†በስመ ኣብ፣ ወወልድ፣ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ኣሓዱ ኣምላኽ፣ ኣሜን!†
ሰማይ ክጽልምተና ንስካ ተብርሆ
ምድሪ ከንቀጥቅጥ ባዕልካ ተህድኦ
ጸገምና ኣሊካ ትፈጥረልና ዝበለጸ
. . . እስከ ተመስገን
ከይረብረብካ ንድካ ትዕንግል
በረከት ኣብዚሕካ እትዕድል
ንስንኩፍ ኣንቂሕካ እተደልድል
ሓጢኣትና ዘይትጽብጽብ
ንይቅሬታ ዘይትርብርብ
. . . እስከ ተመስገን
መገዱ ንዝጠፍኦ ብጥበብ ኣትሕብር
ካብ ሽግር ናብ ራህዋ ብመንክር እተስግር
ነቲ ዘክታም ኣቦ እትኮኖ
ጽምውኡ ጋሊህካ ሓጎስ እትከድኖ
. . . እስከ ተመስገን
ካብ ምስጋና ሓሊፈ
እንታይ`ሞ ክብለካ
ጎይታየ ተመስገን
ናብራይ ዝባረክካ!!
No comments:
Post a Comment