ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!
ጴጥሮስ
ማለት ከውሒ፡
መሰረት፡ ማለት
እዩ። ቀዳማይ
ስሙ ስምኦን
ክኸውን ከሎ
ጴጥሮስ ኢሉ
ዝሰመዮ ግና
ኣምላኽና ኢየሱስ
ክርስቶስ ኢዩ።
እዚ ክርስቶስ
ኣምላኽና ኣብ
ቂሳርያ ናይ
ፍሊጶስ ሃዋርያ
ዓዲ ንወዲ
ሰብ መን
ይብልዎ ኢሉ
ሕቶ ኣብ
ዘቕረበሎም ግዜ
ቅዱሳን ሃዋርያት
ሰባት ዝብልዎ
ሓሳባት ክነግርዎ
ከለዉ ቅዱስ
ጴጥሮስ ግን
ሱቕ በለ፡
ከመይ ንሱ
ዝብሎ ድኣ
እምበር ዓለምን
መሳሰይታን ዝብልዎ
ክዛረብ ኣይደለየን።
ኣብ መወዳእታ
ግና ንስኻትኩም
ከ መን
ትብሉኒ ዝብል
ሓቶ ኣብ
ዘቕረበሎም ግዜ
ቅድሚ ኩሎም
ቅዱሳን ሃዋርያት
ተንሲኡ ንስኻ
ክርስቶስ ወዲ
ሕያው እግዚኣብሔር
ኢኻ ብምባል
ክርስቶስ ፍጹም
ኣምላኽ ፍጹም
ሰብ፡ ብተዋህዶ
ሓደ ኣካል
ሓደ ባሕርይ
ከም ዝኾነ
መንፈስ ቅዱስ
ብዝገለጸሉ ምስጢር
ናይ ተዋህዶ
ተዛረበ። በዚ’ዩ ኢኻ
ቅዱስ ኣምላኽና
ኢየሱስ ክርስቶስ
ንስኻ ከውሒ
ኢኻ ጴጥሮስ
ተባሂልካ ካኣ
ክትስመ ኢኻ
ኢሉ ነዚ
ስም እዚ
ዝሃቦን ብእኡ
ክጽዋዕ ዝገበረን።
ልዒሊ ኩሎም
ሃዋርያት ገይሩ
ካኣ ናይ
መንግስተ ሰማያት
መፍትሕ ሃቦ፡
(ማቴ16፡13-20/፲፮፡፲፫-፳)
ኣመ ፭ (ሓሙሱ) ለሓምሌ በዛቲ ዕለት ኮነ ስምዖሙ ለ፪ ሓዋርያት ኣቢያን ሊቃናት ጴጥሮስ ወጳውሎስ።
ቅዱስ
ሃዋርያ ጴጥሮስ
ነገዱ ካብ
ነገደ ሮቤል
ኮይኑ ቁጽሩ
ካብ 12/፲፪ ሃዋርያት፡
ሃገረ ስብከቱ
ሮሜ፡ ዕረፍቱ
5/፭ ሓምለ
-67 / ፷፯ ዓመተ
ምሕረት ኢዩ።
ኣምላኽና
ኢየሱስ ክርስቶስ
ንቅዱስ ሃዋርያት
ካብ ዓለም
ፈልዩ ንሃዋርያነት
ክልእኮም ከሎ
ካብ ብዙህ
ዝዓይነቱ ናብራን
መድረኽን ኣተንሲኡ
እዩ ናቱ
ሰዓብትን ናይ
ቃላቱ መገብትን
ገይርዎም። ሓደ
ካብኣቶም ዝኾነ
ቅዱስ ጴጥሮስ
እውን ኣብ
ዓዱ ኣብ
ቤተ ሳይዳ
ካብቲ ዕለታዊ
ናብርኡ ንኽኣሊ
ዝሰርሖ ዝነበረ
ምግፋፍ ዓሳ
ጸዊዑ እዩ
ካብ ምግፋፍ
ዓሳ ገፋፊ
ሰብ ከም
ዝኸውን ዝገበረ። ነዚ
ዝሰምዔ ቅዱስ
ጴጥሮስ ‘ውን ነቲ
ዝነበሮ ናይ
ዓሳ ምግፋፍ
ስራሕ ገዲፉ
ምስ ክርስቶስ
ክኸይድ ኣሰር
ኣሰሩ ክረግጽ
ብእምነት ተበጊሱ
ሰዓቦ።
ከም
ኩሎም ሓዋርያት
ካኣ ደድሕሪ
ክርስቶስ እናኸደ
ክሳዕ ዕርገት
ጎይታ ብዙሕ
ትምህርቲ ተማህረ። ከምቲ
ዝተኣዘዝዎ መሰረት
ካኣ ድሕሪ
ዕርገት ናይ
ጎይታና ኢየሱስ
ክርስቶስ ብትብዓት
ንወንጌል ክርስቶስ
ሰቢኹ ኣብ
ኣደባብያት ኣብ
ዕጸ መስቀል
ቁልቁል ኣፉ
ተሰቒሉ ኣብ
ቅድሚ ኣምላኹ
ክቡር ዝኾነ
ሞት እዩ
ሞይቱ።
ቅድሚ
ኣብ ዘመኑ
ስብከቱ ዝፈጸሞም
ቅድሚ ምርኣይና
ግና ኣብ
መጽሓፍ ቅዱስ
ብሰፊሑ ተገሊጹ
ወይ ድማ
ተጻሒፉ ካብ
ዝርከብ ትንክፍ
ክነብል። ንሱኻ
ከምቲ ቅድስት
ቤተክርስቲያና እትምህረና፡ሊቀ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ
ዝያዳ ኩሎም
ሃዋርያት ቅልጡፍ
ከም ዝነብረ
ይፍለጥ። ኣብ ቂሳርያ
ናይ ፍሊጶስ
ዓዲ ንየማን
ንጸጋም ከይ
በለ ብቕልጡፍ
“ንስኻ ክርስቶስ
ወዲ ሕያው
እግዚኣብሔር ኢኻ-
ንስኻ ሰብ
ዝኾንካ ኣምላኽ
-ንእግዚኣብሔር ናይ
ባህርይ ወዱ
እቲ ዝነበረ
እቲ ዘሎ
እቲ ዝነበር
ሓደ ወልድ
ስጋ ሰብ
ዝለበስካ ክርስቶስ
ተባሂልካ ዝተጸዋዕካ
-ወልድ ዋኅድ
ንስኻ ኢኻ”
ብምባል ብዘይካኡ
ካልእ ወልድ
ከምዘየለን እቲ
ሰብዝኾነ ወልደ
እግዚኣብሔር ንሱ
ኢየሱስ ክርስቶስ
ምዃኑ መስከረ። እዚ
ስለ ዝመስከረ
ካኣ ብጹዕ
ተባህለ ልዕሊ
ኩሎም ሃዋርያት
ካኣ ኮነ። (ማቴ16፡13-20/፲፮፡፲፫-፳)
ኣብ
ደብረ ታቦር
ኣብቲ ቅዱስ
እምባ ኣብ
ዝደየበሉ ግዜ
ሊቀ ነብያት
ሙሴን ነቢይ
ኤልያስን ምስ
ጎይታናን ኣምላኽናን
ኢየሱስ ክርስቶስ
ክዘራረቡ ምስ
ረኣየ፡ናይ ክርስቶስ
ክብሪ ምስ
ኣስተብሃለ ቅድሚ
ቅዱስ ዮሓንስን
ቅዱስ ሃዋርያ
ያዕቆብን “ንዓና ኣብዚ
ምንባር ጽቡቕ
ኢዩ ሰለስተ
ዳስ ክንሰርሕ
ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ
ካኣ ንኤልያስ”
ክብል ዝተዛረበ
ቅዱስ ሃዋርያ
ኢዩ።(ማቴ17፡1-4/፲፯፡፩-፬)
ምስ
ቅዱሳን ሃዋርያት
ናብ ቅፍርናሆም
ኣብ ዝምጻሉ
ግዜ እቶም
ግብሪ ቤተ
መቕደስ ዝቕበሉ
ሰባት ናብኡ
መጺኦም “መምህርኩምሲ ግብሪ
ዶ ኣይከፍልን
ኢዩ” ኢሎም ኣብ
ዝሓተትዎ ግዜ
ይከፍል እባ
ክብል መለሰ። ነዚ
ፈሊጡ ኣምላኽና
ኢየሱስ ክርስቶስ
ናብ ባሕሪ
ከይዱ ብሞቕሎብ
ገይሩ ካብ
ዝሓዞ ዓሳ፡ ኣብ ውሽጡ
ካብ ዝጸንሐ
ሓደ ኣስታቴር(ኣርባዕተ ዲናር
ዝሽረፍ) ወሲዱ ኣብ
ክንድኡን ኣብ
ክንዲ ክርስቶስ
ነቶም ተቐበልቲ
ግብሪ ክኸፍሎም
ነገሮ። ቅዱስ
ጴጥሮስ ድማ
ከምኡ ገበረ።(ማቴ17፡24-27/፲፯፡፳፬-፳፯)
ደድሕሪ
ክርስቶስ ምኻዱ፡
ዝገፎ ዝነበረ
ዓሳ ምግዳፉ፡ ቤተ ሰቡ
ብሓፈሻ ዝነብሮ
ዝነበረ ናብራ
ሕዲጉ ንክርስቶስ
ምስዓቡ ኣብ
መወዳእታ ክረኽቦ
ዘለዎ እንታይ
ምዃኑ መታን
ጽቡቕ ገይሩ
ክፈልጥ “እንሆ ንኹሉ
ጥሪትና ሕዲግና
ስዒብናካ ኣሎና”
ክብል ሕቶ
ኣቕረበ። መጻኢ ሂወቱን
ትርጉም ምጉዓዙን
እንታይ ትጽቢትን
ተስፋን ዘለዎ
ምዃኑ መታን
ንዕኡን ነቶም
ምስኡ ዝነበሩ
ቅዱሳን ሃዋርያትን
ክበርሃሎምን ግልጺ
ክኾነሎምን ካኣ
”ኣብዚ ዓለም
እዚ ብዙሕ
ካዕበት ኣብታ
እትመጽዕ ዓለም
ካኣ ናይ
ዘልኣለም ሕይወት
ዘይረክብ የልቦን”
ዝብል ዓቢይን
ዘጸናንዕን ኣምላኻዊ
ቃል ሰምዔ።(ሉቃ18፡28-30/፲፰፡፳፰-፴)
ብዕለተ
ሓሙስ (ቅዱስ
ቁርባን ኣብ
ዝተሰርዓሉ ምሸት)
ብኣምላኹ ብኢየሱስ
ክርስቶስ ምእንቲ
ከይሕጸብ ዝተኸራኸረ፡
ናብ ዓርቢ
ዘውግሔ ለይቲ
ኣይሁድ ምስ
ጭፍራ ሰባት
ንክርስቶስ ኣምላኽና
ክሕዙ ኣብ
ዝመጽሉ ግዜ
ናይ ኣምላኹ
ፍቕሪ ዘቃጸሎ
ቅዱስ ጴጥሮስ
በቲ ሒዝዎ
ዝነበረ ሴፍ
ገይሩ እዚ
ናይቲ ኣገልጋሊ
ሊቀ ካህናት
ቆረጸ።(ማቴ
ማቴ26፡50-52/፳፮፡፶-፶፪
)
ኣቐዲሙ
ክርስቶስ ኣምላኽ
ስለ ስቕለቱን
ሞቱን ኣብ
ዝነገሮም ግዜ
” ጎይታይ ! የድሕንካ እባ
ድኣ እዚ
ኩሉስ ኣባኻ
ኣይውረድ ”እና በለ
ብታህዋኽ ዝተዛረበ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ክርስቶስ ገሲጽዎ
ኢዩ።(ማቴ16፡21-23/፲፮፡፳፩-፳፫)
መሊስ’ውን
ቅድሚ ስቕለቱ
ዝነበረ ሰዓታት
ደጊሙ ንሱ
ክስቀል ምዃኑ፡ ነቲ
ጓሳ ኣባጊዕ
ምስ ሓዝዎ
ድማ ኩላቶም
ሃዋርያት ፋሕ
ከም ዝብሉ
ኣብ ዝነገሮም
ግዜ ቅዱስ
ጴጥሮስ፡ ኩላቶም
እኳ እንተኸሓዱኻ
ኣነስ ከቶ
ኣይክሓድገካን እየ”
ክብል ተዛረበ
እንተኾነ በታ
ለይቲ እቲኣ
ከምቲ ክርስቶስ
ዝበሎ፡ እቲ
ኣብ ቅድሚ
ጭፍራ ናይ
ኣይሁድ ከይፈርሐ
ብትብዓት እዝኒ
ጊልያ ናይቲ
ሊቀካህነት ዝቖረጸ፡ ኣብ ቅድሚ
ሰበይቲ ግና
ፈርሐ“ወዲ መዝሙሩ
ኣይኮንኩን፡ ነዚ ሰብ
እዚ ኣይፈልጦን” ካኣ በለ። እንተኾነ
ነቶም እንጋገ
ዘሎና ኣብነትን
ክኾነናን ኣሰሩ
ምእንቲ ክንስዕብን
ኣምሪሩ በኸየ፡ ተነስሐ።
ዝሕዘኖ ሓዘን
ዝነብዖ ንብዓት
ተመልኪቱ ንንስሓኡ
ተቐበለሉ። (ማቴ26፡69-75/፳፮፡፷-፸፭)
ብድሕርዚ
ማርያም መግደላዊት
ናይ ክርስቶስ
ትንሳኤ ኣብ
ዘበሰረቶም ሰዓትን
ግዜን ካኣ
ምስቲ ጎይታ
ዘፍቅሮ ወደ
መዝሙር ማለት
ዮሓንስ ኮይኑ
ኣብ ናይ
ክርስቶስ መቓብር
በጽሐ ኣብቲ
መቓብር ኣትዩ
ካኣ ናይ
ክርቶስ ትንሳኤ
ኣረጋገጸ። (ዮሃ20፡1-10/፳፡፩-፲)
ድሕሪ
እውን እንተኾነ
ንህዝቢ ኣምላኽ
ኣኪቡ ብማእከልነት
ዝመርሕ ዝነበረ
ንሱ ባዕሉ
እቲ ርእሲ
ናይ ሃዋርያት
ዝተሰምየ ቅዱስ
ጴጥሮስ ኢዩ።(ግ፣ሃዋ5፡1-10/፭፡፩-፲)
መበል
ዓሰርተ ክልተ
ዝነበረ ይሁዳ
ኣስቆሮታዊ ብገዛእ
ፍቓድ ካብ
ሃዋርያዊ ኣገልጉለት
ወጺኡ ንኣምላኹ
ኣሕሊፉ ኣብ
ምሃብ ስለ
ዝበጽሔ ንዕኡ
መተካእታ ዝኸውን
ሰብ ብመርሕነት
መንፈስ ቅዱስ
ክትክኡ ከምዘሎዎም
ዝገበረ ኣብ
በዓለ መንፈስ
ቅዱስ ብሓደ
ግዜ 3000/ ፫፼ ሰባት
ዘእመነ ሊቀ
ሃዋርያት ቅዱስ
ጴጥሮስ ኢዩ። (ግ፣ሃዋ1፡12-መፈ/፩፡፲፪-መፈ፣
2፡1-መፈ/፪፡፩-መፈ)
ስለዚ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ኣብ ዘመነ
ሕይወት ብዙሕ
ትሩፋትን ትምህርቲ
ዘለዎ ዓቢ
ናይ ሃይማኖት
ኣቦ እዩ።
ድሕሪ
ዕርገት ጎይታ
ቅዱስ ሃዋርያ
ጴጥሮስ ናብ
ሮሜ (ኢጣልያ) ናብ ናይ
መኳንንቲ ስፍራ
ኣትዩ ዓው
ብዝበለ ድምጺ
“መሓርቲ ምሕረት
ክረኽቡ እዮም
እሞ ብጹዓን
እዮም” እና በለ
ሰበኸ። ነዚ ዝሰምዑ
ኣብቲ ቤት
ተተኺሎም ነቲ
ቤት ኣቑሞም
ዝነበሩ ኣርባዕተ
ኣዕኑድ ብሓባር
“ኣሜን” ዝብል ድምጺ
ኣስምዑ።
ኣብቲ
ቤት ሓደ
70/፸ ዓመት
ዘውድቕ ጋኔን
ዝሓዞ ሰብኣይ
ነበረ እሞ
ነቲ ቅዱስ
ጴጥሮስ ዝተዛረቦ
ቃል ሰሚዖም
እቶም ኣርባዕተ
ኣዕኑድ “ኣሜን“ ክብሉ ምስ
ሰምዔ ብስንባዴ
እቲ ጋኔን
ካብቲ ሰብ
ወጸ። ነዚ
ዝረኣዩ ናይ
ሮማ መኳንንቲን
ዓበይቲ ዓድን
ኣዝዮም ፈርሑን
ተሸበሩን በቲ
ዝኾነ ነገር
ካኣ እና
ተደንቑ ነናብ
ቤቶም ከዱ።
ኣብቲ
ጉባኤ ዝወዓለ
ቀውስጦስ ዝስሙ
ሓደ ሰብኣይ
ነበረ እሞ
ናብ ቤቱ
ከይዱ ንኣክሮስያ
ሰበይቱ እቲ
ኩሉ ዝኾነን
ቅዱስ ጴጥሮስ
ዝሰበኾ ሰብከት
ነገራ። ንሳ ድማ
ብልባ ደስ
እና በላ
ብሓቂ ናይ
ዓለም ነገር
ኮንቱ ምዃኑን
ሃብትኻ ንድኻታት
ንጽጉማት ምሃብ
ከም ዝግባእ
ኣሚና፡
እዚ ኣዝዩ
ጽቡቕ ነገር
እዩ እሞ
እቲ ጴጥሮስ
ዝበሎ ክንገብሮ
ይግባኣና እዩ
ክትብል ንሰብኣያ
መለሰትሉ። ብድሕርዚ ከምቲ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ዝመሃሮም ገበሩ
ንኹሉ ሃብቶምን
ንብረቶምን ካኣ
ንድኻታትን ንጽጉማትን
ሂቦም ወድእዎ።
ይቅጽል . . . . . . . . . . ፠
No comments:
Post a Comment