Friday, 11 July 2014

ሓዋርያት ኣቢያን ሊቃናት ጴጥሮስ ወጳውሎስ /3ይ ክፋል/


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!

ኣመ (ሓሙሱ) ለሓምሌ በዛቲ ዕለት ኮነ ስምዖሙ ለ፪ ሓዋርያት ኣቢያን ሊቃናት ጴጥሮስ ወጳውሎስ

 ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ

ቀዳማይ ስሙ ሳውል እዩ። ሳውል ማለት ውሁብ ሃብተ እግዚኣብሔር ዘእውቅ ፈዳየ ዕዳ ማለት እዩ። በዚ ስም እዚ እና ተጸውዔ ካኣ ከምቲ ባዕሉ ኣብ ብዙሕ ክፋላት መልእኽታቱ ገሊጽዎ ዘሎ ብሕጊ ኣቦታቱ ቃናእ ነበረ። እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘሳድዶም ዝነበረ ክርስቲያን ሓሊፉ ናብ ደማስቆ ርእሰ ከተማ ሶርያ ብምኻድ ኣብኡ ዝርከቡ ክርስቲያን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ መታን ክህቦም ካብ ሊቀ ካህናት ናይ ፍቓድ ወረቐት ሒዙ ዝኸደ። እዚ ዝኾነ ንሱ ካብ ወገን ኣይሁድ ዝተወልደ ኣይሁዳዊ እቲ ስለ ሕጊ ኣቦታቱን ሕጊ ኣይሁድን ኣብ ኢዮሩሳለም 14/፲፬ ዓመታት ዝኣክል ስለ ዝተማህረ ፡ኣብ ልዕሊ እቲ ኣይሁዳዊ ምዃን ዝያዳ ደፋኢ ነገር ስለ ዝረኸበ ነቲ ኣንጻር ኣይሁድ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ ዝነበረ ናይ ክርስትና እምነት ንምጥፋእ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ።
ኣቐዲሙ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ጸኒሑ ካኣ ናብ ደማስቆ ኣምርሐ። እንተ ኾነ እቲ ኣብ ሂወት ኩላትና ዓቢ ናይ ድሕነት ስራሕ ዝሰርሕ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሳውል እውን ድንቂ ዝኾነ ስርሓት ድኣ ሰርሐ። ሳውል ተሃንድዱ ናብ ደማስቆ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ግዜ እግዚኣብሔር ኣብ ኣዳባባያት ደማስቆ ተጓነፎ። ክርኢ ብዘይክእል መገዲ ኻኣ ንኽልቲኤን ኣዒንቱ ብዓቢ ብርሃን ገይሩ ኣዕወሮ።

በዚ ዘጋጠሞ ዝሰንበደ ሳውል ጎይታይ ንስኻ መን ኢኻ ዝብል ሕቶ እዩ ኣቕሪቡ።በሊሕ እንተ ረገጽካ ንዓኻ እዩ ዝኸፍኣካ ፡ኣነ እቲ እተሳድደኒ ዘለኻ ክርስቶስ እየ

ንክርስቲያን ምስጓግ ንክርስቶስ ምስጓግ ስለ ዝኾነ።

ብድሕሪ እምበር መሪሖም ናብቲ ሃናንያ ዝበሃል ናይ ክርስቶስ ወደ መዝሙር ዝነበሮ ቤት ወሰዶ። ኩነታት ሳውል ኣቐድሙ ዝፈልጥ ሃናንያ ናባኻ ይመጽእ ኣሎ ተቐበሎ፡ ጸሊኻ ኣሕውዮ ኣጠምቆ ካኣ ምስተባህለ ኣዝዩ ሰንበደ ደንጸዮ ካኣ። እንተኾነእዚ ሰብ እዚ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ኣሕዛብን ደቂ እስራኤልን ስመይ ክጸውር ዘለዎ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩዝብል ምላሽ ካብ ኣምላኽ ተዋህቦ። ኣሜን ኢሉ ካኣ ንሳውል ኣጠመቖ። (ግብረ ሃዋርያት 8–9/—- ተመልከት)

ጳውሎስ ኢሉ ዝሰምዮ ግና ሰርግዮስ ጳውሎስ እዩ። እዚ ካኣ ናይ ብርያሱስ ስጋኡ ብተኣምራት ከጥፍኦ ናቱ ዓይነ ሕልናኡ ብትምህርቱ ከብርሃሉ ርእዩ ኣነ ናይ ሰብ ኣፍኣዊ ኣእምርኡ ብኣፍኣዊ ጥበብ ብሩህ እንተ ገበርኩ ኣቦይን ኣደይን ጳውሎስ ኢሎምኒ ነይሮም። ንስኻ ግን ናይ ሰብ ውሽጣዊ ኣእምሩኡ ብውሽጣዊ ጥበብ ብሩህ እትገብር እዚ ጳውሎስ ዝብል ስም ንዓኻ እዩ ዝግባእ ኢሉ ዘወፈዮ እዩ። (ግብረ ሃዋርያት 136-13/፲፫፡፮-፲፫)

ከምኡ እውን ጳውሎስ ማለት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንዋይ ኅሩይ ማለት እዩ። ንዋይ ኅሩይ ዝበሃል ካኣ መዶሻ እዩ። ፯(7) መኣድናተ ቀጥቂጡ ሓደ ከም ዝገብር ንሱውን ቀጥቂጡ (7) መስተጻርራን (ተጻላእቲ) ሰብን እግዚኣብሔርን ሰብን መላእኽትን ሕዝብን ኣሕዛብን ነፍስን ስጋን ሓደ ገይሩ ኣተዓሪቑ እዩ። ጳውሎስ ዓረቒ ዘውእቱ ኣምሳሊሁ ለክርስቶስከም ዝበለ ዮሃንስ ኣፈውርቅ።

ከምኡ ንዋይ ኅሩይ ዝተባህለ ሓጺን እዩ። ሓጺን ዘይኣትዎ ነገር የብሉን። ንሱውን ኣብ ስጋዊ ፍትሒ ኣብ መንፈሳዊ ፍትሒ እና ኣተወ ይጽሕፍ እዩ። ከምኡውን ንዋይ ሕሩይ ዝተባህለ ወርቂ፡ ብሩር እዩ። ወርቂ፡ ብሩር ንኹሉ ንዋያት ጌጽ እዩ። ንሱ እውን ኣእኳቲ ማለት እዩ፡ ኣኲቶ ኣኣኲቶ እና በለ ስለ ዝጽሕፍ ከምኡውን ትፍሥኅት ማለት እውን እዩ ተፈሣህኩ ተፈሥኁ እና በለ ስለ ዝጽሕፍ።

ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዳማይ ስሙ ሳውል ኮይኑ ኣብዚ ስም እዚ ከሎ ንክርስቲያን ዘሳጉግን ዝኣስርን ዝነበረ እዩ። ጸኒሑ ግና እቲ ጸረ ክርስትና ኮይኑ ንቡዛሓት ሰባት ዝገፍዕን ዝሳጉግን ዝነበረ ሳውል ናይ እግዚኣብሔር ምሩጽ ኣቕሓ ኮነ። ብሓቂ ከምቲ እግዚኣብሔር ምሩጽ ኣቕሓ ኢሉ ዝሰመዮ ካኣ ባዕሉ እግዚኣብሔር ብዝፈልጦ ጥበብ ምሩጽ ኣቕሓ ገይሩ ናብ ማእከል ተዃሉ ፈነዎ። ብዙሕ ግዜ ስለ ወንጌል ክርቶስ ክብል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ተሰደደ። ኣብ ኣዳባባያት ከሲሶም ኣቕረብዎ። ብዘይ ፍርዲ ካኣ ንብዙሕ ግዜ ኣሰርዎ።

ከምቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያትን ናቱ መልእኽታትን ተገሊጹ ዘሎ ካኣ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገዲ ናይ ሂወትን መድረኽን ብሓይሊ ኣምላኽ ተሰጊሩ ንዕኡ ዝመስሉ ናይ እምነት ጀጋኑ ዝኾኑ በዓል ጢሞቴዎስ፡ ፊሎምና፡ ቲቶ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣፍረየ።

ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ኣብ ሕጊ ኣቦታቱ ቀናእ ዝነበረ ኣብ ክርስትና ሂወት እውን ኣዝዩ ብጥበብ ዝተመልኤ ብልሂ ሃዋርያ እዩ ነይሩ። ኣፍ ነገስታትን መራሕቲ ኣይሁድ ዝዓጸወ ናይ ሃይማኖት ሓርበኛ

ኣብ ክርቶስ ዝነበሮ እመነት ዓቢ ስለ ዝነበረ ኻኣ ካብ ጉዕዝኡ ንድሕሪት ዘብሎ ነገር ኣይነበረን። (ሮሜ853-39/፰፡፴፭፴፰)

ስለዚ እምበኣር ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ መከራን ሽግርን ሓሊፉ ብዙሕ ኣመንቲ ዘፍረየ 14(፲፬) መልእኻታት ዝጸሓፈ ቅዱስ ኣቦዩ። ብስፍሕ ዝበለ ኣብ ገድሉ፡ ኣብ መልእኽታቱን ኣብግብሪ ሃዋርያትን ዝሓለፎ ሕይወት ብሰፊሑ ተገሊጹ ንረኽቦ።

ምእመናን ኣብ ሃይማኖትን ስነ ምግባርን ጸኒዖም ክነብሩ ኣብ ኩለን መልእኽታቱ ቀንዲ ሕመረት ሓሳባቱ እየን። ኣብ ክርስቶስን ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖትን ለውጢ ከም ዘየለ ኣጉሊሑ ዝመሃረ ኣሰር ኣቦታትን ክንከይድን ክንጓዓዝን ዝመዓደ ብርሃን ዝኾነ ሃዋርያ እዩ። (እብ137-9/፲፫፡፯-)

ደኺመ ከይበለ ብድኻምን ብጻዕርን ንምእመናን ዝጓሰየ ብገዛእ ኣእዳወ እና ጸዓረ ካኣ ንኹሉ ሰብ ኣርኣያን ናይ ግብሪ መህርን ኮይኑ ዝሓለፈ ሃዋርያ እዩ።

ኣብ መጨረሻታ ዘመን ሂወቱ ካኣ በዚ ዕለት እዚ በቲ ጨካን ንጉስ ኔሮን ኣብ ሮማ ክሳዱ ንስሕለት ሰፍ ኣሕሊፉ ብምሃብ ካብዛ ድኻምን ከርተትን ዝመልኣ ዓለም ኣዕሪፉ።

ኣነስ ድሮ ክስዋዕ ቀሪበ ኣለኹ መዓልቲ ሞተይውን በጺሓ እያ ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ ጉያይ ወዲኤ እየ። ነታ እምነትውን ሓልየያ እየ።ከም ዝበለ ነዛ ቅድስት ሃይማኖት ክሳዕ ሞት እሙን ኮይኑ ከም ስሙ ብርሃን፡ ኣበር ዘይ ብሉ ምሩጽ ኣቕሓ ኮኑ ተረኺቡ ንከሓድያን ብዘሕፍር፡ ንቅድስት ተዋህዶ ኩራዓት ብዝኾነ ኣማውታ ሞይቱ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ኮይኑ ሓሊፉ።

ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም ምሳና ይኹን።
ኣሜን!

ናይዞም ክልተ ቅዱሳን ሃዋርያት ዕረፍቶም 5() ሓምለ 67(፷፯) ዓመተ ምሕረት እዩ

ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መስቀል ቁልቁል ኣፉ ክሽንከር ከሎ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ብስሕለት ሴፍ ኣብ ሮማ (ኢጣልያ) ብትእዛዝ ንጉስ ኔሮን እዩ።

ጸሎቶምን ረድኤቶምን ምስ ኩላትና ደቆም ይኹን።ኣብ ኣሰሮም ክንጸንዕ እግዚኣብሔር ሓይሉን ጥበቡን ይዓድለና ኣሜን፡

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።
ብሓውና ወልደ ኣብ ገብረመስቀል 

No comments:

Post a Comment