†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† †
ክብሪ ዝብል ቃል ልዕልና ዜርኢ ቃል እዩ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ክብሪ ዘለዎ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ። ክብሩ፡ ኽኣ ብፍጥረቱን፡ ብስራሑን፡ ይፍለጥ። መዝ 19:1 ሰማያት ክብሩ ኣምላክ የዘንትዉ፡ ጠፈር ድማ ግብሪ የእዳዉ ይነግሩ ''ይብል። ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ኣዝዩ ልዑልን፡ ክብሩን፡ እዩ።
ከም'ኡ ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን፡ ንጽሕተ ንጹሓን፡ ደንግል ማርያም፡ ሓንቲ እኳ ዘይጎድላ፡ ብኩልንትናኣ ምልእተ ጸጋ፡ ምልእተ ክብር፡ እግዚኣብሄር ምስኣ ስለዝኮነ ክብርቲ እያ።
/ክብርት ወልዕልት/ ኣብ ኣንቀጸ ብርሃን ዘሎ ሕይለቃ ከምዚ ይብል ክብርኺ'ስ ኣዝዩ ልዕል እዩ ይብለና። ኣቦታትና በዓል ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፡ ስለ ናይ ድንግል ማርያም ልዕልናን፡ ዕቤትን፡ <<ኣይልሳን ዘይክል ነቢበ ዘይትነገር በእንቲኣኪ>> ስለናትኪ ውህበትን፣ ክብርን፣ ልዕልናን፣ ነቲ ኣባኪ ዘሎ ውህበት፣ ከንናገርሲ፡ ልሳን ይሓጽረና እንዳበሉ ኢዮም ሓሊፎም።
መኣስ እዚ ጥራይ ኮይኑ ኣብ ናይ ሮቡዕ ውዳሴ ማርያም'ውን ከምዚ ይብል፣ ''ይዓቢ ክብራ ለማርያም እም ኩሎም ቅዱሳን፣'' ክብሪ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ይዓቢ ይብለና።

ክብሪ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስማ እዩ ዚጅምር።
ማርያም ማለት፦ መርህ ለመንግስተ ሰማያት፡ ማለት መራሒት ናይ መንግስተ ሰማያት፡ ናብ መንግስተ ሰማያት መሪሓ እተእቱ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ካብ ክብሩ ንዝተዋረደን ካብ ማህበረ ማላእከት ዝተፈልየን፣ ምስ ኣምለኩ ዝተባእሰን፣ ንግዝያዊ ድሌቱ ክብል ውልድነት ስላሴ ዝሰኣነ ኣዳም፡ ምስ ዘርኡ ናብቲ ናይ ቅድም ከብሩ ንኽምለስ፣ ምኽንያት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃና ነቲ ዝተዓጽወ ገነት ዝተኸፍተ ብኣኣ ብምኳኑ ስለ ዝኮነ እዩ።
ስለዚ ድንግል ማርያምመርሃዊተ ጽድቅ ስለ ዝኮነት ናብ መንግስተ ሰማያት መሪሓ እተእቱ ፍኖተ ሰላም ኢያ።
ማርያም ማለት ብስጋን ብነፍስን ፍጽምቲ ማለት'ዩ።
እግዚኣብሄር ንጹሕ ባህርይን ቅዱስን ፍጹምን ኪኸውን እንከሎ ነቲ ድኩም ዝኮነ ስጋ ኣዳም ተዋሐሒዱ ንደቂ ሰባት ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ምእንቲ ከምጽእ መሕደሪ ዝኾኖ ይደሊ ነበረ። ከምቲ ብዙሓት ኣቦታት ከም ዝበልዎ በዓል ቅዱስ ኣባህርያቆስ /በኣማን እግዚኣብሔር ነጸረ ኣብ እምሰማይ እምብራቀ ወምዕራበ ስሜነ ወደቡበ ውስተ ኩሉ ኣጽናፈ ዓለም ወፈተወ ስነ ዚኣኪ / ማለት > እግዚኣብሄር ኣብ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ናብ ምብራቅ ናብ ምዕራብ ሰሜን ደቡብ ናብ ኩሉ መኣዝን ዓለም ተመልከት ናትኪ ባህርያት ናትኪ ውህበት ደስ በሎ፡ እንዳ በለ የረድአና።
ቅዱስ ኤፍሬም እውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ካብዚ ብዘይፍለ ከምዚ ይብለና '' ነጸረ ኣብ እምሰማይ ወኢ ረከበ ዘከማኪ ፈነወ ዋሕዶ ወተሰብኣ እምኔኪ'' ትርጉሙ እግዚኣብሔር ኣብ ኣብ ሰማይ ኾይኑ ጠመተ ተመልከተ ኸማኪ ዝበለ ግና ኣይረኸበን ነቲ ዘፍቅሮ ወዱ ድማ ለኣኾ ምስ ስጋኺ 'ውን ተወሐሐደ '' ይብል።
ንጉስ ሰሎሙን እውን '' ብዙሓት ኣንስት ጽቡቅ ዝገብራ ኣለዋ ንስኺ ግና ንኩለን ትበልጽየን '' ምሳ 31:29 ብምባል ብዛዕባ ክብራን ዕቤታን ተዛሪቡን መስኪሩን ኢዩ። እዚ ሓቂ እዚ ስለ ዝኮነ'ዩ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ብስጋን ብነፍስን ፍጽምቲ እናበለት እትምህር። ፍጽምቲ ማለት መንቅብ ጉድለት ዘይብላ ማለት እዩ።

ማርያም ማለት ጸጋን ሃብትን ማለት እዩ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብኤል ኣብ ሉቃስ /ሉቃ 1:28/ ኦ ማርያም ሰላም ናዓኪ ይኩን ኦምልእተ ጸጋ እግዚኣብሄር ምሳኪ' ዩ ደስ ይበልኪ ኣይትፍርሒ ደስ ይበልኪ ካብ ኣንስቲ ተፈሊኪ ዝተባረኽኪ ኢኺ። ብምባል ምሉእ ዝኮነ ጸጋን ሃብትን ከም ዝተዋህባ ካብ ስጋኣ ስጋ፡ ካብ ነፍሳ ነብሲ ወሲዱ፡ ዝውለድ ናይ ኩሉ ሃብትታት ጎይታ ዝኾነ መድሓኔ ዓለም ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኩልሳዕ ምስኣ ከምዝኾነ መስኺሩ እዩ።
እቲ ምስክርነቱ ከኣ ሓቂ 'ዩ፡ ንእግዚኣብሄር ይ ኣምኖ እየ እናበለ ናይ ዝከበረት ኣዲኡ ኣማላድነትን ክብርን ዘይቅበልን ዘየፍቅራን ሰብ ካብ ጸጋኡን ካብ መንፈሳዊ ሃብትን ንርእሱ ድካ ከምዝገበረ ክፈልጥ ይግባእ። ንዝተዋህባ ኣምላካዊ ውህበት ምንዓቕ ከምዘይጠቅም ጌርካ ምዝራብ ነቲ ናይ ጎይታ ውህበት ዝኾነ እግዚኣብሄር ምንዓቅ እዩ። ነቲ ዝጠቅም ጸጋ ውን ከንቱ ምግባር 'ዩ።

ቅዱስ ገብሪኤል ነዴና ቅድስተ ቅዱሳን፡ ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም '' ተፈሲሒ ፍስሕት ኦ ምልእተ ጸጋ፣ ኢሉዋ ጸጋ ማለት፡ ምሕረት፣ ልግሲ፡ ለውሃት፡ ውህበት ማለት እዩ። ቅዱስ ገብሪኤል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘላትሉ ኣትዩ ብፍጹም ትሕትና እናሰገደ ብዛእባ ክብራ'ዩ ዝተዛረበ፣ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ርህራሄኡ ልውሃቱ ኩሉ ዝመልኣኪ፣ ብናይ መላእክቲ ተልእኾ ብትንቢት ነብያት ባህ ይበለኺ ፣ ኦ ምልእተ ክብር ባህ ይበልኪ ፣ ሕጎስ ይግባኣኪ'ዩ ዝበላ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝጎድላ ጸጋ የብላን፣ እግዚኣብሄር ንቕዱሳን ዝተፋላለየ ጸጋ ሂቡዎም'ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ''ከምቲ ዝተዋሃበና ጸጋ ዝተፋላለየ ውህበት ኣሎና ''ዝበለ ነዚ እዩ። [ሮሜ 12,፣6 ኤፌ 4፣7] ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግን፡ ቅድስተ ቅዱሳን ስለ ዝኮነት ቅዱስ ገብሪኤል ከም ዘበሰራ ምልእተ ጸጋ እያ። ብርግጽ እውን ኣደ ኣምላክ ካብ ምዃና ዝበልጽ ጸጋ የለን፣ ብቐደሙ'ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ መትሕተ ፈጣሪ፡ መልእልተ ፉጡራን ኢያ። ነቢይ እግዚኣብሔር ኤርምያስ ውን ከምዚ ይብል፣፣[ ኣነ እግዚኣሄር ዘላኣለማዊ ብርሃንኪ ክከውን እየ ክብረይ ድማ ከንጸባርቀልኪ እዩ ' ሞ፣ ድሕሪ ዚ ጸሓይ ብማዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትኸውንን ወርሒ ከኣ ብምድማቓ ኣከተብርሃልክን ኢያ ( ት,ኢሳ 60፣19 ራእ 21:23) እቲ ዓቢ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣቦ ቅዱስ ያረድ ውን '' ኣንቲ ምልእተ ጸጋ ምንጪ ሓጎስ ዝኾንኪ ,,,,, ግርማኪ ኣዒንቶም ብዙሕ ካብ ዝኾነ ካብ ኪሩቤልን ኣኽናፎም ሽዱሹተ ካብ ዝኾኑ ሱራፌልን ዝበለጸን ዝተፈትወን እዩ፡ ካብ መለኮታዊ ሓይሊ ካብ ዝወጽእ ሓዊ ምእንቲ ክድሕኑ ንሳቶም ገጾም ይሽፉኑ ፣ንስኺ ግና ንመለኮት መሕደሪ ኮንኪ፣ ናይ መለኮት ባህርይ ኣየቃጸለክን፣ ናይ ሓዊ ነበልባል ውን ተሰኪምኪ፡ ብምባል ነታ ምንጪ ሓጎስናን ኣክሊልናን ዝኮነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ክውድሳን ከክብራን ማዕረ ክንደይ ኣዝዩ ዓቢይ ምዃኑ ኣብሪሁ ገሊጹልና እዩ።
ሎሚ እውን ካባና ዝድለ ከምቲ ኣቦታትና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘኽበርዋን ብጸሎታ ዝተማሕጸኑን ንሕና ውን ከነኽብራ! ከነዕብያ፣ ብኣማላድነታ ንነፍስናን ንስጋናን ከነማዕቁብ ግቡእና እዩ።
ምኽንያቱ ልዑል፡ ብእግዚኣብሄር፡ ብወላዲቱን፡ ብኵሎም ቅዱሳኑን ዝሕፈረ የለን፣ እንትርፎ እቲ ጠዋይን ቄናን ዝልቡ እንተ ዘይኾይኑ። ስለዚ ብጸጋ በረኸታ ክንዓቢ እግዚኣብሄር ብጸግኡ ይደግፈና።

ወንጀላዊ ቅዱስ ሉቃስ ከምዚ ኢሉ ጺሒፉ ንረኽቦ '' ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፣ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ ንኤልሳቤጥ'ውን መንፈስ ቅዱስ መልኣ ,,,,,,'' ሉቃ 1:41-45/ ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና ንኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ኣይነበራን ድዩ? ኔሩዋ እምበር ! ነደ ኣምላኽ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዘክበረት ግን እቲ መልኣኽ ወዲ ከም እትወልድ ዝተነግራ ሃብቲ ውላድ ኣብ ርእሲኡ ካልእ ሃብቲ ጸጋ፣ ሃብቲ ትንቢት ተወሲኽዋ ንኽብል 'ዩ።
ምኽንያቱ ዝመሃራ ዘይብላ ልኽዕ ከም ቅዱስ ገብሪኤል ነዴና ንስኺ ካብ ኩለን ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ። ኢላ ስለ ዘመስገነታ እዩ። ወንጀላዊ ቅዱስ ሉቃስ ንኤልሳቤጥ ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኣ ኢሉ ዝጸሓረ።
ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ውን '',,,, ኵሉ በረኸትና ካብ ጽዮን እዩ ዝፍልፍል '' (መዝ 87:5-7 ) ብምባል ናታ ምንጪ ኩሉ ሓጎስና ዝኾነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን፡ ድንግል ማርያም ምኳና ገሊጹልና ኣሎ።
ምኽንያቱ ነቲ ርእሲ ማኣዝን ዝኾነ መድሓኔ ዓለም ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝወለደትን፡ ኵሉ ሃብትታት እግዚኣብሄር ዝተዋህባን ኣደ ብምኳና። ኵሉ በረኸትና ካብ ኣማናዊ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም 'ዩ ዝፍልፍል ዝበለ።

ስለዚ ነዛ ኣደ ኵሉ ሃብትታት ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነኽብራ፣ ነዕብያ፣ ብጸሎታን ብ ኣማላጅነታን ንማዕቖብ። ምኽንያቱ ብዘይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ኣምላክ ክበጻሕ ኣይክእልን ኢዩ። ክበጽሕ ዝሓስብ እንተሎ ከኣ ከምቲ ወልደ ኣብ በመለኮቱ ወልደ መርያም በትስቢእቱ መድሓኔ ዓለም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ (ማቴ 7:26-27) '' ነዘን ቃላት ሰሚዑ ዘይፈጸመን ኩሉ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰረተ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል፣ ዝናም ዘነበ፣ ወሓይዝ ወሓዘ፣ ንፋሳት ነፈሱ፣ ነቲ ቤት ደፍእዎ፣ ወደቐ እውን፡ ኣዋዳድቅኡ ድማ ዓቢይ ኾነ ኢሉ ኣስተምሃረ። እምበኣር ንነፍስና ኣብ ከውሒ ንሰርታ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ ብዓወት ንኽትወጽእ ልዑል እግዚኣብሄር ብሃብቲ ጸጋኡ፣ ወላዲተ ኣምላኽ ብጸሎታን ብረዲኤታን ብ ኣማላድነታን ኣይፈለየና!!!!!!!!
ኣሜን
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር፣ ወለ ወላዲቱ ድንግል፡ ወለ መስቀሉ ክቡር።
kale hiwet yesmlanb berketa nay kisdte kidusan dngl maryam ayfeleyna. Amen. segu yebzahlkum
ReplyDeleteቃለ ሂወት የስምዓልና።
ReplyDeleteጸጋን በረኸት ናይ ቅድስት ኣዴና ካባና ኣይፈለ።
ኣሜን
ame nkulna kale hiwet yesmalna kburat yehwat
ReplyDeletekale hiwet yesimealna!!!
ReplyDeleteKale hiwet yesmaana. Kidste kudusan tibarkum!
ReplyDeleteቃል ሂወት የስምዓልና
ReplyDelete