Saturday, 20 April 2013

ኒቆዲሞስ

ናይ ለይቲ ተማሃራይ . .
   †††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን †††

ኒቆዲሞስ /ዮሃ ፫፤፪/3፡2/፦ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኒቆዲሞስ  ተባሂላ ዝተጸወዐትሉ ምኽንያት፡ ከምተን ኣቀዲምና ዝረኣናየን ሰናብቲ፡ ነዚኣ ድማ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ጸመ ድጓ  ድርሰቱ ብዛዕባ  ኒቆዲሞስ /ካብ  ወንጌል ዮውሃን ምዕራፍ ሰለስተ ካብ ዘሎ ሓይለ  ቃል ወሲዱ ''ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ፡፡'' 
ትርጉም፦ ስሙ ኒቆዲሞስ  ዝተባህለ ሰብ ናብ ጐይታ ኢየሱስ ከደ፡ ኦ መምህር ከተስተምህር ኢልካ ካብ እግዚአብሔር አብ ከም ዝመጻእካ ንኣምን ኢና።'' ኢሉ  በዛ 7ይቲ  ሻውዓይ መዓልቲ  ስለ ዝደረሰ፡ ዘምስገንን እዩ።

እቲ ቃል ከምዚ ይብል፦ /ዮው፫፡3፡1-. . .ፍጻ  ኣንብብ/
ሓደ ካብ  ፈሪሳዊያን ኒቆዲሞስ  ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፦መምህር! ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፣ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኰንካ ኻብ ኣምላኽ ከምዝ መጻእካ ንፈልጥ ኢና በሎ።

 ካብዚ ናይ  ለይቲ ተማሃራይ ዝኮነ ኒቆዲሞስ  እንታይ ኮን ንመሃር ንከውን? ከጺልና ንመልከት።
 

ኒቆዲሞስ ካብ ቀትሪ ብብርሃን  ንምንታይ ብጸልማት ግዜ  ናብ ጐይታ እንዳ ከደ ክመሃር መረጸ? ንምንታይ ብቀትሪ ዘይከደ?

. ኒቆዲሞስ መምህር ስለዝነበር ክመሃር እንከሎ  ሰባት ምስ ዝርእይዎ፡ መምህር ምባል ክተርፈኒ’ዩ  ኢሉ ስለ ዝሓሰበ እዩ። ሎሚ’ውን ንሕና  ናይ ዘለዓለም ሕይወት፡ ዝህብ ቅዱስ ቃሉ ብትሕትና ክንመሃር እንዳ ተገበአና፡ ናይ ምድራዊ ክብሪ ክንብል ብግዜ ቀትሪ ክንመሃር  ዘይከኣልና  ብዙሓት ኢና። ስለዚ ናይ መዓልቲ ግዜና  ብኣጋባብ  ክንጥቀመሉ ይግባእ።
  
 ‹ ሓደ እኳ ኪዓየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላዮሃ ፱፤፬/9፡5/

.ኒቆዲሞስ ናይ አይሁድ መምህር ስለዝነበር  ኣይሁድ ከይርእይዎ  ፈሪሑ ብለይቲ ናብ ጐይታ እንዳ ከደ ይመሃር ነበረ። ሎሚ’ከ ንሕና ልብናን ሕልናናን ስለ እውነት እንዳ መስከረልና፡ ሰብ ከምዚ ከይብለኒ ብምባል ክንደይ ኢና ካብ ሃይማኖትናን፡ ካብ መንፈሳዊ ባህልናና፡ ሸፊትና እንርከብ ዘሎና?

ኒቆዲሞስ ካብ ብቀትሪ፡ ብለይቲ ብጽምዋ  ብዙሕ ትምህርት ከም ዝምሃር ስለ ዝፈለጠ  ልቡናኡን ሓንጐሉን ብምክፋት፡ ንስጋኡ  ዕረፍቲ  ብምክላእ ካብ ብመዓልቲ ምምሃር ብለይቲ ምምሃር ይመርጽ ነብረ፡ ንማንም ዘይተገልጸ ዓብይን መሰረታውን ዝኾነ  ምስጢረ ጥምቀት ድማ ክመሃር በቕዐ <<ወይቤሎ ኣማን ኣማን እብለከ ሰብ ዘኢተወልደ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግስተ እግዚኣብሔር>> ‘’ብሓቂ ብሓቂ እብለካ  ኣለኩ ሰብ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን እንተዘይ ተወሊዱ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይክእልን እዩ’’ ዮው፫፡፭/3፡5/ ሎሚ’ ከንደይ ኢና ኮን፡ ቃል እግዚኣብሔር ብጽምዋን ብምቹእ ግዜን ንከይንመሃር እሞ, ምስጢር ሃይማናት ከይግለጸልና፡ ቃሉ ኣብ ኣእዛና  እንዳ  ተመላለሰ ልቦናና  ደፊና እንከይድ ዘለና? እቲ ዘራኢ ይዝራእ ኣሎ። ኣበየናን መዝገበ ሕርሻ/ልቦናና ኢና እንቅበሎ ዘልና?’ ኣብ ወሰን መንገዲ? ኣብ ብዙሕ መሬት ዘይብሉ ኸውሒ? ኣብ ማእከል እሾዅ? ኣብ ጽቡቕ መሬት? ምቴ ፲፫፡፩-፱/13፡1-9/።እምበኣር ምእመና  ብጽምዋ ሰሚዕና  ንቃሉ ብምስትንታን ከነስተውዕሎ ይግባእ፡ ምኽንያት እቲ ነቲ ቃሉ ዘስተውዕል እዩ ጽቡቕ ፍረ ዝሓፍስ።

  ‘’እቲ ኣብ ጽቢቕ መሬት  ዝተዘርአ ግና እቲ ነዚ ቓል ሰሚዑ ዚስተውዕል እዩ፡ ንሱ  እቲ ብሓቂ ፍረ ዝፈርን፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ከኣ ሳላሳ ዝህብ እዩ።’’ ማቴ13፡23

 ''ነዘ ቃላተይ ሰሚዑ ዘፍጽመን ኵሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሐ ብልሂ ሰባይ ይመስል። ዝናብ ዘነመ፣ ወሓይዝ ወሓዙ፣ ንፋስ'ውን ነፈሱ፣ ነቲ ቤት ደፍእዎ፣ ኣብ ከውሒ ስለ ዝተሰረተ ድማ ኣይወደቀን። ነዘ ቃላተይ ሰሚዑ ዘይፍጽመን ኵሉ ከኣ ቤቱ ኣብ ሕጻ ዝሰርሐ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል፡ ዝናብ ዘነመ፣ ወሓይዝ ወሓዙ፣ ንፋስ'ውን ነፈሱ፣ ነቲ ቤት ደፍእዎ፣ወደቐ'ውን ኣወዳድቓኡ ድማ ዓቢ ኮነ። ማቴ7፡24፡27/

    
 ፬  ኒቆዲሞስ ብለይቲ ምምጻኡ ኣብ ሓጢኣት ምሕላዉ፡  ንስሓ ከም ዘድልዮ' የረድአና፡  ሎም’ከ ክንደይ ኢና ቅዱስ  ቃሉ ክንሰምዕ  ብተኣምኖ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ  ቀሪብና ሓጢኣትና እንናዘዝ? ኣምላኽና እግዚኣብሔር ካባና ዝጽበዮ እዚ እዩ ንንስሓ ዝበቕዕ ፍረ <<እምበኣር ከስ ንንስሓ ዚበቕዕ ፍረ ግበሩ>>ማቴ3፡8/  ብርግጽ ቃሉ ኣብ እንሰምዓሉ ግዜ ሕይወትና  ብንስሓ ክንሓጽብ ይግበኣና፡ እምላኽና እግዚኣብሄር ድማ  መሓሪ እዩ ይቅረ ድማ ክብለልና እዩ። ከምዚ ሓደ ኣቦ ዝበልዎ እዩ። ‘’እስመ ኣልቦ ገብር ዘእንበለ ሓጢኣት፡ ወኣልቦ እግዚእ ዘእንበለ ምሕረት’’ ማለት ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ባርያ  የለን፡ ብዘይ ምሕረት  ዘነብር ጐይታ’ውን የለን/ኣባ ዕብሎይ/። ከም ዝበሉ። ብሓቂ ኣምላኽና መሓሪ እዩ።
  
ኒቆዲሞስ ‘’ብለይቲ’’ ናብ ጐይታ ከይዱ ምምሃሩ፡ ለይቲ ብብሉይ ኪዳን ስለ ዝምሰል እዩ። <<ሓለፈት ሌሊት ወመጸት መዓልት ወንግድፍ እምላዕሌነ ምግበረ ጸልመት>> /ሮሜ 13፡11-14/ ከም ዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ  ስለዚ ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ ዝከደሉ ምክንያት ኣነ  ምሁረ ኦሪት እምበር  ምሁረ ወንጌል  ኣይኮንኩን እሞ ብርሃንካ ግለጸለይ ልቦናናይ ክፈተለይ  ክብል ስለ ዝደለየ እዩ። ሎሚ'ከ ክንደይ ኢና ''ብሉይ ሓሉፉ ኩሉ ሓዱሽ ኣብ ዝኮነሉ፡ 2ይቆሮ5፡17/ ኣብ ክንዲ ምግባረ ብርሃን እንሰርሕ ኣብ ናይ ጽልመት ማእሰርቲ እንገርግር ዘለና? ብርግጽ እቲ ብምኽንያት ድያብሎስ እንገብሮ ዝነበርና ምግባረ ጽልመት  ኩሉ ሓሉፉ እዩ። ዘለናዮ ዘመነ ''ብርሃን'' እዩ። ስለዚ ካብ ብጸልማት ብብርሃን ንመላለስ። 

 
ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ ከይዱ ምምሓሩ ዘመስግን ተግባር እዩ። ናቱ ወገና  ዝኮኑ ኣይሁድ ንጐይታ ዘይተከተልዎ ኒቆዲሞስ ግን ናይ ጐይታ ቃል ምፍታዉ ዘደንቅ እዩ።

ኒቆዲሞስ ዘምስዮ ምስ ጐይታ እዩ ነይሩ። ኣብ‘ታ ዘላቶ ናይ ዕረፍቲ  ግዜ  ናብ ጐይታ እንዳ ከድ  ይመሃር ነበረ።  እዚ ዓብዪ ዕድል እዩ። 

ኒቆዲሞስ ቀትሪ  ምሉእ መዓልቲ ኣብ ፈቀዶ ምኵራብ ክምህር  እንዳ ወዓለ  እንከሎ፡ ደኪመ ሰልኪዩኒ ከይበለ ምሸት ምሸት ናብ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳ  ከደ ይመሃር ነበረ። ብርግጽ  ናይ ኒቆዲሞስ  ስርሕ ዕጹብ ድንቅ ኢልካ ዝሕለፍ እዩ። ሎሚ ኣነን ንስኩምን ተምበርኪክና  ክንመሃር እንዳ  ተገበኣና ‘’መሃርቲ እንበር ተመሃርቲ ኣይኮናን ብምባል ርእስና እንልዕል ክንደይ እኮ ኢና’’?

ኒቆዲሞስ  ግን ቤተይ ኣትየ ቅሩብ ከዕርፍ እዩ፡ ከይ በለ ብግዜ  ጸልማና  ናብቲ ናይ በሓቂ ኣምላኽ  ዝኮነ /1ይ.ዮው4፡20// ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳ ከደ እዩ ግዜኡ ዘሕልፎ ዝነበረ፡ ናይ ጽድቂን  ናይ በረከት ቃልን ሒዙ ድማ ናብ ቤቱ ይምለስ ነበረ። ሎሚ’ከ  ክንደይ ኢና ናብ ለይቲ ግዜና  ኣብ ዳንኬራን ዕብዳንን እነሕልፎ ዘልና? እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንንሰሓሉ ግዜ የሃበና።
ኣሜን!!!
ኣብ'ዚ ዕለት እዚ ዝንበብ ናይ ቅዳሴ  ንባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ሮሜ ፯፥፩-፱
 ንፍቅ ዲያቆን፦1ይ ዮሓ ፬፥፲፰-መፈጸምታ
ንፍቅ ካህን፦ግብ ሓዋ ፭፥፴፬-መፈጸምታ
               ስብከት ፦  ሐወጽከኒ ሌሊት ወፈተንኮ ለልብየ 
                                     አመከርከኒ ወኢተረክበ አመጻ በላዕሌየ 
                                 ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እምሕያው። (መዝ ፲፮፥፫)

                                          ንልበይ ፈተንካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካኒ፡ 
                                           መርሚርካስ ገለ እኳ ኣይረኽብካለይን፡ 
                                     ስራሕ ሰባት ኣፈይ ከይዛረብ ፈቓደይ እዩ።(መዝ ፲፯፥፫) 

 ገባሬ ሰናይ ካህን፦ ዮሓ ፫፥፩-፳



ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
  አሜን።



No comments:

Post a Comment