ባህርይ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣዝዩ ብዝሑን ሰፊሕን እኳ እንተኮነ ነገር ግን ኣብዚ ግዜ እዚ ክንፈልጦ ዝግባኣና/ጠባያት ባህርያት/ ኣብ ንኡስ ንጥብታት ክንሪኢ ክንፍትና እና።
ቤተ ክርስትያን ሓንቲን ዘይትልወጥን ቤት እያ፣
ቤተ ክርስትያን ቅድስት እያ፣
ቤተ ክርስትያን ኵላዊት ኣብ ኩሉ እትርከብ እያ፡
ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊት እያ፣
ቤተ ክርስትያን ሓንቲን ዘይትልወጥን ቤት እያ፣
ቅዱስ ጳውሎስ '' ካብ ኩሉ ንላዕሊ፣ ኩሉ ዝመልክ፡ ኩሉ ዝሰርሐ፡ ንኩሉ ዝኣሊ፡ ንኩሉ ዝምግብ፡ ኩሉ ዝሰርሐን ዝመስረተን ኣብ ኩሉ ዝነብርን፡ ሓደ ኣምላክ ናይ ኩሉ ኣቦ ኣሎ። ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ ሃይማኖት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ ሓደ ኣካል፡ ሓደ መንፈስ ኣሎ። እንዳ በለ ዝገለጻ ቤተ ክርስትያን እያ። ምክንያቱ ናይ ቤተ ክርስትያን ርእሲ ሓደ እዩ፡ ንሱ ድማ ፈጣረ ሰማይ ወምድር ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። / ኤፌ 4፡ 4 -6 / ስለዚ ቤተ ክርስትያን ዘይትልወጥ ሓንቲ፡ ብጐይታ እቲ እምኒ ማኣዝን ኣይሁድ ዝነኣቅዎ ተባሂሉ ዝተነግረሉ፡ ነገር ግን ነብያትን ሓዋርያትን ኣጣሚሩ እምኒ ማኣዝን ኮይኑ ንቤተ ክርስትያን ብቀይሕ ደሙ ዝመስረታ እንተደኣ ኔይሩ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን እያ። ንሱ ዝመስረታ ማንም ከፍርሳ ዘይክእል ቤት ገደፈልና። ምንም ሰባት ከፍርስዋ እንተፈተኑ እውን ሰብነቶም እዮም ዝፍርሱ ምክንያቱ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ / 1ይ ቆሮ 3፡16/ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቅደስ ኣምላክ እንተ ኣፍረሰ፡ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እንዳበለ ብዛዕባ ቅድስናኣ የስተምህረና ስለዚ ቤተ ክርስትያን ብጐይታ ዝመስረተት ማንም ክቅይራ ዘይክእል ቤት እያ።
እቲ ንምፍራስ ቤተ ክርስትያን ዝህቅን ድያብሎስ እውን ኩሉ ግዜ ኣብ ድኩማት ሰባት ስጋኦም መህደሪ ዲያብሎ ዝገበሩ ሰባት። ሓዲሩ ክልተ ማልሓስ እንተተዛረበን ንሓሶት ሓቂ ከምስል እንተጸዓተን ቤተ ክርስትያን ግን ፍሕሶ ድያብሎስ እትፈልጥ ቤት እያ። ሓደ ሰብ ቅዱስ ቁርባን ኣየድልን፡ ጥምቀት ኣየድልን፡ ጸም ጸሎት ስግደት ኣየድልን፡ ስርዓት ቤተ ክርስትያን ከም'ኡ ኣይኮነን ዝብል እንተደኣ ኮይኑ ትጋገ ዘላ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነትስ፡ እቲ ከምኡ ኢሉ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ እዩ ዝጋገ ዘሎ እንበር ቤተ ክርስትያን ኣይኮነትን። እታ ብጎይታ ዝተመስረተት እምነት እሞ ጽሙ፡ ጸልዩ ስገዱ፡ እንዳ በለት እያ እተስተምህር ዘላ፡ ስለዚ እቲ ጌጋ ኣብቲ ብልሳኑ ዝጥብር ዘሎ ሰብ እዩ። እስኪ ናብ ኣዳምን ሄዋንን ንመለስ እግዚኣብሄር ዝበሎም ካብዛ ዕጽ እዚኣ ኣይትብልዑ እንተ በሊዕኩም ሞት ክትሞቱ ኢኩም ኢልዎም ነበረ። እሞ እቲ ጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስ ድማ እንታይ እዩ ኢልዎም ኣምላክ እንታይ ኢሉኩም ብምባል ናብ ኣዴና ሄዋን ጽግዕ በለ፡ ኣብ ስጋ ከይሲ ህዲሩ ሓሶት ክኣልም። ሎሚ'ውን ስጋኦም እቲ ሰብነት ኣምላክ ምሕደሪ ድያብሎስ ብምግባር። ስርዓት ቤተ ክርስትያን ከምዚ ኣይኮነን ጎይታ ተቀበል እንዳበሉ ዓይኒ ምእመናን ዘፍዝዙ ተረፈ ይሁዳ ኣይተሳእኑን ኣግዚኣብሄር ካብዚ፣ ናይ ክህደት ዘረባ የድሕነና ብሓቂ!! ስለዚ ሄዋን እንታይ ኣ ኢላቶ እግዚኣብሄር ካብዚ ኩሉ ብልዑ ነታ ጽብቁን ሕማቅን እተፍልጥ ኦም ዕጸ በልስ ግን ኣይትብልዑ ኢሉና እንዳ በለት መንገዲ ሓጢኣት ከፈተትሉ። ንሱ ድማ እግዚኣብሄር ፍልጠት ከይትፈልጡ ልዕሌኡ ከይትኮኑ ኢሉ እዩ። ምስ በላ ብምክሪ ድያብሎስ ናብ ሞት ጥፍኣት መረጸት፡ ሎሚ ድማ እታ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ከምዚ ግበሩ ኣይትግበሩ፡ እንዳ በለት መገዲ ጽድቂ እንዳ ኣስተምሃረትና፡ ኣብዚ ናይ ምጻት ምልኽት በጺሕናሉ ዘለና እዋን ኣቦታትኩም ጣኦት እዮም ዘምልኩ ነይሮም ሕጂ ግን ከምዚ እመኑ ዝብሉና ከመይ ገርና ክንኣምኖም ይከኣሎና ፍቁራት የሕዋት !!! እስከ ብፍሪኦም ነለልዮም። ብቃሎም በቲ ናይ ሓሶት ልሳኖም ኣዚ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበቦም እንዳ ሕበረናስ ንምንታይ ንድሕሪት እንጥምትን እንጠራጠርን፡ እኳ ደኣ ብቃል ናይ ቤተ ክርስትያን ኣቦታት ክንሕበን ይግባኣና!
ቤተ ክርስትያን ግን ዘይትቅየርን ዘይትናወጽን ቤት እያ / ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋሽጫ ኣብ ሰኣታት ዝተባህለ መጽሓፉ ከምዚ እንዳበለ ይዛረብ፡ ኣብ ሞጐስነ '' ሐመርነ ዘኢይቀርቦ መጎድ መዝገብነ ዝይረክቦ ሰራጪ ውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስ / ስለዚ ኣብዛ ማዕበል ባሕሪ ዘይክእላን ዘይቀርባን ቤትና ሰማያዊ መዝገብ ነጥሪ እምበር፡ ኣይንጠራጥር እዞም ንሪኦም ዘለና መናፍቃን ይትረፍ ንእግዚኣብሄር ንነፍሶ ከኣልዩ ዘይክእሉ እዮም። እሞ ሓደራኩም ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ፡ ጸርፊ እቶ ዝጸርፍኩም ተኣገሱ።
ቤተ ክርስትያን ግን ዘይትቅየርን ዘይትናወጽን ቤት እያ / ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋሽጫ ኣብ ሰኣታት ዝተባህለ መጽሓፉ ከምዚ እንዳበለ ይዛረብ፡ ኣብ ሞጐስነ '' ሐመርነ ዘኢይቀርቦ መጎድ መዝገብነ ዝይረክቦ ሰራጪ ውእቱ ኢየሱስ ክርስቶስ / ስለዚ ኣብዛ ማዕበል ባሕሪ ዘይክእላን ዘይቀርባን ቤትና ሰማያዊ መዝገብ ነጥሪ እምበር፡ ኣይንጠራጥር እዞም ንሪኦም ዘለና መናፍቃን ይትረፍ ንእግዚኣብሄር ንነፍሶ ከኣልዩ ዘይክእሉ እዮም። እሞ ሓደራኩም ኣብ እምነትኩም ጽንዑ ፡ ጸርፊ እቶ ዝጸርፍኩም ተኣገሱ።
ብሓቂ ቤተ ክርስትያን ሓንቲ እያ። ጎይታ ኣብ ዮው 15,፡1-6 ከምዚ እንዳበለ ጺሒፉልና ንረክቦ ።''ኣነ ናይ ሓቂ ጎንዲ ወይኒ እየ ፡ተኻሊኡ ከኣ ኣቦይ እዩ ።ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር ኩሉ ይቆረጽ ፡ ነቲ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና ብዙሕ ምእንቲ ክፈሪ የጽርዮ። ንስካትኩም ከኣ ሳላ እቲ ዝነገርኹም ቃል ድሮ ንጹሓት ኢኩም። ኣባይ ንበሩ ኣነ እውን ኣባኩም ክነብር እየ፡ ጨንፈር ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ እንተዘይ ነበረ ካብ ርእሱ ኪፈሪ ከም ዘይኽእል፡ ንስካትኩም እውን ኣባይ እንተዘይ ንበርኩም ከምኡ ኢኩም። እቲ ጉንዲ ወይኒ ኣነ እየ ጨናፍር ድማ ንስኩም ኢኩም እቲ ኣባይ ዝነብር ኣነ ውን ኣብኡ ይነብር፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ምኽንያቱ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገሩ ኣይከኣለኩምን እዩ። ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ ኣኪቦም ድማ ናብ ሕዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። እንዳበለ ይምህረና ቅዱስ የውሓንስ ወንጀላዊ፡ እታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየኡስ ክርስቶስ ዝተከላ ቤተ ድሕነት ሓንቲ ኣማናዊት ቤተ ክርስትያን እያ፡ ፍሬ ሰናይ እንፈርዮ ድማ ኣብኣ እዩ። ምክንያቱ ቤተ ክርስትያን ኣካል ክርስቶስ እያ። ስለዚ ቤተ ክርስትያን ሓቂ እምበረ ሓሶት ዘይትፈልጥ ቤት እያ፡ ስርዓት ቤተ ክርስትያን ጌጋ እዩ ንብል እንተደኣ ኮይና ነቲ ጌጋ ዘይባህርዩ ክርስቶስ ተጋግዩ ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ሎቱ ስብሐት፣ ንኣምላክ ተጋግዩ ንብል እንተደኣ ኮይና። ምስቲ ሰናይ ፍሬ ዘይፈሪ ናብ ሓዊ ምድርባይ ዘይተርፍ እዩ። እሞ ምስቶም ቀይዲ በተኽ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ዘይፈልጦም ሰባት፡ ስርዓት ቤተ ክርስትያን ንፈልጥ ኢና እና በሉ ስርዓት ዘፍርሱ፡ ካብ ምዝላል የድሕነና ኣምላክ።
ሕጂ እውን ምንም እኳ በቲ ድኩም ሓንጎሎም ቤተ ክርስትያን ክትቅየር ኣለዋ እንተበሉ ንሕና ግን ሂይወቶም ይለዉጡ ኣዩ መልስና። እስከ ኣምላኽ ዘጽደቆን ቅዱሳን ኣቦታትና ዘስመርሉስ ክመይ ንሕና እንጣራጠር!!!
ቤተ ክርስትያን ቅድስት እያ፣
መጽሓፍ ቅዱስና ከምዚ ይብል እስመ ኣነሂ ቅዱስ ኩኑ ቅዱሳን '' ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ''ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸወዓኩም ቅዱስ ዝኮነ ፡ ንስኻትኩም እውን ብኩሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ ። 1ይ ጴጥ 1፡15-17 ብማለት ናይ ጐይታ ደቂ መዛሙርት ብዘስተምሃርዎ መሰረት ምክንያት ቤተ ክርስትያን ዝተቀደሰ ስራሕ ዝስርሓ፡ ኣብ ዉሽጣ ዝነብሩ ምእመናን ሰብነቶም ዝቅደሱላ ኣፍደገ ሰማይ እያ። ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዝኮነ ደመ እግዚኣብሄር ብምፍሳስ ዝተቃደሰት ቤተ እያ። ኣብ ሰዓታት መጽሓፈ ቤተ ክርስትያን እንታ ይብል ፦ /ዘበእንቲኣሃ ለቤተ ክርስትያን ተጸፋኢከ በውስተ ኣውድ ከመ ትቀድሳ ለይቤትከ ይብል / ስለዚ ጎይታ ኣብ መስቀል ዝተገርፈሉ ንቤተ ክርስትያን ምቅዳስ እውን ኔይሩ ማለት እዩ። ኣብ ግብረ ሓዋርያት ከምዚ ይብል ሓዋርያ ሉቃስ ግብ 20፡28 ሰለዚ ንርእስኩምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስትያን ኣምላክን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ። እንዳ በለ ንካህናት ይመክር፡ ኣብዚ ሓይለ ቃል እዚ እንታይ እዩ ዝብላ ዘሎ ጐይታ ብደሙ ዝመስረታ ቤተ ክርስትያን ይብለና ኣሎ። ስለዚ ድማ እያ እቲ ሂይወት ዝህብ ስጋኡን ድሙን ዘወትር ቅዱስ መኣዲ ክርስቶስ ክትሰርዕ ትርከብ ኣላ። ቤተ ክርስትያን ሓጢኣት ርክሰት ዘይርከባ፡ ቅድስት ቤት እያ። ቤተ ክርስትያን ጐይታ ዘፍቀራን ዝቀደሳን ቤት እያ, ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብኣ ኤፌሶን መልእክቱ ኣብ ዝጸሓፎ ብዛዕባ ኣብ ሰባይን ሰበይቲ ዘሎ ርክብ ፡ ክገብርዎ ዘልዎም ነገር፡ ግብረ ክርስትና ከስተምህር ዝጸሓፎ ከምዚ ይብል ፦ /ኤፌ 5፡26 / ኣንቱም ሰብኡት፡ ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን ብቃልን ብምሕጻብ ማይን ኣጽርዩ ምእንቲ ክቅድሳ፡ ርስሓት ወይ ዕጣር ወይ ድማ ንዕኡ ዝመስል ካልእ ክፋት ዘይብላ፡ ቕድስትን ፡ መንቕብ ዘይብላን ክብርቲ ቤተ ክርስትያን ገይሩ ናብ ኡ ምእንቲ ኬቕርባ ፡ ኣብ ክንድኣ ገዛእ ርእሱ በጃ ክሳብ ምሃብ ዘፍቀራ ፡ነንስትኩም ኣፍቅርወን እንዳበለ መልእክቱ ይቅጽል፡ ስለዚ ካብዚ ጽሑፍ ከም ንርድኦ መንቅብ ዘይብላ ቕድስትን ክብርትን ምእንቲ ክገብራ፡ ምእንትኣ ሰብነቱ በጃ ኣሕለፈ ይብለና፡ ቤተ ክርስትያን ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ በጃነት ዝተቀደሰት ቤት እያ።
ቤተ ክርስትያን ኵላዊት ኣብ ኩሉ እትርከብ እያ፡
ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩሉ እትርከብ መንፈሳዊት ቤተ እያ ኣብ ኩሉ ዘላ ናይ ኩሉ እያ። ምክንያቱ ቤተ ክርስትያን ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ምስ እግዚኣብሄር ዝራከቡላ መስዋእት ዘዕርጉላ፡ ንኣምላክ ዘመስጉኑላ፡ ምስ ኣምላኮም ዝራከብላ ቤት እያ ነዚ እኳ እዩ እግዚኣብሄር ንሙሴ ከምዚ ዝበለ ''ኣብ መንጎኩም ምእንቲ ክርከብሲ ቤት መቅደስ ስርሑለይ፡ ዝበሎም ከም ኡ ውን ኣብ ሓደ ቦታ ተወሲና ኣይትነብርን እንታይ ደኣ ኣብ ኩሉ ህልውቲ እያ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ክገልጽ ከምዚ ይብል ፦ ኤፌ 1፡22-23 ንብዘሎ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስትያን ገይሩ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሽሞ። 23 ንሳ ኣብ ኩሉ እያ፡ ናይቲ ንዅሉ ብዅሉ መንገዲ ዝመልእ ምልእቲ እያ ። ስለዚ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩሉ ሕልውቲ እያ;;
ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊት እያ፣
ሓዋርያዊት ማለትና ድማ ከምዚ ሒጂ ኣብ ፈቀዶ ኣባይቲ ዝህነጻ ዘለዋ ሓዋርያውያን ኢና ዝብላ ኣይኮነትን እንታይ ደኣ፣ ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝገለጽናዮ ዝገለጽናዮ፡ ብደም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስረተ ቤት እያ። ብቅዱሳን ሓዋርያት ዝተመስረተት እያ። ኣብ ቂሳርያን ናይ ፊሊጶስ ዓዲ ብዛዕባ መንነቱ ኣብ ዝሓተተሉ እንታይ እዩ ኢልዎም፡ (መነ ይብሉኒ ሰብእ ለወልደ እጓለ እመሕያው) ማለት ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ ። ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል መለሰሉ፡ ኣንተ ውእቱ ወልደ እግዚኣብሄር ሐያው፣ ንስኻ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ክርስቶስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ማቴ 16፡13-20 ኢየሱስስ ከኣ ስምዖን ወዲ ዮና ሆይ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ስጋን ደምን ኣይመስከረልካን እሞ ብጹእ’’ ኢካ ኢሉ መልሰሉ። እንታይ እዩ ኢልዎ፡ (ኣንተ ውእቱ ኾክሕ ወዲበ ዛቲ ኮክሕ ኣሓንጻ ለቤተ ክርስትያንየ ቅድስት ኢይክልዋ ኣናቅጸ ሲኦል ኣንቆልቁሎታ ወኣማስኖታ ኣነ እሁበከ መራሁተ ዘመንግስተ ሰማያት ዘኣሰርከ በሰማይ ይኩን እሱረ በሳማይ ወዘፈታሒከ በምድር ይኩን ፍቱሓ በሰማያት)። ኢዩ ኢልዎ ንስካ ጴጥሮስ / ከውሒ ኢካ። ኣብ ልዕሊ እዚ ከውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስትያነይ ክሓንጻ እየ ። ደገታት ሲኦም ድማ ኣይኽሕይልዋን እዮም። ኢሉዎ ስለዚ እዛ ቤተ ክርስትያና ኢልና እንምክሐለ ብሓቀኛታት ሓዋርያት ዝተመስረተት ኣናቅጸ ሲኦል ዘይክእልዋ ቤት እያ። እዚ ድማ እዩ ሓዋርያዊት ዘብላ።
ናይ ቤተ ክርስትያን ባህርይ ብሕጽር ዝበለ ነዚ ይመስል፡ እሞ ኣብዚ ይእከለና።
ስብሓት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል ፡
ወለመስቀሉ ክቡር፡
ኣሜን!!!!!
No comments:
Post a Comment