Thursday, 29 December 2011

ሓጺር ዛንታ ህይወት ብጹእ ወቅዱሰ ኣቡነ ዑንቛ ብርሃን

              ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

ዝክረ  ጻድቅ ለ ዓለም ይሀሉ :መዘኸርታ  ጻድቅ ንዘላለም ይነብር፡ መዝ 112:6

ታሪኽ ናይዞም  ዓቢ  ኣቦና ዑንቐ ብርሃን  ክንጽሕፍ ኣዝዩ ስፊሕ እኻ እንተኮነ  ንበረኸት :ግን ካብ  ብዙሕ ብዉሑድ  ክ ንጠቕስ   ሰብ ኩሉ  ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፈኤ እንታይ ይጠቅሞ ወይ በጃ ነፍሱ  እንታይ መሃበ ''''''' ከም ዝበሎ ሃብቲ ናይ ዓለም ሓላፍን በራስን ምኻኑ  ፈሊጦም ነቲ  ናይ ኣብኦምን ኣዲኦምን  ንግስነት  ከይ ባሃጉ ከምቲ  ኣብ  ወንጀል ማቴ 9:23  ደድሕረይ ዝስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ  ይኽሓድ : መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ :እቲ ንነፍሱ  ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ :: ዚብል ቅዱስ  ወብጹእ ኣቦና ዕንቛብርሃን ከም ኩሎም  ቅዱሳን ናይዛ ሓላፊትን በራሲትን ናይዛ ዓለም መርዓ ኣየድልየኒን  እዩ:።ወገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ምስ ክርስቶስ መርዓ ይሕሸኒ ኢሉ ንግስነት ኣቡኡ ገዲፉ ንእግዚኣብሄር ንምግልጋል ንምንኩስና ከዱ::

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትምህርቶም ማልት ውዳሴ  ማርያም  : ዓንቀጸ ብርሃን :ዱጋ-ጾመ ዱጋ ኩሉ  ተማሃሩ :: መጽሓፍ ቅዱሰ  ብሉይን  ሓዲሽን ኪዳን  ምስ  ኣጠናቀቁ:ነቶም  ኣቦታት  ብርድእና  የገልግልዎም ነበሩ ::ሓደ እዋን  እቲ ሓላፊ ናይቲ ገዳም ማለት :ኣበምኔት '''''' ነቶም ኣቦታት ስሞም ምስ ሓተትዎም ንብጹእ ዑንቛብርሃን ንስኻከ ስምካ መን  ይበሃል  :ምስ በሎም  ኣነ ዑንቛ ብርሃን ይበሃል  በሎም '''' በል ስምካ ከም ቀደሙ ዕንቛ ብርሃን ይኩን በሎም :: ምኽንያቱ ሰብ ከለኻ ኣብ ቅድሜና ከምታ ድምቅቲ ብርሃን በሪህካ : ኣማን በኣማን ዕንቛ ብርሃን ኢኻ በሎም :: ካብዚ ቀጺሎም ብቡዙሕ ገድልን ብጾምን ጸሎትን ንእግዚኣብሄር ኣገልገሉ::እግዚኣብሄር ኣምላክ ንኹሉ ተጋድሎኦምን ጸሎቶምን ምስ ረኣየ ካብ እግዚኣብሄር ክልተ ክንፊ ተዋህቦም : ኣብዚ እዋን'ዚ  ድማ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና ዕንቛብረሃን  ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ንብዙሓት ሰባት ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ክርስትና መለስዎም ::በዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣስመርዎ :: ካብዚ ቀጺሎም ካብ ኢትዮጵያ ብ 16 ክፍለ ዘመን ናብ ኤርትራ ማለት ናብ ደብረ- ኣንገብ ደቂ ሻሓይ መጹ: ደቂ ሸሓይ ካብ ኣስመራ ኣስታት 30 ኪሎ ንምዕራብ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ንኡስ ዞባ ሎጎ ዓንሰባ ተደኪና ትርከብ::

ኣቦና ብጹእ ዕንቛብርሃን ኣብቲ  ግዜ እቲ ንብዙሓት ቅዱሳን   ኣቦታት ይምህሩን ናይ መንፈስ   ኣቦን  ይኾኑን ነበሩ ::ሓደ ካብቶም ደቆም  ድማ  ኣቦና  ቅዱስ   ሰይፈ-ሚካኤል ፤ንጻዕዳ እንባ ስላሴ ዝመስረቱ እዮም ::ኣብቲ  ዝነበሩሉ ገዳም   ደብረ ኣንገብ ብዙሕ ታኣምራት ብምግባር ንኩሎም እንስሳታት  ናይቲ ገዳም ባረክዎም ንህዝቦም ዝከውን ዓቢ ማይ ጸሎት ገበሩ ::ከምቲ ኣብ 56:4-5 ተጻሒፉ ዘሎ :ሰናብተይ እንተደ ኣ ሓሊኹም ንዓይ ዘሕጉስ እንተ ደኣ ሓሪኻ : ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣጽኒዕካ  ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደንበይን ስፍራ  ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ   ድማ ስም ክህበካ እየ: ከም ዚበሎ ኣቦና ብጹእ  ዕንቛብርሃን ነዚ ቃል እዚ ብምሕራይ ከም ኩሎም  ቅዱሳን ኣቦታት ንእግዚኣብሄር ብጾምን ጸሎትን ኣስሚሮም ብ 29 ጥቅምቲ ካብዛ  ሓላፊት  ዓለም ኣዕረፉ :: ኣብዚ እዋን  እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ምስ ኣእላፋት መላእክት ተገሊጹ ቃል ኪዳን  ኣተወሎም ::እታ ናይ ፀሎት በዓቲ ተኸፍተት እሞ ኣቦና እውን ኣብኡ ደቀሱ :ካብ  ሰማይ  ብሩህ  መስቀል ምስ ተነጽፈላ ሓመድ ፈሰሶም ከም ቀደማ ድማ ታዓጽወት :: እቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ቃል ኪዳን ከምዚ ዝብል እዩ ::ኩሎም እቶም ንዓኻ ዝዘከሩ ስምካ ዝጸውዑ ደብርካ ዝሃነጹ ገድልካ ዝጻሓፉን ዝሰምዑን ንኹሎም ክምሕረልካ እየ::

ካበዚ ንደሓር ድማ እቲ ገዳም ብቅዱሳን  ባሕታውያን መነኮሳትን ድማ  ተተከአ; ኣብ ግዜ መሓመድ ግራይን ኣብቲ ገዳም 79 ዘአክል ታቦት ዓበይቲ መጻሕፍቲ ሃይማኖትን ኣብቲ  ገዳም ተዓቀበ::ብድሕሪ እዚ  ድማ እቲ ታቦታት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተዘርጊሑ ክርስትያን  ኣስፋሕፈሐ ::ግዜ እናነውሐ ምስ ከደ ግን ኣብቲ  ገዳም ዝነበሩ መነኮሳት እናዋሓዱ መጹ: እቲ ገዳም ድማ ፍጹም ክሃስስ ጀመረ::

ኹነታት ገዳም ኣቡነ ዑንቛ ብርሃን

እዚ በረኸትን  ጸጋን  ዘውህብ ገዳም  ኣብዚ እዋን  እዚ እንሃሰሰ ምምጹኡ ዝረኣዩ ኣቦታት : ናብ  ንቡር ንምምላስ ብጾም  ጸሎትን :ስራሕን  ንእግዚኣብሄር  እና  ለመኑ ሎሚ ካብ ኩለን ከባቢታት ኤርትራ  ከም ዝመጹ ይገብሩ ኣለዉ :ኣብዚ  በረከት እዚ ክንሳተፍ ድማ ክርስትያናዊ ግዴታና ስለ ዝኾነ ኩልና ነዚ በረከት ክንሳተፍ ብክብሪ ንዕድም ::

ነዚ ንክንገብር ኣዴና ቅድስት ድንግል  ማርያም በ ኣማላድነታ : ብጹዕ ኣቦና ዑንቛ ብርሃን በረኸት : ጸጋ ጎያታና ን ኣምልክናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኩን:: 
ኣሜን

No comments:

Post a Comment