Friday, 8 March 2013

†† † ዘወረደ †† †

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

ካብ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም እታ ቀዳማይቲ  ''ዘወረደ'' ትብሃል። ዘወረደ  ማለት  ከምቲ  ቃሉ ዝሕብሮ ብትግርኛ ''ዝወረደ'' ማለት እዩ። ምስጢሩ ድማ  ኣምላክ ወዲ  ኣምላክ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤዛ  ዓለም ንድሕነት ዓለም ብቅዱስ  ፍቃዱ  ሰብ ኮይኑ ካብ ሰማየ  ሰማያት ልዑል እንክንሱ  ብትሕትና ወረደ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም  ሰብ ኮይኑ ምውላዱን ምስቃሉን ምማቱን ዘመልኽት ኢዩ።
 /ዮው 3፡13/ 

ኣብዚ ሰንበት እዚ ድማ ቅድስቲ  ቤተ ክርስትያን ነዚ  ነገራት እዚ ንከተዘክር ዝወረደ  ኢላ  ተስተምህረና። ብዛዕባ ጾም  ብዝምልከት ግና ንዓቢይ ጾም ከም መእተዊ ስለ ዝኾነን ከም መዳለዊ፡ መቐበሊ (ቕበላ) ተባሒሉውን ስለዝፍለጥ ከምኡ'ውን ሰፊሕ ታሪኽ ጾም ዘለዎን ብጾም ድማ ንዝተረኽበን ናይ ቤተ ክርስትያን ዓወት ዘዘክር ብምኻኑ ብንጉስ ስም ዝጽዋዕ ''ጾመ ሕርቃን'' ተባሂሉ ይፍለጥ።

ዘወረደ ተባሂሉ ክስመ ምኽንያት ዝኾኖውን ኣብ ዋዜማ ናይዚ ዕለት ዝዝመር ማኅትው ጥቅላላ ኣብ መዋእለ ጾም ዝዝመር መዝሙር / ጾመ ድጓ/  መክሠቲኡ '' ዘወረደ እምላዕሉ ኣይሁድ ሰቀሉ'' ኢሉ ስለ ዝጅምር እዩ።ትርጉሙ ድማ ነቲ  ካብ ላዕሊ ዝወረደ ኣምላኽ ኣይሁድ ሰቀልዎ ዝብል ኮይኑ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገቱ፣ ስቅለቱ፣ መድሕኒትነቱ  መዘከርታ  ዘለዎ እዩ።
ዮው 1፡9-11/ ዮው 3፡3-21.

ሙሴኒ  ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ  ስሙን እዚ እታ መጀመርታ ሰኑይ ''ከመዝ ይቤ ሙሴኒ  ፀዓቱ እምትእይንት'' ትርጉሙ ድማ ሙሴ ካብ ከተማ ምውጽኡ ከምዚ እዩ በለ ማለት እዩ።
ከምኡ ውን ኣብዚ ናይ  ሰኑይ ኣቡን ''ሙሴኒ ይቤ በውስተ ኦሪት ምድር ሰናይት'' እናበለ ታሪኽ ሊቀ ነብያት ሙሴ ስለዝትንኽፍ እዚ ስሙን እዚ ሙሴኒ ተማሂሉ'ውን ይፍለጥ እዩ።
ብተወሳኪውን ከም ሙሴ ዝኣምሰሉ ነቢያት ኣርበዓ መዓልት ጾይሞም ድኅሪ  ምሕላፎም ሕጊ ሙሴን ሕጊ  ነቢያትን ዝፈጸመ ጐይታ ክምቶም ዝቐደሙ ነቢያት ኣርበዓ 40  / መዓልትን ኣርበዓ 40 / ለይትን ምጻሙ  ዘዘክር እዩ።
ዘጻ 24፡18/ 1ይ ነገ 19፡8/ ማቴ 4፡1-4/

እግዚአብሔር ጾምና ናይ ድህነትና ስርየት ይግበርልና።
ኣሜን!!



ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብ ከምዚ ዚስዕብ ይኸውን። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዐቡ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። እቲ ሊቀ ኻህናት ስለ ኃጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ሥጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ ኣሎና። ስለዚ ኢየሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንሕዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። ነትእ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፊ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኲሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። እግዚአብሔር ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።” (ዕብ ፲፫፥፯-፲፯) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ንሱ ግና ኣብዚኁ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። እምብኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንዲያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ኃጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። ተሸገሩን ጒሀዩን ብኸዩን። ስሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርዱ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድኅንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድካ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧ እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ሕይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕና'ውን እንተ ኣሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። እምብኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ኃጢኣት ይዀኖ እዩ። (ያዕ ፬፥፮-፲፯) 

ንፍቅ ካህን፦ “ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሐለፈ ኸኣ፡ ንጉሥ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ኪበጽሕዎ ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። ኣብኣ ብዙኅ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉሥ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሐደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ። ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኺመጻረ ጊዜ ኸይሀብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ሥርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም። እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ኬምጽእዎ ኣዘዝኩ። እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ ኢየሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን። ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ። ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዚምርመር ምእንቲ ኺሕሎ፡ ይግባይ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኺሕሎ ኣዘዝኩ። ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነ'ውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ። ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙኅ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉሥ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ደጊም ንሱ ብሕይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ። ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዜብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባይ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ። ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ኦ ንጉሥ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ። ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ።” (ግብ ሓዋ ፳፭፥፲፫-፳፯) 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦      ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት 
                                 ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ 
                                  አጽንዕዋ ለጥበብ 
                        ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር (መዝ ፪፥፲፩) 

ትርጉም (ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ተገዝእዎ 
            ብረዓድ ድማ ተሓጐሱ 
             ጐይታ ምእንቲ ከይቍጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ) 

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ኢየሱስ ድማ መሊሱ በሎ፡ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ'ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድኅን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ። ድሕርዚ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሐንስ ግና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙኅ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሐንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሐንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንሥኤ።” (ዮሐ ፫፥፲-፳፭) 

                                                                                                                             


No comments:

Post a Comment