Saturday, 5 January 2013

ቃላ ቡራኬ ካብ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ቀዳማዊ (ብምክንያት በዓል ልደት)

በስመ አብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ አሐዱ አምላክ፡
  ኣሜን!!!

ሎሚ ብልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓቢይ ሓጐስ ኮነ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ክቡራን ሕዝበ እግዚአብሔር። ኣብ ሓለዋን ልምዓትን ናይ ሃገር ዘሎኹም። ብሕማም ዝተደነስኩምን፡ ኣብ ሆስፒታላት ደቂስኩም ዘሎኹምን፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝበ ክርስቲያን፡ እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብደሓነ ሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሐኩም። በዓል ሓጎስን፡ ተድላን፡ በዓል ፍቕርን ሰላምን፡ በዓል ሓድነትን ሥምረትን ይግበረልና።


ነዛ ዕለት እዚኣ ብዙኃት ነቢያትን ቅዱሳንን ክርእይዋ ተመነዩ ግናኸ ኣይረኣይዋን። ንዓና ግና ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚቱ፡ በደልናን ኣበሳናን ከይጸብጸበ፡ ናብዛ ቅድስት ዕለተ ልደት ክንሳተፍ ኣብቂዕና እዩ፡ እሞ, ሰማያዊ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ዝኸብረን ዝተመስገነን ይኹን። እዛ ቅድስት ዕለት እዚኣ ንጉሠ ሰላም መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን፡ ንጽሕተ ንጹሓን፡ ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ /ሰብኣይ/ ዝተወልደላ  ዕለት ሰላምን ሓጐስን  እያ።

እዚ ድማ ዝተነግረለ ትንቢትን፡ ምሳላን ምእንቲ ኪፍጸም እዩ። “እንሆ ድንግል ክትፀንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ ስሙውን ''ኣማኑኤል'' ኢላ ክትሰምዮ እያ። ”ከምዝበል ነቢይ ኢሳይያስ፡ ኣዳም ካብ ኅቱም ምድሪ ከምዝተፈጥረ፡ ሄዋን ድማ ካብ ኅቱም ጐድኒ ከም ዝተፈጥረት፡ ጐይታ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ  ካብ ኅቱም ድንግልና ምእንቲ ድኅነትና ተወልደ። ''ቤተ ሌሔም ምድረ ኤፍራታ ንሕዝበይ እስራኤሌ ዝሕሉ ንጉሥ ካባኺ ስለ ዝውለድ ካብ ከተማታት ሸማሙንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይክትንእስን ኢኺ።''  ዝተባህለ ትንቢት ንኽፍጸም ጐይታ ኣብ ቤተ ልሔም / ኣብ መብልዒ ማል/ ተወልደ። ኢየሱስ ማለት ''መድኃኒት''  ማለት እዩ፡ እሞ, ንዓና ንሕዝቡ ካብ በደልናን ኃጢኣትናን መዴኃኒት ኮነልና።

''ሕፃን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተዋሂቡና እዩ እሞ፡  እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ፡ ኣቦ ዘልኣለም፡ መስፍን ሰላም ክስመ እዩ።'' ከምዝበሎ ቅዱስ ጽሑፍና፡ በዓል ሰላም ይግበረልና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡  እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ ብእኡ ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ በዚ ተገለጸትልና። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ካብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ክንፋቐር ይግበኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተተፋቐርና ግና ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም።
ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን፡ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕድ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በዛ ቅዴስት ዕለት እዚኣ፦-

- ኣብ ሽግርን፡ ጸገምን ንዘለዉ ክንካፈል
- ንዝዓረቑ ክንከድን፡
- ንዝሓመሙ ክንበጽሕ ተዘኻኽረና ኣላ።

በዓሌ ሓጐስ፡  በዓሌ ደስታን ይግበረልና፡ ኣሜን!!!!!

ኣቡን ቀዳማዊ ዱዮስቆሮስ፡ 4ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሉቃነ ጳጳሳት ዘሃገረ 
ኤርትራ፡ ኣሥመራ።

No comments:

Post a Comment