†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† †
ናይ ስጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ ሞት የምጽእ! ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ሕትወትን ሰላምን የምጽእ። ሮሜ 8፡6
እቶም ሞት ዘምጽኡ ሓሳባ ስጋ ድማ እዚኦም እዮም፦ ገላ5፡19-22 ግብሪ ስጋ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ግሁድ እዩ ፣ንሱ ኸኣ ምንዝርና ዕብ13፡4-9*
፣ርኽሰት ፣ዝርጋን ፣ኣምልኾተ ጣኦት ፣ ጥንቆላ ፡ጽልኢ፡ባእሲ ፡ቅንኢ፡ቍጥዓ ፡ገዛእ ርእስካ ምፍታው ፡ምፍልላይ ፡
መናፍቅነት /ማለት ኣብ እምነትኻ ምጥርጣር/ ቅንኣት፡ ስኽራን /ብዘይ ዓቀን ኣርኮላዊ መስተ ምስታይ/ ክአምኡ ድማ
እቲ ንህዝብና ኣብ ሓጢኣት ሓሚስዎ ዝነብር ዘሎ ጓይላ፡ ከምዚኣቶም ዚኣምሰሉ ኻልእውን እዩ።ከምቲ ኣቀዲመ
ዘጠንቀቕኩኹም ፡ እቶም ነዚ ኸምዚ ዘኣምሰለ ዚገብሩ መንግስቲ ኣምላኽ ከምዘይወርሱዋ እብለኩም ኣለኩ ።
ካብዚ
ዝከፍእ ሞት የለን ፡ ዝዓበየ ሞት ድማ እዚ እዩ ። እዚ ኩሉ ክንሪኦ ዝጸናሕና መንግስቲ ኣምላኽ
ኣየውርስን። ነዚ ፈጺሞም መንግስቲ ኣምላኽ ዝወረሱ ኣይረኣናን ኣይሰማዕናን ተሪኽ ካብ ኣቦታትና ዝወረስኖዮ ወይም
ዝሰማዕናዮ የብልናን ፡፡ ተናዚዞም ተነሲሖም ናብ ኣምላኾም ዝተመንሱ ግን ብዙሓት እዮም ፡፡ ከም በዓል ቅዱስ
ዳዊት ሳውን ካልኦት እውን ብዙሓት። ምኽንያቱ ሰብ ኮይኑ ዘይጋገ ስለ ዘየለ ኩሉ ሰብ ይጋገ ሓጢኣት ውን
ይገብር እዩ ፡ ሓጢኣት ሞትን ሲኦልን ስለ ዘከትል ግን ካብ ሓጢኣትን ግብሪ ሓጢኣትን ክትርሕቅ ኣገዳሲ እዩ ።
ሕጢኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዘየውርስ፣ ዳግም ሞት ዘምጽእ እንተኮይኑ ክርስትያናዊ ሰብ ክመርጾ ከመይ ኢሉ ከኣለ ?
ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያናዊ ሕይወት ዝመርሕ ፡ ሕትመት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሰብ፡ ካብ ሓጢኣትን፣ ግብረ
ስጋን ክርሕቅ ይግብኦ ፡ እወ! ካብ ምስቲ ቅዱስ ኣምላኽ ምብኣስ ምስቲ ርኩስ ዲያብሎስ ምብኣስ/ምቅላስ
ይሕሸና ። ከመይ ንዲያብሎስ ዘይ 80 ዓመት ኢና እንተተቃለስኖዮ። ካልኣይ ድማ ኣጽዋር ጽድቂ ንዕኡ
እነሰንፈሉ ኣሎና ኤፌ 6፡11-19 ዘሎ ኣንብብ።
ካብ ነቲ ሓያል
፡ብርቲዕ ፡ መላኽን ፡ ገዛኢ ኩሉ ፡ ንኩሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ምሕዛን ፡ እግዚኣብሄር ዘይፈትዎ ምግባርን ፡ ነቲ
ድኩም ዲያብሎስ ምቅዋም ኣይሓይሽን የሕዋት ? እንበኣር የሕዋት ፈቲና ጸሊእና ግብሪ ስጋ መንግስተ ሰማይት
ኣየውርስን ! ንምኳኑ ራእይና እንታይ እዩ? ሕወትና እንታይ እያ ? ብመን ንንቃሳቅስ ኣሎና ? ምድራዊ
ሕይወትና ምስ ኣብቅዐ ናበይ ኢና ? መን ፈጢሩና ? እቲ ዝፈጠረናከ ኻባና ካብ ፍጡራቱ እንታይ እዩ ዝደሊ
ኢልና ሓሲብና ዶ ንፈልጥ ? በሉ እታ እግዚኣብሄር ኣምላክ ካባና ዝደልያ ካብ ሓጢኣት ምርሓቅ እያ ።
/ሓለፈት ሌሊት ወመጽኣት መዓልት ወንግድፍ እምላእሌነ ምግበረ ጽልመት/
እንሆ እቲ ጸልማት ዘመን ሕሊፉ ብርሃን ኮይኑ እዩ እሞ ካብ ምግባረ ስጋ ፡ ካብ ግዝኣት ድያብሎስ ነምልጥ የሕዋት
። ናይ ስጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ ሞት የምጽእ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ሕትወትን ሰላምን የምጽእ ። ሞት ዶ
ትመርጹ ሰላምን ሂይወትን ሕቶ ናባኩም ? ኣነ ብወገነ ዓሻ ሰብ ፡ ወይውን እንስሳ እኳ እንዳ ኣእወየ ዝሞቶ
ሞት ኣይምመረጽኩን እየ ዝብል ። ንስኩም ከ ክቡራት የሕዋት ምርጫኩም እንታይ እዩ ?
ግብሪ መንፈስ ድማ እዚ እዩ፦
ፍረ
መንፈስ ቅዱስ ፍቅሪ እታ ናታ ዘይትደሊ ፡ ካብ ኩሉን ዝዓበየት፡ መእሰሪ ሕጊ ዝኮነት፡ ከምኡ ድማ እታ
መንግስተ ሰማያት እተውርስ ብፍላይ ኣብ እምነትካ እትፍተነሉ ግዜ ክትለብሳ ዝግበአ ካ ትዕግስቲ ፡ ምክንያቱ
ጐይታ እኮ ዝበለና ብዙሓት ብስመይ ክመጹ ንብዙሓት እውን ከስሕቱ እዮም ። ዘኣዝለፈ ትዕግስቶ ይረክብ ሕይወተ
ዘላለም ፡ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝዕገስ ግን ሕይወት ፡ ድሕነት ክረብ እዩ ። ኢሉ ሚዒዱናን ተላቢዩናን ኢዩ ።
ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ ዘለናዮ ግዜ ዝከኣለ ነዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ፣ ነቦታታትን ክጸርፍ ፡ ዝከኣለ ድማ
ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን፡ ታሪኽ ቅዱሳን ኣቦታትን ዝሓከሉ ግዜ እዩ እኳ በጺሕናዮ ዘለና ። ኣብ ፍልጠት
ዘይተመርኮሰ ድፍረት፡ ፈላጥ እየ እምበር ኣፍልጠኒ ዘይብሃለሉ ግዜ ። ነዚ ኩሉ ብጥበብ ምሕላፍ ግን ነታ ፍረ
መንፈስ ቅዱስ ዝኮነት ትዕግስቲ ንብረትና ምግባር ኣገዳሲ እዩ ። ቀጺለን ዝስዕባ ድማ ፡ ልግሲ እያ ብጥርሑ
ዝተወሃበካ ፍልጠት እግዚኣብሄር ብናጻ ምሃብ ፡ ከምኡውን ሓጉስ ሰላም ፡ ሕያውነት፣ ብእግዚኣብሄር ኣምላክ
እሙን ሙካን፡ ለውሃት ፡ ርእስካ ምግታእ እየን ። ነዚ ኩሉ እዚ ዝፍጽም ሰብ ንመንግስተ ሰማያት ይውንን
ኣሕዋት እምበኣር መንግስተ ሰማያት ብፍቅርን ሓጐስን ሰላምን ፡ትዕግስትን፣ ልግስን ፣ ሕያውነትን ፣ ልውሃትን
፣ ብዙ ኩሉ እዚ እያ እትእቶ። ኣይገርመኩምን ብሓጉስ ናብ ሓጉስ እና እናቱ ። ብጭንቀት ድማ ናብ
ጭንቀት ናብ ሞት ናቱ ። ብሓጉስ ናብ ሓጉስ ክንኣቱ ኣይሕሸናን?
>>ሕይወትን
ሞትን በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልኩም ከም ዘሎኹ ፡ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮ ም ።
እምበኣርሲይ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብሕይወት ምእንቲ ክትነብሩ ፡ ሕይወት ሕረዩ ። ዘዳ 30፡19-20
>>ንሱ ሓውን ማይን ኣብ ቅድሜካ ኣንቢሩልካ ኣሎ ፣ ኢድኻ ስደድ እሞ ኣብ ዝደለካዮ እለኽ ፣ ኣብ ቅድሚ ሰብ ፡ሕይወትን ሞትን ቀሩበን ኣለዋ ፡እቲ ዝመረጾ ኸኣ ኵአሃቦ እዩ ። ሲራ 15፡16-17
>>ንመን ከም ተገልግሉ ሎሚ ምረጹ፡ ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሔር ኢና ነገልግል" ኢያሱ 24፡12-15.
ናይ ስጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ ሞት የምጽእ! ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ሕትወትን ሰላምን የምጽእ።
ሮሜ 8፡5-17 ዘሎ ኣንብቦ ።
ስብሃት ለእግዚኣብሄር መሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብ !!!!!!!!!!!!!!
No comments:
Post a Comment