Wednesday, 18 December 2013

ነበር መርጌታ ሰመረኣብ ወልደገብርኤል ተወጊዙ

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††


“ኣቶ” ሠመረ አብ ወልደ ገብርኤል፤ ንነዊሕ ዓመታት ቈርበት በጊዕ ተኸዲኑ፡ ሓቀኛ መንነቱ ከዊሉ፣  ብጥዑምን ጠባሪን ቃላት፡  መናፍቓዊ ትምህርትታት ብምስባኽ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ክፈላሊ ዝጸንሐ፤ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘላ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ መናፍቅ ተባሂሉ። ብቅዱስ ሲኖዶስ ከም ዝተወገዘን ከነፍልጥኹም ንደሊ።

ቅድሚ ሕጂ በቶም ተብዓት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ብዝኾኑ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን ከም ዝተወግዘ ዝፍለጥ ኮይኑ። ሎሚ ድማ ምልኣት ሲኖዶስ ጉጉይ ትምህርትታቱ ብዕቱብ ብምምልካት ውሳኔኦም ኣሕሊፎም ኣለው።

 Click hear to read in PDF (ምሉእ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔ ንምምልካት)  

2 comments:

  1. በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
    ሰላም ናይ እግዚኣብሄር ምስ ኩላትና ይኩን ። ኣነ ኣብ ኩሉ እትጽሕፍዎን ፣ እተመሓላልፍዎን ብጽቡቅ ካብ ዝከታተልኩም ሓደ እየ።
    ብዙሕ ጽቡቅ ነገር ድማ ክርእየልኩም ጸኒሐን ኣለኩን ። ከም ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣማኒ መተን ከኣ ጽቡቅ ኣብ ተመሓላልፍሉ ደስ ይብለኒ። ናትኩም ሕማቅ ከኣ ክርኢ ኣይደልን ።እዚ ሕጂ እተርእይዎ ዘለኩም ገለ ነጥብታት ግን ብዙሕ ኣይደገፍኩዎን ። ስለምንታይ ሲ ከምዚ ናይ ፖለቲካ ኣካይዳ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ዩ።
    ንኣብነት ፣ ኣብ ዝኮነ ጉዕዞ ሂወተይ ካብ ዝረኣኩዎ ንሓደ ገባሪ ኩፉእ እንዳ ፈለጥካዮ ስቅ ዩ ዝበሃል [ ደረፍቲ ፣ሰክራማት ፤ ሰረቅቲ ፣ ደባትር ፣ጠንቆልቲ ] ወዘተ ማለተይ እየ ። ኣብዚ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ግን ብዘይ ንሕስያ ክዝለፉ ይርኤ ። ንሓደ ኣብ መራከቢ ብዙሓን ምዝርጋሕ ማለት እኮ ትንፋሱ ምሕላፍ ሰብ ከይቀርቦ ምግባር ዩ። ኣረ እዚ ኣብ ኦርቶዶክስ ክርኤ ጽቡቅ ኣይኮነን።

    ReplyDelete
  2. †በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †

    ሰላም ንዓካ ከሳቴ ብርሃን ሓውና ወይ ሓፍትና ስለ ሓሳብኩም ኣዚና ነመስግን!!! ቀጺለ

    ከም ዝበልካ/ኪዪ ናይ ሰብ ጌጋ ናብ ደገ ምውጻእ ኢሃይማኖታዊ ግብሪ እዩ። እንተ ኾነ ግን ነዚ ውን ቤተክርስቲያን ገደብ ጌራትሉ ኢያ (ቀሊል ኣብነት ታሪክ ቤተክርስቲያን ንዝርከቡ ምምላስ ዝኣበዩ መናፍቃን ዝተወሰነሎም) ክንምልከት ንኽእል። እዚ ድማ ጽልኣት ወይ ካልእ ኣይኮነን፡ ነገሩ ርዱእ እዩ ከመይ? ንሕና እኮ ካብ ኣካላትና ንኻልእ የባኽን እዩ ንዝተባሃለ ክፍሊ እንዳ ሓዘና ግን ካብ ዘባኽን ኢልና ከይነሓፍና ከም እንቆርጾ። እዞም ሰብ እዚኦም ውን እቲ ዝኸድዎ ዘለዎ መንገዲ ጽቡቅ ኣይኮነን ናብታ ጸባብ ፍኖተ ሕይወት ዘይኮነ ናብታ ገፋሕ ግን ፍኖተ ደይን ወኩነኔ እዩ ዝወስድ እሞ ሰባት ተጠንቀቁ ኢና ንብል ዘለና እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2ይ ተሰሎንቄ 3፡ 6 ከምዚ ይብል (እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና) ስለዚ ሓውና ነቲ [ ደረፍቲ ፣ሰክራማት ፤ ሰረቅቲ ፣ ደባትር ፣ጠንቆልቲ ] እንዳ በልካ ምሳሌ ዝሃብካዮ ድማ ከምዚ ይብለካ። ቅ.ዮሐንስ ስለ ይሁዳ ከምዚ ክብል ይጽሕፍ ዮሐ 12: 6 (እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ) ኢሉ ንይሁዳ ሰራቂ ክብል ይገልጾ እሞ ሓውና/ሓፍትና ኣነ ውን ቅ.ዮሐንስ ሰራቂ ንዝበሎ 10000 ግዜ ደጋጊመ ሰራቂ ምባለይ ዘንቅፍ ኣይመስለኒን (ንምውድዳር ዘይሙኻኑ ከተቅልበለይ ይምሕጸን) ዘዛርበና ዘሎ ግብሪ ስለ ዝኾነ። በዚ ኮነ በቲ ግን ኣነ እንታይ ደስ ምበለኒ ካብዚ ኣቅሪብናዮ ዘለና ነጥብታት ቅኑዕ ኣይኮነን ዝበልካ/ኪዮ ብምልዓል ምስ ምኽንያቱ ተትገልጽ ኣዚዩ ደስ ምበለኒ።
    ብዙሕ ክብል ደልየ ኔረ ግን ከየሰልችወካ/ኪ

    ReplyDelete