Monday, 10 September 2012

''ፍርሓት'' ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኢና።መዝ 46፡1-3

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††


ዝተፋላለየ  ዓይነት  ፍርሓት  ከም ዘሎ  መጽሓፍ  ቅዱስና ብንጹር የረደኣና እዩ። ሓደ ካብቲ  ጀመርታን  ቀዳማውን  ድማ  ቅዱስ  ፍርሃት ተባሂሉ ይጽዋዕ ። ልበ ኣምላኽ  ቅዱስ  ዳዊት  ኣብ መዝሙሩ  ብዛዕባ  ቅዱስ  ፍርሓት  ከምዚ እናበለ  የስተምህረና ‘’ ንእግዚኣብሄር  ምፍራሕ  መጀመርታ ጥበብ  ኢያ ። ነቶም  ትእዛዙ ዝፍጽሙ ዅሎም ከኣ  ሰናይ ልቦና  ይህቦም። እግዚኣብሄር  ይመስገን፡’’ መዝ 111፡10። እንዳበለ  ምስጋን ኡ ብፍርሓተ እግዚኣብሄር ክዓጹ  እና  እነንብብ። ንእግዚኣብሄር  ምፍራህ  ማለት ብቁጥዓኡ  ክቀዝፈኒ፡ ብሓይሉ  ከጥፍዓኒ  ዝብል  ስግኣት ዘይኮነስ፡  ናይ ፍጥረት ኵሉ  ገዛኢ  ምኳኑን፡ ሰብ  ካብቲ  ፍጹም  ዝኮነ  ፍቅሩ ዝተላዕለ ብመልክዑን ብምስሉን  ምፍጣሩን፡ ናይ  ፍጥረት ኩሉ መጋቢ ምኳኑ  ብፍጹም ልብካ  ምፍታው  እዩ። ከምኡ ድማ  ፈቲካን መሪጽካን  ንትእዛዙን  ንሕግጋቱን  ከምቲ  ንሱ  ዝፈትዎ  ጌርካ  ምእዛዝን  ምግዛእን  ምምራጽን እዩ።  ጐይታናን  መድሃኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ እውን ‘’ እተፍቅሩኒ  እንተ ደኣ  ዀንኩምሲ  ትእዛዛተይ ክትሕልዉ ኢኹም።’’ ኢሉና ኣሎ ፡ዮው 14፡15/


ተፈጥሮኣዊ  ፍርሓት ድማ  ኣሎ። እዚ ዓይነት  ፍርሓት  እዚ ይትረፍ  ደቂ  ሰባት መላእክተ  እግዚኣብሄር  ዝፈርሕዎ  ዓይነት ፍርሓት እዩ። ‘’ወሱራፌል  ይቀውሙ ዐውደ  ወለለ  ኣሓዱ  በበስድስት  ክነፊሆሙ ወበ ክልኤ ክነፊሆሙ  ይከድኑ  ገጾሙ ወበ ክልኤ ክነፊሆሙ  ይከድኑ  እግሮሙ ወበ ክልኤ ክነፊሆሙ ይሰሩ  ኣንጻረ  ሕቡረ ወይብሉ ቅዱስ  ቅዱስ ቅዱስ  እግዚኣብሄር  ጸባኦት  ፍጹም  ምሉእ   ሰማያተ  ወምድረ  ቅዱሳተ ሰባቲከ’’።ብክልተ  ክንፎም  ገጾም  ይሽፍኑ ፡ ብክልተ  ክንፎም ድማ  የእጋሮም  ይሽፍኑ  ከምኡ ድማ ክልተ  ክንፎም ኣንጻራዊ  ናብትን  ናብቲ  የብሉ፡
  ካብዚ እንመሃሮ ትምህርቲ እንተ ደኣ ኣልዩ ተምህርተ ፍርሃት እዩ። ብክልተ ክንፎም ገጾም  ምሽፋኖም  ገጽካ ክንርኢ ኣይከኣለናን ማለት ክከውን እንከሎ፡ እግሮም ምሽፋኖም  ድማ ኣብ ቅድሜካ  ክንቀውም  ኣይከኣለናን ማለቶም እዩ። ብልተ ክንፎም ናብትን ናብትም  ምባሎም  ድማ ካብ  ኣጽናፍ ዓለም እስከ ኣጽናፍ  ዓለም  ዜርና   ንዓካ  ተማራሚርና  ክንበጽሓካ  ኣይከኣለና ክብሉ እዮም ። ስለዚ መላእኽተ  እግዚኣብሄር ኣብ  ቅድሚ  ኣምላኽ  ብፍርሓት እዮም ዝቆሙን ንኣምላኽ  ዘገልግሉን’’።  ኣብ  ውዳሴ  ማርያም  ዘሰሉስ እውን  ከምዚ  ይብለና  ‘’ተፈስሒ ኦ ማርያም  እም ወኣመት  እስመ ለዘውስተ  ሕጽንኪ ይሰብሕዎ  መላእክት  ወኪሩቤል  እለ ይሰግዱ  ሎቱ  በፍርሓት ወሱራፌል  ዘእንመለ  ጽርዓት ‘ይሰፍሁ ክነፊሆሙ ወይብሉ ዝንቱ ውእቱ ንጉሰ ስብሃት'’    እዚ ማለት፡ ኦ ኣደ ኣገልጋሊት ዝኾንኪ ማርያም ፡ ኣብ ሕቝፍኺ ንዘሎ ጐይታ ፡ መላእኽቲ የመስግንዎ እዮም'ሞ ፡ ደስ ይበልኪ ''ኪሩቤል እውን ብፍርሓት ይሰግድሉ '' ሱራፌል ድማ ብዘይ ጉድለት ክንፎም ዘርጊሖም ፡እቲ ናይ ምስጋና ንጉስ እዚ እዩ ። ካብዚ ሃይለ ቃል እዚ እንመሃሮ'ውን ቅዱሳን መላእኽት ን ኣምላኽ ብፍርሓት ከም ዝሰግዱሉ እዩ። እዚ ተፈጥሮኣዊ ፍርሓት ይብሃል፡ ንሕና ደቂ ሰባት ድማ ተፈጥሮኣዊ ፍርሓት እግዚኣብሄር ክህልወና ይግባእ ። ቅዱሳን መላእክት  እኳ  ከምዚ  ጌሮም  ነቲ  ቅዱስን  ሕያውን  ዝኮነ  ኣምላኽና  እግዜኣብሄር  ብፍርሓት ዘገልግልዎን፡  ዝውድስዉን፡   ዘመስግንዎን፡  ዝሰግዱሉን   ካብ  ኮኑ ንሕና  ደቂ  ሰባት  ደኣ  ኣብቲ ቤት  መቅደሱን  ኣውደ  ምሕረቱን ኣብ እንቆመሉ  ንምንታይ  ከነኽብሮን ክንፈርሖን  ዘይግባና ? ብሓቂ  ኣብዚኣ  እያ  እታ ፍርሓት  እተድሊ። ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝበሎ ‘’እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ! እዚ ቤት ኣምላኽ እያእምበር ካልእ ኣይኮነትን። እዚኣ ደገ ሰማይ እያ ። ኦ፣ዘፍ 28፡16  / እንዳበልና  ኣብቲ  ቅዱስ ስፍራ እግዚኣብሄር  ብፍርሓት  ክነብር  ይግባኣና  እዩ።

ብፍርሃት ንኣምላክ ከነገልግል ክም ዝግበኣና  ቅዱሳን  ኣቦታት ሃዋርያት  ነብያት  እውን የስተምሁሩና  እዮም። ሲራኽ 1፡11-13 ‘’ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ፣ ክብርን  ልዕልናን  እዩ፣ ዘውዲ ሓጎስን ደስታን ከኣ  ይደፍኣልካ። ንእግዚኣብሄር  ምፍራህ ንልቢ የሐጉሶ፣ ነዊሕ  ዕድመን ምሉእ  ሓጐስን ከኣ ይህበካ። ‘’እምበኣር ንእግዚኣብሄር  ምፍራህ  እዚ ኩሉ  ፍረ ጽድቅን  ቅድስና ዝውሕብ እዩ።  እምበኣር ፣ኣንቱም  ፍቁራተይ ፣ ከምቲ ኵሉ ሳዕ ዝተኣዘዝክምዎ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድመይ  ጥራይ  ዘይኾነስ  ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ  ፣ ብፍርሓትን ብራዕድን ምእንቲ  ናይ  ገዛእ ርእስኹም ድሕነት ስርሑ’’ ፊሊ 2፡12 ስለዚ  ኣብ  ሕይወትና  መንፈሳዊ  ዝኮነ  ፍርሃተ  እግዚኣብሄር  ክህልወና  ይግባእ  ሃዋርያ  ቅዱስ  ጴጥሮስ  እውን  ከምዚ እንዳ  በለ  የስተምህራና /1ይ ጴጥ 1፡17 እቲ ንስኻትኩም ኣብ ጸሎት  ‘’ኣቦ’’ ኢልኩም  እትጽውዕዎ፣ ንነፍሲ  ወከፍ  ከከም  ግብሩ  ብዘይ  ኣድልዎ  ስለ ዝፈርድ፣ ኣብ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት  ንበሩ። እንበኣር  ብፍርሃት  ምስ  እንነብር እዩ  ኣብ  ቅድሚ  ኣምላኽ  ሞገስ  ከውህበና  ዝክእል  እሞ ነታ  ናይ  መጀመርታ  ጥበብ ዝኾነት ፍርሃት  ክትህልወና  ይግባእ፣ ኣበ ብዙሃን ኣብርሃም  ኣብ እምነቱ  ፍርሃት  እግዚኣብሄር  ከም ዝነበረ  ዶ  ኣየንበብካን  ኢካ/ኪ ? ኦ፣ዘፍ 22፡12። ፈያታዊ  ዘየማንስ  ካብ  ኣምላኽ ፍርሓት  ስለ  ዝተማህረ እሞ መንግስተ  ስማያት  ከም ዝወረሰ  ዶ  ኣይትፈልጥን ኢካ/ኪ ? ሉቃ 23፡39-43  እዚ  ፍርሓት እዚ  ክርስትያናዊ   ፍርሃት  እዩ ማንም ክርስትያን ድማ  ክፈርሆ  ይግባእ።


ዘየድሊ ፍርሃት ፦
እዚ  ፍርሃት እዚ  ድማ  ብእግዚኣብሄር ተቀባልነት  ዘይብሉ  ዓይነት  ፍርሃት  እዩ። ዘጻ 14፡10-14 ‘’ደቂ  እስራኤል፣  ግብጻውያን ደድሕሪኦም ከም ዝገስገሱ ረኣዩ፣ ኣዝዮም  ድማ ፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄር  ከኣ  ተማህለሉ’። ንሙሴ ድማ  ‘’ ናብዚ ምድረ  በዳ  ኽንመውት  ዘውጻእካና  ኣብ ግብጺ ዶ  መቃብር ኣይነበረን ኢዩ ?  ካብ ግብጺ ኣውጺእካ  እንታይ  ክም  ዝገበርካና  ረኣ ! እቲ ኣብ ግብጺ ኸሎና ዝበልኻና እዚ  ነገር  እዚ  ዶ  ኣይኮነን፣ ኣብ ምድረ በዳ ካብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል  ይሕሸና ንግብጻውያን ንገዛኣዮም ህደገናዶ ኣይበልናካን ፣’ በልዎ እዚ  ፍርሃት  እዚ  ካብ  እምነት  ዝረሓቀ  ፍርሃት  እዩ  ኔይሩ፡ ብሓቂ ሎሚ  እውን  እኮ ካብ  ንኣምላኽ  ምእማን  ንሰብ  ምእማን፣  ካብ  ንእግዚኣብሄር  ምፍራህ ንደቂ  ሰባት  እንፈርሓሉን ግዜ  ዶ  ኣይመስልን  ግዜና ከ? እዚ  እስራኤላውያን  ዝፈርህዎ ፍርሓት ክቀትሉና  እዮም  ዝብል  ፍርሓት  እዩ ኔይሩዎም፡ ንሕናስ  ኣይንፈርሕን  እንተዝብሉስ  ክንደይ ኮን ኣምላኾም እግዚኣብሄር  ምተሓጎሰሎም ነይሩ? ነቶም ስጋ  ክቀትሉ መንፈስ ግና ክቀትሉ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም ነቲ ስጋን መንፈስን  ክቀትል ዝኽእል ኣምላኽ ግን ፍርህዎ ዝብል ቃል ኣምላኽ ኣብ ጽላት ልቡ ዝጸሓፈ  ሙሴ  ግን  ካብቶም  ህዝቢ  ፍልይ  ዝበለ ቅዱስ  ሰብ  እዩ ኔይሩ   ኣብቲ  ናይ ሁመት ፍርሃቶም  እውን ‘’ ኣይትፍርሁ ጽንዑ፣ ነቲ  እግዚኣብሄር ሎሚ  ዝገበረልኩም ምድሃን ርኣዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም  ንዘላለም ኣይኽትርእይዎምን ኢኹም።  እግዚኣብሄር  ኪዋግ ኣልኩም እዩ እሞ ህድኡ‘’ እና በለ  ከጸናንዖም  ኢና  እንሪኢ ካብ  ሰብ  ኣይፈርህን  ዝብል  ማሕተም  ኣብ  ልቡ  ዘሃተመ  ሰብ  እዩ ኔይሩ። ኣብቲ  ግዜ  ሽግሮም  ድማ  ናብቲ  ኩሉ  ዝኽእል  ኣምላኽ  ለሚኑ ካብቲ  ዝነበርዎ  ፍራሃት እውን  ኣገላገሎም፡ ኣብ ግዜ ሽግርናስ   ጸሎት  ድዩ  ዘድሊ  ወላስ  ባዕዳዊ ፍርሃት? ያእ  ኣይፋሉን ፡ ማንም  ስጋዊ  ይኩን  መንፈሳዊ  ፈተና  ምስ  ዝገጥመና  ባዕዳዊ  ፍርሃት  ኣርሒቅና  ኣብ  ቅድሚ  ኣምላኽ  ክንቀውም  ይግባ ኣና ''ድልየትኩም  ዘበለስ ብጸሎትን  ልማኖን ምስ  ምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደኣ ይፈለጥ  እምበር፣ ብገለ  እኳ ኣይትጨነቁ ፡ ፊሊ 4፡6፡ ስለዚ  ነታ  ቁልፍ  ዝኮነት  ጸሎት ከም ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት '' ንሕናስ  ኣይንፈርሕን'' እንዳ በልና  ክንዕጠቃ ይግባኣና ።፡

ንሕናስ  ኣይፈርህን  ኢና!

እግዚኣብሄር ምሳና እዩ ፡

ኣምላኽ  ንኣና መዕቄብን ሃይልን ፣

ብጸበባ ፍጡን ረዲአትና እዩ።

ስለዚ  ምድሪ እንተተገልበጠት ፡

እምባታት'ውን ኣብ መዓሙቍ ባሕሪ  እንተ ጠሓሉ፡ማያት  እንተሓመመ እንተዓፈረን፣ ኣኽራን  ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ፡

ንሕናስ  ኣይንፈርሕን  ኢና።መዝ 46፡1-3

እወ !  ወልድ ዋህድ ኢየሱስ  ክርስቶስ እውን  ኣይትፍሩ  እንዳ  በለ  እዩ  ዘስተምሃረና / ሉቃ 12፡4 ንዓኻትኩም  የዕሩኸይ  እብለኩም  ኣሎኹ። ስጋ ንዝቐትሉ ኣይትፍርሕዎም፣ ምኽንያቱ ኻብኡ ንንዮው  ዚገብርዎ  የብሎምን። ኣነ ግና  ንመን  ከም  እትፈርሁ ከጠንቅቐኩም፣ ነቲ  ምስ  ቐተለ ኣብ ገሃንም  ኪድርቢ  ስልጣን  ዘለዎ ንዕኡ ፍርሁ ፡እወ፣ ንእኡ ፍርሕዎ  እብለኩም  ኣለኹ ። ሓሙሽተ ኣዕዋፍ ብኽልተ ሳንቲምዶ ኣይኮናን  ዝሽየጣ ፣ ካብኣተን ሓንቲ እኳ  ኣብ  ቅድሚ  ኣምላኽ  ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ  ኵለን  ጸጕሪ ርእስኹም ውን ቍጹራት እየን። እምበኣርከስ ካብ  ብዙሓት  ኣዕዋፍ ትበልጹ  ኢኹም እሞ፡  '' ኣይትፍርሁ'' እንዳበለ  ንኣምላኽ  ክንፈርሖ  ከም  ዝግባኣና  ንድኹም  ሰብ  ግና  ክንፈርሆ  ከም  ዝግባና   ባዕሉ  ጐይታናን  መድሃኒናን  ኢየሱስ  ክርስቶስ  በቲ  ዘይሕሶ  ቃሉ '' ኣይትፍርሁ  ይብለና  ኣሎ። ኣብ  እግዚኣብሄር  ተወኪልና  ከም  ነብይ  ሙሴ  ብጸሎት  ክንጽመድ  ይግባኣና። እወ  ኣብ እግዚኣብሄር ብምሉእ  ልብና  ክንእመን ይግባኣና '' ይሄይስ ተኣምኖ በእግዚኣብሄር  እምተኣምኖ  እጓለ  እመ ሕያው''  ካብ  ንሰብ  ምእማንስ  ንእግዚኣብሄር  ምእማን  ይሓይሽ  ከም  ዝበሎ ለበ ኣምላክ ዳዊት፣  ንእግዚኣብሄር  ክንእመን  ይግባኣና፡ ቅዱስን ሰማዕታት ንሕናስ  ኣይንፈርሕን  ኢንዳ  በሉ  እዮም ንዓለም  ዝሸነፉ /ራእ 12፡11 ሳላ ደም እቲ ገንሸል ን ሳላ እቲ  ዝሰበኽዎ ቃል ሓቅን ድማ  ሰዓርዎ ፣ ንሕይወቶም  ክየናሕሰዩ ክሳብ ሞት  በጽሑ። ክርስትና  ማለት ሕይወትካ  ንሞ  ምውፋይ  ነፍስካ  ድማ  ኣብ እግዚኣብሄር  ምዕቃብ  ማለት እዩ ። ኣብዛ  ብንምፋስ ሓሶትን ፡ ማዕበልን መናፍቅነትን  ዝመልአ ዓለም፡ ከም  ጴጥሮስ  '' ኣታ  በዓል  ዉሑድ እምነት፣ ስለ ምንታይ  ተጣራጠርካ'' ዝብል  ወቀሳ  ዳግም  ኣባና  ንከይድገም '' ንሕናስ  ኣይንፈርሕ '' እንዳ በልና  ብእምነት  ብናይ  ጽድቂ  ጐደና  ንጉየ ! ማቴ14፡25-34 ተምልከት/ቲ።

ኣብ ክርስትያናዊ  ጉዕዞና ኣዝዩ  ማዕበል  እንተበርተዐ፡  ንፋስ  እንተሓየለን ፡ ወሓይዝ  እንተወሕዘ፡  መሬት እንተጸልመተ፡ ቤትና  ኣብ ኣብ  ጽኑዕ  ከውሒ ሰሪትና  ብእምነት  ፍርሃት  ኣርሒቅና  ምጽላይ፡ ናብ  እግዚኣብሄር  ዘወትር  ምእዋይ  እምበር  ምጥርጣር  ተስፋ  ምቁራጽ  ኣይግባእን ፡ ሓደ ካባኻትኩም  ጥበብ  ዝጐደሎ እንተሎ፣ ነቲ '' ንስኻ  ኸምዚ  እንዲኻ  '' ኸይበለ  ንዅሉ ብልግሲ  ዝህብ  ኣምላኽ  ይለምኖ ንሱ እውን ኪህቦ እዩ፡ እቲ ዝልምን ግና  ከትተጠራጠ  ብእምነት  ደኣ  ይለምን፡ ከመይ  እቲ ዘጠራጠር  ከምቲ  ንፋስ  ንየው  ነጀው ዚደፍኦ ማዕበል  ባሕሪ እዩ ዝመስል። እዚ ኸምዚ ዘመሰለ  ሰብ ካብ ጐይታ  ገለ ዝቕበል ኣይምሰሎ። ንሱ ኣብ ዕዮኡ ጽንዓት  ዘይብሉ፣ ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ  እዩ። ያዕ 1፡5-8 / ብርግጽ  እምነትን  ባዕዳዊ ፍርሃትን  ዘራክቦ  የልን፣ እምነትን  ፍርሃትን ዝሰነቁ  ሰብ  ብእግዚኣብሄር  ተቀባልነት  ዘይብሉ  ክልተ  ዝልቡ  ሰብ  እዩ፣ ልሚኑ እውን  ዝረክቦ የብሉን / እስመ  የሃስስ ክሌተ  ኢይረክብ ኣሓተ/ ክምቲ  ጥበበኛ  ሰሎሙን  ዝበሉ  ክልተ ሓሳብ  ዝሓስብ  ሓንቲ ክረክብ   ኣይኽእልና '' እንታይ  ደኣ  ብሓቂ ኣማኒ ማለት  ኣነስ  ብዘይካ  እግዚኣብሄር   ዘፈርሖ  የብለይን ዝብል፡  ንእግዚኣብሄር  ብጽንዓት  ዘገልግል  እዩ። ንሕናስ  ኣይንፈርሕን ኢና ዝብል  መንፈስ  ኣግዚኣብሄር  የስንቀና ።

ወስብሃት ለእግዚኣብሄር!!!

No comments:

Post a Comment