በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምለክ አሜን!!!
መስክሪ’ስኪ ነፍሰይ ነዚ ቃል እዚ ምስ ሰማዕኪ እንታይ ተሰሚዕኪ? እዚ ቃል እዚ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ነገልግል ኣለና እናበሉ ግን ከኣ ንእግዚአብሔር ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ኣፍኒንን ፊንሃስን ዝተባህሉ ካህናት ዝተነግረ ቃል እዩ። እዞም ካህናት እዚኣቶም ንእግዚኣብሔር ዝመጽእ መስዋእቲ ባዕሎም እናበልዑ ምስተን ናብ ቤተ እግዚአብሔር ዝመላለሳ ደናግል ዝሙት እናፈጸሙን ንእግዚአብሔር የገልግልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” እናበለ ዝጽውዖም። ነዚ እግዚአብሔር ከይፈለጡ ብድፍረት ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሰይጣናዊ ተግባራቶም እግዚአብሔር ክዕገሶም ስለ ዘይ ከኣለ ድማ፡ ብፊልስጤማውያን ኵናት ከፊቱ ብዙሓት እስራኤላዉያንን ክልቲኦም ካህናት ኣፍኒንን ፊንሃስን ኣብ’ቲ ኵናት ከም ዝቕተሉ ገበረ፡ ብሰንኮም ታቦት እግዚኣብሔር፡ ኣምላኽ ብዘይ ፈልጡ ፊሊስጤማውያን ተማረኸት፡ ኣቡኦም ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኤሊ ነዚ ምስ ሰምዐ ብስምባደ ካብ ዝነበሮ ወንበር ወዲቑ ሞተ፡ ሰበይቲ ካህን ፊንሃስ ውን እና ሓረሰት ነዚ ሕማቕ ወረ ብምስማዓ ነቲ ዝወለደቶ ህጻን “ኤካቦድ” ኢላ ስም ምስ ኣውጽአትሉ ብኡ ንብኡ ዓረፈት። ኤካቦድ ማለት ድማ “ክብሪ ካብ ህዝቢ እስራኤል ረሓቐ” ማለት እዩ 1ይ ሳሙ 4፡19-22።
ቃል እግዚአብሔር ህያውን መስለጥን ዘለዓለማውን ስለ ዝኾነ ግን፡ እዚ ቃል እዚ ሕጂ ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ውን እንተ ኾነ ንኹልና ነቶም እግዚአብሔር መን ምዃኑ ከይፈለጥና ኣብ ቤቱ ነገልግል ዘለና ዝምህርን ዝግስጽን ቃል እዩ። እሞ’ኸ ድኣ ነፍሰይ እግዚአብሔር መን ምዃኑ ፈሊጥክዮ ዲኺ? እዚ ኩሉ ዓመታት ዘገልገልክዮ? ክርስቶስ መን ምዃኑ ተሓቲትኪስ ምመለስኪ’ዶ? መንፈሳዊ ኣገልግሎት ማለት እንታይ ማለት ምዃኑስ ትፈልጢ ዲኺ? ንመን ተገልግሊ ኣለኺ? ስለ ምንታይ? ዓስብኺ’ኸ ሰማያዊ ድዩ ዋላስ ምድራዊ? ወሪድኪ ነዚ ከሉ ሕቶታት እሞ እንታይ ኢልኪ ክትምልስዮ ኢኺ? ንስኺ እምበኣር “ሓንቲ ካብቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” ምዃንኪ በሪህልኪ ኣሎ።
እወ ድሓን ዝሓለፈ
ውሕጅ ይውሰዶ፡ ናይ ሕጂ ጥራይ ግበሪ። እቲ እተገልግልዮ ዘለኺ ኣምላኽ እቲ ንቑስልኺ ብቑስሉ ዝፈወሰ፡ ካብ ናይ
ሰይጣን ባርነት ብሞቱ ነጻ ዘውጽኣክን ዘድሓነክን፡ ከም ሽሙ መድሃኒት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለ’ዚ ንስኺ
ኣካል ክርስቶስ ኢኺ። ኣብ ኣካላትና ድማ ስራሕ ወይ ድማ ጥቕሚ ዘይብሉ ክፍሊ ኣካላት የለን። ከምቲ ኣብ ኣካላትና
ኢድ እግሪ ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ነናቶም ስራሕን ጥቕምን ዘለዎም፡ ንስኺ ድማ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ ከምኡ ኢኺ።
መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ድማ ተነሲሕካ ንእግዚአብሔር ብነፍስን ብስጋን እናተገዛእካ ብፍቕሪን ብድሌትን ሰማያዊ
ዓስቢ ከም ዘለዎ ኣሚንካ እተገልግሎ ድኣ እምበር፡ ብስምዒትን ብዘይ ርድኢትን፡ ንስጋዊ ጥቕምን ረብሓን ክትብል፡ወይ
ድማ ሰባት ንኽሕጎስልካን ንኸድንቑኻን ኢልካ እትደኽሞ ድኻምን ሃለኽለኽን ኣይኮነን።
ስለዚ ሓደ
ሰብ “ንባዕሉ መንፈሳዊ ከይኮነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከገልግል ኣይክእልን እዩ”።
ስለ’ዚ ነፍሰይ ሕሰብሉ እሞ “ቤተ
እግዚአብሔር እንዳ ኣገልገልኪስ ንባዕልኺ ጠፊእኪ! እሞ ኸ ድኣ ንባዕልኺ ዘይኮንክስ መዓስ ኢኺ ንጐይታ
እተገልግሊ?” ነዚ ከማኺ ዓይነት ኣገልጋሊ ፖፕ ሺኖዳ ሳልሳይ “ምስቲ ጽቡቕ ዝሰርሕ ግን ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን”
እዮም ዘመሳስልዎ። ማሽን ጽቡቕ ይሰርሕ ንመንግሥተ ሰማያት እትኣቱ ነፍሲ ግን የብሉን። ንስኺ’ኸ ነፍሰይ ኣብ ቤቱ
ንክንደይ ዓመት ኣገልጊልኪ? ግን ኣይተነሳሕክን ኣይቆረብክን እዚ ብዘይ ምግባርኪ ድማ መንግሥተ ሰማያት
ኣይትኣትውን ኢኺ። በዚ ድማ “ምስቲ ጽቡቕ ዝሰርሕ ግን ከኣ ነፍሲ ዘይብሉ ማሽን” ማዕረ ኮይንኪ ማለት እዩ።
ጐይታ ውን ኣብ ወንጌል “ሰብ’ሲ ንኹሉ ረቢሑ ነፍሱ እንተዘየድሓነ እንታይ ይጠቅም?” ክብል ገሊጽዎ ኣሎ ሉቃ
9፡25። ከምቲ ይሁዳ ኣብ ማእከል ሓዋርያት ነታ ዝተዋህበቶ ኣገልግሎት ተሓዚ ገንዘብ ተጠቝሙ ካብኣ እና ሰረቐ
ኃጢአት መኻዕበቲ ዝተጠቀመላ እሞ ብስጋን ብነፍስን ከይተጠቀመ ተሓኒቑ ነፍሱ ብምጥፋእ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፉ ሕማቕ
ኣጠፋፍኣ ዝጠፍአ፡ ከምኡ ድማ ነፍሰይ ኣብዚ ተሸይምክዮ ዘለኺ ኣገልግሎት ንኣምላኽኪ ትሰርቅዮን ትዕምጽዮን ንሥርዓቱ
ተፍርስን ከይትህልዊ ሕጂ ነቒሕኪ ሕግታቱን ሥርዓታቱን ተማሃሪ እሞ ክትሕልውዮ ተጋደሊ። እቲ ኣብ ቤት ኣቡኡ
ዘገልግል ዝነበረ ውሉድ ውን ኣብ ቤት ኣቡኡ እንከሎ እዩ ዝጠፍአ። እቲ ሓዉ ብጽሒቱ ሒዙ ካብ ገዛ ብምውጻእ ክጠፍእ
እንከሎ፡ እቲ ምስ ኣቡኡ ዝተረፈ ድማ ኣብ’ታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ዝኾነት ቤት ኣቡኡ አና ኣገልገለ እንከሎ
ጥፉእ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ ሓዉ ካብቲ ዝጠፍኦ ምስ ተመልሰ ኣብ ክንዲ ዝሕጎስ ብኣንጻሩ “እነሆ አነ ክንድዚ
ዓመት ተገዛእኩኻ፡፡ካብ ትእዛዝካ ውን ከቶ ኣይወጻእኩን፡ ንዓይ’ሲ ምስ የዕሩኽተይ ዝሕጎሰሉ መሓስእ እኳ
ኣይሃብካንን፡ ነዚ ገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኮይኑ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ”
ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ጥፉእ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ጐይታና ዝመሃረና እታ ዝዓበየት ትእዛዝ
“ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብኹሉ ሓይልኻን ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ኣፍቅር፡ እታ ካልኣይቲ ንዓኣ ትመስላ ድማ
ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብላ እየን። እዚ ውሉድ ግን ንእግዚአብሔር ኣቡኡ ከገልግል እንከሎ ብፍቕሪ
ኣይኮነን ዘገልግሎ ኔሩ። ነዚ መረጋገጺኡ ድማ “ተገዛእኩኻ” ዝበሎ ቃል ንኣምላኽ ምግልጋል ከም መግዛእቲ ጌሩ
ምቚጻሩ “ፍቕሪ እግዚአብሔር” ከም ዘይነበሮ መረጋገጺ እዩ። ዝጠፍአ ሓዉ ተመሊሱ ኣብ ክንዲ ዝሕጐስ ንምንታይ ላም
ሓሪድኩምሉ ኢሉ ምኽሳሱን ገዛ ምእታው ምእባዩን ድማ “ፍቕሪ ሓዉ” ከም ዘይብሉ መረጋገጺ እዩ ሉቃ 15፡11-32።
ስለ’ዚ ነፍሰይ ኣብ ቤት እግዚአብሔር እተገልግሊ ግን ከኣ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ምስቶም እግዚአብሔር ዘገልግሉ
የሕዋትን ኣቦታትን ውን ብፍቕርን ሰላምን ዘይትነብሪ እንተ ኾንኪ ጠፊእኪ ምህላውኪ ፍለጢ። ምድብኪ ምስቶም
ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ ዝተባህሉ ናይ ሞት ምድብ ምዃኑ ድማ ኣይትዘንግዒ።
መዓስ እዚ ጥራይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ ብተኣምራት ካብ ዘተንስኦም ሰለስተ
ሰባት ኣብነት ምስ እንወስድ “እቲ ቀዳማይ ካብ ዝመውት ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ዝገበረ ኣልኣዛር እዩ ዮሐ
11፡። ኣልኣዛር ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሔር ወጺኦም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ኣብ ዘይትግምቶም ፍጹም
ርኽሰትን ኃጢአትን ዝተደርበዩ እሞ ብሓይሊ ኣምላኽን ብምሕረቱን ግን ካብ ዝነበርዎ ዓዘቕቲ ወጺኦም ናብ ቤተ
ክርስቲያን ዝምለሱ ምእመናን ምሳሌ እዩ።” “እቲ ካልኣይ ድማ ሞይቱ ኣብ ቃሬዛ ተጸዊሩ ካብ ቤቱ ዝወጽእ ዝነበረ
ወዲ እታ መበለት በዓልቲ ናይን እዩ ሉቃ 7፤12 ። እዚ ድማ ናይቶም ካብ ቤተ እግዚአብሄር ክወጽኡ እንከለዉ ቤተ
ክርስቲያን እትበኽየሎም ክርስቲያን ምሳሌ እዩ። ብድሕሪ እዚ ጐይታ ካብ ሞቱ ምስ ኣተንስኦ “ነዲኡ ሃባ” ሉቃ
7፤15 ኢሉ ምዝራቡ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ብሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝትንስእ እዩ ዘረድእ። ነዲኡ ሃባ ማለት ድማ
ነዲኡ ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ፡ እቲ ምንታይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ድሕነት ስለ ዘየለ።
“እታ
ሳልሰይቲ ዝሞተት ግን ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቡኣ ምስ ሞተት ጐይታና ከይዱ ካብ ምዉታን ዘተንስኣ ወለተ ኢያኢሮስ እዩ።
ንሳ ድማ ናይ’ዞም ከምዚ ኸማይ ማለት ኣብ ውሽጢ ቤት ኣቦና ዝኾነ ቤተ እግዚአብሔር ነገልግል ኣለና እናበልና
ብመንፈስ ግና ዝሞትና ሰባት ምሳሌ እያ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ “ደቂሳ እያ ዘላ እምበር ኣይሞተትን” ዝበላ።//ሉቃ
8፤52//ካብ ሞት ምስ ኣተንስኣ “ዝብላዕ ሃብዋ” /ሉቃ 8፤52/ ምባሉ ድማ ከምዚ ዓይነት ሰብ መንፈሳዊ መግቢ
ትምህረተ ወንጌልን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን እናተማህረ ቃለ እግዚአብሄር ክምገብ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ። ስለ’ዚ
ነፍሰይ ንስኺ ውን ተንስኢ ተበራበሪ እቲ ብርሃን ዓለም ዝተሰመየ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሕጂ ካብ ድቃስ
እትበራበርሉ ዘመን ከም ዝበጽሐ ነዛ እዋን ፍለጥዋ” ብምባል ዝመዓደኪ ቃል ውን ዘክሪ። ነፍሰይ መዓስ እዚ ጥራይ፡
ወዮ ንከይተስተውዕልዮ ድኣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝተባህለ ዲያብሎስ ብፍቕሪ ገንዘብ ብፍቕሪ ሽመትን ውዳሴ ከንቱ
ካብ ሰባት ብምድላይን ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለ ሥጋዊ ነገራት እናገበረ ዓይነ ልቦናኺ ሸፊንዎ እምበር፡ ብዛዕባኺ ድኣ
መዓስ እዚ ጥራይ ኮይኑ ተዘሪቡ፡ የግዳስ ከምቲ “ንጠቢብ’ሲ ሓንቲ ቃል እያ ትኣኽሎ” ዝተበህለ እዚ ፈሊጥክዮ ዘለኺ
ኣብ ተግባር እንተውዒልክዮ እኹል ስለ ዝኾነ በዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ጌረ ጽሑፈይ ክዛዝም እየ።
እዛ ናይ መወዳእታ ምሳሌ ጐይታ ብዛዕባ እታ ዓሠርተ ድሪም ኔርዋ ሓንቲ ድሪም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ኢና ክንርኢ።
ድሪም ማለት ሳንቲም ወይ ገንዘብ ማለት እዩ። እዛ ድሪም እዚኣ ድማ ናይ ክርስቲያን ሰብነት ምሳሌ እያ። ምኽንያቱ
ከምቲ ኣብ ሳንቲም ስእሊ ናይቲ ንጉስ ዝረአ፡ ኣባና ኣብዞም ናይ ክርስቶስ ሳንቲም ዝተመሰልና ክርስቲያን ድማ ናይ
ንጉስና ስእሊ ክረአ ይግበኦ። ናይ ክርስቶስ ስእሊ ማለት ድማ ትሕትና ፍቕሪ ትዕግስቲ ርህራሄ ተኣዛዝነት ዝኣመሰሉ
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክህልወና ይግበኦ ማለት እዩ /ገላ5፡22/። ንሕና ከምዚ እንተ ጌርና ናይ ብሓቂ ንጉስና ክርስቶስ
ኣባና ተሳኢሉ ንኣህዛብ ስለ ዝረኣዮም ንኣካይዳናን ንህይወትናን ርእዮም ንኣምላኽና ከመስግንዎ እዮም። ክርስቶስ
ውን “ነቲ ሰናይ ኣካይዳኹም ርእዮም ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ
ይብራህ”/ማቴ 5፡16/ ብምባል ምሂርና እዩ። ናይዛ ሰበይቲ እታ ሓንቲ ድሪም ኣብ ማእከል ቤታ እያ ጠፊኣ /ሉቃ
15/። እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኣለና እናበልና ናይ ዝጠፋእና ክርስቲያን ምሳሌ እያ። መብራህቲ
ኣብሪሃ ቤት ኮስቲራ ረኸበታ ይብል። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ኮይና ግና ኣብ እንዳ ጉሓፍ እያ ተረኺባ /ሉቃ15፡8/ እዚ ማለት ድማ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኮይና ኣብ ርስሓትን እንዳ ጉሓፍን ዝተመሰለ፡ ነዛ ናይ ክርስቶስ
ሳንቲም ዝተመሰለት ነፍስና ብጽልኢ ብቒም ብበቐል ብዓሌትነት ብዓደይ ዓድኻ ብምፍልላይ ብፖለቲካ ብመናፍቕነትን
ኣርሲሕናያ ማለት እዩ። ሳንቲም እንተ ረሲሓን እንተ መሪታን ድማ ምስሊ ናይቲ ንጉስ ክርአ ኣይክእልን። በዚ መጠን
ድማ ንንጉስና ኣባና ከይረኣ ከልኪልናዮ ጥራይ ከይኣክል ብሰንኪ እኩይ ተግባራትና ሰባት ከም ዝጸርፍዎ ንገብር። እቲ
“ብሰንክኹም ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ ኣሎ”/ሮሜ2፡24/ ዝብል ቃል ድማ ብኣና ይፍጸም። ስለ’ዚ ነፍሰይ
ካብ እንዳ ጉሓፍ እትወጽእሉ መንገዲ ጽን ኢልኪ ስምዕኒ፡ እታ ሰበይቲ መብራህቲ ወሊዓ ምስ ደለየታ እያ ክትረኽባ
ዝኸኣለት። መብራህቲ ዝተባህለ ድማ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመንገደይ ብርሃን እዩ” /መዝ119፡105/ ዝበሎ መብራህቲ ቃል እግዚኣብሔር እዩ። ስለ’ዚ ካብ ሕጂ ንኔው ብምሉእ ሓይለይ ኣብ’ቲ ብትምህርቲ
ሰንበትን ካልእ መንፈሳዊ ጉባኤታት ዝወሃብ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ክሳተፍ፡ ከምኡ ውን
ብቅዱሳን ኣበው ዝተጻሕፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ከንብብን ሕይወተይ ብመንፈሳዊ ቅኔን ጸሎትን
ዝተሃነጸት ክትከውን መንፈሳዊ ልምምድ ክጅምር ወሲነ እየ እሞ ኣምላኽ ይሓግዘኒ። እወ ከምዚ ጌረ ነቲ ዓስቢ ዘይብሉ
ብስጋዊ ፍልጠትን ተመኩሮን ጥራይ ተመሪሐ ዝደኽሞ ዝነበርኩ ከንቱ ድኻምን ነታ “ንእዚአብሔር ዘይ ፈልጡ ናይ
እግዚአብሔር ኣገልገልቲ” እትብል መጸውዕን ፈጺመ ክድምስሶም ኣብ ክንድኡ “ገብርኄር” ማለት ሕያዋይ ኣገልጋሊ
ብዝብል ስም ክትክኦም ወሲነ እየ’ሞ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስተ ቅዱሳን ብጸሎትኪ ደግፍኒ። ኣብ መወዳእታ እምበኣር ነፍሰይ ንዓይ ጥራይ
ይጥዓመኒ ምባል ገዲፍኪ መማቐሊት ኩኒ እሞ እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓኺ ጥራይ ዘይኮነ ንዅለን ከማኺ ዝኣመሰላ ነፍሳት
ውን ለግስለን፡ ንኺድ ንቕደሚት ንሰጉም ንመሃር ነንብብ እሞ ንዓምብብ: ተነሲሕና ውሽጣዊ ሰላም ክንውንን ሽዑ
ብስምዒት ብዘይ ርድኢትን ምዝራብ ገዲፍና ትሑታት ህዱኣት ብፍልጠትን መንፈሳዊ መለክዕን እንዛረብን ንህዝብናን ንቤተ
ክርስቲያንናን ንኣምላኽናን ዘሐጉስን ዝጠቅምን ብዓቢኡ ድማ ንነፍስና ሰማያዊ ዋጋ እንረኽበሉ ኣገልግሎት ክኸውን
እዩ።
ኣምላኽ ሰላም ከኣ ባዕሉ ንኹለንትናና
ይቐድሶን፤ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚመጸላ መዓልቲ ከኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክንርከብ ንመንፈስናን ሥጋናን ነፍስናን ይሓልዎን
ብኹሉ ወገን፡ ኩሉ ሳዕ ሰላም ይሃበናን።(1 ተሰ 5:23,
2 ተሰ 3፡16)
ምስጋና ንእግዚአብሔር
ንወላዲቱ ድንግልን
ንመስቀሉ ክቡርን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን!!!
ንወላዲቱ ድንግልን
ንመስቀሉ ክቡርን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን!!!
ብሓውና Weldeab Gebremeskel ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ'ያ።
Kal Hiwet Yesmalna
ReplyDeleteኣሜን ቃለ ህይወት የስመዓልና።ኦ
ReplyDeleteኣሜን ቃለ ህይወት የስመዓልና.
ReplyDeleteኣሜን ቃለ ሂወት የስመዓልና
ReplyDeleteThis comment has been removed by the author.
ReplyDelete