†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† †
“ኣብ ማእከልኩም ሓሰውቲ ነብያት ክትንስኡ እዩም ንሳቶም ብሕቡእ ጥፍኣት መንፍቕነት ኬምጽኡ እዩም።” (2ይጴጥ.2፣1)

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ 2ይ መልእኽቲ ብንጹር “ንምርድኦም ዘሸግሩ” ብዙሓት ሓሳባትን ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ። ቀጺሉ “እቶም ደናቍርን ዘይጽኑዓትን ከኣ ከምቲ ነቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝጠዋውይዎ ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።” ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ ይምዕደና። “ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኽዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መሠረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። ከምኡ’ውን ኣስዕብ ኣቢሉ “ብናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ንኡእ ብምፍላጥን ግና ዕበዩ።” (2ይ ጴጥ.3፣14-18)
ነዞም ዝስዕቡ ኣስተውዕሉ
ነዞም ዝስዕቡ ኣስተውዕሉ
መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ቀጥታዊ ትርጉም የብሉን። ብኣንጻሩ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ወይ ሸነኻት ከቢድን ንምርድኡ ዘሸግርን እዩ። እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትውፊት ድማ ኣብዚ እዩ።
ዋላኳ እቶም ጽሑፋት ንምርድኦም ዝብርትዑ እንተኾኑ እቶም ሰባት ግና መስሓቲ ኢዮም። ሓቂ ንምፍላጥ ዝደልዩ ኣይኮኑን።ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ እዚ “ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ይጠዋውይዎ” ኢልዎም ኣሎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ናብ ሰብ ገላቲያ ኢልዎ ዘሎ እዩ። ከመይ ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ “መናፍቕነት “ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ገላ.5፣9-21) ቀጺሉ ድማ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዝገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከምዘይወርስዋ ፍለጡ ኢሉና ኣሎ። በዚ መሰረት’ዚ ካብ ዘይምፍላጥ ይኹን ካብ ዘይምርዳእ ዝመጽእ መመኽነይታ ቅቡል ክኽውን ኣይክእልን እዩ።
ኣርዮሳውያንን መስኻክር ጅሆቫን (Arians and Jehovah’s witness) ነቲ ዓቢ ክሕደቶም መደገፊ ኢሎም ዘቕርብዎ ጥቕስታት ኣሎ። ንሕና ድማ ብኃይልን ፍልጠትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኦርቶዶክሳዊ ትውፊትራዊ ትርጉም ቅዱሳን መጻሕፍቲ መሠረት ብምግባር ነዘን ዚስዕባ ናይ ቅዱስ ዩሓንስ ወንጌላዊ ጥቕስታት ነቕርብ፣
ሀ. “ካባይ ኣቦይ ይዓቢ” (ዩሓ.14፣28)
ለ. “ኣነ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ እየ ተኻሊኡ ድማ ኣቦይ እዩ” (ዩሓ.17፣3)
ብጸጋ እግዚኣብሔር ነዘን ጥቅስታት እዚኣን ንምምላስ ዝተወከስናዮም መጻሓፍቲ እቶም ኣብ ግዜ ጉባኤ ኒቅያ 325 ዓ.ም.ን ድሕሪ ኒቅያ ዝነበሩ ኣቦታት ዝጻሓፍዎም መጽሓፍትን ብፓፕ ሺኖዳ 3ይ ኣብ 1994/95 ንተማሃሮ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ኮለጅ ካይሮ ዝተዋህነ ትምህርትን መወከሲ ብምግባር እዩ።

ኣርዩስ ነዛ ጥቅሲ እዚኣ ደጋፊት ናይ ምሳሌ 8፣22 (ንክሕደት ዝተጠቀመላ ጥቅ ሲ) ኢሉ እዩ ኣቕሪብዋ ነይሩ። እንተኾነ ግን ቅዱሳት ኣቦታት ናይ ኣርዩስ ኣተረጓጕማ ግጉይ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጾም ብቀጥታ መለኮታውነትን ማዕርነትን ናይ ኣብን ወልድን ዝገልጽ መርትዖታት ኢዮም ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ድማ ኣበየ ናይ ኣጋጣሚ ከምዝተዘርነት መርሚሮም።
“ኣነ ኪኸይድ ናባኻትኩም’ውን ክምለስ’የ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ’ሞ ተፍቅሩኒ እንተትኾኑስ ናብ ኣቦ ብምኻደይ ምተሓጎስኩም ነይርኩም።” (ዩሓ.14፣28) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ቃል እዚ ዝበለ፣ ቅድሚ ናብታ ብይሁዳ ተሳዒሙ ዝተታሕዘላ ቦታ ኣታኽልቲ ምኻዱን ቅድሚ ብሓደ ካብቶም ገላዉ ገጹ ምጽፍዑን (ዩሓ.18፣22) ቅድሚ በቶም ወተሃደራት ኣኽሊል እሾኽ ኣብ ርእሱ ምድፍኡን (ዩሓ.19፣1-3) ከምኡውን ብዓቢኡ ቅድሚ ናብታ ተሰቒሉ ዝሞተላ ጎልጎታ መስቀል ሒዙ ምኻዱን እዩ።ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብ መዝሙር ዳዊት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። “ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን። ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኵሉ ሰብ ዜላግጸለይን እየ።”(መዝ22፣6) ከምኡ’ውን ነቢይ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ። “መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን። ምስ ረኣናዩ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን ነበረ።” (ኢሳ.53፣2) ከምኡ’ውን ቀጺሉ “መከራ ጸገበ ግናኸ ርእሱ ኣዋሪዱ ብትሕትና ተቐበሎ ኣፉውን ኣይከፈተን ከምታ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል ከምታ ኣብ ቅድሚ መቐዝታ ስቅ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን” (ኢሳ.53፣7)
ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ዕቤትን ትሕትናን ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል።”ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነብሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምዃን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት እኳ ድኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙሟት ተኣዘዘ።” (ፊል.2፣6-8)። ስለዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ ዘመን ሥጋዌኡ ዝነበረ ትሑት ተኣዛዚ ባርያ ምስ ክብሪ ናይ ኣቡኡ ብምውድዳር እዩ ከምኡ ዝበለ። ንጹር ምኽኸውን ካን ቃላቱ ንውሰድ። “ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩሞ እተፍቅሩኒ እንተትኾኑስ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሓጎስኩም ነይርኩም ኢልዎም ኣሎ።” ምኽንያቱ ናብ ክብረይን ዝፋነይን ብምኻደይ ምተሓጎስኩም ነይርኩም ይብሎም ኣሎ። ኣቦታት ብዛዕና እዚ ነገር’ዚ ከምዚ ይብሉ፣ “ኣብ ጥራይ ዘይኮነ መንፈስ ቅዱስ’ውን ካብ ናይ ወልድ መዋዕለ ሥጋ (ናይ ባርያን ኣገልጋሊን ባህሪ) ይዓቢ እዩ። ከምኡ’ውን ወልድ ባዕሉ ካብቲ ኣብ መዋዕለ ሥጋዌኡ ዝነበረ ናይ ኣገልጋልን ተኣዛዝን ባህሪ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገን ናብ ክብሪ ኣቦኡ ምስ ተመልሰን ይዓቢ።”
ኣብዚ ክስትውዓል ዘለዎ ነገር ግና እግዚኣብሔር ሓደ እዩ። (ኢሳ.43፣10) ካብ ስሙ ዝዓቢውን የልቦን። ምኽንያቱ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ካብ ስሙ ዝዓቢ ዚምሕለሉ ካልእ ስም ስለ ዘይተረኽበ ‘ብሓቂ ክባርኽካን ከብዝሓካን እየ’ እናበለ ብስሙ መሓለሉ” ይብለና። ጎድኒ ጎድኒ’ዚ ኣብ ወንጌል (ማቴ.28፣19) ምስ እንምልከት ስም ክርስቶስ ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብማዕረ ተጸዊዑ ኣሎ። ብተወሳኺውን ብዛዕባ ጐይታና ከምዚ ተባሂሉ ኣሎ። “ነዚ ካብ መላእኽቲ ንቁሩብ ግዜ ትሕት ኢሉ ዝነበረ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ብምኽንያት ሞቱ ሕጂ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፊኡ ንርእዩ ኣሎና። እዚ ኸኣ ንሱ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ኵሉ ሰብ ስለ ዝሞቱ እዩ።”(ዕብ2፣9) ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እቲ “ንቅሩብ ግዜ” ዝብል ቃል ዓቢ መልእኽቲ ኣለዎ። ንምኽንያት ስቅያቱን ሞቱን ግና ክርስቶስ ንቅሩብ ግዜ ካብቶም ዝፈጠሮም ትሕት ኢሉ ነይሩ። ስለዚ ‘’ካባይ ኣቦይ ይዓቢ “ ምባሉ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ግዳ ፈጠርቲ ዓለም፣ እቶም ፍጡራቱ ዝኾኑ መላእኽቲ ከይተፋውን ካብኡ ዓብዮም ነይሮም ኢዮም።

ለ. “ኣነ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ እየ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” (ዩሓ. 15፣1)
ኣርዩሳውያን (Arians) ከምዚ ኢሎም ይምጕቱ፣ “ንሱ ወይኒ ኣቡኡ ኸኣ ተኻሊኡ ካብ ኮነ ስለዚ ንሱ ካብ ኣብኡ ይንእስ፣ ምኽንያቱ ባህሪ ናይ ወይንን ናይ ተኻሊኡን በበይኑ ስለዝኾነ” ብተወሳኺ’ውን ከምዚ ኢሉ ተጻሒፉ ኣሎ፣ “እቲ ጉንዲ ወይኒ ኣነ እየ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም።” (ዩሓ.15፣5) ስለዚ በቲ ናይ ክሕደት ትንታኔኦም ፍጡር ከማና እዩ።ምኽንያቱ ወይንን ጨንፈሩን ብርግጽ ሓደ ዓይነት ባህሪ ስለ ዘለዎም። ኣብዚ ጐይታና ምሳሌ ናይ ቤተክርስቲያን እዩ ዝህብ ዘሎ። ቤተክርስቲያት ከም ኣካሉ መእመናን ድማ ከም ኣባላት። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “እምበኣርከስ ንስኻትኹም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም ነፍስ ወከፍኩም ከኣ ኣካላቱ ኢኹም።” (1ይቆሮ.12፣27) “እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” (1ይቆሮ.6፣15) ብተወሳኺ’ውን ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኣሉ ርእሱ ቤተክርስተያን ገይሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ፣ ንሳ ኣካሉ እያ።”(ኤፌ1፣22) ንሕና ጨንፈር ናይቲ መለኮታዊ ባህሪኡ ኣይኮንናን፣ ግን ንሱ ሰብ ኮይኑ ንዓና ስለ ዝመሰለ ንሕና ኣካሉ ኰና እቶም ወሉድ ሥጋና ደምን ዝለበሱ ስለዝኮኑ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ። እዚ ኸኣ ንሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ክስዕር ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሜኦም ገላው ኮይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ከውጽእ ኢሉ እዩ።”(ዕብ.2፣14)
ብተወሳኺ’ውን ኣብ ተኻሊ ወይኒ፣ ወልድ ድማ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ ዚብሎም ምኽንያት፣ ኣብ ወንጌል ዩሓንስ 3፣16 ብንጹር ንረኽቦ። ከመይ እቲ ቃል ከምዚ ይብለና “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።”ምኽንያቱ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ክትድሕን እምበር ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። ኣብዚ ዝበርሀ ሓቂ እንተሎ “ኣብ” እዩ “ንወልድ” ናብዚ ዓለም ዝለኣኾ እምበር ወልድ ኣይኮነን ንኣብ ዝለኣኾ። በዚ ነገርዚ ድማ ኣብ ተኻሊ ወልድ ድማ ተተካሊ ኮይኖም ተጻሒፎም ዘለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ኣብ” ነታ ኣብ ገነት ኤዶም ተተኺላ ዝነበረት ዕፀ ሕይወት ከም ብሓድሽ ብስም ወልድ ኣብ ምድሪ ተኸላ።ከመይ ብዛዕባ’ዚ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ናይ ሓሙስ ምስጋንኡ ከምዚ ይብል፣ “ከፈለነ ንብላዕ እም ዕፀ ሕይወት ዘውእቱ ሥጋሁ ወደሙ ለክርስቶስ።” ከመይ “ኣብ” እዩ ንወዱ ካብ ጎድኑ ማይን ደምን ብምውሳድ ንቤተክርስቲያን መርዓት ገይሩ ዝሃቦ። ነዚ ነገርዚም ንምብራህ ኣብ ዩሓንስ ምዕ.17 ንመልከት። ኣብኡ ጐይታ ንኣብ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ይብሎ “ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽካሎም ናትና ነበሩ ንዓይ ሃብካኒ ቃልካ’ውን ሓለው” ። (ዮሓ 17፣6) ነቶም ንዓይ ዝሃብካኒ ኢሉ ሸውዓተ ግዜ ተዘሪቡ ኣሎ። ነዚ ኩሉ ቃላትን ሓሳባትን ድማ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዘሎ ቃል ነነጻጽር። “ንብዘሎ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ናይ ቤተክርስትያን ገይሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሾሞ ንሳ ድማ ኣካሉ እያ” (ኤፌ.1፣22)።
“…ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር ኵሉ ይቆረጽ።” (ዮሓ. 15፣2) ነዛ ቃል እዚኣ ጐይታ ነቶም ኣብኡ ዘይፈረዩ (ኣብቲ ሓቀኛ ጉንዲ ) ሰባት “ኣቦ” ከም ዝቈርጾም ወይ ከም ዝኣልዮም እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ምኽንያቱ ሓቀኛ ጉንዲ ክርስቶስ እዩ፣ ተኻሊኡ ኣብ እዩ፣ ጨንፈር ድማ ንሕና። “ ኣብ” ድማ ንወዱ ሂቡና ከመይ ክርስቶስ ባዕሉ ከምዚ ይብል “ኣቦይ ዝሓስቦ እንተዘይኮይኑኒ” (ዮሓ.17) ከምኡ’ውን “ኣቦይ ዝሓስቦ እንተዘይኮይኑ ናባይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደኳ የልቦን”። ሎሚ ካብታ ሓዋርያት ዘቖምዋ ሃይማኖት ብዙሓት ናይ እምነት ትካላት እናተፈንጨላ ከም ቃንጥሻ በብግዚኡ ይስስና ብምህላወን ናይ ዘመንና ፋሽን ኮይኑ ኣሎ።እዚ ናይ መናፍቅነት ትምህርቲ ደኣ ብኸመይ ጀሚሩ እናተበልና ንምጽሓፍ ቅዱስ ትምኒት ሥግኦም ብዝመርሖም ክትርጉምዎን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ግሎም ሓሳብ ከቀምጡን ምስ ጀመሩ እዩ። ነዚ ግን ሓዋርያ ጳውሎስ “ካብ ጽሑፍ ኣይትሕለፍ”። (1ይቆሮ.4፣6) ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኺ ካብኡ’ውን ኣይትነክዩ ከምዝበለ ማንም ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምዝደለዮ ጌሩ ኪትርጉሞ ከምዘይክእል ምርዳእ ይግባእ። ንቃል ኣምላኽ ምግጋይ መወዳእትኡ ጥፍኣት እዩ ዘስዕብ። መናፍቕነት ንሞት ዝኸውን ፍረ እዩ ዝፈሪ። ነዚ ክገልጽ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ እንሰብኮ ወንጌል ስውር እንተ ደኣ ኮይኑስ ኣብቶም ዝጠፍኡ ጥራይ እዩ ዝተሰወረ” ዝብሎ (2ይቆሮ.4፣3)። ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣቀዲሙ ኣብ ትንቢቱ ከምዝነገረና “ኣብ ማእከልኩም ሓሰውቲ መምህራን ክትንስኡ እዩም። “ነዚ ዝተበጀወሎም ጐይታ ብምክሓድውን ኣብ ልዕሊኦም ጥፍኣት ከም ዘምጽኡ ተነቢዩልና ኣሎ። ብሰንኮምውን እታ መገዲ ሓቂ ክትጽረፍ እያ። ስለዚ ካብዞም ኑፋቂ ዝምህሩ ሓሰውቲ መማህራን ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ምኽንያቱ ዓስቢ ኃጢኣት ሞት ብምዃኑ ፍርዶም ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠልጢሉ ኣሎ፣ እቲ ዘጥፍኦም ከኣ ነቂሑ ይጽበ ኣሎ። ካብ ኃጢኣት ዘስዕብ መናፍቅነት ሓራ ወጺእና ፍረ ቅድስና ክንፈሪ መወዳእትኡ ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክንረክብሲ ነቲ ንሕና እንገብሮ ክንፈልጦ ይግባእ። ምኽንያቱ ነቲ እንደልዮ ዘይኮነስ ነቲ እንጸልኦ ከይንገብር ምጥንቃቕ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ።ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግን ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ!!

No comments:
Post a Comment