Monday, 24 September 2012

ዎ ሰብ !!!

              ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††


  • ሓሶት ቃል ካብ ኣፍካ ኣይተውጽእ፡---
+ ከም ሓናንያን ሰጲራን ከይትዋረድ ፡ግብ 5፡1-11 ፡
 + ኣቦኻ ዲያብሎስ እዩ ከይትብሃል ።
+ ትምኒት ዲያብሎስ ኢኻ እትፍጽም ከይትብሃል።
+ ሓቂ ከይትርሕቀኻ፡ ዮው8፡44
 + እግዚኣብሄር  ከየጥፋኣካ.              መዝ 5;6




  •  በቦታትኻ ኣይትስሓቅ፦
+ ከም ሴም ከይትርገም
  • ናይ እግዚኣብሄር ቤት ኣይትዳፈር ፦
+ ከም ዑዛ ከይትቕዘፍ 2ይ ሳሙ 6፡7--
+ ከም ኣፍኒንን ፊንሓስን ንሞት ከይትፍረድ 1ይ ሳሙ 2፡12-26 /1ይሳሙ 4፡17/

  • ናይ ቤተ ክርስትያን ንዋያተ ቅዱሳን ንርእስካ ኣይትጠቀም ፦
+ ከም ብልጣሶር ተመዚንኻ ቀሊልካ ከይትርከብ /ዳን 5፡25-29/

  • ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ኢድኻ ብኽፉእ ኣይተልዕል ፦
+ ከም የሮብዓም እድካ ከይትደርቅ 1ይ ነገ 13፣6

  • ንቃሕ! ናብ ዝገደፍኻያ ዓለም ኣይትጥምት ፦
+ ከም ሰበይቲ ሎጥ ሓወልቲ ጨው ኸይትከውን ፡ /ዘፍ19፡26

  • ኣይትተዓበይ ፦--
+ ከም ጎልያድ ከይትዋረድ /1ይ ሳሙ 17፡41/

  • ኣይትቅናእ፦
+ ንቃኤል እኳ ኣይጠቀመን / ዘፍ፡ 4፡5

  • ልብካ ኣይተትርር ፦
+ ከም ፈርዖን እግዚኣብሄር ከይቀጽዓኻ።/ኦ,ዘፍ 35፡16



No comments:

Post a Comment