†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† †
ኣብ ኦሪት ኣንበሳ፣ ተዅላ፣ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዝቀተሎ ኹሉ ንመስዋእቲ ክቀርብ ኣይኮነን ክብላዕ ከማን ዝተኸልከለ እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ +እንስሳ ዝተባህሉ (ኣጋንንት፣ ርኩሳት መናፍስት፣ መናፍቃን፣.... ብኣቶም ዝተሰውኣ ኩሉ ኣሽንኳይ ንእግዚኣብሔር ምቅራብ ንሕና ንምትንካይ ከማን ምርካስ ማለት’ዩ።
‘’እንስሳ ዝተጻወተሉ ኣይትተንኪ’’ ዝብል ንባብ ይርከቦ፣ እዚ ኩሉ ብኦም በዚ ዓለም ዝተተንከፈ ብደርፊ ይኩን ብዝረኸሰ መንፈስ ዝረኸሰ (ዝተበላሸወ) ንዓይኒ እኳ እንተ ሰሓበ (ብፍላይ ብደርፊ ንዝዓበየ ኩሉ ብCOMPUTER ዝተቀናበረ ብመሳርሒ ሙዚቃ PIANO, GITAR….. ዝተቃመመ እሱ ኣዝዩ ዝጸበቀ ሙኳኑ ኣየጣራጥርን) ንሕና ግን ፈጺምና ከይንትንክፍ ተኣዚዝና ኢና፡ እሞ! ምሓዝ ድማ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ጽድቂ መሳርሕን፡ ናይ ሓጢኣት መሳርሕን ስለ ዝፍለ፡ ነዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝጸሓፈልና፦
እዛ ኣብ’ዚ ትርእይዋ ዘለኩም ቅድሚ ሕጂ ዝወጸት ኮይና ምናልባት እኮ ሰብ ንምግጋይ ቃሉ ግእዝ እንተ ገበርዎ ብመሳርሒ ሙዚቃ ከመኡ ውን አቲ ድምጺ ብ COMPITERIZED ዝተቃመመ ሙካኑ ንመልከት።
እግዚኣብሄር ቤቱ ይሓሉ፡ ኣሜን!!!!!!!!!!!!!
ሓደ
ሓደ የዋሃን ምእመናን (መሠርያን ተሓድሶ) ከበሮ ሒዞም ጸናጽል ዓቲሮም ስለ ዝርእይዎም መዝሙር ተባሂሉ ደርፊ እንዳ ሰምዑ
ዝታለሉ ብዙሓት ኢዮም።
እዚ ናይ መናፍቃን ትምህርትን መንገድን ዝተኸተለ ብናቶም ወሓይዝ ተኸቲሉ ዝተዓሸወ ስለ ዝኮነ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብሁግ መስዋእቲ
ኣይኮነን።
ኣብ ኦሪት ኣንበሳ፣ ተዅላ፣ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዝቀተሎ ኹሉ ንመስዋእቲ ክቀርብ ኣይኮነን ክብላዕ ከማን ዝተኸልከለ እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ +እንስሳ ዝተባህሉ (ኣጋንንት፣ ርኩሳት መናፍስት፣ መናፍቃን፣.... ብኣቶም ዝተሰውኣ ኩሉ ኣሽንኳይ ንእግዚኣብሔር ምቅራብ ንሕና ንምትንካይ ከማን ምርካስ ማለት’ዩ።
‘’እንስሳ ዝተጻወተሉ ኣይትተንኪ’’ ዝብል ንባብ ይርከቦ፣ እዚ ኩሉ ብኦም በዚ ዓለም ዝተተንከፈ ብደርፊ ይኩን ብዝረኸሰ መንፈስ ዝረኸሰ (ዝተበላሸወ) ንዓይኒ እኳ እንተ ሰሓበ (ብፍላይ ብደርፊ ንዝዓበየ ኩሉ ብCOMPUTER ዝተቀናበረ ብመሳርሒ ሙዚቃ PIANO, GITAR….. ዝተቃመመ እሱ ኣዝዩ ዝጸበቀ ሙኳኑ ኣየጣራጥርን) ንሕና ግን ፈጺምና ከይንትንክፍ ተኣዚዝና ኢና፡ እሞ! ምሓዝ ድማ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ጽድቂ መሳርሕን፡ ናይ ሓጢኣት መሳርሕን ስለ ዝፍለ፡ ነዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝጸሓፈልና፦
'' መኑ ዘያስተዐርያ ለጽድቅ ምስለ ሓጢኣት፡ ወመኑ ዘየሃብሮ ለክርስቶስ ምስለ በለሆር፡ ወመኑ ዘደመሮ ለብርሃን ምስለ ጽልመት፡ መኑ ዘይከፍሎሙ ለመሃይምናን ምስለ ምኑፉቃን፡ ወመኑ ዘይደምር ታቦተ እግዚኣብሄር ውስተ ቤተ ጣኦት''
ማለት ጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ፡ ወይ ከኣ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፡ ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፡ ኣማኒ ምስ ዘይ ኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ፡ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ። /2ይ ቆሮ 6፡14-16/
ስለዚ ህዝበ ክርስትያን ግጥሙ
ብምንፍቅና ዜማኡ ብደርፊ ብርኽሰት ዝተመልኣ ርኩስ እዩ፡ እሞ' ዝጠቅምን ዝሓንጽን መሪጾም ኣቦታት ዝሓቡና ክንቅበል ይግባኣና እዩ እሞ ሓደራኩም፡ ምናልባት ቃሉ እሞ ግእዝ አንድዩ፡ ኢየሱስ ፡ማርያም አንድዮም
ዚብሉ ዘለዉ። ብምባል ከይንጋገ ዉን መጽፍ ቅዱስ ታሪክ ገዲፉልና እዩ ኣብ (ግብሪ ሃዋርያት 16፣16) ጀሚሩ
እነንብቦ ሓደ ታሪክ ኣሎ እታ መንፈስ ድያብሎስ(ጥንቆላ) ሓዲርዋ ዝነበረት ሰበይቲ ደድሕሪ ሃዋርያት አንዳ ሰዓበት
‘’እዞም ሰባት እዚኦም ኣገልገልቲ ልዑል ኣምላክ እዮም፣ መንገዲ ምድኃን ከኣ ይምህርኹም ኣለዉ እንዳበለት ዓው ኢላ
ትዛረብ ነበረት ይብል። ቀጺሉ ጳውሎስ ድማ ድኅሪ ነዊሕ ምጽማም ግልጽ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብኣ ክትወጽእ
ብስም ኢየሱስ እእዝዘካ ኣሎኩ በሎ በታ ጊዜ እቲኣ ውን ወጸ ይብለና’’ ስለዚ እቲ ትብሎ ዝነበረት ብደገ ንዝርእዮ
ወላሓደ ስሕተት ኣይነበሮን ቀጺልና ብዝራእናዮ ግን ኣብ ውሽጣ ሓዲሩ ዘዛርባ ዝነበረ ድያብሎስ እዩ ነዚ ውን ቅዱስ
ጳውሎስ ‘’(እስመ ለሊሁ ሰይጣን ይትሜሰል መልኣከ ብርሃን)’’ እሱ ገዛእ ርእሱ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ (2ቆሮ 11፣14)
ዝበሎ የብርሃልና ይምልሰልና ስለዚ ስላሴ ሰሚዕና ማርያም ሰሚዕና ዘይኮነ ብዓል ቤት ናቱ ፈሊና ክንፈሊ ይግብኣና።
ካብ ኩሉ ዝከበረት ልዕሊ ኩሉ ዝኮነት ቅድስት ቤተክርስቲያን እያ አሞ በዚ መልክዑ ዘይተበላሸወ ፍሉይ ዝኾነ ጸሎት
ፍሉይ ዝኾነ መዝሙር(ምስጋና) ፍሉይ ዝኾነ ሞባእ ቁርባን ነቅርብ።
ነዚ እዩ /ካብ 130-200 ዓ.ም/ ሄሬኔዎስ ዝተባህለ ሊቅ ‘’ ብሓቂ ናይ ክሕደት ትምህርቲ
ቀልቲፉ ተራእዩ፣ መታን ከይግለጽ ዕርቃኑ ፈጺሙ ኣይቆውምን፣ ነገር ግን መስሓቢ ዘለዎ ክዳን ብብልሒ ተኸዲኑ ኣብ
ደገ ጸቢቁ ይርከብ፣ ዝዓሸወ ሰብ እንተ ረኺቡ ንምትላል ካብ ሓቂ ንላዕሊ ሓቂ መሲሉ ይርኣይ’’ ብምባል ይገልጾ።
2 ቆሮ 11፣14
እዛ ኣብ’ዚ ትርእይዋ ዘለኩም ቅድሚ ሕጂ ዝወጸት ኮይና ምናልባት እኮ ሰብ ንምግጋይ ቃሉ ግእዝ እንተ ገበርዎ ብመሳርሒ ሙዚቃ ከመኡ ውን አቲ ድምጺ ብ COMPITERIZED ዝተቃመመ ሙካኑ ንመልከት።
እዛ ካልኣይቲ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኪሕተም እያ ተባሂላ ምናልባት ስጋውያን ስለ ዝኮኑ ዕዳጋ ተረከበት ኢሎም ስላሴ ማርያም ዝብላ እኻ እንተ ኣስምዑና ዜማኣ ዘይኦርቶዶክሳዊ ድሒሮም ከምጽእዎ ሓሲቦም ንዘለዉ ክሕደት መተኣታተዊት ኪትከዉን ዝበልዋ ስለ ዝኮነት ምእመናን ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ንዓና ርኹስ እዩ እሞ ካብ ንዕኡ ምትንካፍ (ምስማዕ) ከም ፍንፉን ቆጺርና ንከልከል።
ፍጻሜኡ ድማ ከምዚ ኣብዚ ታሕቲ እንሪኦ ዘለና፡ ከም ዝከውን ዘጣራጥ ኣይኮነ፡ ኣነ ዘፍርሐኒ ነገር እንተልዩ ሙዚቃ ወይ ድማ ድርፊ መንፈሳዊ እዩ፡ ከይብሃል እየ ዝፈርሕ፡
እግዚኣብሄር ቤቱ ይሓሉ፡ ኣሜን!!!!!!!!!!!!!
this is a good WORK YOU ARE DOING FOR THE CHURCH, BUT DO NOT BE VERY AGGRESSIVE. FOR EXAMPLE THE VIDEOS YOU SHARE ARE NOT CONVINCING EXCEPT THE ONE IN THE CHURCH WITH ORGAN, AND GOD BLESS YOU>
ReplyDeletethis is good
ReplyDelete