Monday, 6 January 2014

".... ኣዝዩ ዘገርም ተኣምር አደና ቅድስት ድንግል ድንግል ማርያም .... " above what mind can think for

ካብዚ(http://www.pigizois.net/agglika/the_miracle_in_siria.htm) ዝተወስደ እዩ።
ታሕሳስ 2004 ብዛዕባ ሓደ ተኸታሊ እምነት ምስልምና ዝኾነ ስዑዳዊ ሰብኣይ ኣብ ህይወቱ ዝተፈጸመ፡ንህይወቱ ዝቐየረን ኣዝዩ ዘደንቕ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና፡ መጽሔታት፡ መርበብ ሓበሬታን ፋንፍሌታትን ናይ ብርክት ዝበላ ሃገራት ከም ስዑዲ ዓረብ፡ ሶርያ፡ ፍልስጤምን ጎረባብቲ ሃገራት ሶርያን ተቓሊሑ ነይሩ፡፡
እቲ ታሪኽ ብመሰረቱ ብከምዚ ይጅምር፡ ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት (ቅድሚ 2004) እዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል ሃብታማት ቤተሰብ ግን ከኣ መኻን ዝኾነት ተመርዓወ። ከምዚ ኢሎም እንዳ ነበሩ ከለዉ፡ ነቲ ዝነበሮም ሽግር ንምፍዋስ ናብ ዝተፈላለዩ ሓካይምን ናይ ስነ ማህጸን ኪኢላታትን እኳ እንተ ኸዱ፡ ጻዕሮም ግና ፍረ ዝበሃል ኣይነበሮን። ስድራ ቤት ወዲ ካልኣይቲ ሰበይቲ ንክምርዖ ብዙሕ ግዜ ይመኽርዎ ነበሩ። (ኣብ ምስልምና ክሳብ 4 ኣንስቲ ክትምርዖ ስለ ትኽእል) ዋላ’ኳ እንተ ተጨኒቑን ልቡ ተሰይሩን እንተነበረ፡ ናይ ወለዱ ምኽሪ ግና ክቕበል ኣይከኣለን። እምበኣርከስ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከሎ ከኣ ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ሶርያ ንዙረት ኢሉ ከደ። ናብ ሃገር ሶርያ ምስ ከደ መኪና ምስ መራሒኣ ተኻረየ። እዚ መራሒ መኪና ጎኒ ጎኒ ምምራሕ መኪና ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ሶርያ እንዳ ወሰደ  ከላልዮም እዩ ዝነበረ ስርሑ። ዑደት እንዳ ገበሩ ከለዉ እቲ መራሒ መኪና ሓደ ነገር ተዓዘበ። እሱ ድማ ኣብ ገጽ እዞም ስዑዳውያን ሰብ ሓዳር ሓዘንን ጓሂን ጥራይ ይርኢ ነበረ። በብቕሩብ ክላለዮም ምስ ጀመረ ስለምንታይ ሕጉሳት ከም ዘይኮኑ ክሓቶም ጀመረ። ምኽንያቱ በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዑደት ዘይተሓጎሱ መሲልዎ ስለ ዝነበረ እዩ።

እንተ ኮነ እቶም ሰብ ሓዳር፡ ምንጪ ዘይመሐጎሲኦም ብሰንኪ ውላድ ምስኣን ሙዃኑ ነገርዎ። እቲ መራሕ መኪና ብእምነቱ ተኸታሊ ምስልምና ነበረ። ሓደ ነገር ድማ ነገሮም፡ ኣብ ሶርያ ዘለዉ ክርስትያን ብፍላይ ድማ ኦርቶዶክስ ክርስትያን፡ ሓደ ገዳም ኣለዎም ፓናጊያ ስድራያ (Panagia Saidraya) (ገዳም ጼዴንያ ማለቱ እዩ) ትርጉሙ ከኣ እመቤታችን (Our Lady)ማለት እዩ። ብዙሓት ውላድ ዘይብሎም ኣብ ቅድሚ እታ ተኣምራታዊት ስእሊ ኮይኖም፡ ናብ እግዚአብሔር መታን ክልምኑ ናብቲ ገዳም ከም ዝጓዓዙ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ተኣምራታዊት ስእሊ ከኣ ሽምዓ ወሊዖም ከምዝጽልዩ፡ ብድሕሪ’ዚ ብመሰረት እምነቶም ድንግል ማርያም (ብኣማላድነታ) ዝደለይዎ ከም እትፍጽመሎም ነገሮም።

ነዚ ነገር ምስ ሰምዑ እዞም ስዑዳውያን ሰብ ሓዳር ነቲ መራሒ መኪና ናብ ገዳም ጼዴንያ ንኽወስዶም ሓተትዎ። ናብ’ቲ ገዳም ድሕሪ ምብጻሕ፡ ከምቲ ዝሃቦም ሓበሬታ መሰረት ኣብ ቅድሚ ስእሊ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሽምዓ ወሊዖም ናብ እግዚአብሔር ጸሎቶም ብምብጻሕ ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ክትራድኦም ሓተቱ፡፡ ብድሕሪኡ ከኣ ከምዚ ኢሎም ተመባጽዑ፡ “ውላድ እንተ ደኣ ረኺብና ተመሊስና፡ ነቲ መራሒ መኪና 20,000 ዶላር፡ ነቲ ገዳም ድማ 80,000 ዶላር  ክንህብ ኢና” ኢሎም ናብ ዓዶም ተመልሱ። ብድሕሪ እዚ እታ ሰበይቲ ጠነሰት። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ከኣ ወዲ ተቦከረት። እዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ተኣምራት ብጸሎት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ እዩ።
 ሰበይቱ ድሕሪ ምውላዳ፡ እዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ ብመሰረት መብጽዕኡ ናብ ሶርያ ክኸይድ ሓሰበ። ኣቐዲሙ ናብቲ መራሒ መኪና ብምድዋል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ (ኣየርፖርት) ንክቕበሎ ሓተቶ። እቲ ሶርያዊ መራሒ መኪና እዚ ምስ ሰምዐ ንክልተ ካልኦት ሰባት ወዲቡ፡ ነዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ ቀቲሎም ገንዘቡ ወሲዶም ንክቐብርዎ የእሚኑ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ሒዝዎም ከደ። ኣብ’ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምቕባል፡ ብመሰረት ውጥኖም ሒዞሞ እንዳ ኸዱ ከለዉ፡ ነዚ ዘይፈለጠ ስዑዳዊ ነቶም ክልተ የዕሩኽ መራሒ መኪና ንክልቲኦም ዓዓሰርተ ሽሕ (10,000) ክህቦም ሙዃኑ ነገሮም። በዚ ዘይዓገቡ መራሒ መኪና ምስ የዕርኽቱ ነዚ ስዑዳዊ ሰብኣይ፡ ካብ’ቲ ናብ ገዳም ጼዴንያ ዝወስድ መንገዲ ካብ ካልእ ኣንፈት ብምጥዋይ፡ ናብ በረኻ ወሰድዎ።ናብቲ በረኻ ድሕሪ ምውሳድ ብመጀመርያ ርእሱ ድሕሪ ምቑራጽ፡ ንመላእ ኣካላቱ (የእዳዉን የእጋሩን) በብሓደ ቖራረጽዎ። ነዚ ነገራት ገይሮም ኣብ ዳሕረዋይ መጽዓኒ ናይ መኪና ብምጽዓን፡ ንኹሉ እቲ ዘለዎ ገንዘብን ንብረትን ፈቲሾም ናብ ካልእ ዝሓሸ ዝበልዎ ቦታ ወሲዶም ክቐብርዎ ተሰማምዑ። ኣብ ቀንዲ መንገዲ (High way) ከለዉ ግን መኪንኦም ሃንደበት ተሰብረት። እዞም ሰለስተ ሰባት እንታይ ከም ዝኮነ ንኽርእዩ ካብ መኪንኦም ወረዱ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ንካልኦት ሰብ መካይን ሓገዝ ክሓቱ እኳ እንተደለዩ፡ ነቲ ኣብ መኪና ሒዞሞ ዘለዉ ነገር መታን ከይጋለጽ ግና ከምኡ ክገብሩ ኣይመረጹን። ሓደ ሰብ ግና ብሞተር ሳይክል እንዳ ሓለፈ እንከሎ፡ ካብታ መኪና ጸረር ዝብል ደም ስለ ዝረኣየ ብቕጽበት ንፖሊስ ሓበረ። ፖሊስ ድማ ናብ ቦታ ፍጻሜ ከይዶም እንተረኣዩ፡ ኣብ ትሕቲ እታ መኪና ዝነጠበ ደም ጸንሖም። ነዚ ምስ ረኣዩ ነቲ ዳሕረዋይ ወገን መጽዓኒ ናይ’ታ መኪና ክኸፍትዎ ነገርዎም (ኣዘዝዎም)።
ነቲ ናይ ድሕሪት መጽዓኒ ምስ ከፈትዎ፡ ሓደ ንኽትኣምኖ ዘጸግም፡ ንኣቓልብኦም ዝስሕብ ነገር ረኣዩ። እቲ ስዑዳዊ ሰብኣይ ብቕጽበት ሓፍ በለ። ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ብመስተንክር ሓይሊ እግዚአብሔር ኣብ መንጎኦም ህያው ኮነ። ከምዚ ክብል ከኣ ተዛረቦም “ ኣቐድም ኣቢላ ፓናግያ (ንእመቤታችን ማለቱ’ዩ) ንኣካላተይ ክትሰፍዮ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ሕጂ ሕጂ ከኣ ኣብ ክሳደይ ክትሰፍየኒ ጸኒሓ።’’ እንዳ በለ ናብ ጎሮሮ ኣዳም ኣመልከተሎም። ነዚ ነገር ምስ ረኣዩ እቶም 3 ገበኛታት ብኡ ንብኡ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ወደቑ። ብድሕሪ’ዚ ፖሊስ ነቶም ሰባት ብዝተገብረሎም ረዲኤት ሃለዋቶም ምስ ፈለጡ፡ ብመሰረት ገበኖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሰድዎም። 
ብድሕሪ’ዚ እቲ ስዑዳዊ ሰብኣይ፡ ሕክምናዊ ረዲኤት ክግበረሉ ተወስደ። ነቲ መርመራ ዘካይዱ ክኢላታት፡ እቲ ዝተሰፍየ ክፍሊ ኣካላቱ ኣብ ቀረባ እዋን ከም እተፈጸመ ኣረጋገጹ። እዚ ፍጻሜ ድማ ተኣምራት ሙዃኑ ገለጹ። እቲ ስዑዳዊ እውን ካብ’ቲ ፍጻሜ ጀሚሩ ዝመስከሮ እንተ ደኣ ኔሩ ኮይኑ ድንግል ማርያም ብሰናይ ፍቓድ ናይ ወዳ፡ ብኣማላድነታ ካብ ሞት ከም ዘተስኣቶ እዩ መስኪሩ።
እዚ ኩሉ ተኣምራት ድሕሪ ምፍጻሙ ብቕጽበት ፡ ንቤተሰቡ ናብ ሶርያ ኪመጹ ነገሮም። ብሓባር ኮይኖም ከኣ ናብ ገዳም ጸዴንያ ከይዶም ጸሎቶም ኣዕረጉ።ነቲ ገባሪ ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔር ድማ ኣመስገኑን ክብሪ ሃቡን። ኣብ ክንዲ እቲ ኣቐዲሞም ተመባጺዖሞ ዝነበሩ 80,000 ኣምሳይኡ 800,000 ንገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጼደንያ ህያብ ሃቡ። 
ቀጺሉ እቲ ስዑዳዊ ኣብ ዘዘንትዎ ዝነበረ ኩሉ ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ “ኣስላማይ ከለኹ ከምዚ ጌረ፡ ወይ ከምዚ ኣጋጢሙኒ” እንዳ በለ ክዛረብ ጀመረ። እዚ ዘረደኣና እንተ ሃልዩ ድማ፡ ብድሕሪኡ ናብ ምስልምና ከም ዘይተመልሰ እዩ። እዚ ተኣምራት ግና ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለምን ንበረኸት ኮነ። 

ነቲ ገባሬ ተኣማራት ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸሎት ድንግል ማርያም ኣቢሉ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ክብርን ምስጋናን ንዑኡ ይኹኖ።

 ምንጪ from facebook........................................


2 comments:

  1. ቃለ ሂወት የስመዓልና።

    ReplyDelete
  2. ዝለመንካይ ዘይትከልእ አደ ምስ ፍቁር ወዳ ቃለ ሂወት የኣምዐልና

    ReplyDelete