ካብ ዝሓለፈ ዝቅጽል እንሆ፡ ሕጂ ውን ከም ነቢይ ቅዱስ ዳዊት ስለ ኢየሩሳሌም ስቅ ኣይብልን እየ ከም ዝበለ፡ ንሕና ደቂ ተዋሕዶ ውን ስለ ቅድስት እምነትና ስለ ተዋሕዶ ስቕ ኢልና ንስራሕ ሰይጣን ክንርኢ ሕልናና ኣይፈቅዶን እዩ።
ክቡራት ተካታተልቲ ቤተ ሳይዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ኣብ ዝጸሓፍናዮ ስለ እዞም ኣቦ ብዘቅረብናልኩም ዕጉባት ከምዝኾንኩም ዘጣራጥር ኣይኮነን። ሕጂ ውን እንሆ ስለ እቲ ክፉእ ግብሮም ከየታልልኹም ከነዛኻክረኩም ንፈቱ።
ኣብ 16 ክፍለ ዘመን “መሓመድ ግራይ” ዝብሃል ካብ ጎንደር ተበጊሱ ንገዳማት ሃገርናን ካህናት ኣቦታትናን ብፍጹም ብስሕለት ሰይፍ ከጥፍኦም ከም ዝፈተነ፡ ታሪኽ ቤተ ክርስትያና ሕያው ምስክርና እዩ።ነገር ግን ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ገዳማትናን ካህናትናን ስለ ዝነበረ ዋላ እኳ ብዝሕ ዕንወት እንተ ኣውረደ ግን ፈጺሙ ከጥፍኣ ኣይከኣለን /ማቴ16፡18/። ክንስሕቶ ዘይግባኣና ግና ኣብ ሃገርና ብዙሕ ዘየድሊ ክርስቲያናዊ ዘይኮነ ሥርዓት ኣታኣታትዩ እዩ።
ገለ ካብኡ ንሓዳር ብዘይ ቃል ኪዳን፣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ዝተፋላለያ ኣንስቲ ምውላድ፡ መንእሰያት ኣብ ጓይላ ከም ዘተኵሩ ክልተ ሽም ዝገበረ “መሓመድ ግራይ” እዩ።
ገለ ካብኡ ንሓዳር ብዘይ ቃል ኪዳን፣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ዝተፋላለያ ኣንስቲ ምውላድ፡ መንእሰያት ኣብ ጓይላ ከም ዘተኵሩ ክልተ ሽም ዝገበረ “መሓመድ ግራይ” እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ነዞም ኣባ መቃርስ ዝተባህሉ ዳግማዊ መሓመድ ግራይ ኢልና ኣጠሚቅናዮም ኔርና፣“መሓመድ ግራይ” ዝገበሮ ድማ ብከፊል ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮ ኣሎና። ስለዚ ዘራኽቦም ብኸመይ እዩ ኢልኹም ትሓስቡ ትህልዉ፡ በሉ ጽን ኢልኩም ስምዑኒ እሞ በብሓደ ክጽሕፈልኩም እየ።
1ይ እዞም ኣቦ ተወሊዶም ዝተጠመቑላ ድሓር ድማ ማዕርገ ዲቑና ዝሃበቶም ካብኡ ሕልፍ ዝበለውን ብትምህርቲ ዘዕበየቶም ቤተ ክርስቲያና እያ። ግና ምስ ዘይኣመንቲ ኮይኖም ከጥፍእዋ ድቃስ ሲኢኖም ይርከቡ ኣለዉ። ንሱ ከኣ ኣብ ዓለም እንዳዞሩ ሃይማኖት ኣይትከተሉ፡ (መምዘኒ ደጋፋይ ተቃዋማይ ጌሮም) ኣስላማይን ክርስቲያንን ብሕብረት <<ስመሩ>
እንዳበሉ ዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቃስ ካብቲ መሓመድ ግራይ ዝገበሮ ዶ ዝቀልል ይመስለኩም? መሓመድ ግራይ ምስ ቱርኲ ተሓባቢሩ ንሃገርናን ሃይማኖትናን ከዕኑ ከምዝተበገሰ ታሪኽ ዝሕብሮ እዩ። እዞም
ሰብኣይ ውን ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ምዕራባውያን ዜጋታት እንዳተራኸቡ ዝገብርዎ ዘለው ኣነዋሪ ስራሕ ካብ መሓመድ
ግራይ እንታይ ይፈልዮም?
2ይ ስሞም ምስ ግብሮም ዘይከይድ እዩ። ስም ናይዞም ኣቦ ሒዞሞ ዘለዉ ካብቶም ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ እዩ። እቶም ኣብ 3ይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣባ መቃርስ ዝብሃሉ ንሓንቲ ሃገር ጥራሕ ዘይኮኑስ ንዓለም ምሉእ ብትምህርቲ ናይ ሓቀኛ ተዋሕዶ ሓደ ክገብሩ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ኣቦ እዮም። ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ውን ንዘይ ኣመንቲ ዘእመኑ ንኣመንቲ ውን ዘጸናንናእዑ ዝነበሩ ሓርበኛ ናይ እምነት ኣቦ እዮም ነይሮም። ንብዙሓት ኣቦታት ውን ኣብነት ኮይኖም ሓሊፎም እዮም።
እዞም ዳግማዊ <<መሓመድ ዝተባህሉ መቃርስ>> ግን ንዘይ ኣመንቲ ከእምኑ ዘይኮነስ ንዝኣምኑ ከም ኣርዮስ ኮይኖም ዝፈላልዩ ንዓለም ምሉእ ናብ ሓደ ኣምላኽ ከተምልኽ ዝጽዕሩ ዘይኮኑስ ንሓንቲ ኤርትራ ፖለቲc ዝተፈላለየት ክትከውን ዝጽዕሩ፣ ንዝተባእሱ ዘዓርቁ ዘይኮኑስ ንፍቁራት ኣነ ናይ ጳውሎስ ኣነ ድማ ናይ ኣጵሎስ እየ ኢልና ከም ንፋላለ ዝገብሩ ስሞም ምስ ግብሮም ዘይከይድ ዝበልናዮም ነዚ' ኢና።
ምንኩስና ሂባ ኣስኬማ መላእኽቲ ዘልበሰቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኤርትራ ዶ ኣይኮነትን? እቶም ዘጠመቅዎም ከ ካህናት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኤርትራ ዶ ኣይኮነትን? እቶም ኣስኬማ መላእኽቲ ዘልበስዎምከ መነኮሳት ገዳማውያን ናይ ኤርትራ ዶ ኣይኮኑን? ሕጂ ደኣ እንታይ ኮይኖም እዮም ንካህናት ሃገርና ከም ዘይፈልጥዎም ሰኸርቲ ንዊስኪ ተተርኣስቲ እንዳ በሉ ዝጸርፍዎም? ካብዚ ሓሊፉውን ገዳማት ሃገርና ኣብ ክንዲ ጸለይቲ ሰገድቲ ምባሎም ደናቑር ኣጣቃዕቲ እንዳ በሉ ከም ንብዓት ሓርገጽ ኣብ መራከቢ ናይ ዓለም ኮይኖም ሓሶት ብኣፎም ዝነብዑ? እዚ እውን ከይቀልል ገሃንም ክትኣትዉ ኢኩም ኢሎም ክድምድሙ? ትጭነቑ ዶ ከምዚ ከማይ፧ ንምንታይ እዮም ካብ ሃገር ናብ ሃገር እንዳ ከዱ ወንጌል ዘይሰብኩ? ንዝተባእሱ ምስምማዕ ንዘኣበዩ ዘይዓርቁ? ብዘይ ቃል ኪዳን ዝነበሩ ቃል ኪዳን ዘየእስሩ፡ ብዘርእን ፖለቲቻን ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሕዝብና ዘይጋሶዎ እንዳ በልኩም? በሉ ናይዞም ኣቦ ኣኻይዳ ብደቂቕ እንተተዓዚብናዮ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኮነ ኣኻይዳ እዩ ዘለዎም። ምኽንያቱ መሓመድ ግራይ ከም ማንም ፍጡር ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፉ እዩ። ሕማቕ ግብሩ ግን ኣብ ልዕሊ ምእመናን ኣሽጋሪ ኮይኑ ይርከብ። እምበኣር ናይዞም ኣቦ ኣካይዳውን እዛ ቤተ ክርስቲያን ኮስኪሳ ከም ዘየዕበየቶም ክሒዶም ኣነ ኣብ ግብጺ ዝተማሃርኩ እየ፡ እንዳ በሉ ትምህርትን ስርዓትን ክቅይሩ ከም መሓመድ ግራይ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣቦ እዮም። ግብጺ ጵጵስና ደኣ እያ ዝሃበቶም እምበር ክርስቲያን ግን ኣይገበረቶምን። ግን ከም ምስላ ኣቦታት <<ሕማቅ ውሉድ ኣብ ዝበልዓሉ ጡፍ ይብል>> ከም ዝበሃል እዞም ኣቦ ድማ ነታ ዝመሃረቶምን ዘዕበየቶምን ንግብጺ ቤተክርስቲያን ዘላለየቶሙን ንዒቆም ከምዘይትጠቅም እንዳቆጾሩ ንዓለም ከላልዩ እንተፈተኑ ንሕና ደቂ
ተዋሕዶ ንሕማቅ ግብሮም ስቅ ኢልና ኣይክንርእን ኢና።
ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣጽዋር ጽድቂ ልበሱ ዝበሎ ጾም ፥ ጸሎት ወዘይመስሎ ክርስቲያናዊ ተግባር ድኣ እምበር፥ ከም መሓመድ ግራይ ሰይፊ ጠበንጃ ንዘልዕል ግና ( ኤፌ 6፡11 )። ከም ኣበው አአምን በክርስቶስ አምላኪየ ወኢይትሐፈር በተዋሕዶ ሃይማኖትየ ኢልና ወንጌል ንምልዓል ድልዋት ኢና።
አርምሞትኪ ማርያም ኃለፈ እም አንክሮ፤
እስከ ንሬኢ ሕዝብኪ ለተአምርኪ ግብሮ፤
ገነትኪ ትጽጊ ሰላመ ወተፋቅሮ፤
እለያማስኑ ለዓጸደ ወይንነ ወፍሮ፤
ቆናጽለ ንዑሳነ አፍጥኒ አሥግሮ፡፡
ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣጽዋር ጽድቂ ልበሱ ዝበሎ ጾም ፥ ጸሎት ወዘይመስሎ ክርስቲያናዊ ተግባር ድኣ እምበር፥ ከም መሓመድ ግራይ ሰይፊ ጠበንጃ ንዘልዕል ግና ( ኤፌ 6፡11 )። ከም ኣበው አአምን በክርስቶስ አምላኪየ ወኢይትሐፈር በተዋሕዶ ሃይማኖትየ ኢልና ወንጌል ንምልዓል ድልዋት ኢና።
አርምሞትኪ ማርያም ኃለፈ እም አንክሮ፤
እስከ ንሬኢ ሕዝብኪ ለተአምርኪ ግብሮ፤
ገነትኪ ትጽጊ ሰላመ ወተፋቅሮ፤
እለያማስኑ ለዓጸደ ወይንነ ወፍሮ፤
ቆናጽለ ንዑሳነ አፍጥኒ አሥግሮ፡፡
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!
ጽቡቅ ዩ እቶም ውን ኣብ ስሕተት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ ግን ኣቦታትና ውን ነታ ሓቂ ሲሕተማ ኢዮም ዝመስሉ ንዝከሓደ ውግዘት እንበር እስሪ ናይ ተዋህዶ ኣይኮነን
ReplyDelete