†††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣
ኣሜን †††
ኣብ ኣርበዓ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ መበል ሻድሻይ ተሰሪዓ እትርከብ ''ገብር ኄር'' እያ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣሳጋገሩ፡ ኣብዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣ ስለ ዘብጽሐናን፡ በርከት ናይዛ ዕለት እዚኣ ድማ ንክንሳተፍ ስለ ዘብቀዐናን፡ ክብርና ምስጋናን ንልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ይኹን።
ጎይታናን ኣምላኽናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ካብ ዝመሃሮም ትምህርታት ሐደ እዚ ኣብዛ ሻድሻይ ሰሙን ኣብ
ቤተክርስቲያና ዝንበብ ናይ ``ገብር ኄር`` ታሪኽ እዩ። ናይ ዝሓለፈ ሓምሻይ ሰሙን ደብረ ዘይት ብዝሰፍሓ ከም ዝተመልከትናዮ ናይ
ጎይታና ዳግማይ ምጽኣቱ ዝሕሰበሉ እዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ``ገብረ ኄር`` ድማ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት <“እስመ አንተ
ትፈድዮ ለኵሉ በከመ ምግባሩ/ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ትፈድዮ ኢኻ/ መዝ 62፡12 ከምዝበሎ ጎይታ ምስ መጸ ንኹልና ከምስራሕናን ከም ግብርናን ከምዝኸፍለናን ከም ዝህበናን እንሓስበሉን እንዝክረሉን ሰሙን
እዩ።
ካብዚ ስያሜ ብምብጋስ ከኣ ኣቦታትና ሊቃውንት ነዛ ዕለት ዝኸውን ወንጌል ማቴ 25፣14-30 ዘሎ እዮም ሰሪዖምልና ፣ ከምዚ ከኣ ይብል “ ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ነቲ ሓደ ሓሙሽተ መክሊት ነቲ ሐደ ክልተ ነቲ ሐደ ከኣ ሓደ መክሊት ክነግደሉ ሂብዎም ገሸ’ሞ ድሕሪ ነዊሕ መዓልቲ መጺኡ ምስቶም ኣገልገልቱ ክጻባጸብ ጀመረ እናበለ ይቅጽል።
ኣብ ኣርበዓ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ መበል ሻድሻይ ተሰሪዓ እትርከብ ''ገብር ኄር'' እያ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣሳጋገሩ፡ ኣብዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣ ስለ ዘብጽሐናን፡ በርከት ናይዛ ዕለት እዚኣ ድማ ንክንሳተፍ ስለ ዘብቀዐናን፡ ክብርና ምስጋናን ንልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ይኹን።

ካብዚ ስያሜ ብምብጋስ ከኣ ኣቦታትና ሊቃውንት ነዛ ዕለት ዝኸውን ወንጌል ማቴ 25፣14-30 ዘሎ እዮም ሰሪዖምልና ፣ ከምዚ ከኣ ይብል “ ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ነቲ ሓደ ሓሙሽተ መክሊት ነቲ ሐደ ክልተ ነቲ ሐደ ከኣ ሓደ መክሊት ክነግደሉ ሂብዎም ገሸ’ሞ ድሕሪ ነዊሕ መዓልቲ መጺኡ ምስቶም ኣገልገልቱ ክጻባጸብ ጀመረ እናበለ ይቅጽል።
እዚ ታሪኽ ጌና ክጅምር እንከሎ ከም ዝነግረና እዚ መገሻ ኽከይድ ዝሓሰበ ሰብ ንገላውኡ ጸዊዑ ``ንነፍሲ ወከፎም
ከከም ዓቅሞም ሂብዎም ገሸ ይብለና ``//ማቴ 25:15// እዚ ድማ ነቲ ሓደ ሓሙሽተ መክሊት ነቲ ሐደ ክልተ ነቲ ሐደ ከኣ ሓደ መክሊት ክነግደሉ ሂብዎም ከደ ይብለና። ምናልባት ንገለ ገለ ኣንበብቲ ናይዚ ጎይታ መክሊት ኣወሃህባ ኣድልዎ ዘለዎ ኮይኑ ዝስምዖም ኣለው። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት
ግን ብዘይ ጭንቀት ሰሪሖም ውጺኢታውያን ንሙኻን እዩ ``ከከም ዓቅሞም`` ሂብዎም ዝኸደ። ቀጺልና ምስ እነንብቦ እዚ ጎይታ ብዝኸዶ
ኣይተረፈን እኳ ድኣ ተመሊሱ ከም ዝተጻባጸቦም እሞ ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ዘፍረይዎ ከምቲ ዝተዋህቦም እዩ ዝነበረ ስለዚ እዚ ጎይታ
ኣዝዩ ርህሩህን ቅኑዑን ሙኻኑ የረድኣና።
ከምኡውን ሎሚ ኣብ
ቤተክርስትያንና “መኑ ውእቱ ገብርኄር ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሰምዮ ዲበ ኩሉ ንዋዮ ወይቤሎ እግዚኡ ገብር ኄር ”
ሠናይ እናገበረ ጐይትኡ ዝረኽቦ'ሞ ብውሕዱ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካዩ ዝብሎ እሙን ኣገልጋሊ መን’ዩ ?” ዝብል
መዝሙር’ዩ ክዝመር ዝሕድረ።
ካብዚ ቀጺልና ኣብዚ ታሪክ ንዘለዉ ሰለስተ ኣካላት ማለት መክሊት ዝሃበ ጎይታ፡ ገብር ኄር ዝተባህሉ በዓል ሓሙሽተ መክሊትን ክልተ መክሊትን፡ ኦ ገብር ሀካይ ወእኩይ ዝተባህለ
ብዓል ሓደ መኽሊትን፡ በብሓደ ክንምልከቶም ኢና።
ሰናይ ንባብ.......
ብዓል
ጸጋ ሃብታም ሰብኣይ፡- እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ
ድላዩ ክገብር ዝኽእል ሙኻኑ ካብ እቲ ንባብ ምርዳእ ይክኣል። ‘’ ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ ’’ ነዚ ወስኽዎ ነቲ ኣሕድግዎ ክብል ንሰምዖ እዚ ድማ
ናይ ``ከሃሌ ኵሎ፡ ገባሬ ኵሎ፡ ሴሳየ ኵሎ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሄር ምሳሌ እዩ። እሱ ኣብ ፍጥረታቱ ስልጣን ዘለዎ፥ ኣባ ጊዮርጊስ
ዘጋስጫ ከም ዝበልዎ ``አልቦ ዘይብሎ ተዋሥኦቶ፥ ወአልቦ ዘይብሎ ምንተ ገበርከ፥ ዘንተ አሕሰምከ፥ ወዘንተ ኣሰነይከ`` ንምንታይ
ነዚ ጌርካ፥ ንምንታይከ ነዚ ኣጸቢቅካ፥ ነዚ ዘሕሰምካዮ፥ ኢሉ ክሓቶ፥ ክዛረቦ ዝኽእል መን እዩ። //መ.ሰዓታት// ካልኣይ ናይ እዚ ብዓል ጸጋ ሰብ ለውሃቱን ርሕራሄኡን እዩ። ጎይታ ኣብ ወልጌሉ ``ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ`` //ማቴ 11:29// ከምዝበሎ ነዞም ኣገልገልቲ ዘድልዮም ብምፍላጥ ``ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቅሞም ሂብዎም ገሸ ይብለና `` ምኽንያቱ እዞም ኣገልገልቲ ዘፍረይዎ ውን ከምቲ ዝተቀበልዎ እዩ ኔሩ ብዓል ሓሙሽተ ሓሙሽተ ከፍሪ ከሎ ብዓል ክልተ ድማ ክልተ እዩ ዘፍረየ። እቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ድማ ኣሽንኳይ ከምቶም ካልኦት ሓሙሽተ ክልተ ተዋሂብዎስ ነታ ሓንቲ ውን ክረብሓላ ኣይከኣለን። ስለዚ እዚ ጎይታ ኣዝዩ ርህሩህን ቅኑዑን ብሙኻኑ ``ከከም ዓቅሞም ድኣ እምበር`` ልዕሊ ዓቅሞም ከምዘይጽዓኖም የረድኣና። ስለዚ ንሕና ከኣ በብዓቅምና ዝተፈላለየ ጸጋ ማለት ህያብ ካብ እግዚብሔር ዝተዓደልና ኢና ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጻውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ
ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ ከምቲ ዝተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝኾነ ውህበት ጸጋ ካብ ዝህልወናሲ፡ ትንቢት እንተኾነ ብእምነት ልክዕ ይኹን፡
ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ ብኣገልግሎቱ ይትጋህ ፣ ዚምህር እንተ ኮነ ኣብ ምምሃሩ ይጽናዕ ፣ መዓዲ እንተ ኾነ ኣብ ምምዓዱ ይጽናዕ
፣ ዝህብ እንተ ኾነ ብልግሲ ይሀብ ፣ መራሒ እንተ ኾነ ብትግሃት ይምራሕ ፣ እቲ ዝርኅርኅ ብሓጎስ ይራኅርኅ ” ክብል ነቲ ዝተዋህበና
ጸጋ ኣምላኽ ብትግሃትን ብሓጎስን ኣለሊና ከነገልግለሉ ከም ዝግብአና’ዩ ዝነግረና ።
እሙናት
ኣገልገልቲ፦ እሙናት ኣገልገልቲ ተባሂሎም ተጸዊዖም
ዘለዉ ሓሙሽተን መኽሊት ዝተቀበለን፥ ክልተ መኽሊት ዝተቀበለን እዮም። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና እዞም ክልተ እሙናት ኣገልገልቲ ረቢሖም
ዝተረኽቡ ካብቲ ብዓል ሓደ መኽሊት ዚበዝሕ ስለ ዝተዋህቦም ኣይኮነን እንታይ ድኣ ነቲ ዝተዋህቦም ጽዒሮም በቲ ዝተዋሃቦም መጠን
ረቢሖሙሉ ስለ ዝተረኸቡ እዩ። ምክንያቱ ብዓል ክልተ መክሊት ንምንታይ ሓሙሽተ ዘይረባሕካ ተባሂለ ኣይተወቅሰን በቲ ዝተዋህቦ ረቢሑ
ስለ ዝተረክበ። ስለዚ ንሕናኸ ከምቲ እዞም በዓል
ሓሙሽተን በዓል ክልተ መኽሊትን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ከምቲ ጐይትኦም ዝደልዮ ጌሮም ዝሰርሑ ዕጽፊ ናቱ ኸኣ ዝረብሑ ኣብ ቅድሚ ጐይትኦም
ከኣ ሞገስን ክብሪን ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲን ዝረኸቡ ከምኦም ዲና ወይሲ ከምቲ በዓል ሓደ መኽሊት ነቲ ዝተዋህቦ ናይ እምነት ጸጋ
መናፍቓን ከይብርትዑኒ ዓለማውያን ከይቀትሉኒ ኢሉ ብምጥርጣር ነቲ ዝተዋህቦም ኣብ መሬት ዝቐበሮ ማለት ንኻልኦት ከይነገረሉ ከምቲ
ስቕ ብምባሉ ጐይትኡ ምስ መጸ ኸኣ ነታ ዘላቶ ኣግዲፎም ናብ ጸልማት ክድርብይዎ ዝኣዘዘ ከምቲ በዓል ሓዳ መክሊት ኮይና ከይንህሉ
ንጠንቀቕ። ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ’ዩ ዝብለና ከምኡውን 1ይጼጥ. 3፣15 “ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ንዝሓቱኹም ምላሽ
ምሃብ ምእንቲ ክትክእሉ ኩሉሳዕ ድልዋት ኩኑ” ይብለና ሰለዚ ነቲ ብኣመንቲ ይኹን ብዘይ ኣመንቲ ክመጻና ዝክእል ሕቶ ብትብዓት ምእንቲ
ክንምልስ ሎሚ ክንዳሎ ይግብኣና ፣ ከምኡ ከኣ ከምቲ ብዓል ሓደ መክሊት ኣብ ግዜ ጸብጻብ መኽሰብ ዘይብልና ኮይና ከይንርከብ ሎሚ
ጸጋና ኣለሊና ብእምነት ክንተግህ’ዩ ዝግብኣና ።ጸጋና ግን እንታይ ኮን ይኸውን ? ከምቲ ንጉስ ሰለሞን ጸጋ ጥበብ ምስ ተዋህቦ
ቤት ኣምላክ ዝሃነጸ ዲዩ?(2ይ ዜና 1፣12) ወይስ ከም ሐዋርያት ዝተፈላለየ ቋንቋታት ምስ ተዋህቡ ወንጌል ዝሰበኹሉ ንደቂ ሰባት
ካብ ናይ ሥጋን መንፈስን ደዌ ዘናገፉሉን ።ንሕናኸ ጸጋና እንታይ’ዩ ዝብል ሕቶ ኣብ ኩላትና ምእመናን ክለዓል ዘለዎ እዩ ።
ጐይታናን መድኃኒናን
ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ምሳሌ ጌሩ ዝመሃረና ከምቶም በዓል ክልተን ሓሙሽተን መክሊት ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ከነገልግለሉ ይግባእ ኩሉ
ምእመን ክጥቐመሉ ኸሎ ሰላሳ ፣ ሱሳ ገሊኡ’ውን ሚእቲ ከም ዝፈሪ ሎሚ’ውን ንዓና ናይ ምእዛዝ ፣ ምጽላይ ፣ ምስጋድ፣ ምምጽዋት
፣ ናይ ምምሃር፣ ናይ ምግልጋል ከምእውን ዝተፈላለዩ ጸጋታት ተዋሂና እዩ’ሞ ከምቲ ቅዱስ ጻውሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ ኣብ 2ይ ጢሞ
2፣15 ከምዚ ክብል ዝመዓዶ “ ንቃል ሓቂ ትኽ ንትኽ ዝምህር ዘሕፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ
ከተወፊ ጸዓር ” ዝበሎ ንሕና ከኣ ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ብዘይምሕፋር ብፍጹም ትሕትና ንእግዚኣብሔር ክንምስክርን ከነገልገልን እዪ
ዘለና ።ንዕኡ ከነገልግል ልዑል እግዚአብሔ ጸግኡ የብዝሐልና ።
ሃካይን ክፉእን
ኣገልጋሊ፦ እዚ በዓል ጸጋ ሰብ ነዞም ኣገልገልቲ መኽሊት ሂብዎም ዚኸደ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኣትሪፎሙሉ ንኽጸንሑ እዩ
ኔሩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ከም ኣቅሞም ከም ክእለቶምን ተዋሂቦም ከብቅዑ እዚ ሰነፍን ክፉእን ኣገልጋሊ ግን ካብ
ዝተኣዘዘሉ መንገዲ ብተቃራኒ እዩ። እቲ ክረብሓሉ ዝግብኦ መኽሊት እዩ ቀቢርዎ እዚ ድማ ንጎይትኡ ዘለዎ ትህኪት እዩ ዘርእየና።
ሀ. ጎይትኡ
ምስ መጸ ናይ ዓመጻ ቃል ተዛሪቡ፦ እዚ ብዓል ጸጋ ካብ
ዝገሾ ተመሊሱ እንታይ ከም ዘፍረየ ምስ ሓተቶ ``ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ``። እዚ መልሲ ናይ ዓመጻ ቃል ካብ ሙኻኑ ብተወሳኺ ሓሶት
ዝተወሶኾ ውን እዩ። ምኽንያቱ እሱ ከም ዝበሎ ጎይትኡ < ዘይዘርኦ ዝዓጽድ፡ ዘይበተኖውን ከም ዝእክብ ጨካን ሰብ > ኔሩ እንተ ዝኸውን፥ ዝኾነ መኽሊት ከይሃበ ክልተ መኽሊት እዩ
ክሓቶ ኔርዎ። ካብዚ ጽሑፍ ከም እነንብቦ፥ ዘርብሖ ቅድሚ ምሕታቱ ሓደ መኽሊት ከም ዝሃቦ እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣቀዲሙ ዘሪኡ
ኔሩ ማለት እዩ። ስለዚ እዚ ጎይታ ዘሪኡ እዩ እሞ ክዓጽድ ይግብኦ እዩ፥ በቲኑ እዩ እሞ ክእክብ ይግብኦ እዩ።
ለ. እሱ እኳ
ምስራሕ እንተ ተሳእኖ እቲ ዕድል ግን ንኻልኦት ኣይሃበን፦ እዚ ሰብ ዝተዋህቦ መኽሊት ረቢሕሉ ክጸንሕ ከም ዘለዎ ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ጌና ክህቦ ከሎ ካብ ጎይትኡ
ዝተዋህቦ ትእዛዝ እዩ። ስለዚ ምናልባት እኮ ንሱ ወሪዱ ደይቡ ምርባሕ እንተ ተሳእኖ። ወሪዶም ደዪቦም ክረብሕሉ ንዝኽእሉ ሰባት
ዘይምሃቡ ግን ተወሳኺ ጥፍኣቱ እዩ። ነዚ ከይገብር ድማ ኣብ ውሽጡ ዝቀረጾ ናይ ዓመጽ ዘይረብሕ ምኽንያት ካብ ናይ ጎይትኡ መዓት
ዘድሕኖ ስለ ዝመሰሎ እዩ። ሎሚ ውን ኣብ ዘመና ዘሎ ሰብ ን ሔዋንን ነዚ ክፉእ ባርያ ዘይጠቀመ ምኽንያት ከም ምኽንያት ጌሩ ካብ
ንፍቅሪ ንጽልኢ ካብ ንቤት እግዚኣብሔር ምምጻእ ንምትራፍ ካብ ንጽድቂ ምስራሕ ንሓጢኣት ምስራሕ ምኽንያት ክደሊ ዝሓድረሉ ዘመን
ከም ዘሎና ኩላትና ነስተውዕሎ እዩ።
ቅዱስ ያሬድ “መኑ ውእቱ ገብርኄር ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ
ሠናይ/ እቲ ብሰናይ ግብሪ ጎይትኡ ዝረኽቦ እሙን ኣገልጋሊ መን እዩ ?!`` ዝብል ሕቶ ኩልና ክንምልሶ ዝግብኣና እዩ። ክቡራት
ኣንበብቲ ካብዚ ጽሑፍ እንመሃረሎም ክልተ ነገራት እዩ እሱ ድማ ይዕበ ይንኣስ ጎይታ ከም ዓቅምና ጸጋ ከም ዝሃበናን ነዚ ጸጋ
እንተ ዘይሰሪሕናሉን እንተዘይደኺምናሉ ከምዝ ቀጽዓናን እዩ`ሞ “መኑ ውእቱ ገብርኄር ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ`` እንዳ
በልና ምስ ነፍስና ከነስተንትን ይግባእ።ንዕኡ ከነገልግል ልዑል እግዚአብሔ ጸግኡ የብዝሐልና ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።
amen egziabhier amlakna beti nsu zfetwo mengedi knkeydn; meklitna kenekaebtn btsegau yhagzene! kumu dma eta blwhat brhrahe enfelta adena kdste kdusan dngl maryam bemaladneta aytfeleyena::
ReplyDeleteቅዱስ ያሬድ “መኑ ውእቱ ገብርኄር ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ/ እቲ ብሰናይ ግብሪ ጎይትኡ ዝረኽቦ እሙን ኣገልጋሊ መን እዩ ?!``