Monday, 9 June 2014

እግሪ ዶ ይምራሕ ወይስ ርእሲ? 1ይ ክፋል

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
እግርን ርእስን ተነጻጺሎም ክነብሩ ዘይክእሉ ክልተ ክፍልታት ናይ ሓደ ኣካል ኢዮም። አግዚአብሔር ድማ ኣብ ኣካላትና ነናቶም ዕዮ ብምሃብ ተወሃሂዶም ከም ዝኸዱ ብምግባር ብዘደንቕ ጥበቡ ኣገጣጠሞም። እዚ ማለት ናይ እግሪ ዕዮ ብርእሲ እናተኣዘዘ ምጕዓዝ ክኸውን እንከሎ፡ ርእሲ ድማ ንኹሉ ክፍሊ ኣካላትና ሓላፍነት ናይ ምውሳድን ናይ ምቁጽጻርን ናይ ምእዛዝን ምምሕዳርን ሥልጣን ኣለዎ።
እዞም ክፍሊ ኣካላት እዚኦም ካብ ባህሪኦም ወጻኢ ዝዀነ ማለት እግሪ ንርእሲ ክእዝዞ ምስ ዝጅምር ግና ክልቲኦም ናብ ገደል ብምእታው ጥፍኣት ጥራይ ኢዩ ዘጋጥሞም። ዓለምና ናብ ጥፍኣት ካብ ዝወስድዋ ዘለዉ ዓበይቲ ጠንቅታት እቲ ሓደን ቀንድን ነገር ድማ ብርእሲ ገዲፋ ብእግሪ ክትምራሕ ስለ ዝጀመረት ኢዩ። ኣብ ሕይወተይ ኵሉ ጊዜ ዘተሓሳስቡኒ ሓሙሽተ ነገራት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ብዘይ ጳጳስ እትምራሕ ቤተ ክርስቲያን፡ ብህዝቢ ዝምርሑ ካህናት፡ ብሰበይቲ ዝምራሕ ሓዳር፡ ብህጻናት ደቆም ዝምርሑ ወለዲ (ኣእምሮኦም ዘይበሰሉ ህጻናት ዝኣዘዝዎም ኵሉ ዝገብሩ ወለዲ) ብህዝቢ ዝምራሕ መንግሥትን ኢዮም።



በቲ ናይ መጀመርያ ክጅምር፡ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኢዩ። ነዚ ድማ ብርሃን ዓለም ሐዋርያ ቅዱስ ጳወሎስ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። "ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝኾነ...... ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቲ ኢዩ'" (ኤፌ 522-23) ይብል። ስለዚ ንቤተ ክርስቲያን ብደሙ ዝመሥረታ ክርስቶስ ንሱ ባዕሉ ርእሳን ኣዛዚአን ኢዩ። ኣብዚ ሕጂ ጊዜ ክርስቶስ ኣበይ ኮይኑ ይእዝዛን የመሓድራን ንዝብል ድማ ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት (ኣምበሳዳርት) ኢና' ኣምላኽ ብኣና ጌሩ ይምዕድ ኣሎ" (2 ቆሮ 520-21) ዝበሎ፡ ኣብ ሐዋርያትን ኣብ ኣሰር ሐዋርያት ተኸቲሎም ዘለዉ ናይ ሐዋርያት ሥልጣን ዘለዎም ጳጳሳትን እንዳሐደረ ኢዩ ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሓን ዘመሓድራን። ባዕሉ ጐይታና ውን ነዚ ሥልጣን እዚ ንሐዋርያት ብምሃብ ኣብኣቶም እናሐደረ ንቤተ ክርስቲያን ንዘልዓለም ዝሕልዋ ንሱ ምዃኑ ንምርግጋጽ "ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣለኹ" (ማቴ 2019-20) ክብል ኣረጋጊጽልና ኣሎ። ነዚ ድማ ኢዮም ሐዋርያት ኣብ ዲድስቅልያ " ከመዝ ውእቱ ኣስማቲሆሙ ለእለ ተሰይሙ በሃቤነ..... እቶም ብኣና ዝተሾሙ ኣስማቶም እዚ ኢዩ፡ ብመጀመርያ ኣብ ኢዮርሳሌም ያዕቆብ ሓው ጐይታና ኢዩ፡ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ክንድኡ ስምዖን ወዲ ቀለዮጳ ኢዩ። ካብኡ ቀጺሉ ውን ይሁዳ ወዲ ያዕቆብ ኢዩ። ኣብ ፊልስጤም ቂሳርያ ውን መጀመርያ ማቴዎስ መጸብሓዊ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ቀርኔሌዎስ ካብኡ ቀጺሉ ከኣ ቴዎፍሎስ..... እንዳበለ ንኵሎም ዘርዚሩ ምስ ወድአ "ለእሉኬ ተዘከሩ ፃማሆሙ፡ወተወከፉ ተግሳፆሙ ወዕቀቡ ቃሎሙ ..... በከመ ይቤለነ ኣመ የዐርግ ሰማየ ኀበ አብ ናሁ ኣነ ምስሌኩሙ በኵሉ መዋዕል እስከ ህልቀተ ዓለም" ትርጉም "ናይዚአቶም ድኻም ዘክሩ ምኽሮም ተቐበሉ ቃሎም ሓልዉ፡ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንከሎ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኢየ ከም ዝበለና" ብምባል ኢዩ ዝዓጹ (ዲድስ አን ፵፫)

በዚ ምኽንያት ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሐዋርያዊት ክትበሃል እንተዀይና እዚ ሰንሰለታዊ ናይ ሐዋርያት ጕዕዞ ክህልዋ ይግብኦ። እዚ ገዲፋ ብዘይ ጳጳስ ክምራሕ ኢየ ወይ ነቲ ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ስም ናይ ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ክጽዋዕ ከም ዝለዎ ዝተሓገገ ሥርዓት ኣፍሪሳ፡ ስም ጳጳሳት ከይጠቐሰት ሥርዓተ ቅዳሴ እትፍጽም ቤተ ክርስቲያን ግን ብርእሳ ዘይኮነት ብእግራ ትምራሕ ምህላዋ ክትዝንግዕ ኣይግበኣን ኢዩ። በዚ ምኽንያት ሐዋርያዊ ሰንሰለት ስለ ዝበተኸት ድማ ካብ' ሐዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ውን ከም ዝተበተኸት ክትግንዘብ ይግበኣ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብታ እዚ ሥርዓት እዚ ዝተሠርዓላ ጊዜን ሰዓትን ጀሚሩ ስም ጳጳሳት ዘይጽወዓላ ቤተ ክርስቲያን ተራእያን ተሰሚዓን ውን ኣይፍለጥን ኢዩ። ስለ' እግሪ በጃኻ ሥርዓት ሓሉ መልእኽቲ ካብ ርእሲ ክሳብ ዝመጸካ ድማ ብገዛእ ፍቓድካ ተጓዒዝካ ናብ ቀላይን ጸድፍን ከይትኣቱ ርግእ በል።

ርእሲ ዘይብሉ (ርእሱ ተቖሪጹ) ሕያው ኮይኑ ክነብር ዝኽእል እግሪ ከም ዘየለ ፍሉጥ ኢዩ። ሊቀ ጳጳስ ዘይብላ ብጳጳስ ዘይትምራሕ ከምቲ ኣብ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ተጻሒፉ ዘሎ ድማ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ስም ጳጳሳት ዘይትጽውዕ ቤተ ክርስቲያን ድማ ከምኡ ከምቲ ርእሱ ዝተቖረጸ እግሪ ሕይወት ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ክትበሃል ኣይትኽእልን ኢያ። እንታይ ድኣ ከምቲ ጐይታ "ነቲ ጓሳ ይወቕዕዎ እተን ኣበጊዕ ድማ ፋሕ ይብላ" (ማቴ 2631) ዝበሎ ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕፋሕ ኢለን ኣደዳ ተዃሉ ከም ዝኾና ብጳጳስ ዘይትምራሕ ቤተ ክርስቲያን ድማ ግራት ፖለቲከኛታት፡ ዓውዲ መናፍቓንን ኢያ እትኸውን።

ኣሕዋተይ ውሉድ ቤተ ክርስቲያን ኣጆኹም ንቕሑሉ ድኣ እምበር ኣይትሰምብዱ፡ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ "ዲያብሎስ ቀስቱ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወርዊሩ ዝናሩ ወዲኡ ድኣ ተሪፉ እምበር ክስዕራስ ኣይከኣለን" ከም ዝበሎ፡ ሕጂ ውን ነታ ፍጹም ክትጠፍእ ዘይትኽእል እምነት ክቕይሩን ከጥፍኡን ኣቦታት ተመሲሎም ዝኣተዉ ተዃሉ ዝህቅንዎን ዝሰርሕዎን ዘለዉ ረቂቕ ሜላ ክንነቕሓሉ ይግባእ ኢዩ። እዞም ብኹሎም ዓለማውያንን መንፈሳውያንን ተፈታውነት ንምርካብ ዝጽዕሩ ሰባት፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስም ጳጳሳት ክጽዋዕ ዘይደልዩ ሓደ ሓደ ስምዒታውያንን ፖለቲከኛታትን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተሰግሲጎም ንዝሰብኩዎ ስብከት ክውን ንምግባር ዝጽዕሩ ካህናት እምበኣር እዮም ሕጂ ነዚ ረቂቕ ሜላ ብምምጻእ ንቤተ ክርስቲያን ዝፍትንዋ ዘለዉ። እዚ ካብ ሰማያዊ ኣምልኾ ወጺኡ ብሥጋዊ ስምዒቱ ዝምራሕ፡ እዚ ንሥርዓት ናይቲ ሰማያዊ ንጉስ ንዒቑ ንምድራዊ ንግስነት ዝጭነቕ ሰብ፡ ስም ጳጳስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክጽዋዕ ኣይደልን ኢየ ስለ ዝበለ፡ ንስዓቦ ንኽዓቦ? እዚ ኢዩ እምበኣር ውጽኢት ናይ እግሪ።

ንምንታይ ኣብ ሓቂ ጸኒዕና ነዚ ሰብ መንገዲ ሕይወት ዘይነትሕዞ? ነዞም ካብ እምነት ዝረሓቐ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ከይከዱና ብዝብል ፍርሒ ንዓኣቶም ብዘይጠቅም ብሓሶት እንዳጠበርና ነቶም ሓቀኛ ኣምልኾ ዝደልዩ ንጹሃን ሰባት ድማ እንዳለከምና ምትላልሲ እንታይ ኢዩ ጥቕሙ? እስኪ ናብ ልብና ንመለስ እሞ ነቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ሥጋኡን ደሙን ክምህር እንከሎ "ሥጋ ወዲ ሰብ እንተዘይበላዕኩም ደሙ ድማ እንተዘይሰቴኹን ሕይወት የብልኩምን" ምስ በሎም፡ ስምዒታውያንን ሥጋውያንን ዝነበሩ ሰባት ነዚ መን ክሰምዖ ይከኣሎ ብምባል ሓዲጎሞ ምስ ከዱ፡ "ኣቦይ ዘይሰሓቦ ዘበለ ናባይ ኣይመጽእን ኢዩ" (ዮሐ 644) ብምባል ዝመለሶ መልሲ ንዘክሮ። ኣብ 66 ውን "ብዙሓት ደቂ መዛሙርቱ ኻኣ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡ ውን ኣይከዱን ኢዩ ዝብል" ጐይታ እዚ ምስ ኮነ ውን በዚ ናይ ሓቂ ትምህርቲ ተዓንቂፎም አዮም እሞ፡ ነዚ ትምህርቲ ክገድፎ ኣለኒ ወይ ክቕይሮ ኣለኒ ኣይበለን። ምኽንያቱ ንሱ ንእግሪ ዝመርሕ ንእግሪ ዝቆጻጸር ቃንዛ እግሪ ዝስምዖ ንእግሪ ድማ ብግቡእ ዝመርሕ ሓቀኛ ርእሲ ስለ ዝነበረ፡ ብሓቂ ዝስዕቡ ውሑዳት ካብቶም ብምትላል ዝእከቡ ብዙሓት ውን ይመርጽ ስለ ዝነበረ ከምዚ ብምባል ኢዩ መሊሱ። "ስለ' ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተ ክልተ ንስኻትኩም ክትከዱ ትደልዩ ኢኹም በሎም?" ኢዩ ዝብለና። ኣብ ካልእ ቦታ ውን ኣቦይ ዘይተኸሎ ተኽሊ ኵሉ ክምንቆስ ኢዩ ዝብል። ስለ' ንሕና ውን ነቶም ናይ ኣቦ ድኣ ንሓዝ፡ ነቶም ፍቓድ ኣቦ ዘይገብሩ ግና ኣብ ሓቂ ደው ብምባል ድኣ ንስሓቦም እምበር ኣይንስዓቦም። እንተዘይኮይኑ እዞም ሎሚ ስም ጳጳስ ኣብ ቅዳሴ ኣይጸዋዕ ብምባል ሐራይ ዘበሉና፡ ሰባት ጽባሕ ውን ስም ክርስቶስ ኣይጸዋዕ ከም ዝብሉ ኣይንዘንግዕ። ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሕሱ ኢዩ። ሰሎሞን ውን ነተን ንኣሽቱ ወኻሩ ኣጽሚድኩም ሓዙልና" (መኃ 215) ኢዩ ዝበለ እሞ ገና ናብ ካልእ ከይገበሉ ንኣሽቱ ዝመስሉ ግን ከኣ ኣዝዮም ኣዕነውትን ሓደገኛታትን ሥርዓታትና ንሓሉ።

ናብቲ ካልኣይ ምስ እንሰግር ድማ ካብኡ ብዘይፍለ እግሪ ብርእሲ ተኣዚዙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘምጽኦ ዓቢ ዕንወት ኢዩ። ንሱ ድማ እግሪ ዝተመሰለ ምእመን ነቶም ርእሲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ካህናት ክመርሖምን ክእዝዞምን ምስ ዝጅምር ኢዩ። ብፍላይ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ኃጢአት ዝነገሠሉ፡ ካህናት ውን ከም ዓለማውያን ደረፍቲ ክብርን ዝናን ዝናፍቕሉን፡ ምእመናን ካብ ግብሪ ጽድቂ ዝረሓቕሉን ዘመን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ክሰዓር ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ሽግር ድማ ሓደ ሓደ ንኽብሪ ነብሶም እምበር ንሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን ንድኅነት ነፍሳት እተን ኣባጊዕን ዘይግደሱ፡ ከዳዓትን ስሱዓትን ካህናት ዘርእይዎ ሸለልትነት ኢዩ። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ካህናት ብኽልቲኦም ብዓለማውያንን ብመንፈሳውያን ሰባት ተፈታውነት ንምርካብን ሥጋዊ ጥቕሞም ከይጎድሎምን ክብሉ፡ ከመይ ጌሮም ንህዝቢ ከሐጉስዎ ጥራይ እምበር ከመይ ጌሮም ንኣምላኽ ከሕጉስዎ ከም ዘለዎም ሓሲቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። በዚ ድማ ነቲ " ሕጂ' ንሰብ ወይስ ንኣምላኽ ኢየ ባህ ዘብል ዘለኹ? ወይስ ንሰብ ከሐጉስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ገና ንሰብ ከሐጉስ እንተ ዝብል' ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን ኔረ" (ገላ 110) ዝብል ቃል ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምሉእ መዓልቲ ክስዕርዎ ይውዕሉ።

እዚ ማለት ህዝቢ ቅዳሴ ምሕጻር ደስ ዝብሎ እንተ ኾይኑ ቅዳሴ የሕጽሩሉ፡ ሕዝቢ መዝሙርን ስብከትን ጥራይ ኢና ንደሊ ጸሎት ይትረፍ ዝብል እንተኾይኑ ጸሎት ዘትርፉ፡ ህዝቢ ጾምን በዓላትን ይትረፍ ምስ ዝብል ውን ዝሰማምዑ፡ ሕዝቢ ጓይላ ዝደሊ እንተዀይኑ ህዝቢ ከይጠፍኣና ብዝብል ጕልባብ ጓይላ እናፈቐድካ ናብ ዝገደደ ጥፍኣት ምምራሕ፡ ህዝቢ ብእምነት ምስ ዘይመስሉና ሕብረት ክንገብር ኣለና በዓሎም ድማ ከነኽብር ኢና ምስ ዝብል ደድሕሪኡ ምስዓብ.... .... ዝኣመሰሉን ካልእን።

መቸም እግሪ ብባህሪኡ ናይ ምውሳንን ናይ ምእዛዝን ዓቐሚ ከም ዘይብሉ ኣብ መእተዊና ተጻሒፉ ኣሎ። ስለ' ምእመን ድማ ኣብ ቅድሚ ካህን ከምኡ ኢዮም ካህን ንምእመን ይእዝዞም እምበር ህዝቢ ንካህን ክመርሕዎ ዓቢ ዕንወት ኢዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ኣብ ካህናት እናሓደረ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሓ ባዕሉ ክርስቶስ ኢዩ። ስለ' ንካህናት ምእዛዝ ማለት ነቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ ዘሎ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ክርስቶስ ምእዛዝ ማለት ኢዩ። ዘሕዝንን ዘፍርሕን ኢዩ ብሓቂ ፍጡር ንፈጣሪኡ ይእዝዞ ኢዩ? ምእመናን ንቤተ ክርስቲያን ከመሓድርዋ እንተ ጀሚሮም እምበኣር እግሪ ንርእሲ ፍጡር ድማ ንፈጣሪ ከመሓድሩ ጀሚሮም ኣለዉ ማለት ኢዩ። እሞ' ድኣ ኣሕዋተይ መን ይምርሓና? እግርና ወይስ ርእስና? ፍጡር ወይስ ፈጣሪ? እቲ መልሲ ንዓኹም ይገድፎ። እንተ ኣነ ግን እግሪ ብዘይ ርእሲ ቅኑዕ መንገዲ ክጐዓዝ ከም ዘይክእል ንምርዳእ ዘጸግም ኣእምሮ ኣምላኽ ስለ ዘይዓደለኒ፡ ብእግረይ እንዳተመራሕኩ ናብ ጉድጓድ ጸድፍን ቀላይን ኣቲኻ ካብ ምጥፋእ፡ ቅኑዕ ጐደና ክወስደኒ ትእዛዝ ናይ ርእሲ ክጽበ ከም ዘለኒ ጥራይ ኢየ ዝኣምን፡ ንስኻትኩም ነዚ ሓሳብ እዚ ክህልወኩም ድማ ይምነ።

እቶም ከምዚ እናገበርኩም ብገዛእ በትርኹም ትህረሙ ዘለኹም ካህናት ኣቦታተይ ውን ሓደራ፡ ነዚ ሕማቕን ጽቡቕን ፈልዩ ዘይፈለጠ ህዝቢ ርእሲ ኮይንኩም ድኣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምርሕዎ እምበር፡ እግሪ ኮይንኩም ናብ ጸልማት ኣይትስዓብዎ፡ ተሰዓብቲ እምበር ሰዓብቲ ኣይኮንኩምን፡ ሰሓብቲ እምበር ተሰሓብቲ ኣይኮንኩምን፡ ካብ ሓላፊ ክብሪ ዘይሓልፍ ክብሪ ሕሰቡ ነዚ "ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር ምእንቲ ከንቱ ረብሓ ኣይኹን፡ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እንዳኾንኩም እምበር ኣብተን ማሕበር ከም ጐይቶት ኣይትኹኑ እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ከኣ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክትለብሱ ኢኹም" (1 ጴጥ 51-4) ዝብል ቃል ሐዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘክርዎ።

ህዝቢ ዝደልዮ ዘይኮነስ ዘድልዮ ድኣ ሃብዎ፡ ህዝቢ ዝሐተቶ ዘይኮነስ ዝጠቕሞ ድኣ ግበርሉ፡ ህዝቢ ናብ ዝተጓዓዞ ደድሕሪኡ ምስዓብ ዘይኮነስ ናብቲ ክጐዓዞ ዘለዎ ድኣ እለይዎ፡ ንሱስ ከምቲ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይፈልጥ እግሪ ኢዩ እሞ ርእሲ ድኣ ኹንዎ። ኣብ ርእሲ እግሩ ንስኻትኩም ውን እግሪ ኮይንኩም እንተሰዓብኩሞ ግና ኣጣፍኣኹም ዝገደደ ኢዩ ዝኸውን፡ ስለ' እግሪስ ናቶም ይኣኽሎም ኢዩ ምውሳኽ ዘድልዮም ኣይኮነን እሞ ንስኹም' ርእሲ ድኣ ኩንዎም።

ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያንና መምህር ብዛዕባ ኣብ ኣሜሪካ እትነብር ብምእመናን እትምራሕ ቤተ ክርስቲያን ክትርኽ እንከሎ ከምዚ ይብል። "ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ሓለፍትን ኣዘዝትን ብህዝቢ ዝተመረጹ ሽማግለታት ኢዮም። ብዛዕባ ቤተ ክረስቲያን ዶግማኣን ሥርዓታን ትውፊታን ምንም ኣፍልጦ የብሎምን፡ ናይ ንስሓ ሕይወት ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን ኢዮም ርእሲ ኮይኖም ንካህናት ዝመርሕዎም ግና ንሳቶም ኢዮም። ሓደ ሓደ ጊዜ ቅዳሴ ዝነውሐ ኮይኑ ይስምዖም' ብኢዶም ናይ ጊዜ ምልክት እንዳ ገበሩ ነቶም ካህናት ከቋርጹ ይእዝዝዎም። ሓደ ካብ መዓልታት ደቂ ኣንስትዮ መዘምራን ልብሲ ለቢሰን ኣብ ቅድሚት ወጺአን ጽቡቕ መዝሙር ምስ ኣቕረባ ድማ "እዘን ደቂ ኣንስትዮ ከምዛ ሎሚ ዝዘመርኣ ኣብ ዝመጽእ ድማ ከም ዝቕድሳ ክንገብር ኢና" ክብሉ ኢዮም ተሰሚዖም" ይብል። ኣቤት! ናበይ ኮን ኢና ነብል ዘለና?

እዚ ኵሉ እዚ ውጽኢት ናይ ምንታይ ይመስለና? እቲ መልሲ ንጹር ኢዩ እግሪ ንርእሲ ክመርሖ ባህሪኡ ውን ኣይኮነን። እቲ ምእመናን ዘዝሓተትዎ ክፍጸመሎም ኣለዎ፡ ንዐኦም ደስ ዘብል ነገር ክግበረሎም ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ካባና ቆሪጽና ከይደርበናዮ ህልውና ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ኣብ ሓደጋ ኢዩ። ስለ' ኣቦታተይ ነዚ ኣተሓሳስባ' ካባና ደርቢና ንሰብ ዘይኮነ ንእግዚአብሔር ከነሐጉስ ንጽዓር። ንቤተ ክርስቲያን ብብዝሒ ሰብ ከም ዝመጽእ ምግባር ዘይኮነ፡ ብዝሒ ሰብ ከም ዝድሕን ምግባር ይኹን ዕላማና። ክንደይ ሰብ ተኣኪቦም ዘይኮነ ክንደይ ሰብ ተነሲሖም ክንደይ ሰብ ድሒኖም ዝብል ሕቶ ንሕተት። ከም ደስ ዝበሎ ዝመላለስ ኣብ ጓይላን መዝሙርን ኣብ ጽድቅን ኃጢኣትን ተደባሊቑ ዝነብር ህዝቢ ቤተ ክርስቲያን እንተ መልኣ ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ሰብ እዚ ናብ ቤተ ክርስቲያን እምበር ናብ ክርስቶስ ኣይመጸን። ስለ' ድሌቱ ዘይኮነ ድሌት ኣምላኽ እንዳ ኣማላእና ርእሲ ኰይንና ንእግርና ካብ ታኼላ ነዚ የዋህ ህዝቢ ካብ ዓዘቕቲ ነውጽኣዮ። ይገርም ኢዩ ኣብ ብዙሕ ቤተ ክርስቲያናት ርእሲ ዝተመሰሉ ጳጳሳት እዚ ህዝቢ እዚ ጓይላ ግደፍ ኢልናዮ ኣይሰምዕን ኢዩ፡ ግደፍ ክንብሎ ውን ደስ ኣይብሎን ኢዩ እሞ በቲ ዝለመዶ ይኺድ እንታይ ገደሰና ካብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ኣይትረፍ ብምባል ብሸለልትነቶም ክንደይ የዋህ ምእመን ይጠፍእ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፎም ውን ጓይላ ባህልና ስለ ዝኾነ ኃጢኣት ኣይኮነን ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ። ይኽደነና ድኣ እምበር ኃጢኣት ኣይኮነን ኢሎም ጓይላ ካብ ፈቐዱስ ንሳቶም ውን ምስ ቆቢዖም ከይስዕስዑ የፍርሓካ ኢዩ። ደድሕሪ እግሪ ምስዓብ ውጽኢቱ እምበኣር እዚ ኢዩ።

ጸሎት ዝጅመረሉ ሰዓት ኣኺሉ እንከሎ፡ ህዝቢ ክሳብ ዝእከብ ቁሩብ ንጽናሕ ዝብሉ ካህናት ውን መሊኦም ኢዮም። እዚኦም ውን ሰብ ከይመጸ ምስ ዝተርፍ ጸሎት ክገድፍዎ ምዃኖም እዩ ዘአንፍተካ። ምኽንያቱ ኵሉ ኣገልግሎቶም ንሰብ እምበር ንእግዚአብሔር ኣይመስልን ኢዩ። ኣገልግሎት ከም ስራሕ ስለ ዝቖጽርዎ ኣብ ጊዜ ጸሎቶምን ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም የለን። በዚ ድማ ሎሚ ዘማሪ ንህዝቢ ኢየ ዝዝምር ይብል ዲያቆን ንህዝቢ ኢየ ዘቐድስ ይብል ሰባኺ ንህዝቢ ኢየ ዝምህር ይብል ካህን ውን ንህዝቢ ኢየ ዘገልግል ይብል ንህዝቢ ድኣ እምበር ንርእሱ ምግልጋል ዝገደፎ ኢዩ ዝመስል። እዚ ድማ ብሸለልትነትና ንቤተ ክርስቲያን ናብ ሓንቲ ምድራዊት ትካል ብምርኣይ ንሕና ድማ ከም ሥጋውያን ሰራሕተኛታት ብምዃን ኣገልግሎት ናብ ሥራሕ ቀይርናዮ ኣለና ማለት ኢዩ። ወይ እግሪሪሪሪሪሪሪረሪ

መስጋና ንኣብ ምስጋና ንወልድ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ

ምስጋና ንኣዴና ቅድስት ድንገል ማርያም

ምስጋና ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ይኹን ኣሜን!!!
 ብሓውና Weldeab Gebremeskel ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ'ያ።

1 comment:

  1. Stop. Zeyhankdmus geremaryam smu zbehal kemznatka eu......
    N balika .... patriarch asirka .... senselet sebirka .... emo dma ab liali patriarch patriarch seqilka..... b ABUNE ISAYAS afewerqi .... ktmrah zeyehferekas ....
    Hji halayi betechrstianan mesilka keyhaferka mzrabkas nay ahfiruni ....


    Xhufatka kulu gzye .... nabyetn hnxetn betechrstianan zeteanaqfu .....
    N mamena dma zkolfu zetfau ....
    N agelgelti zeneaasu eyom....
    Liali kulu dma zeynska ktmesl tftin....
    Qdm n abune antonios tetabeqelom....
    N isayas dma wegzo ...
    Dhriau tzareb

    ReplyDelete