታዊ) ባህርይ እዩ።እዚ ብብስራት ቅዱስ ገብሪኤል፣ ክልቲኦም ባህርያት ከም ዝተወሓሓዱ ይነግረና። ካልእውን ልደት ጐይታና ንጓሶት ዘበሰረ ምልኣኽ፡’ ‘’እንሆ ሎሚ መድሓኒት ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ።’’ ኢሉዎም። //ሉቃ 2፡10//። እዚ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ብስጋ ዝተወልደ ወልደ ማርያም ባህርየ መለኮት ከም ዝተወሓሓደ የረደኣና። ቅዱስ ያሬድውን ብዛዕባ ቅዱሳን መላእኽት ኣብ ዝጠቐሰሉ ድርሳኑ። ‘’ወሶበ ርእዩ እግዚኦሙ ዘኣስተጋብኣ ኵሎ ፍጥረታተ እንዘይነብር ውስተ ሕፅንኪ ወዘይሰሲ ለኩሉ ፍጥረት ይጠቡ ሓሊበኪ ከመ ሕፃን፡ ኃሠሥዎ ውስተ ኣርያም ወበህየ ረከብዎ ምስለ ኣብሁ ወመንፈስ ቅዱስ ከመ ትካት’’ መላእኽቲ፡ ነቲ ንኩሎም ፍጥረታት ዝምግብ ጐይታ ኣብ ሕቝፊኪ ተቀሚጡ ከም ሕጻን ጸባ ጡብ ኪጠቡ ኣብ ዝረኣይሉ ግዜ፣ ኣብ ኣርያም (ሰማይ) ደለይዎ እሞ፡ከም ቀደሙ ምስ ኣቡን መንፈስ ቅዱስን ረኸብዎ።/ኣንቀጸ ብርሃን/ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዚተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ባህርይ ከም ዝኾነ መላእኽቲ ከምዚመስከሩሉ፣ እግዚኣብሄር ዝተገልጸሉ ዕፁብ ምስጢር ነጊሩና እዩ።
ለ, ምስክርነት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ፦’ ‘’ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መጸአ’’ዚተባህለሉ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ኵለን ስብከታቱ ጐይታናን ኣምላክናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ብህርይ ምኳኑ መስኪሩ እዩ። ንኣይሁድ፣ ‘’ኣነ ኸኣ ረኣኹ እሞ፣ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ መስከርኩ’’//ዮው 1፡34// ኢልዎም እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ እዚ ዝበለ ፡ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዚተጠመቀ ንእግዚኣብሄር ኣብ፣ ናይ ባህርይ ወዱ ባህርየ ስጋ ዚተወሐሓደ ምዃኑ ተረዲኡ እዩ። ብዘይካ እዚ ቅዱስ ዮሐንስ ቅድሚ ጐይታ ምጥማቁ፣. . . ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፣ ንስኻ’ዶ ናባይ ትመጽእ!’’ ኢሉ ናቱ ትሕትነት ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ብፍላይ ድማ ስጋ ንዝተወሓሓደ መለኮት ከጥምቕ ከም ዘይክእል ብትሕትና ተዛረበ። ኣቦታትና መለኮት ንዝተወሓሓደ ስጋ ንዘጥመቐ ቅዱስ ዮሐንስ ‘’ መጥምቐ መልኮት’’ ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂቦምዎ እዮም።
ሐ, ምስክርነት እግዚኣብሄር ኣብ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ብዛዕባ ናይ ባህርይ ወዱ ተዋሕዶ ክምስክር ከሎ፡ ‘’ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቱው ወደይ እዚ እዩ‘’ //ማቴ 3፡17// ብምባል፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ወልደ ማርያም፡ ወልደ ኣብ ብምዃኑ ተዛረበ። ኣብ ደብረ ታቦር ውን ነዚ ቃል እዚ ደጊምዎ ኣሎ።// ማቴ 17፡5//። ወልደ ኣብ፡ ወልደ ማርያም፡ ምኳኑ ዚመከረሉ ባዕሉ እግዚኣብሄር ኣብ እዩ። በዚ ምስክርነት እዚ፡ ወዲ ኣዳም ዝኾነ ወልደ ማርያም ብተዋሕዶ ስለዝ ዝከበረ ወልደ ኣብ ከም ዝተባህለ የረድአና።
መ, ምስክርነት ቅዱሳን ሓዋርያት፦ ጐይታ ኣብ ዝወዓሎ ዝወዓሉ፡ ኣብ ዝሓደሮ ድማ ዘሓደሩ ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ባህርይ ምዃኑ ብሰፊሑ መስኪሮም እዮም። ብዛዕባ ምስጢረ ስጋዌ ኣስፊሑ ዝጸሓፈ ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ መልእኽቱ፡ ‘’እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ ብኣዕይንትና ዝረኣናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና ዝረምሰሰኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቃል ሕይወት፡ ሕይወት ድማ ተገልጸት። እታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ ዚተገልጸት ናይ ዘለዓለም ሕይወት ርኢናያ ኢና እሞ፣ ንምስኽር፡ ንነግረኩምውን ኣሎና።’’ //1ይ ዮው 1፡1-2// ኢሉ ኣሎ። ቅዱስ ዮሐንስ፡ ዝረኣዮን፡ ዝጠመቶን ፡ ዝዳህሰሶን፡ ወልደ ማርያም እኳ እንተኾነ፡ ባህርየ መለኮት ስለዝተወሓሓደ ግና ‘’ቃል ሕይወት’’ ኢሉ ጸውዖ። ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ፡ ‘’ጸላእቱ እንከሎና፡ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቐና’’ // ሮሜ 5፡10// ኢሉና እዩ። እዚ ቃል እዚ ድማ ኣብ ቀራንዮ ቅዱስ ስጋኡ ዝቈረሰ፡ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰ ባህርየ ስጋ ባህርይኡ ዝገበረ፡ ወልደ እግዚኣብሄር የረጋግጸልና። እምበኣር ከስ እዚ እዩ ንምስጢረ ተዋሕዶ ‘’ተዋሕዶ’’ ዘብሎ ምስጢር።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር፠
‘’ተዋሕዶ’’ ዝብል ቃል ''ተዋሐደ ''ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወጸ ኾይኑ። ትርጕሙ ከኣ '' ካብ ክልተ ነገራት ፍጹም ሓደ ኮነ'' ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ፡''ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካላት ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ድማ ሓደ ባህርይ ብምኳን፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ተባሂሉ ብተዋሕዶ ከበረ' እዚ መበሊና ምኽንያት ድማ ቅዱሳን መጽሓፍትን፣ ቅዱሳን ሓዋርያትን ትምሕርቲ ዝገልጽ እዩ። ቅድሚ ተዋሕዶ ክልተ ኣካላት፡ ክልተ ባሕርይ ዝተባህሉ፡ መለኮታዊ ኣካልን ስጋዊ ኣካልን /ሰብኣዊ/፡ መለኮታዊ ባህርይን ስጋዊ (ሰብኣዊ) ባሕርይን እዮም።
ናይ ኣካል ተዋሕዶ፦''ኣካል'' ዝብል ቃል ንእግዚኣብሄርን ንሰብን ኽንገር ዝክእል ቃል እዩ። ንእግዚኣብሄር፡ ''ንኣብ /ነቦ/ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም መልክዕ፣ ፍጹም ኣካል ኣለዎ። ንወልድ /ኢየሱስ ክርስቶስ/ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም መልክዕ፣ ፍጹም ኣካል ኣለዎ። ንመንፈስ ቅዱስ / ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም መልክዕ፣ ፍጹም ኣካል ኣለዎ''። ተባሂሉ ይንገረሎም።
መለኮታዊ (ናይ እግዚኣብሄር ) ኣካል ሰፊሕ፡ ረቂቕ፡ ምሉእ እዩ።ናይ ሰብ ከኣ ኣካሉ ካብ ጸጉሪ ርእሱ፡ ክሳብ ጽፍሪ እግሩ ዘሎ እዩ። ነዚ ክገልጽ ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት፡ ‘’ወኣካልየኒ ወኢከመ ምንት በቅድሜከ፣ ኣካለይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ’’/መዝ 39፡5/ ይብል።
ሰብኣዊ (ስጋዊ) ኣካል ጸቢብ፡ ግዙፍ፡ ውሱን እዩ። ብመሰረት ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን፣ ናይ’ዞም ክልተ ኣካላት /መልኮታዊ ኣካል ስጋዊ ኣካልን/ ‘’ተዋሕደ’’ ናይ ኣካል ተዋሕዶ ይብሃል። እዚ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቱ ብምልኣትን ብስፍሓትና ብርቀትን ይምስክሩሉ እዮም።ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ኣብ ዝተገልጸሉ ግዜ ምስ ኣይሁድ ኣብ ዝተዛረበሉ ምዕራፍ፡ ‘’ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘለኹ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣልኹ’’ በሎም። ኣብዚ መልእክቲ እዚ ጐይታና ኢየሱክ ክርስቶስ ኣብርሃም ከይተወልደ ሕሉው ከም ዝኾነ እኳ እንተ ገለጸ፡ብስጋዊ ኣካል ካብ ዝግለጽ ግና ኃምሳ/50/ ዓመት ከምዘይ ኣቍጸረ ኣይሁድ መሊሶምዎ እዮም። እዚ ግና ስጋዊ ኣካል <<ምስ>> መለኮታዊ ኣካል ብምውሕሐዱ ፡ ሃብተ መልኮት ሃብቱ ገበረ ስጋዊ ኣካል፣ ‘’ኣብርሃም ከይተወልደ ኣነ ኣለኹ’’ በለ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንሰብኣ ቆሮንቶስ፡ ‘’እንተዝፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም’’ /1ይ ቆሮ 2፡8/ ኢልዎም ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ቀራንዮ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰ ጐይታ ክብሪ ዝኾነ እግዚኣብሄር ምስ ስጋ ፍጹም ከም ዝተወሐሐደ የረድኣና። ሊቀ ሓዋርያት ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ፣ ንኣይሁድ ኣብ ቤት መቅደስ ኣብ ዝገሰጸሉ ግዜ፡ ‘’ነቲ ወሃብ ሕይወት ቀተልክምዎ’’/ግረ 3፡14-15/ኢሉዎም ኣሎ። እዚ ከኣ ኣይሁድ ብኽፍኣት ዝቐተልዎ ወሃብ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ስጋ ዝተወሓሓደ መለኮት /ስግው ቃል/ ምዃኑ ይገልጸልና። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ ጐይታ ምስ ተገልጸሉ፣ ‘’ኣነ እቲ ቀዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ። መርኆ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ።’’ ብምባል መለኮቱ ክገልጽ ከሎ ‘’ሞይተውን ነበርከ፡’’ ኢሉ ድማ ምስ ስጋ ፍጹም ምውሕሓዱ ይምህራና። ‘ራእ,ዮው1፡18/
ሰልዚ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካላት ሓደ ኣካል ኮይኑ’’ ኢላ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ትኣምንን ተስተምህርን እዚ ድማ መሰረታ ክርስቶስ፡ ነደቅታ ድማ ሓዋርያትን ነብያትን ስለ ዝኮነ ጥራይ እዩ። ተዋህዶ መበሊኡ ምስጢር ድማ እዚ’ዩ።
ናይ ባህርይ ተዋህዶ፦ ባህርይ ምንጪ ኣካል፡ ኣካል ግብሩ ዝፍጽመሉ መሣርሒ እዩ።ኣካል ብዘይ ባህርይ ኣይቀውምን፣ ባህርይ ከኣ ብዘይ ኣካል ኣይፍጸምን እዩ።ስለዚ ኣካልን ባህርይ ከም ሱርን ጕንድን ዘይፋላለዩ ግና ኸኣ ዘይተኻኽኡ እዮም። በዚ ምክንያት ኣዚ ድማ ኣካልን ባህርያዊ፡ ሕያወ ባህርይ ይብሃል እምበር፡ ባህርይ ኣይብሃልን።ባህርይውን ኣካላዊ፡ ፍጹም ኣካል ይብሃል እምበር ካልእ ኣይብሃልን እዩ።ነዚ ሓደ ኣብነት ወሲድና ከነናጻጽርን ንኽእል ኢና፣ሓዊ ኣካል ኣለዎ፡ ባህርውን ኣለዎ። ኣካሉ ኣብ ዕንጸይቲ ባል ባል ክብል ይረኣ፣ ባህሪኡ ከኣ ዋዒ፡ ደረቕነት፡ ብርሁነት እዩ።እዞም ባህርያት እዚኣቶም ህላዌኦም ክንፈልጥ እንኽእል፡እቲ ሓዊ ብምውዓዩ፡ ብምንዳዱ ፡ ብርሃን ብምርኣዩ፡ ኢና እምበር ባህርያት ከም ተገሊጾም ወይ ድማ ካብ ኣካል ተፈልዮም ርኢናዮም ማለት ኣይኮነን። መለኮታዊ ባህርይ ኣሎ፡ ስጋዊ /ሰብኣዊ/ ባህርይውን ኣሎ። መለኮታዊ ባሕርይ ፈጣርነት፡ ኵሉ ከኣልነት፡ ዘለዓለማውነት ፡ ዘይምልዋጥ፡ ዘይምስዓር፡ ዘይምጥማይ፡ ዘይምጽማእ፡ ዘይምሕማም፡ ዘይምማት እዩ።
ሰብኣዊ /ሥጋዊ/ ባህርይ ድማ ምድካም ፡ ምስናፍ ፡ምጥማይ፡ ምጽማእ፡ ምሕማም፡ ሙማት ወቦ ዘተርፈ እዩ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስታያን ነዞም ናይ ክልተ ባህርይ ምውሕሓት፡ ናይ ባህሪ ‘’ተዋሕዶ’’ ኢላ ትጽውዖም። እዚ ድማ ካብ ጐታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳን ሓዋርያትን ሊቃንት ቤት ክርስትያንን ዝተማሕረቶ ንጹሕን መንቅብ ዘይብሉ ሓቀኛ ትምህቲ እዩ። ካብ ብዙሕ ብዉሑድ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምስክርነት ንምጥቃስ ዘኣኽል፦
፩.//ዮው 9፡1-10//
፪.//ማቴ 14፡24-33//
፫.//ዮው 2፡7-10//
ኣብዚ ዝተዘርዘረ ሰለስተ ጥቕሲታት እዚ፡ ነቲ ዓይነ ስዉር ዓይኑ ዘብርሃሉ፡ ብልዕሊ ባሕሪ ዝከደን (ማቴ 14፡24-33፡) ማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠን /ዮው 2፡7-10/መን እዩ። ‘’ስጋ ጥራይ ኢዩ ከይንብል’’ ስጋ ባዕሉ ባዕሉ ነዚ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ‘’መለኮት ጥራይ ኢዩ ከይንብል ድማ መለኮት ዝርአን ዝድህሰስን ግዙፍ ኣካል፡ ትፍጣፍ የብሉን፡ ክበልዕን ክሰትን እውን ኣብ ቤት መርዓ ብግዝፈት ኣይርከብን እዩ፡ ባህሪኡ ኣይኮነን፣ እንተኮነ ግና፡ ‘’ነዚ ተኣምር እዚ ቃል ማለት /ወልድ ኢየሱስ ክርስትቶስ/ ብዝተወሓሓዶ ስጋ እዩ ገይርዎ ንብል። ስለዚ ኢና ድማ ‘’እንቲኣሁ ለቃል ኮነ ለስጋ ውእንቲኣሁ ለስጋ ኮነ ለቃል’’ ሃብቲ መልኮት ናይ ስጋ ኮነ፣ ሃብቲ ስጋ ናይ መለኮት ኮነ ‘’ ንብል። እዚኣቶም ከምዚኣቶምን ዝኣምሰሉ ተኣምራት መልኮት ምስ ስጋ ፍጹም ከም ዝተወሃሃዱ ይነግሩና። እምበኣር ከስ ተዋሕዶ መበሊና ምስጢሩ እዚ እዩ።
ነዚ ዘደንቅም ምስጢር ‘’ተዋሕዶ’’ እዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣብ፡ ቅዱሳን መላእኽት፡ ቅዱስ ዮውሃንስ መጥምቕ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ሊቃውንተ ቤተ ክርስትያንን መስኪሮሙሉ እዮም። ነዚ ብህጽር ዝበለ ክንርእዮ ከሎና።
ሀ, ምስክርነት ቅዱሳን መላእክት፦ መልኣከ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚኣብሄር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዝተላእከሉ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ እትጸንሶን እትወልዶን ወዲ፣ ‘’ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘላለም ክነግሥ፣ ንመንግሥቱ ከኣ መወዳእታ የብሉን ‘’ኢሉዋ።/ሉቃ,1፡33/ክትጸንስን ክትወልድን ምኽኣል ናይ ሰብ ባህርይ ኪኸውን ከሎ፡ ወናኒ መወዳእታ ዘይብሉ መንግስት ምኳን ድማ ናይ ኣምላኽነት (መለኮታዊ) ባህርይ እዩ።እዚ ብብስራት ቅዱስ ገብሪኤል፣ ክልቲኦም ባህርያት ከም ዝተወሓሓዱ ይነግረና። ካልእውን ልደት ጐይታና ንጓሶት ዘበሰረ ምልኣኽ፡’ ‘’እንሆ ሎሚ መድሓኒት ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ።’’ ኢሉዎም። //ሉቃ 2፡10//። እዚ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ብስጋ ዝተወልደ ወልደ ማርያም ባህርየ መለኮት ከም ዝተወሓሓደ የረደኣና። ቅዱስ ያሬድውን ብዛዕባ ቅዱሳን መላእኽት ኣብ ዝጠቐሰሉ ድርሳኑ። ‘’ወሶበ ርእዩ እግዚኦሙ ዘኣስተጋብኣ ኵሎ ፍጥረታተ እንዘይነብር ውስተ ሕፅንኪ ወዘይሰሲ ለኩሉ ፍጥረት ይጠቡ ሓሊበኪ ከመ ሕፃን፡ ኃሠሥዎ ውስተ ኣርያም ወበህየ ረከብዎ ምስለ ኣብሁ ወመንፈስ ቅዱስ ከመ ትካት’’ መላእኽቲ፡ ነቲ ንኩሎም ፍጥረታት ዝምግብ ጐይታ ኣብ ሕቝፊኪ ተቀሚጡ ከም ሕጻን ጸባ ጡብ ኪጠቡ ኣብ ዝረኣይሉ ግዜ፣ ኣብ ኣርያም (ሰማይ) ደለይዎ እሞ፡ከም ቀደሙ ምስ ኣቡን መንፈስ ቅዱስን ረኸብዎ።/ኣንቀጸ ብርሃን/ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዚተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ባህርይ ከም ዝኾነ መላእኽቲ ከምዚመስከሩሉ፣ እግዚኣብሄር ዝተገልጸሉ ዕፁብ ምስጢር ነጊሩና እዩ።
ለ, ምስክርነት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ፦’ ‘’ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መጸአ’’ዚተባህለሉ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ኵለን ስብከታቱ ጐይታናን ኣምላክናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ብህርይ ምኳኑ መስኪሩ እዩ። ንኣይሁድ፣ ‘’ኣነ ኸኣ ረኣኹ እሞ፣ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ መስከርኩ’’//ዮው 1፡34// ኢልዎም እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ እዚ ዝበለ ፡ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዚተጠመቀ ንእግዚኣብሄር ኣብ፣ ናይ ባህርይ ወዱ ባህርየ ስጋ ዚተወሐሓደ ምዃኑ ተረዲኡ እዩ። ብዘይካ እዚ ቅዱስ ዮሐንስ ቅድሚ ጐይታ ምጥማቁ፣. . . ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፣ ንስኻ’ዶ ናባይ ትመጽእ!’’ ኢሉ ናቱ ትሕትነት ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ብፍላይ ድማ ስጋ ንዝተወሓሓደ መለኮት ከጥምቕ ከም ዘይክእል ብትሕትና ተዛረበ። ኣቦታትና መለኮት ንዝተወሓሓደ ስጋ ንዘጥመቐ ቅዱስ ዮሐንስ ‘’ መጥምቐ መልኮት’’ ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂቦምዎ እዮም።
ሐ, ምስክርነት እግዚኣብሄር ኣብ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ብዛዕባ ናይ ባህርይ ወዱ ተዋሕዶ ክምስክር ከሎ፡ ‘’ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቱው ወደይ እዚ እዩ‘’ //ማቴ 3፡17// ብምባል፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ወልደ ማርያም፡ ወልደ ኣብ ብምዃኑ ተዛረበ። ኣብ ደብረ ታቦር ውን ነዚ ቃል እዚ ደጊምዎ ኣሎ።// ማቴ 17፡5//። ወልደ ኣብ፡ ወልደ ማርያም፡ ምኳኑ ዚመከረሉ ባዕሉ እግዚኣብሄር ኣብ እዩ። በዚ ምስክርነት እዚ፡ ወዲ ኣዳም ዝኾነ ወልደ ማርያም ብተዋሕዶ ስለዝ ዝከበረ ወልደ ኣብ ከም ዝተባህለ የረድአና።
መ, ምስክርነት ቅዱሳን ሓዋርያት፦ ጐይታ ኣብ ዝወዓሎ ዝወዓሉ፡ ኣብ ዝሓደሮ ድማ ዘሓደሩ ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ባህርይ ምዃኑ ብሰፊሑ መስኪሮም እዮም። ብዛዕባ ምስጢረ ስጋዌ ኣስፊሑ ዝጸሓፈ ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ መልእኽቱ፡ ‘’እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ ብኣዕይንትና ዝረኣናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና ዝረምሰሰኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቃል ሕይወት፡ ሕይወት ድማ ተገልጸት። እታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ ዚተገልጸት ናይ ዘለዓለም ሕይወት ርኢናያ ኢና እሞ፣ ንምስኽር፡ ንነግረኩምውን ኣሎና።’’ //1ይ ዮው 1፡1-2// ኢሉ ኣሎ። ቅዱስ ዮሐንስ፡ ዝረኣዮን፡ ዝጠመቶን ፡ ዝዳህሰሶን፡ ወልደ ማርያም እኳ እንተኾነ፡ ባህርየ መለኮት ስለዝተወሓሓደ ግና ‘’ቃል ሕይወት’’ ኢሉ ጸውዖ። ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ፡ ‘’ጸላእቱ እንከሎና፡ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቐና’’ // ሮሜ 5፡10// ኢሉና እዩ። እዚ ቃል እዚ ድማ ኣብ ቀራንዮ ቅዱስ ስጋኡ ዝቈረሰ፡ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰ ባህርየ ስጋ ባህርይኡ ዝገበረ፡ ወልደ እግዚኣብሄር የረጋግጸልና። እምበኣር ከስ እዚ እዩ ንምስጢረ ተዋሕዶ ‘’ተዋሕዶ’’ ዘብሎ ምስጢር።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር፠
No comments:
Post a Comment