Tuesday, 3 January 2012

ኣቡነ እንድርያስ ዕፋን


              ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

ድሕረ ባይታ ኣቡነ እንድርያስ


ኣቡነ እንድርያስ ዕፋን ትውልዶም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ናኡስ ሃገረ ስብከት ደቀምሓረ ኮርብያ እዮም ስም ኣቡኦም ቀሺ መንክር ስም ኣዲኦም ከኣ ጸዳለ ብርሃን ይብሃሉ።እዞም ቅዱሳን ወለዲ ሃብታማት : ግና መኻናት ነበሩ :ድሕሪ ነዊሕ እዋን ካብ እግዚኣብሄር ውላድ ከም ዝረኽቡ ብሩኽን ዓቢይን ከም ዝኸውን ስሙ እውን እንድርያስ ከም ዝበሃል ብሕልሚ ኣርኣዮም በዚ መሰረት ከኣ ብሚያዝያ 29 ተጸኒሶም ብጥሪ 29 ብዘይጻዕሪ ተወልዱ ውልድ ምስ በሉ ቅድሚ ኩሉ ንምብራቕ ገጾም ሰጊዶም ንኣምላክ ኣመስገኑ።  ኣብ ጥምቀቶም እውን እቲ ማይ ከም ጸባ ጻዕድዩ ተራእየ ናይዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም መንፈሳዊ ሕይወት ግና ኣብ ዕድመ ቁልዕነት ከለዉ እዩ ዝጀመረ ወዲ ሰለስተ ዓመት ምስ ኮኑ ክጋስዩ ጀመሩ።  ኣብ ዝወፈሩሉ ዘበለ ኸኣ ኩሉ ስራሕ ብጸጋ እግዚኣብሄር ይዕመመሎም ነበረ።  ሓደ መዓልቲ ንኣቡነ መርቆሬዎስ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ኩርባርያ ዝተባህለ ዓዲ ኪድ ንዓኻ ዝከውን ውላድ ክትረክብ ኢኻ በሎም ባርኮ ግና ኣይትማልኣዮ ስለዝበሎም ከይዶም ኣብኡ`ውን ተቐበልዎም ንገዝኦም ወሰድዎም ወለዶም`ውን በሓጎስን ብፍቅርን ተቐበልዎምን ኣአንገድዎምን። ብድሕሪኡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮኑ ብሕልሚ ንኣቡነ መርቆሬዎስ ግሩምን መንፈሳ ውን ዘብሕግ ፈላሲ ኮይኖም ረኣይዎም መደብ ኣምላክ ስለዝነበረ ደማ ሕልናኦም ተላዓዒሉ ናብ ደብረ ድማሃ ከዱ።  ኣብ ቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ትምህርቲ ሃይማኖት እናተማህሩ ድህሪ ምዕባይ መወዳእታ ድማ ዓለም ንድሕሪት ገዲፎም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ብዝወሰድዎ ምርጫን ውሳነን ማዕርገ ምንኩስና ካብ ቅዱስ ኣቦና መርቆሬዎስ ተቐበሉ


ተጋድሎ ኣቡነ እንድርያስ
ኣብ ደብረ ድማህ'ውን ብረድእናን ብብሕትውናን ጽሙድ ተጋዳሊ ኮይኖም ክሳብ ራእያት ክራዩን ትኣምራት ክገብሩን ዘክእል ብቕዓት ክፍጽሙ ከኣሉ ዋላ እኳ ብዕድመ ንእሽቶ እንተነበሩ መንፈሳዊ ተግባሮም ግና ኣዝዩ ዘደንቕ ነበረ ቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ እውን ነቲ ኣብ ደቆም ዝርአ ዝነበረ መንፈሳዊ ዕቤት ብዓይኒ መንፈሳዊ ይካታተልዎም ይጥምትዎምን ስለዝነበሩ እቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ጸጋ ወርትግ እናዓበየን እናበዝሐን ምእንቲ ክኸይድ ፈተና ኣጋንንት ንምስዓር ዘኽእሎም ትሩፋት ኣብ ርእሲ ትሩፋት ክገብሩ ከም ዝግብኦም ኵሉ ጊዜ ይምህርዎም ነበሩ።

ነዚ መምርሒ እዚ ብምክታል ኣቡነ እንድርያስ ካብ ቅዱስ ኣቡኦምን መምህሮምን ኣፍቂዶም ብጽኑዕ ተባህትዎ ኣብ ከባቢ ዳምባ ምጭ ኣብ ዝርከብ ኣብ ሓደ በዓቲ ተዓጽዮም ብጸሎትን ጾምን ስግደትን ተወሲኖም ነዊሕ እዋን ድህሪ ምቕማጥ ናብ ገዳም ደብረ ደማኅ እንዳ ኣቡነ መርቆሬዎስ ተመሊሶም መጽኡ:: ኣብቲ እዋን እቲ ዳምባ ምጭ ብርቱዕ መንፈሳዊ ምንቕስቓስ ዝነበሮ : ጳጳሳት ዘይፍለይዎ ስሙ ዝተጸወዐ ገዳም ከምዝነበረ ኣብ ገድሊ ኣቡነ እንድርያስ ተጻሒፉ ኣሎ።

ኣቡነ እንድርያስ መጋቢ ኮይኖም የገልግሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ገበል ኣብ ገንኢ ናይ ስዋ ስለ ዝኣተዎም በጃ ማህበር ነቲ ስዋ ብገንበዞ ብምስታይ ንሓደ ተማሃራይ "እንተ ሞትኩ ማህበር ከይሰትይዎ " ብምባል ተላብዮም ሰተዩ ቅድሚኡ ግና ስዋ ኣይስተዩን ነበሩ እሞ ሓደ ካብ ማህበር ብማዕዶ ርእዩ ናብ ኣቡነ መርቆሬዎስ ብምኻድ " ኣይሰትን እየ እንዳበለስ ተሓቢኡ እባ ይሰቲ እዩ '' ኢሉ ነገሮም ንሶም እውን " ኣታ እንድርያስ ወደይ ስለምንታይ ደኣ ከምዚ ትገብር : ኢሎም ሓተትዎም ንሶም'ውን " እሞ እዛ ምርኵሰይ እታ ዝሰተኩላን ጎንበዞን ዘይምስክራ " ምስ በሉ እታ እታ ምርኩስን ጎንበዞን ናብ ኣቡነ እንድርያስ ብምስጋድ " ንሶምሲ ምእንቲ ማህበር ከይጉዳእ በጃደኣ ኮኑ እምበር ስዋ ቢሂጎም ኣይሰተዩን '' ብምባል ስለ ዝመስከሩ ''ኣታ እንድርያስ ወደይ እምበኣር ድሕሪ ደጊም ምሳይ ኣይክትነብርን ኢኻ ኣብዚ ዘብቃዓካ እግዚኣብሄር ይመስገን ክፍሊ ርስትኻ ድማ ብወገን ዶቡብ ኮይኑ ክትከይድ ከለኻ ኣብ እትሓድሮ ዓዲ ሓንቲን ወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ኣብ ከቢድ ብኽያትን ሓዘንን ክትጸንሓካ እያ:: ነቲ ዝሞተ ቆልዓ ምስ ኣተንሳእካዮ ኸኣ ጉዕዞኻ ብምቕጻል ርሒቅካ ምስ ከድካ እታ ክፍልኻ ዝኾነት ገዳም ብብርሃን ባና ተዓፊና ክትርእያ ኢኻ '' በልዎም ይኹን ደኣ እምበር ኣቦና ካብ ኣቡነ መርቆሬዎስ ክፍለዩ ኣይደለዩን ነበሩ ፍቓድ እግዚኣብሄር ስለዝዓቢ ግና ብብዙህ ሓዘን ናብኣ ከዱ።

ምእታው ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ወግረ ስሂን

በዚ መሰረት እዚ ኣቡነ እንድርያስ እውን ከምቲ ዝተነግሮም ንደቡብ ኣቢሎም ጉዕዞኦም ኣምርሑ ኣብ ዓረዛ ምስ በጽሑ ኸኣ ቤተ ክርስትያን ተኣልዮም ጸሎት ኣብ ዘብጽሑሉ እዋን ደቂ እቲ ዓዲ ሬሳ ተሰኪሞም መጹ። እታ ወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ድማ በቲ ዝወረዳ ሓዘን ዳርጋ ኣብ ጽላለ ኣቢሉ ኣድሂቡላ ኣምሪራ ትበኪ ነበረት ኣቡነ እንድርያስ ድማ እቲ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝተነግሮም ትንቢት ትዝ ስለዝበሎም ነቶም ሰባት ካብቲ ሬሳ ከም ዝፍንተቱ ጌሮም ናብቲ ዓራት ብምቅራብ '' ጎይታይን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎተ ባሮትካ ሰሚዕካ ሕሙማት እትፍውስ ምውታት እተተንስእ ሕዙናት እትናዝዝ ኣምላኽ ኢኻ እሞ ንኣላዛርን ጋል ኢያኢሮስ ወዲ እታ መበለትን ኣተንሲእካ ንብኽያት እቶም ሕዙናት ኣብ ስሓቅን ሓጎስን ከም ዝቐየርካ ሕጂ ድማ ነዛ ብምኽንያት ሓደ ወዳ ኣብ ሓዘን ትርከብ ዘላ ኣደ ውላዳ ካብ ሞት ኣተንሲእካ ሓዘና ናዝዛ ቀዳማይን ዳሕራዋይን ንስኻ ኢኻ እሞ እቲ ናይ ቀደም ግብሪ ተኣምራትካ ሕጂ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ሕዝቢ ፈጸሞ " ክብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር።

ብድሕሪ እዚ ጎይታ ጸሎቶም ሰሚዑ ነቲ ወዲ ኣተንሰኦ ነዚ ተኣምራት እዚ ዝረኣየ ህዝብን እታ ኣደን ድማ በቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝተፈጸመ ተኣምራት ንኣምላኽ ኣመስገኑ ብድሕሪ እዚ ኣቡነ እንድርያስ ጊዕዞኦም ክቕጽሉ ኣብዝተበገሱ እዋን እቲ ህዝቢ " ባርከነ ኣባ" እናበለ ክውዕሉ ክሕድሩ ለመኖም ቃል እግዚኣብሄር እናመሃሩ ከኣ ኣብኡ ቀነዩ ንመፍቅድ ኣርድእቶም ዝኸውን ካብቲ ህዝቢ ዝረከብዎ እኽሊ ብዙሕ ስለዝነበረ ድማ ዝውጥሕዋ በቕልን ዝጸዓና መጽዓኛ ሂቡ ኣፋነዎም ክኽዱ ከለዉ ኸኣ ንዓረዛ ጸጋን በረኸትን ሽሞትን ኽብረትን ኣይርሓቕኩም ብምባል መረቕዎም።  ከምዚ ኢሎም ብዝባን ደብሪ ሓሊፎም ዓዲ ተስፋልዑል ቅልቅል ምስ በሉ ገዳም ወግረ ስሂን ከምቲ ብትንቢት ዝተነግሮም ብብርሃን ባና ተዓፊና ረኣይዋ እሞ ንኣምላኾም ኣመስገኑ።  እቲ ቦታ ብብርሃን ተጎልቢቡ ስለዝጸንሖም ከኣ ዕፉን እዩ ተባህለ።  ጉዕዝኦም ብምቕጻል ቍልቍል ወሪዶም ነቲ ዓቐበት ተተሓሓዝዎእዋን ቀትሪ ኮይኑ ጸሓይ ስለዝመረሮን ሽምግልና እውን ስለዝኸበዶምን ኣብ ሓደ እምኒ ተጸጊዖም ኣዕረፉ። እቲ ዓቢ እምኒ ግና ከጽልሉሉ ብዝኽእል መልክዕ ዕጽፍ ኢሉ ጽላል ኮነሎም ክሳብ ሕጂ ኸኣ ምዕራፍ ኣቡነ እንድርያስ እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ ንበረኸት ኢሉ ኣብኡ ኮፍ ከይበለ ወይ ከይዓረፈ ዝሓልፍ ጋሻ ኸኣ ዳርጋ የለን

ኣቡነ እንድርያስ ዓቐበት ወዲኦም ጥርዘ ጥርዚ ቀጺሎም ምስከዱ እቲ ብርሃን ባና ከም ግመ ቅንጥጥ በለ እሞ ዓቢ በዓቲ ረኺቦም ኣብኡ ኣትዮም ተቀመጡ እቶም ኣርድእቶም ኣብ ከባቢኦም ክሰፍሩ ከለዉ ሰብ ዓረዛ ድማ ምርቓኦም ተቐቢሎም ንዓዶም ተመልሱ።

ኣቡነ እንድርያስ ደቀ መዛሙርቶምን ኣብቲ ኣንበሳን ነብርን ገበልን ጥራይ ዝነብርዎ ብዱር ዝተሸፈነ ጽኑዕ በረአኻ ድምጺ ኣራዊትን ግርማ ለይትን ጸብኣ ኣጋንንትን ተዓጊሶም ቍርፍ በረኻ እናተመገቡ ከምኡ እውን መንገዲ ክልተሰዓት ዝኸውን ርሕቀት ከይዶም ማይ እናሰተዩ ይነብሩ ነበሩ

+++ ዝተወሃቦም ቃል ኪዳን +++

ኣቡነ እንድርያስ ብብዙሕ ተጋድሎ ትሩፋትን ኣብ ገዳሞም ክነብሩ ምስ ጸንሑ " ግብረ ዘወሃብከኒ ፈጸምኩ '' ብምባል ካብ እግዚኣብሄር ቃል ኪዳን ተቐቢሎ 29 መጋቢት 1484 , ካብዚ ዓለም እዚ ብሞት ተፍልዮ ኣብኡ ኣብቲ ባዓቶም ተቀብሩ ቅዱስ ኣቦና እንድርያስ ስምካ ዝጸወዐ ብብዙሐ ይኩን ብዉሑድ ከም ክእለቱ ተስካር ዝገበረ ኣልኣዛር ኣብ ሑቕፊ ኣብርሃም ከምዝረፈቐ ኣብ ሕቍፍካ ኽረፍቕ እዩ ብዕለት በዓልካ ዝተሳለሙ ዝነገዱ ከም ፈያታይ ዘየማን ንባሕረ እሳት ብዘይ ፍርሓት ክሰግሩ ትብዓት ክህቦም እየ መጽሓፍ ገድልኻ ዝሰምዑ ንመንግስተ ሰማያት ዘብቅዕ ቃል ሂወት ከስመዖም እየ ኣብ ምድሪ ደቂ ማህበርካ ዝኾኑ ፍቕዶም ምስ ማህበረ በኵር ክኸውን እየ ብጸሎትካ ዝተማዕቆቡን ስምካ ዝጸውዑን ተስካርካ ዝገበሩን ኣብ ቅድሚ መላእኽተይ ክእመኖም እየ ንመጽሓፍ ጌጋኦም ክድምስስ እየ ዝብል ቃል ኪዳን ካብ እግዚኣብሄር ተዋሂቡዎም እዩ።

ገዳም ወግረ ስሂን ኣብ ምንታይ ኵነታት ይርከብ ኣሎ

እዚ ገዳም እዚ ከም ኩሎም ገዳማት ሃገርና ብብዝሒ መነኮሳት ዝተመልአ ዉዕዉዕ ገዳም ከምዝነበረ ይንገረሉ ፤፤ ሕጂ ግና እዚ ኩሉ የለን ፤፤ ውሑዳት ዝሸምገሉ መነኮሳት እምበር ዝትክኡ ተማሃሮ ዝረኣይዎ ኣይኮነን ፤፤ ብወገን እቶት እውን ዘለዎም የብሎምን ፤፤ እቲ ክሳብ ሕጂ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ድማ እዚ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሮምሉ ዘለዉ በዓቲ እዩ ፤፤ ማይ ሊሒኹ ከይ ኣትዎ ብማለት ግና ብዚንጎ ከምዝክደን ተጌሩ ኣሎ።

ካብዚ በርኸት ተሳተፍቲ ክንከውን ናይ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ምድጋፍ ክምዘድልዮ እናዘኻኸርና ዝከኣለኩም ሓገዝን ቆላሕታን ክትገብርሉ ነተሓሳስብ።

No comments:

Post a Comment