†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †† †
እስኹም ግን "ተዋህዶ" ክትሕድሱ ዝተሳእኩም ሓደስቲ፣-
ተዋህዶ ክትሕድሱ እንታይ ህፀፅ (ጉድለት) ረኺብኩምላ?
ኣየናይ ዶግማ ክተማሓይሹ'ኸ ሓሳብ ኣቲኩም?
እስኪ መልሱለይ! ቃል ስጋ ስለ ሙኻኑ ምስጢር ድዩ?
ካብ ብርሃን ዝተረኸበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላክ ዝተረክበ ሓቀኛ ኣምላክ፣ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፣ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ፣ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ ዝብል ህፀፅ ረኺብክምሉ!?
ወይስ ልዕሊ ኩሉ ብዝኾነት ሃዋርያት ብዝሰርሕዋ ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኢና እንኣምን ዝብል ቀይርኩሞ?
እንተዘይኮነስ ሓጢኣት ብዝሥረየላ ሓንቲ ጥምቀት እንኣምን ዝብል ናይ ክርስቶስ ትእዛዝ ኣይኮነን ትብሉ ኣሎኩም ?
ስለ ክቡር መስቀሉ ሃይል ዝተነግረ ክትክሕዱ ትፍትኑ ኣለኩም?
ወይስ ናይ እመቤታችን ዘልኣለማዊ ድንግልና፣ ኣማላድነት፣ ንጽሃ ሥጋ ንጽሃ ነፍስ ዘይምእማን ገንዘብ ጌርክሞ፣ እንተዘይኮነስ ጻድቃን ቅዱሳን ንዒቕኩም ርእስኹም ጻድቃን ጌርኩም!!!?፣
ከምኡ እንተ ዘይኮነስ ጋሻ ዝኾነ ትምህርትኹም ካበይ ኣምጺኩሞ?
እስከ መልሱለይ መሬት ወዲቅኩም ሓመድ ነስኒስኩም ጾም ጼምኩም ዲኹም?
ከምኡ ከይንብል ዓለም ብዝዘንግዖ ናይ ትምህርትኩም ድካም ጾም ገዲፍክሞ ኢኹም? ጾም እንተ ዘይኮነስ ሱባኤ ኣቲኹም ለይቲ ተጊህካ ብምጽላይ፣ ምሉእ ምዓልቲ ቅዱሳን መጻሓፍቲ ብምምልካት ተጸሚድኩም?
ከምኡ ከይብል ድማ ውዒልኩም ሓዲርኩም ናብራኹም ብዓለም ምስ ዝተቆረነ እዩ። ወይስ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ብዝተፈለዮ ልሳንኩም መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ኣብዚሕልና፣ ኢዩሱስ ገሊጹልና ትብሉ ትኾኑ?
ነገር ግን ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ሓዲስ ጥበብ ብዘይ ጾም, ጸሎት ከምዘይርከብ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ እስኩም ናይ ሃይማኖት መሰረት ክትቅይሩ ዝተሳእኩም ካብ 318 ናይ ኒቅያ ጉባኤ ሊቃውንት ምእንቲ ክትበልጹ ካብ ብዓል ቅዱስ ቄርሎስ ዝበለጸ ሃይማኖታዊ ግብሪ ተራኢኩም?
እዞም ዝተፈተዉ ሊቃውንት ግን ‘’ ካብ ሃዋርያት ተታሒዛ ዝመጸት፣ ካብዚ ኣይትሕለፍ ካብዚ ኣይትትረፍ ኢሎም ዝወሰንዋ። ሰብ ኩሉ ካብ ኣርባዕተ ምኣዝን ዝኣከበት ‘’ኣጽኒዖም’’ ካብ ዝተመሰረተቶ ካልእ መሰረት ኣይሰረታ ኢሎም ኣዚዞም ሓሊፎም።

ተዋህዶ ቤተክርቲያን ስርዓታ ኦሪታዊ ናይ ሓዲስ ኪዳን ናይ ፍቅሪ ብርሃን ዘይበርሃ መሲልኩም ይኸውን?
ወይስ ስርዓታ ክርስትያናዊ ከምዘይ ኮነ ሃሳብ ኣቲኩም?
ከምኡ እንተ ሓሲብኩም ናይ ወንጌሉ ብርሃን ቤተክርቲያን ብምልኡ ከመይ ጌሩ ከም ዘብርሀ ናይ ቤተክርስቲያን ስርዓት ካበይ ጀሚረ ክዛረብ?
መሰረታን መንደቓን ክርስቶስ ሙኻኑ ኣሚና ስለ እትሰርሖ ህንጻ ቤተክርቲያን ክዛረብ? ወይስ ስለ ምንታይ ክዛረብ? ስለ ናይ ሰገን እቛቕሖ?
ኣብ ናሕሲ ዘሎ መስቀል ትሕቲኡ ስለ ዘሎ መሶበ-ወርቅ?
ብናይ ክርስቶስ ምዉላድ ግዜ ሄሮድስ ዝጨፍጨፎም ሰማዕታት ህጻናት ብኽያት ስለዘዘክር ኣብ ትሕቲ መስቀል ስለ ዘለዉ ንኣሽቱ ቃጭላት ኪዛረብ ይሓይሽ ይኸዉን? ስለ ማዕጽኡ ስለ ሞስኮቱ?
ስለ ቤተልሄም?
ስለ ቅድስተ ቅዱሳኑ?
ወይስ ስጋኡን ደሙን ስለ ዝኸብረሉ ታቦት ክዛረብ?
ልክዕ ስርዓታ ሓንቲ ምልእቲ ብዓልቲ ሞያ ብኣገባብ ከም ዝቀረበቶ ምኣዲ ብኣገባብ ተዳልዩ ሓደ ምስ ሓደ ከይተጋጨወ፣ ሓደ ንሓደ ከየጥፍኦ ካብ መሰረታ ክሳብ ናሕሳ ብወንጌል ንዘንጸባረቀት ቤተክርቲያን ክርስቶስን ናይ ክርስቶስ መሎኮታዊ ፍቃድን ዝቃወም እንታይ ነገር ረኺብኩምላ ኢኹም ክንሕድሳ ኢልኩም ዝተሳእኩም?
እዝስ ናይ ቤተክርስቲያን ውህበት ምእመናን ከም ቤተክርቲያኖም፣ ስግኦም፣ ንፍሶም፣ ልቦናኦም፣ ብወንጌል እንዳንጸባረቀ ንዓለም ኩሉ ክርስቶስ ብህይወቶም ከምዝሰብኩ ጌሩ ዘተሳስእ ሙካኑ ልቢ ኣይገበርክምሉን?
ወይስ ድያብሎስ ዝዓቀዶ እፁብ-ድንቅ ናይ ቤተክርስቲያን ሽልማት መታን ከተፍርሱ ሰልፍኹም ምስቶም ጥፉኣት ጌርኩም?
ከምኡ እንተዘይኮነስ ኣየናይ ክትሕድሱ ተሲእኩም?
በቅዱሳን ስም በብወርሑ ዝዝከር ዝኽሪ ካብ ወንጌል ወጻኢ እዩ ትብሉ ኣለኹም?
ወይስ ምእመናን ሰንበት በረኸት ንምቅባል ክእከቡ ከለዉ ይነደኩም ኣሎ?
ወይስ ዘውትር ኣብ ልደታ ዝግበር ጥጥቆ ትርግሙ እንተጠፍኣኩም ምጽራፍ መሪጽኩም?
እስኩም ንፆም፣ ንጸሎት፣ ንምስጋና፣ መንፈስኩም እንተ ደኸመ፣ ዓለማዊ ደስታን ጥበብን ኣብ ልዕሌኩም እንተ ሰልጠነ፣ ናይ ስጋዊ ሃብቲ ካብ ተጋድሎ እንተ ኣርሓቀኩም፣ ቅዳሴ መታን ክሓጽር ከም ፈላጣት ትመኽሩ ኣለኹም?
ወይስ ካብ 7 ኣፅዋማት እንዳ መረጽኩም እዚ እኮ ብዙህ ኣይጠቅምን ንምባል ከመይ ደፈርኩም?
እስኹም ግን "ተዋህዶ" ክትሕድሱ ዝተሳእኩም ሓደስቲ፣-
ዝኾነ ኮይኑ ካብ ዝቀደሙ ኣቦታት ኣብሊጽና ንዓኩም ክንሰምዓኩምስ ዝግባእ ዶ ይመስለኩም?
ቅዱስ ያሬድ ዘኽበራ፣ ዝነበረላ፣ ዘጽንዓ እምነት፡ ገዲፍና በዚ ሓላፊ ጠፋኢ ዝኮነ ናይዚ ዓለም ወሬኹም ተታሊልናን ተሳሒብናን ንወጽእ ንኸውን ኢልኩም ትሓስቡ ኣለኩም? ወይስ ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ህይወቶም ብምልኡ ብስርዓታ ዝተመላለሱላ፣ ቅዳሴኣ ኣቀዲሶም ዝቀደስዋ፣ ናይ ዕጣን ጬና ኣጭንዮም ዕጣን ዝዓጠኑላ፣ ጥምቀታ ተጠሚቆም ዘጠመቁላ፣ ትምህርታ ተማሂሮም ዝማሃሩላ፣ ካብ ናይ ዓለም ግብሪ ተፈልዮም ከም ናይ ተዋህዶ ስርዓታ ብገዳም ርእሶም ወሲኖም ብጾም ብጸሎት ብተጋድሎ ምስ ክርስቶስ ዝተራኸቡላ መሳልል ሓዲግና ብገንዘብ ፍቅሪ ዝወደቅኩም፣ ብዓለም ውዳሴ ዝዓበድኩም፣ ካብ ጾም, ጸሎት ዝተፈለኩም ንዓኹም ክንሰምዕ ንቅልጥፍ ዓያሹ መሲልኩም?
እስኹምሲ በየናይ ጽቡቅ መንፈሳዊ ፍሬኹም ምስ ኣቦታትና ክትሕወሱ ሓዲሽ ትምህርትስ ከተምጽኡ ትጽዕሩ ኣለኹም?
ካብ ናይ መጀመርያ ናይ ክርስትና፡ መናኒ ዝኮኑ ኣባ ጳውሊ፣- ካብ 90 ዓመታት ንላዕሊ ሓደ ሰብ እኳ ከይርኣዩ ብጾም, ብጸሎት ተወሲኦም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ፣ ኣቦና ኣቡነ እንጦንስ ብእግዚኣብሔር ተመሪሖም ናብ ኣባ ጳውሊ ምስ መጹ ምስጉን ዝኾኑ ኣባ ጳውሊ። ኣባ እንጦንስ ሓንቲ ነገር ከምጽእሎም ግዲ በልዎም፣ እሱ ድማ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ናይ ኦርትሆዶክስ እምነት ብ318 ሊቃውንት ሕጊ ድሕሪ ምጽንዑ ንመነኮሳት ልብሲ ዝኸዉን ስለዘዳለወ ካብዚ ናይ መነኮሳት ልብሲ ሓንቲ ከም ጽኡሎም እዩ ነይሩ፣ ከምዚ ዝገብሩ ድማ ኣትናቴዎስ ዘጽንዓ ናይ ኦርቶዶክስ እምነት ምሉእ ህይወቶም ሒዞም ከም ዝነበሩ ንኩሉ ሕዝቢ መታን ንምስክርነት ከምዝኸ'ውን ተናጊሮም ሓለፉ ። ስለዚ እስኹም ኦርቶዶክስ ክትሕድሱ፣ ክትቅይሩ ዝተሳእኩም ካብዞም ጽኑዓን፣ ቅዱሳን፣ ክርስቶስ ዝመሰሉ፡ ናይ ምድሪ መላእክት ዝኾኑ፡ ስለ ወንጌል ኢሎም ኩሉ ገዲፎም ክርስቶስ ዝተኸተሉ፡ ኣቦታት ክትበልጹ ይግብኣና እዩ ትብሉ ኣሎኩም? ስለዚ ኣይግረምኩም ጽቡቅ ጌርኩም ፍለጡ ንሕናስ እስኩም ብትነግሩና ነፍስ ደስ ዘየብል ሓዲሽ ፍልጠት ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ምንባር ንላዕሊ ብዓል ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ፣ ብዓል ቅዱስ ማህሌታይ ያሬድ፣ ብዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፣ ብዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ፣ ብዓል ኣቡነ ተክለሃይማኖት, ኣቡነ ፍሊጶስ ዝነገሩና ሒዝና፣ ዝነበርዎ ሂወት ኔርና ሲኦል ክንኣቱ ኢና እንመርጽ!!! ነገር ግን መንግስተ ሰማያት ነዞም ኣቦታት ዝተዳለወ ሙኻኑ ወንጌል ይምስክረልና፣ እዛ ቅድስት ቦታ ዓለም ንዒቆም፣ ዓሪቆም፣ ብናይ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ንዝጸንዑ ከምዝተዋህበት፣ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ድማ ብጸሎት፣ ብጾም፣ ትሩፋትን ኣብዚሕካ ብምስራሕን ብዝተመሳሰሉን መንፈሳዊ ተግባራት ዝርከብ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና።
እስኹም ግን "ተዋህዶ" ክትሕድሱ ዝተሳእኩም ሓደስቲ፣-
ቤተ ርስትያን፡ ንሰብ ተሐድስ እምበር፡ብሰብ ኣይትሕደስን ኢያ።
ስለዚ ነታ ካብ ኵሉ ሓዳስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን፡ ከተሕድሱ ኢልኩት ካብ እትጽዕሩ፡ ነቲ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቐንጢጥኩም፤ ብኣታሓሳስባኹም እንተ ተሓደስኩም ይሕሸኹም” /ኤፌ.4፡22-23/፡፡
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር !
No comments:
Post a Comment