በስመ
ኣብ ወወልድ
ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላኽ
ኣሜን!!!

ኣብ መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍ 2፥15-17 ዘሎ ቃል እንተ ተመልኪትና እግዚአብሔር ንኣዳም ዝሃቦ ቃል "ምእንቲ ክዓያን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኤዶም ኣቐመጦ " ዝብል ቃል ኢና ነንብብ። ኣዳም ግን እግዚአብሔር ዝኣዘዞን ዝሰርዓሉ ሥርዓትን ገዲፉ በቲ ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ብትዕቢት ዝተወጠረ ድያብሎስ "አነ ውእቱ አምላክክሙ" ኢሉ ነቶም ብሕብረት "ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር" እንዳበሉ ንፈጣሪኦም ዘመስግኑ ንዝነበሩ ኣብ ሰለስተ ከም ዝከፋፈሉ ዝገበረ ብኽልተ ኣእዛኑ ንቃላቱ ክሰምዕ ልቡ ስለ ከፈተ፥ ኣዳም ነቲ ሥርዓትን ኣምልኾን ባህሪ አምላኽን ናቱ ክገብር ዝፈተነ ግና ካብ ሰማይ ተደርብዩ ናብ ምድሪ ዝመጸ ቃል ፍጡር ብምስምዑ ንሱ ውን ንዝተዋህቦ ሓደራ ናይ ገነት ኤዶም "ሓልዋ ተንከባከባ" ዝብል ቃል ዘንጊዑ ንኸምኡ ፍጡር ስለ ዝሰመዐ፥ ከምቲ ድያብሎስ ካብ ሰማይ ዝተደርበየ ንሱ ውን ካብ ገነት ኤዶም ናብ ምድሪ ተደርበየ፡፡ ዘፍ 3፡19።
ስለዚ እዩ ቅዱስ የሐንስ ባህሪ መላእኽትን ውድቀት ኣዳምን ጽቡቅ ጌይሩ ስለ ዝተረደአ "ንስኻ ግን ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነ ውን ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ" ኢሉ ቃል ጎይትኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንኮሎ ብድፍረት ከመሓላልፍ ዘይጸገሞ። ከምይ ምስ ንብል ቤት ማእሰርቲ ብጸልማት ዝተኸበ፥ ጥሜት ዝበዝሖ፥ ጽምኢ ዘይፍለዮ፥ ግርፋት ትቅበለሉ ቦታ እዩ። እቲ ዘገርም ነገር ግና ኣቦታትና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ክሳዕ ሞት እሙናት ኩኑ እንዳ በሉ ነዛ ሕጂ ንሕና ናይ ስርቅን ዓድን ዓሌትን መሳርሒ ናይ ፖሎቲካን ኣዳራሽ ለዊጥናያ ንዘለና እዮም ሕይወቶም ብምሕላፍ ኣጽኒሖምልና። ኣነ ግና እቲ ዘፍርሓኒ ናይ'ዚ ዘምን ወሎዶ ኣብ ክሳድና ክንዲ ቁሞትና ዝኸውን መስቀል ኣንጠልጢልና ንጉዓዝ ልብና ግን መቃብር ናይ መስቀል ኮይኑ ከይርከብ እዩ።
ጎይታናን ኣምላኽናን ምድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ "ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም፥ ካብ እሾኽ ዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተኾርባ በለስ ይቅንጠብ እዩ" ኢሉ ኣደናቂ ቃል ጽሒፉልና ይርከብ ማቴ 7፥16 ውሉደ ቤተ ክርስቲያን! እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ንቤተ ክርስቲያን ከም ትካልካ ምግባር ኣዝማድካን ደቂ ዓድካን ኣኪብካ ዘይመስሉኻ ብሓሶት ኣጸሊምካ ካብታ ቅድስቲ ቤት ምብራር ካበየናይ ፍረ ይመስለካ? ኣስተውዕል ክሳብ ሞት ክትእመን ድኣ እምበር እንታይ ገድሹኒ ኢልካ ኣብ ጸልማት ክትነብር ኣምላኽ ውልድነት ኣይሃበካን።

318 መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ክሕደት ናይ ኣርዮስ ንምውጋዝ ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን እቲ ካብ ኩሎም ዝነኣሰ "ኣትናቴዎስ ሐዋርያ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድሕሪ ውግዘት ናይ ኣርዮስ፥ ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ብጽልኢ ተላዒላ ን5ተ ግዜ ዝኸውን ብዘይ ገበን ከም ገበነኛ ተቆጺሩ ኣብ ብርቱዕ ቤት ማእሰርቲ ተሳቅዮ ኣብ ዝነበረትሉ ሰዓት፥ ንኲሉ ከም ጉሓፍ ቆጺሩ ነቶም ብዙሓት ውሉደ ኣርዮስ ዝኾኑ ስልጣነ ክህነት ብድፍረትን ብስርቅን ዝወስዱ ንዝነበሩ ብዘይ ሥርዓት ኣምልኾ ንዝፍጽሙኡ ዝነበሩ፥ ብዙሓት መእመናን እዮም ዝስዕብዎም ኢሉ ከይሓሰበ ነቶም ካብ ዓለም ናብኡ ተላኢኾም ዝመጹ "ዓለም ኲላ ኣብኻ ብጽልኢ ተላዒላ ኣላ" ምስ በልዎ ከምዚ ክብል መለሰሎም "ቅድሚ ዓለም ንዓይ ምጽልኣ ኣነ ኣቀዲመ ንዓለም ከምዝጸላእኽዋ" ኪዱ ንዓለም ንገርዋ ብምባል እዩ መሊስሎም። ሕዘበ ክርስቲያን ካበየናይ ፍረ ከምዝኾንካ ነብስኻ መርምር።
እዚ ጥራሕ ውን ኣይኮነን የሐንስ አፈወርቅ ዝተባህለ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣቦ ውን ሓደ ግዜ ሥርዓተ ቅዳሴ ፈጺሙ ትምህተ ወንጌል ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ግዜ፥ ንዕኡ ትጻረር ዝነበረት ንግስቲ "አውደክያ" ዝተባህለት ኣብ ቅድሚ እቲ ዘገልግለሉ ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ዓይቢ ናይ ኣፍራስ መዋዳደሪ ሰረሐት። ልክዕ ቅዱስ የሐንስ አፈወርቅ ትምህርቲ ኣብ ዝህበሉ ግዜ ምስ በጸሐ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጌይራ ነቲ ዝምሃር ዝነበረ መእመናን ልቡ ብምስሓብ ካብ'ቲ ቤተ ክርስትያን ከምዝወጽእ ገበረቶ። ካብ'ቲ ኩሉ መእመናን ግና ሓንቲ ሰበይቲ ጥራሕ ብተመስጦ ትመሃር ነበረት። ቅዱስ የሐንስ አፈወርቅ ውን ነቲ ትምህርቱ ብስምዒ ቀጸሎ ድኣ እምበር ኣየቋረጾን፡፡ እቶም ምስው ዝነበረ ካህናትን ድያቆናትን ግና ናብኡ ቅርብ ኢሎም ኣቦና ኣይጠዓኻን ዲኻ ኣብ'ዚ ቤተ ክርስቲያን ብጀካ እዛ ሓንቲ ሰበይቲ ካልእ ሰብ የለን ኢሎም ተዛረብዎ።
የሐንስ አፈወርቅ ግና ኣብ ምድሪ ሓደ ሰብ ምስ ዝንሳሕ ኣብ ሰማይ መላእኽቲ እግዚአብሔር ዓይቢ ሓጎስ ይኸውን ዝብል ጽሑፍ ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም ብምባል ገሰጾም።
ሕዝበ ክርስቲኣን መገዲ እግዚአብሔር ጸባብ እምበር ገፋጽሕ ኣይኮነትን፥ ስለዚ ንሕማቅ ዝገብሩ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ልቦም ብዓልይየት ንዝጨቀወ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻሕፍታን ሥርዓታን ካብ ዝሰበሐ ሥጋ ቆቆሪጾም ንዝድርብዩ መራሕቲ ክሳብ መዓስ ኢና ደዲሕሪኦም ንሕማቆም ተኻፈልቲ ንኸውን? ንሕና ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ውልዳት እምበር ባሮት ኣይኮናን፥ ስለዚ ባሮት ካብዘይኮና፥ ከምቶም ንሓቂ እምበር ንብዝሒ ሰብ ርእዮም ዘይሓለፉ ኣቦታትና ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ይግብኣና። ክሳዕ ሞት እሙናት ክንከውን ናይ ቅዱስ የሐንስ መንፈስ ምሳና ይኹን። በረኸት ናይ ኩሎም ሐዋርያት ካባና ኣይፈለ።
ወስብሃት
ለእግዚኣብሔር
ብሓውና ዲያቆን ጸጋይ ሶበሊ
ብሓውና ዲያቆን ጸጋይ ሶበሊ
No comments:
Post a Comment