Tuesday, 18 September 2012

ጋሻ ትምህርቲ

ሻሙናይ ሽሕ ዝቀረበ  ይመስል 
ሓሶት ነጊሳ  ሓቂ  ንኽትመስል  
ሓጢኣት  ዓብሊሉ ሰባት ንኸታልል
ኣሕዋት ኣይንዓሹ ኩልና ነስተውዕል
                 
ሓሰውቲ ነብያት  ግዜኦም ኣኺሉ
ፈቀዶ መንገዲ ቆይሞም ዘታልሉ
ካብታ  መንገዲ ሓቂ ፍጹም ዝኾብለሉ
መዋርስቶም ከይገብሩና ንጠንቀቀሉ



ሎምስ በዚሑ እቲ ድፍረቶም 
ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና ግዲ ዘንጊዖም
ጥንተ ኣብሶ ኣለዋ ኮይኑ ልሳኖም 
የድሕነና ካብ ሰሪ መዓቶም

ቅዱስ ገብሪኤል  መጺኡ ዘበሰራ 
ንጽሕተ ንጹሓን ኢኺ ኢሉ ዘኽበራ
ንጹህ ባሕሪ ወልደ እግዚኣብሄር ዝሓደራ 
ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ኔራ

እስከ  ናብ ኦሪት ብሉይ  ኪዳን ንመለስ
ቅዱስ  መጽሓፍና ንገንጽል  ታሪኽ ንኽንድህስስ
ካብ ዓበይቲ ነብያት ትንቢተ ኢሳያስ
ከየጉደለ ዝጸሓፈ ተመሪሑ ብመንፈስ ቅዱስ 

እግዚኣብሄር  ዘር ኢ እንተዘይሓድገልና 
ከም ሰዶምን ጎሞራን ምኾና ኔርና 
ኢሉ ዝተነበዮ ብዛዕባ ቅድስቲ ወላዲትና
ብመንፈስ  ፈሊጡ ጥንተ  ኣብሶ ከም  ዘይብላ ኣዴና

እንታይ  ተራኽበ ደኣ  ጋሻ ትምህርቲ
ቤተ ክርስትያን ኽትሕደስ  ኣለዋ በሃልቲ
ሰርዓት  ኣቦታትና የብሉን መዳርግቲ 
ጊደፉ  ከይትኾኑ ናይ ዲያብሎስ ኣሳሰይቲ 

ጸኒዕና ንጽናሕ ክሳብ ዝፍጸም ቃሉ
ክፈርድ'ዩ ጐይታና  ከከም ግብሩ ንዅሉ
ዘመኑ ክፉእ እዩ'ሞ ነፍስና  ንሓሉ 
ከይንታለል በዞም ናይ ዘመና  ተዃሉ 

 ወስብሓት ለእግዚኣብሄር !

No comments:

Post a Comment