Sunday, 3 March 2013

ነዲኡ ዘይከውን ‘’የሱስ’’ መናፍቃን

ናይ መናፍቃን ኣጸዋውዓን ኣጸሓሕፋን ስም ኣምላኾም ትፈልጥዎ ዶ? 
††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

ሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ ኢየን፣ ንግሆ ምድሪ እንዳ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጸኒሐን ደፋእ እንዳ በላ፡ ንገዝአን ክምለሳ ከለዋ: ሓደ ጎበዝ ቅርብ ኢሉ «ማማ,,, ማማ,,, ኣበይ ደኣ ጸኒሕክን» በለን። ንሰን ከኣ ናይ ነገር ደሓን መሲልወን "ኣብ እንዳ ማርያም ቤተ ክርስቲያን" በላኦ። "እሞ ናይ የሱስ ቃልዶ ከስማዓክን " በለን። እዘን ኣደ ገለ ዘርክባኦ ነገር ስለ ዝነበረን ሕጂ ውን ቅልጥፍ ቅልጥፍ እንዳ በላ "ኣታ ወደይ ቤተ ክርስቲያን ጸኒሐ'ዶ ኣይኮንኩን ዝብለካ ዘለኹ፣ ዝወደይ ዕንቅፋት እንዶ ኣይትኩነኒ በለኦ። እቲ ጎበዝ ድማ ተቀቢሉ ብንዕቀት ዝመስል ዘረባ " የሱስ እኮ ንማርያም፡ ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ ኢሉዋ ኢዩ በለን። እዘን ሰበይቲ ሰንቢደን "ነዲኡ" ? ኢለን ሓተታኦ፣ እቲ ጎበዝ ተቀቢሉ እንዳተፈኽነነ "እወ" በለን። በል ዝወደይ ናትካ የሱስ ነዲኡ ዘይኮነ ንዓይ ኣይኮነንን ኢዩ ኢለን ብጠጠዉ ሓዲገናኦ ከዳ። ይበሃል። 
ብሓቂ ነዲኡ ዘይከውን ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያና የለን፡ ኣብ ልብና ውን የለን። እቲ እንኣምኖ ኢየሱስ ብግብርን ብቃልን ዝመሃረና ኣምላኽና ኢዩ።

ብርግጽ ናይ ዘመና መናፍቃን ‘’የሱስ’’ ግን ይትረፍ ‘’ነዲኡ’’ ንፈጣሪኡን ኣምላኹን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከማን፣ ዘይእዘዝ ጸረ እግዚአብሔር፣ ጸረ ቅድስና፤ ጸረ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ዝፈርሕን ዘንፈጥፍጥን ግና /ተግባር/ ዘረሓቀ ሸፋጥን መታለልን እዩ። ስለዚ ካብዚ ስም (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ዝጻረር ካብ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ዲያብሎስ ክንሕሎ ይግበኣና። ነዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝጸሓፈልና «ብኣምላኻዊ ቕንኢ እቐንኣልኩም እየ እሞ ከም ሓንቲ ንጽሕት ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብ አሕፅየኩም ኣሎኹ፣ ንሱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ግናከ ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፣ ከምኡ ንስካትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎኩም ምሉእን ንጽሑን ፍቅሪ ከይትርሕቁ ይፈርሕ ኣሎኹ። ምስ በለ ኣስዕብ ኣቢሉ ከምዚ ይብለና፤ ምኽንያቱ ሓደ እኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ኻልእ ‘’የሱስ’’ እንተ ሰበኸልኩም፡ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ ‘’ካልእ መንፈስ’’ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይ ቅድሚ ሕጂ፡ ዘይተቀበልኩምዎ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኩልኩም፣ ስቅ ኢልኩም ትዕገስዎም ኣለኹም » 1ይ ቆሮ 11፡2-5። እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ እዚ ሰብ፣ ደሓን ድዩ? «ኢየሱስ» ሓደ እንድዩ። እኳ ኣይክትብሉን ኢኩም። ምኽንያቱ እቲ መልሲ ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪሁልና ስለ ዘሎ።
 

ብዘይካ እቲ ሓዋርያት ዝሰበኽዎ ኢየሱስን፤ ዝተቀበልዎ መንፈስን   ኣንጻር ናቱ ‘’ሓሳዌ መሲሕን’’ ርኩስ መንፈስን ከም ዘሎ እዩ ዘስተምህረና። ስለዚ መናፍቃን ብዙሕ ግዜ "የሱስ፡ የሱስ፡ የሱስ" እንተበሉ ዘገርም ኣይኮነን። ከምቲ ንሔዋን ዘስሓተ ዲያብሎስ፣ ከምኡ ድማ ይከውን ዶ ኢላ ብሓሳባ ዝተታለለት፡ ንሕና ድማ ቅዱሳን መጻሕፍትን፤ ቅንዕቲ እምነት ኣቦታትናን ከይፈለጥና፤ ''ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ''።2ይ ጴጥ 3፡17-18 ከም ዝተበሃለና ብሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ። ብሥጋዊ ሓሳብና ቀልጢፍና ብኣኣቶም ብመናፍቃን ኣይንታለል። ነዚ’ዩ  ቅዱስ ጳውሎስ «ኩሎ ኣመክሩ ወዘ ሰናየ ኣጽንዑ; ንኩሉ መርምሩ ነቲ ሰናይ ድማ ኣጽኒዕኹም ሓዝዎ» ዝበለና። ነቲ ሰናይ ነገር ብምስትውዓል ክንምርምር ይግባና’ዩ።  

* እስከ ከሓተኩም መናፍቃን
መናፍቃን ብሓቂ ዲኩም ጐይታና ኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዲኡ «ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ» ስለ ዝበለ ናይ ኣዲኡ ቃላ ነጺግዎ እዩ። ልማኖኣ ኣይሰምዓን፤ ኣየኽብራን ትብሉ ዘለኹም?
በየናይ መለኽዒ መንፈስ ኢኹም ነቲ ቃል እግዚአብሔር ትመዝንዎ? በቲ ‘’ካልእ ወንጌል’’ ድኩም ወላስ በቲ ሓዋርያት ዘስትምሃርዎ መንፈሳዊ ወንጌል ኢኩም? ኣይመስለንን! በቲ መንፈሳዊ መለክዒ፣ እንተ ትመዝንዎ እሞ «ምሳኺ እንታይ ኣሎኒ፡ ዝብል ቃል ናይ ፍቅርን፤ ኣክብሮትን ምኳኑ መብርሃልኩም ኔይሩ። መምዘኒኩም ካልእ ወንጌል ስለ ዝኾነ ግን እንሆ መጽሓፍ ቅዱስ ክጋራጨወኩም ዝውቱር ኮይኑ ንሪኦ ኣሎና። ንምኳኑ ዓሰርቱ ትእዛዛት ዘሃበና እኮ እግዚአብሔር እዩ። ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ መበል ሓሙሽይቲ ቃል «ኣክብር ኣበከ ወእመከ» ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር እዩ ዝብል። /ዘጻ20፡12 /ኤፌ6፡1-4/። እንታይ ደኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ባዕሉ የፍርሶ ኢልኩም ትሓስቡ? ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ ይምህረና፤ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ካብኣተን ሓንቲ ዝብድል ብዅሉ እዩ በደልኛ ዝኸውን /ያዕ2፡10/። ኵሉ ሕጊ ፈጺሙ ኣዲኡ ብዘይ ምኽባሩ ብኵሉ በደለኛ ከምዝገብረኩም ኣይትፈልጡን? ኣይፋሉን ኣይትጋገዩ። ኣምላኽ ኣይሑሱን ኣይጋገን በደልኛ’ውን ኣይኮነን። ዝሕሱ ግና እቲ ሓሳዊ መሲሕ ስም ኣምላኽ ዝለበሰ ዲያብሎስ’ዩ። ኣምላኽና እግዚአብሔር እሞ ይትረፍ ነታ ብፍቅርን ርሕራሄን ዝለመነቶ ኣዱኡ ነቶም ብሴፍን ብበትርን ዝመጽዎ ከማን ብፍቅሪ እዩ ዝተቐበሎም። /ማቴ26፡50/ እስከ ሕሰቡ ጎይታ እኮ ምስቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣብታ ናይ ፍቅሪ መኣዲ ብሓንሳብ ከምዝተደረሩ፤ ንጸላኢኡ ዘፍቅር ካብ ኮነስ ነዲኡ ድኣ ማዕረ ክንደይ ዘይፈትዋን ዘየፍቅራን፤ ጎይታ ንሰባት ዘቃልል ዘየኽብር እንተ ደኣ ኮይኑ ንምንታይ ንይሁዳ ከም ዘትሕዞ እንዳ ፈለጠ ተንስእ ካብዚ መኣዲ ዘይበሎ? ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ነዱኡን ንቅዱሳንን ዘየክብር ዘይኮነስ ርስሓት ደቂ መዛምርቱ ዝሓጽብ ኣምላኽ ከምዝኾነ ከነስተውዕል ይግባእ። ንስኩም ግን ነዱኡ ኣይሰምዓን ኣየኽበራን ዝብል ትምህርቲ መን መሃረኩም? እግዚአብሔር ብቅዱስ ገብሪኤል ገይሩ እኮ «ሰላም ንዓኺ ይኩን ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ፤ ደስ ይበልኪ ከምዝበላ። ሉቃ 2፡28። እንታይ ደኣ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ኢሉ እንዳ ኣብሰራ፤ ኣይፈልጠክን’የ፤ ኢሉዋ እንዳ በልኩም ዓይኑኹም ኣዓሚትኩም ትጭድሩ ንምንታይ? ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ነዱኡ ዘኽብርን፤ ኣኽባሪ ትእዛዙን እዩ። ግን ከምቲ እተን ኣደ ዝበለኦ ናትካ የሱስ ነዲኡ ዘይኮነ ንዓይ ኣይኮነንን ኢዩ፤ ዝበለኦ ብሓቂ ናይ መናፍቃን 'የሱስ' ነዲኡ ዘይኮነ ናዓና ውን ክጠቅመና ኣይክእልን እዩ። እንኣምኖን እነኸብሮ ኣምላኽና ግን ''ሰብእሰ ክቡር ውእቱ'' ሰብ ክቡር እዩ። ኢሉ ኣክቢሩ ዝፈጠረና ናይ ፍቅሪ ኣምላኽ እዩ።
 
ሎቱ ስብሃት!!!!
ብልመና ድንግል ማርያም ዝተመልአ ኣጋንእ፡

No comments:

Post a Comment