Thursday, 31 October 2013

ኣየ '''ስጋ'''' ትገብርዮ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ኣሜን


መዋቲት ከለኺ ትኸብሪ
ብብዝሒ ሓጢአትኪ ትጀሃሪ
በስባሲት ከሎኺ ትውይዝሪ
ጸሎትኪ ገዲፍኪ ትፍክሪ
ብነጸላ ትዕቢት ተጓዕትሪ
መመሪጽኪ ትኽደኒ ሃሪ
ነፍሲ ብረሳሓስ ስጋ ተቃርሪ
ብዘይጠቅም ዕንቍ ትኳረሪ
ብዘይ መጠን ከኣ ትሰትዪ ትሰክሪ
ክትጐዪ ክትብሊ ትስበሪ
መፍጥሮኺ ካብ መሬት ካብ ጸብሪ
መዓስ ፈጢሩኪ ክትዕንድሪ።

ጸሓይ ከይ ዓረበት ግዳ ስንቅኪ ቝጸሪ
ናይዛ ዓለም መርዓስ ፍጻሜኡ ቀብሪ
ወይዘሮ ሞት ከላስ እዚ ኹሉ ጻዕሪ
ንውዳሴ ከንቱ ንሓላፊ ኽብሪ
ብልፍንቲ ኮይኑ ስዋ ዝኽሪ
 ይወኣኒ ድካ ጾሙ ሓዳሪ።

ቅሩብ ሂብና  ግዳ ብዙሕ ዘይነጥሪ
ዕሽር ንዝራእ ኣብ ሰማይ ዘፍሪ
ጽባሕ ክመጻና እዩ ዘይጥበር መርማሪ
ምኽኒት ዘይፈቱ ትርፎ ሓንቲ ግብሪ
ወይልኺ ነፍሲየ ኣበይኮን ክትሰፍሪ
መን'ዩ ዝቖሞ ኣብ ቅድሚ ፋጣሪ
 ንዘለዓለም ጥፍኣት በዛ ሓጻር ዕምሪ
ተኣሲርካስ ናብ ዘይጠፍእ ጓህሪ።

ጓሳ ነፍሲ ከመይ ዘይትኵሪ
ጉቦ ኮይኑ ፈታሒ ኣሳሪ
ናይ ሎሚ እዋን ክንደይ ኮን ትመሪ 
ጸላም ትጐልቢብኪ ትውቅሪ
መጽሓፍ ዝኣከቦ ትዝርዝሪ
ብሰማይ የውርዶ ቅኑዕ ግብሪ።

ኣንቱም ኣይትበሉ ናትና'ጸሪ
ሓደ እዩ ፍጥረተን ክልቲአን ድጕሪ
ተዳለዉ ቅድሚ ሞት ሰዓሪ
ቀልጢፍኩም እተዉ ከይተዓጽወ በሪ
ነታ ነዋሕ መጽዓን ተተሪፉ ስድሪ
ኣይምሰልካ ብዋዛ ዝቐሪ
ተጸዊዓ ትጐዪ ' ላ ምድሪ።




No comments:

Post a Comment